Saturday 20 June 2015

“ጉጅለ 03”፡ በዚ፡ ‘ጾመ-ሰማእታት’ ትእውጅ! - በዚ፡ 'ፉል-መሰላሕ' ትትብትቦ! ብ Dessale Berekhet

እቲ ልክዕ ዓመተ ምህረቱ ቁሩብ ተደራቢሹኒ’ሎ። ኣብ 2000ን ገለ እዩ። እታ ዕለት ግን ልክዕ ከምዛ ሎሚ - 20 ሰነ እያ ነይራ። ኣብዛ ኣብ ስእሊ ትርእዪዋ ዘለኹም ማእከላይ ቤ/ጽ ህግደፍ እየ ዝሰርሕ ነይረ። ሻዕብያ፡ “ጻዕዳ-ገዛ” ኢሎም ድዮም ዝሕጭጩላ ንWhite-House ናይ ኣመሪካ፧ እዚኣ ገዛ እዚኣ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ጸላም ገዝኡ እያ። ኣሎ ዝበሃል ተንኰላትን ክፍኣትን፡ ኣብዛ ‘ጸላም-ገዛ’ እዚኣ እዩ ዝጥጃእ። ንሱ ግዲ የለን፤ መዓልቱ ሓሊና ክንምለሶ ኢና።

ኣብቲ ውሽጢ እዚ ቐጽሪ፡ ‘ብእንዳ ወርቁ’ ዝፍለጥ ንእሽቶ እንዳ ሻሂ ‘ካንቲን’ ነይሩና። ሕጂ እውን ኣሎ። ወርቁ ንልቢ ዘንብዕ ዛንታ እምበር፡ ምንም ወርቂ ኮነ ውላድ ዘይብላ ዘይተነበት ሰብ እያ። ሓንቲ ካብተን ሻዕብያ ከም ብዕሪር ሓይኹ ዝተፍኤን ደቀንስትዮ - ኤርትራ። ዛንታ ወርቁ እውን ንሎሚ ዛዕባናን ኣይኰነን እሞ ክንሰግሮ። 
ኣብዛ እንዳ ሻሂ፡ ሓንቲ ቊጽሪ ኣባላታ ከም ረስኒ ዓሶ፡ ብቐጻሊ፤ ክብ-ለጠቕ ዝብል ብስም ዕቁብ እትእከብ ጒጅለ ኣላ። ቀወምቲ ኣባላታ፡ ሰለሞን ድራርን ኣሕፈሮም ተወልደን እዮም። መብሬ ዝብልዎ ኣባል ፋይናንስ እውን ብተመሳሳሊ። ኩነታት እንተ ጻዕጺዑ፡ ከምዚ ናይ ሕጂ ናይ ጀኔቫ ዘለዎ፡ ኣባላት እዛ ጒጅለ ይውሰኹ ‘ዮም። ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት፡ ብደረጃ ኮሚቴ ተደራጅያ ነይራ። ናይ ‘ምጽንናዕ ኮሚቴ’ ዝብል ስም ከኣ ተዋሂብዋ ነበረ። እቲ ንዝክሮ መናፍሕ ድማ ትነዝሕ ነበረት።
“መንግስቲ ክዛረበሉ ኣይደለየን እምበር . . .” እናበልካ ብውሽጢ-ውሽጢ ዝዝሮ ዝነበረ፡ ጸሓፊኡ ዘይፍለጥ በራሪ-ወረቓቕቲ ምንጩ ካብዛ ሓሹላኽ ጒጅለ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ድማ ከምታ ንፈልጦ እዩ፤ ወረ ናይ ምርባሕ ተኣምራታዊ ብቕዓት እዩ ዘለዎ። እዛ ጒጅለ እውን ነዚ ስለ ትፈልጥ እያ ብኸምቲ ትሰርሖ ትሰርሕ።

“ክፍለ ሰራዊት ምሉእ ናይ ወያነ ብፍሉይ ብረት [ሓንሳብ እውን ብነፈርቲ ይብሉ ‘ዮም] ተደምሲሳ ኣላ።  ኣብ ዓምቦሪ፡ ኣብ ማይ-ላም፡ ብሻምብቈ ቈሪጻ ክትሰግር ክትብል፤ ብማይ-ድማ - ዓዲ ንፋስ፡ [ናይ ወረ ነገር ዝዀነ ስም ክትጥቀም ነጻ ኢኻ]፤ ኣብ መቐለ ድማ 600 ነፈርቲ ኣቃጺሉ ኣሎ - መንግስቲ ክዛረበሉ ስለ ዘይደለየ እምበር፤ ሻዕብያ መን ድዮም - በዓል ፋጺ፡ ዓዲ ግራት ግደፎ እሞ፡ . . . በዓል ውጩ ማእከል ሽዋ ኣትዮም እምባሕ ክብሉ እዮም ሕጂ ድኣ” - ገለ ካብቲ እዛ ሽሉ ጒጅለ ትነዝሖን፡ ህዝቢ ድማ ተቐቢሉ ከም ሕሱም ዘጋውሖ ዝነበረትን ወረታት -03- እዩ።

