ኣብ ኤርትራ
‘ዓጋመ’
እትብል
መጸውዒት ፍልጥቲ እያ። ግን
መን እዩ እቲ ዓጋመ?
ዓጋመኸ ጸርፊ ድዩ መንነት?
እዚ ዓጋመ ዝብል መጸውዒ፡
ካብዛ ብወረዳ ዓጋመ ትፍለጥ
ኣብ ክልል ትግራይ እትርከብ ቦታ ዝነቐለ
ሽም እዩ። ኣብዚ ዘሎናዮ
ዘመን ግን ህዝቢ መረብ
ምላሽ ብኣልማማ ንህዝቢ ትግራይ
እዩ ዓጋመ ዝብሎ። ከም
ኣጸዋዉዓ ህዝቢ መረብ ምላሽ፡
ትግራዋይ ዓጋመ እዩ። ብፍላይ
እዚ ንእሽቶ ወለዶ፡ ኣብ
መንጎ ዓጋመን ትግራዋይን ፍልልይ
ከምዘሎ እውን
ኣይፈልጥን እዩ። ብዙሓት ሰባት ምስ ንዕቀትን ጸርፍን ኣጣሚሮም እዮም ዝጥቀሙላ። ስለምንታይ ዓጋመ ምስ ጸርፍን ንዕቀትን ተዛሚዳ፧ ዛጊት
መልሲ ኣይረኸብኩላን። ኣነ እዚ ክኸዉን ዝኸኣለ ካብ ድንቊርናን ስእነት ንቕሓትን ዝነቐለ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ምኽንያቱ፡
ወረዳ ዓጋመ ዓብን ዓሙቕን ስልጣነን ታሪኽን ዘሎዎ ወረዳ እዩ። እቶም ፍሉጣት ሹሞኛታት ከም በዓል ራስ ሚኪኤል ስሑልን ስባጋዲስን
ካብዚ ወረዳ እዚ እዮም ዝዉለዱ።
Tuesday, 17 February 2015
Tuesday, 13 January 2015
ኤርትራውያን፣ መሃይማን ታሪኽ ዶስ ከሓድቲ ሓቅታት፧! ብሙሴ ሓድጉ
4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል
መግዛእቲ ጥልያን፥
ግብጺ ተዳኺማ ድሕሪ ምውጻኣ፣ እንግሊዝ ውዕል ሂወት/ዓድዋ
ብምጥሓስ ንባጽዕ ንጥላያን ኣረከቦ። ሃጸይ ዮሃንስ ንውዕል ሂወት/ዓድዋ፣ ግብጺ ድሕሪ ምውጽኣ ባጽዕ ናብ ኢትዮጵያ ክትምለስ
እያ ዝብል ትርጉም ህይብዎ ስለዝነበረ፣ ብክሕደት እንግሊዝ ኣዚዩ ተቖጥዐ። ስምዕትኡ ከኣ ናብ እንግሊዝ ኣብጸሐ። እንተኾነ ሰማዒ
ኣይረኸበን። ጥልያን ከኣ ካብ ባጽዕ ሓሊፋ ንኸበሳ ገጻ ገስገሰት። ሰራዊት ሃጸይ ዮሃንስ ከኣ ንሰራዊት ጥልያን ብጥሪ 1887 ኣብ ደጎሊ ሰዓሮ። ኣስታት 500 ዝኾኑ ሰራዊት ጥልያን ከኣ ሃለቑ።
ብድሕሪ እዚ፣ ሃጸይ ዮሃንስ ኣስታት 80,000 ሰራዊት ኣብ ከባቢ ሰሓጢትን ደጎልን ኣዋፊሩ እኳ ንሓያል ኵናት እንተትዳለወ፣
ንወራር ደርቡሽ/ማህዳውያን ናይ ሱዳን ኣብ መተማ ክዋጋእ ምስ ከደ ኣብቲ ውግእ ብመጋቢት1889 ተቐትለ።
Sunday, 28 December 2014
ኤርትራውያን፣ መሃይማን ታሪኽ ዶ ከሓድቲ ሓቅታት?! ብሙሴ ሓድጉ
3ይ ክፋል
ኣቶ ሰላም ይንገስ ኣብ ጽሕፉ ከምዚ ይብል፥
ሃጸይ ዮውሃንስ ኣብ ኲናት ጉንደትን ዓድዋን ጉራዕን ተዋጊኡ ኔሩ።”
ግብጺ
ስለዝመጸቶም’ያ ስለዚ’ዩ ድማ ተጋሩ ህዝቦም ከይዘናበል
ኢሎም ነቲ ኲናት ኣብ መሬት ኤርትራ ዝገበርዎ።
