Sunday, 7 September 2014

“ብምንባበይ ዝተጠዓስኩላ መጽሓፍ!” ብሰላምይንገስ ደባስ

ደራሲ መጽሓፍ ንኽጽሕፍ ብዙሕ ይኸስር ኣንባባይ ድማ ኣንቢቡ ብዙሕ ይኸስብ። ካብዛ መጽሓፍ እዚኣ ግን ጸሓፋይን ኣነን ብማዕረ ከሲርና። 

ብመምህር ገብረኪዳን ደስታ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ "ንእምቢታ ኣንጻር ወረርቲ" ትብል መጽሓፍ ኣንቢበያ። ደራሲ ንተጋሩ ከተዓባቢየ ተዓዚበዮ። ንታሪኽ ተጋሩ ድማ ኣቆናጂዩ ሰሪሕዎ። ኣብቲ መጽሓፍ ብዘይካ ትግራዋይ ካልእ ዓሌት ጅግና የለን ታሪኽ ኣምሓራ ንግደፎ’ሞ ታሪኽ ብዛዕባ’ታ ትግራይ ትግሪኚ ኢሉ ዝሰርሓ ሃገር ንዛረብ። ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ግፍጥፋጥ ሓቅን ሓሶትን ከየገርመኒ ኣይተረፈን።

ኣብ 24 ግእዝ ብህዝቢ ሓበሻ ዝበዓል በዓል ኣቡነተክለሃይማኖት ፖሎቲከኛ እምበር ናይ ሃይማኖት ሰብ ኣይነበረን ይብለና ኣሎ ገብረኪዳን ደስታ። ኣቡነተክለሃይማኖት ቁዱስ ዘይኮነ ኣረሜን’ዩ ይብለና መምህር ገብረኪዳን ደስታ ምስኪን ህዝቢ ኤርትራ ተታሊሉ ኣረሜን ኣሚኑ ክሳብ ሕጂ ውን ይታለል ኣሎ ምእንተ ተክለሃይማኖት መሓረና ክርስቶስ ይብል።

Tuesday, 2 September 2014

‘ሓደ መስከረም’ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ዘይኰነት-ሲ ‘ኤርትራዊት-መዓልቲ-ሓሶት’ እያ!!

ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ህዝቢ ዓደ’ብሰዓድን፡ ኣፍልጥኡ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ጐድኒ ዓዱ ዘላ ልቢ-ወለዳዊት ጐቦ ‘ኣዳል’ን ጽሒፈ ነይረ። ቅድሚኡ እውን ብዛዕባ እቲ ካብ ሰውራ ኣልጀርያን ካልኦት ሰውራታት ዓለምን ተተርጒሙን ተራዒሙን ዝቐረበ ልብ-ወለዳዊ ዛንታታትን ኣጀማምራ ‘ሰውራ-ኤርትራ’ን ገሊጸ ነይረ። ዛጊት እቲ ሓሳብ ጌጋ ምዃኑ ዝእርም ጽሑፍ ኣይረኤኹን።

እቲ ሕጂ ዝያዳ ዝገርመኒ ዘሎ ግን፡ ዋላ እቶም ‘ነቲ ስርዓት ንቃወም ኣለና’ ዝብሉ ኤርትራውያን፡ በቲ እቲ ስርዓት ዝፈብረዀ ናይ ሓሶት መንገድታት ሸናዕ ክብሉን፡ ከም ፓፓጋሎ ንሓሶታቱ ከቃልሑ ምርኣየይ እዩ።

ትማሊ መዓልቲ ሓደ መስከረም እዩ ነይሩ። መንግስቲ ይኹኑ ተቓወምቱ ከኣ፡ ነታ ብሓሶት ምሂዞም ዝኣመንዋ ዛንታ-ዕንኪላሎ፡ በብወገኖም ሌፍ ክብሉላ ውዒሎምን - ይቕጽሉ ኣለዉን።

Sunday, 17 August 2014

ታሪኽ ክንጽሕፍ እንተዄና፡ ቀዳማይ ከነወግዶ ዘለና ግላዊ-ስምዒትና እዩ!

