Tuesday 17 February 2015

መን እዩ እቲ ዓጋመ? ብሙሴ ሓድጉ

ኣብ ኤርትራ ዓጋመ’ ትብል መጸውዒት ፍልጥቲ እያ። ግን መን እዩ እቲ ዓጋመ? ዓጋመኸ ጸርፊ ድዩ መንነት? እዚ ዓጋመ ዝብል መጸውዒ፡ ካብዛ ብወረዳ ዓጋመ ትፍለጥ ኣብ ክልል ትግራይ ትርከብ ቦታ ዝነቐለ ሽም እዩ። ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ግን ህዝቢ መረብ ምላሽ ብኣልማማ ንህዝቢ ትግራይ እዩ ዓጋመ ዝብሎ። ከም ኣጸዋዉዓ ህዝቢ መረብ ምላሽ፡ ትግራዋይ ዓጋመ እዩ። ብፍላይ እዚ ንእሽቶ ወለዶ፡ ኣብ መንጎ ዓጋመን ትግራዋይን ፍልልይ ከምዘሎ ውን ኣይፈልጥን እዩ። ብዙሓት ሰባት ምስ ንዕቀትን ጸርፍን ኣጣሚሮም እዮም ዝጥቀሙላ። ስለምንታይ ዓጋመ ምስ ጸርፍን ንዕቀትን ተዛሚዳ፧ ዛጊት መልሲ ኣይረኸብኩላን። ኣነ እዚ ክኸዉን ዝኸኣለ ካብ ድንቊርናን ስእነት ንቕሓትን ዝነቐለ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ምኽንያቱ፡ ወረዳ ዓጋመ ዓብን ዓሙቕን ስልጣነን ታሪኽን ዘሎዎ ወረዳ እዩ። እቶም ፍሉጣት ሹሞኛታት ከም በዓል ራስ ሚኪኤል ስሑልን ስባጋዲስን ካብዚ ወረዳ እዚ እዮም ዝዉለዱ።