ቱርኪ ንኤርትራ 300 ዓመት ገዚኦማ ግብጽ ንኤርትራ 27 ዓመት ገዚኡዋ ጥልያን ን51 ዓመት ገዚኡዋ እንግሊዝ ድማ ን10 ዓመት ገዚኡዋ። ንሃገርና ኤርትራ ዝገዝእዋ ባዕዳውያን
ገዛእቲ ኣስካሕካቲ’ዮም
ኔሮም። ብኣስካሕካሒ
ግዝኣታት ስለዝተገዝኤት
ዓቅማውን ስለዝተዳኸመ
ምስ ኢትዮጵያ ብመልክዕ ፈደረሽን ክትቁረን ተባሂሉ ተቆሪና ድማ። ፈደረሽን ፈሪሱ ሃገርና ኤርትራ ግዝኣቶም ጌሮማ ን30 ዓመት ዝወሰደ መሪር ተጋድሎ ድማ ኣብ 91 ናጽነትና ወሲድና። ኤርትራ ጠቕላላ 434 ዓመታት ተገዚኣ። ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ብባዕዳውያን
ገዛእቲ ዘይተገዝኣ
ላይበርያን ኢትዮጵያን
እየን፥ ስለዚ ከም ከመይ ደኣሉ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ዝኾነት ጉዳም። ኢትዮጵያውያን
“ኣይተገዛእናን እዮም!” ዝብሉ ታሪኽ እውን
ከምዘይተግዝኡ እዩ ዝነግረና።
ዘይተገዝኡ እንተዄይኖም
ድማ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ኣይነበረትን
ማለት’ዩ።
Saturday, 29 November 2014
ኤርትራውያን፣ መሃይማን ታሪኽ ዶስ ከሓድቲ ሓቅታት፧!
2ይ ክፋል
ፋሕ-ብትን፣ ሰራዊት፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል
በዚ፣ ኸምዚ፣ ራእስ፣ አሉላ፣ ንራእስ፣ ወልደንኪኤል፣
ከም፣ ቃሎም፣ ብደሐን፣ ኣብ፣ ንጉስ፣ አብጽሕዎም፤ ከምኡ፣ ድማ፣ ብሰላምኒ፣ ብሐጐስኒ፣ ኻብ፣ ቤተ-ንጉስ፣ አውጻዎም።
“ዐድኹምውን፣ ከብጽሐኩም፤ ከማኡውን፦ ዘይእዘዝ፣ እንቲህሉ፣ ላብቱ፣ ወሰነ-ወሰን፦ ከነግዝእ፦” ይሎም፣ ምስኦም፣ ተተሓሒጆም፣
መጺኦም፦ አብ፣ ጕራዕ፣ ሰፈሩ።
Friday, 7 November 2014
ኤርትራውያን፡ መሃይማን ታሪኽ ዶስ ከሓድቲ ሓቅታት?! ብሙሴ ሓድጉ
1ይ ክፋል
መቸስ ሰውራ ኤርትራን ስርዓት ኢሰያስን ካብ’ቲ ኣካልዊ ግፍዕታታትን ስቓይን ከምኡ’ዉን
ቆጠባዊ ዕንወት ንላዕሊ፥ ኣብቶም ረቀቕትን ዘይድህሰሱን ዓንድታት ሕብረተሰብ ዘውረዶ ዕንወትን ሓድግታቱን ይዓቢ። ኣብ ታሪኽ፣ ባህሊ፣
ያታ፣ ልምድታትን ወግዕታትን ህዝቢ ኤርትራዝተፈጸመ ገበናት ንወለዶታት ዝኽይድ ሳዕቤን ዘለዎ እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ነቲ ብሰውራ
ኤርትራን ስርዓት ኢሰያስን ብተጋጋሚ ዝተነግሮ ዉጹእ ሓሶት ከምሓቂ ብምቝጻር፡ ወላ
እቶም ነቲ ስርዓት ንቃዎሞ ኢና ዝብሉ ናይ’ቲ ስርዓት ናይ ኣእምሮ ግዙኣት ኮይኖም ንረኽቦም። ካብ ኣካልዊ ባርነት ከኣ ኣእምራዊ
ባርነት ይኸፍእ። ኣእምራዊ ሓርነት ከይተረጋገጸ ድማ ኣካልዊ ሓርነት ክረጋገጽ ዘበት እዩ።
Subscribe to:
Posts (Atom)