ንመምህር ገብረኪዳን ደስታ ኣብ ኣስመራ እናሃለኹ እየ ዝፈልጦም። ብኣካል ዘይኰነስ በቲ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዘካይድዎ ዝነበሩ መሃሪ ቃለ-መጠይቓት። “መቐረት ምስላታት ትግርኛ” እትብል ሓንቲ ካብ መጽሕፍቶም እውን ናብ ኣስመራ ተላኢኻትለይ ነይራ። ኣብቲ ንምስላታት ኤርትራ ኣመልኪተ ዝገብሮ ዝነበርኩ ዓሙቕ መጽናዕቲ ድማ ቀሊል ዘይኰነ እጃም ኣበርኪታ እያ። ብመዓልቱ ንዛንታ ንክኸውን መታን ከኣ፡ እዛ መጽሓፍ መም. ገብረኪዳን ደስታን ካልኦት መጻሕፍትን ካብ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብኸመይ ይበጽሑኒ ምንባሮም ቁሩብ ክጸዊ።
ሓደ ኣቐዲሙ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ መምህረይ ዝነበረ፥ ጸኒሑ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ከም መምህር ዝተቘጽረ ህንዳዊ ፕሮፌሶር ቪ. ጀይ ካውል ዝበሃል ነይሩ። ብኢመይል ጽቡቕ ርክብ እዩ ነይሩና። ምስ ሓደ ኢትዮጵያዊ መሳርሕቱ ኰይኑ ከኣ፡ ነቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝሕተም ዝነበረ ኣገደስቲ መጻሕፍቲ ናብ ኻርቱም - ሱዳን ዝነበሩ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽተይ ይሰዶ ነበረ። ገለ እውን ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሃገረ ጀርመን ናብ ዝነበረ ጀርመናዊ ዓርከይ ዝስደደለይ መጻሕፍቲ ነይሩ። እዚ ናይ ጀርመን መስመር፡ እቶም ኣቐዲሞም ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኢትዮጵያ ናይ ብርዒ-ኣዕሩኽተይ ነይሮም፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ደብዳቤታት ምጽሕሓፍ ምስ ሰኣና እውን ንጥቀመሉ ነይርና ኢና። 

እቲ ን'ሓዉ' ዘየፍቅር-ሲ፡ ንጓና ከፍቅር ይከኣሎ ዶ፧!

እዛ ትርእዪዋ ዘለኹም ስእሊ፡ ኣብ ‘ፌይስ-ቡክ’ ብብዝሒ ‘ሼር’ ትኸውን ዘላ ስእሊ እያ። ክርእያ እንከለኹ ድማ፡ ሓደ ነገር እያ ተዘኻኽረኒ።

ኣብ ግዜ ጀብሃ እዩ። ኣብ ምድሪ ባርካ፥ ሓደ ሁመድ ወኤላ ዝበሃል በኒዓምረታይ ኣቦ ነበረ። ክድቅስ፡ ክትንስእ፡ “ያ ረቢ፥ እላ ኤረትርያ ሕርየታ ሃባ!” /ዎ ልዑል ኣምላኽ፡ ነዛ ኤርትራ ናጽነታ ኣጓናጽፋ/ ኢሉ ይጽሊ ነበረ።

ሓደ ደብረጼን ዝተባህለ ወዲ ከበሳ ተጋዳላይ ድማ፡ ኩሉ ግዜ፡ እቲ ኣቦ ክጽሊ ይርእዮ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ደብረጼን፥ “ኣቦይ ሑመድ፡ ስለምታይ ኢኹም ኩሉ ግዜ ‘ንኤርትራ ናጽነታ ሃባ’ እናበልኩም ትጽልዩ፧” ክብል ሓተቶ።

/ህዝቢ ባርካ፡ ከምቲ መብዛሕትኹም ደቂ ከበሳ እውን እትብልዎም፡ ልቦም ጻዕዳ እዩ። ነቲ ዝስምዖም ቶግ እዮም ዘብልዎ። ምስቶም ሕሹኽ-ሹሕ ዝህወትኩም ከበሰኛታት ድማ እዚ እውን ዓቢ ፍልልይ እዩ - ንእግረ-መንገድና።/ 

ሓድነት ብድሌት እምበር ብብረት ኣይኰነን!!

ቅድሚ ገለ ዓመታት እዩ። ኣብ ኣስመራ ዝረከቡ ሰዓብቲ እስልምና፤ ኣብ ግዜ ዒድ፡ ኣብ ቅድሚ መስጊድ-ዓቢ፡ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ይሰግዱ ነበሩ። /ከምዚ፡ ኣብዚ ስእሊ ትርእዪዎ ዘለኹም፤ ስእሊ ካብፌስ-ቡክዝተረኽበ እዩ/

ዳሕራይ ግን፤ እቲ ቐጽሪ ናይቲ 'ጃምዕ' ኣይኣኸሎምን። ናብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ጽርግያ፥ ክሳብ ዕዳጋመርካቶተዘርጊሖም ክሰግዱ ጀመሩ። የግዳስ፡ ንሱ እውን ኣይኣኸሎምን። ንሃይማኖታዊ-ጒዳያት ሓቲቶም ከኣ፥ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ንኽሰግዱ ተፈቕደሎም። 

እዚ ውሳኔ ሃይማኖታዊ-ጒዳያት፡ ነቶም ነዚ ጒዳይ ብዓይኒ-ስግኣትን ዕቱብነትን ክካታተልዎም ዝጸንሑ መእመናን ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ዳርጋ ራዕዲ ኣእተወሎም።ቊዱስሲኖዶስ ከይወዓለት ከይሓደረት፡ ሓደ ዘይወቕታዊ ምስጢራዊ ጉባኤ ጸውዐት። ህዝበ-ክርስትያን እውን ነቲ ኣብ ቴለቭዥን ዝረኣዮ ጽንብል ዒድን ብዝሒ ምእመናን እስልምና ኣብ ባሕቲ መስከረምን ዳርጋ ክኣምኖ ኣይከኣለን። ከምታ ኣመሉ፥ ብትሕም-ትሕም፡ኣንታ እዚኦም ድኣ ወሪሮማ እንድዮም ዓዲ፧ በው!” ጥራይ በሉ።