እቲ ልክዕ ዓመተ ምህረቱ ቁሩብ ተደራቢሹኒ’ሎ።
ኣብ 2000ን ገለ እዩ። እታ ዕለት ግን ልክዕ ከምዛ ሎሚ - 20 ሰነ እያ ነይራ። ኣብዛ ኣብ ስእሊ ትርእዪዋ ዘለኹም ማእከላይ
ቤ/ጽ ህግደፍ እየ ዝሰርሕ ነይረ። ሻዕብያ፡ “ጻዕዳ-ገዛ” ኢሎም ድዮም ዝሕጭጩላ ንWhite-House ናይ ኣመሪካ፧ እዚኣ ገዛ
እዚኣ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ጸላም ገዝኡ እያ። ኣሎ ዝበሃል ተንኰላትን ክፍኣትን፡ ኣብዛ ‘ጸላም-ገዛ’ እዚኣ እዩ ዝጥጃእ። ንሱ ግዲ የለን፤ መዓልቱ ሓሊና ክንምለሶ ኢና።
ኣብቲ ውሽጢ እዚ ቐጽሪ፡ ‘ብእንዳ ወርቁ’
ዝፍለጥ ንእሽቶ እንዳ ሻሂ ‘ካንቲን’ ነይሩና። ሕጂ እውን ኣሎ። ወርቁ ንልቢ ዘንብዕ ዛንታ እምበር፡ ምንም ወርቂ ኮነ ውላድ
ዘይብላ ዘይተነበት ሰብ እያ። ሓንቲ ካብተን ሻዕብያ ከም ብዕሪር ሓይኹ ዝተፍኤን ደቀንስትዮ - ኤርትራ። ዛንታ ወርቁ እውን ንሎሚ
ዛዕባናን ኣይኰነን እሞ ክንሰግሮ።