Sunday 19 July 2015

‘ፖለቲካ-ኣውራጃታት’፤ . . . ሓማሴን፡ ኣከለ-ጉዛይን ሰራየን፤ እተን ዝተርፋ ኣውራጃታት-ከ፧! ብ Mimi Mimo

ኣሮን ኣብራሃም ዝበሃል ደራፋይ ነይሩ። ሕጂ`ውን ይህሉዩ። ግናስ ክደርፍ ገጢሙኒ ኣይፈልጥን - ኣብዚ ዳሕረዋይ ግዜ። ኣሮን ሓደ እዋን ሃቢቡ ነይሩ እዩ - ኣብ ኤርትራ። ኣብቲ ፈለማ 90ታት ሓዳስ ካሴት ሰሪሑን ብዙሕ እቶት ረኺቡላ`ውን ይበሃል። በቲ ናይ` ሽዕኡ መለኪዒታት ማለት እዩ። ህብቡነቱ ተጠቒሙ ከኣ ዑደት`ውን የካይድ ነይሩ እዩ - ኣብ ከተማታት ኤርትራ። ስለ` ድማ፡ ሓደ ግዜ ኣብ ከረን ምርኢት ከቕርብ ኣብ ጆኮ ከረን’ (ሜዳ ኲዕሶ እግሪ) ተረኺቡ።
ኣሮን ምስ ደርፍታቱ ጽቡቕ ከዘናግዖም ኣምስዩ ንመንእሰያት ከረን። ኣብ መንጐ እውን እንተስ ብገርሁ እንተስ ብጉርሑ ከዘንግዖም ሓሲቡ ነይሩ እዩ።