መቸስ ፍሉጥ እዩ ዝበዝሑ ካባኻትኩም እውን ነዚ ወረታት ኣቃሊሕኩም ኢኹም።

“ዋላ ንስኻ፧!” ከይትብሉኒ። ኣነ ብውሕዱ ከገናዝብ ይኽእል ነይረ እየ። ቅድሚ እቲ ኲናት፡ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣብ ከተማ መቐለ ነይረ። ‘ኣየር ፖርት’ መቐለ-ሲ ያኢ 600 ነፈርቲ ከዐሽግ! ‘ኣስሉ’ እተን ነፈርቲ ንሻዕብያ ሃመማ ኰይነን ተራእየንኦም ክዀና ኣለወን። እቶም ዝደብደቡ በዓል ወዲ ስእላይ እውን - ብተግባራቶም ክሕበኑ ንርእዮም ኣይነበርና።

ኩሉ ዓይነታት ክፍኣትን ትንኩልናን ዝጥጃኣላ ጸላም ኤትራዊት ቤት!!
ነዚ እውን ብመዓልቱ ድኣ ክንመጾ እና እምበር - እቶም፡ “ብነፈርቲ ሰራዊት ወያነ ደብዲቦም” ዝበሃለሎም ዝነበረ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ እውን - ኣብ ከባቢ ሻምብቈን ብሹኳን፡ ናይ ወያነ መሲልዎም ኣብ ዝደብደብዎ ሰራዊት ኤርትራ፡ ካልእ-ሲ ይትረፍ፡ ኣብኡ ወላዲኡን ቈመና ወዲ ሓወብኡን ዝመንከለ ፓይሎት እፈልጥ ነይረ እየ። ስለዝስ፡ ብሓሶታት ናይዛ ሻዕብያ ኣብ ሳሕል ብ’ወረ መጋቦ’ ዘቘማ ሃገር ብራዕድን ምትላልን ተመሓድር ዘላን ዝነበረትን ጒጅለ ተደናጊረሉ ዝፈልጥ ግዜን ኣጋጣምን ነይሩኒ እውን ኣይፈልጥን እዩ። ብዘይ ገለ ጃህራን ትምክሕትን።

ኣይትሓዙለይ ኣንበብቲ ጸገም ኣለኒ። ሓንሳብ ነቲ ኣርእስቲ ስሒተ ናብ ህውተታ ገጸይ እንተ ጀሚረ ሽኲ-ሽኳ እየን ዝወስዳኒ። ከምዚ ካብ ሓዲዳ ዝወጸት ባቡር ትም ኢለ እየ ዝሃልል። ሕጂ ናብ ኣርእስትና ንመለስ።

እዛ ጒጅለ 03 ኣብ ቅንያት 20 ሰነ ትምይይጥ ቀንያትልኩም። ‘ጾመ-ሰማእታት’ ክትእውጅ ከኣ ተሰማሚዓ። ከምቲ ብዙሓት ክትዝክርዎ እትኽእሉ ድማ፡ ብድምጺ ሓፋሽ ክትግዕር ጀሚራ።

“ኣንታ ‘ጾመ-ንጉስ’ ትጸውም ዝነበርካን ዘለኻን ህዝቢ፡ ንስውኣትካ ድኣ ክንዲ ምንታይ ዘይትጾመሎም!፧ . . .” ዘይበልዎ ነገር ኣይነበሮምን።

ኤርትራ - ክንብል ከለና መቸስ፤ ከምቲ ትፈልጥዎ ግን ድማ ክትቅበልዎ ትብዓት ትስእንሉ፤ ጥልያን ኣድግን ዝብእን ኣብ ሓደ ቀጽሪ/ዛረባ ኣኪቡ ዘቘማ ሃገር እያ። እቲ ከበሳዊ ክፋል ‘ጾመ-ንጉስ’ ይጸውም እዩ፤ ‘ምእንተ-ሰማእታት መሓረና ክርስቶስ!’ ኢሉ እውን እኳ ይምህለል እዩ። እዚ ግን ነቲ ካልእ ክፋል ኤርትራ ጽውጽዋይ ጥራይ እዩ። እዛ ሽሉ ጒጅለ ድማ ነዚ እውን ኣይትስሕቶን እያ። ንኹሉ ነቓዓት ሕብረተሰብ መዝሚዙ ሃገር ዘዕነወ ጒጅለ እንተ-ሃሊዩ ብርግጽ ሻዕብያ እዩ። ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ፡ ኣነ እውን ብዘይጥርጥር ክጥቀመሉ እየ። ካልእ ኣጽዋር የብለይን - ንሱ ልዕሊ ኣጽዋር ምዃኑ ግን ጽኑዕ እምነተይ እዩ።

ብዝዀነ፡ ነቲ እዛ ጒጅለ ዝበለቶ ገዲፍና ናብቲ ዝገበረቶ ክንሰግር።

ኣብታ ንግሆ 20 ሰነ ኣብ ቤት ጽሕፈተይ እየ ኣርፊደ። እዛ ጒጅለ ከኣ ኣብ ጸጸራት ኣርፊዳ ወዲ ድራር መሪሕዋ ደጉለጽ እናበለት፡ ናብ እንዳ ወርቁ ገጻ ክትኣቱ ብመስኰት ይርእያ ነይረ።

ብሓቂ በታ መዓልቲ ብዙሕ ሰብ ጸሙ ነይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣነ እውን ኣብታ ‘ኦፊቾይ’ ምንም ዝብላዕ ነገር ስለ ዘይነበረኒ፡ ከይፈቶኹ ጾመይ እየ ኣርፊደ። ምንም ኣይለኸፍኩን። ጥሜት እውን ክስመዓኒ ጀሚሩ ነይሩ።

ዋሕዲ ባኒ ስለ ዝነበረና፡ ዝበዝሕ ግዜ፡ ወ/ሮ ወርቁ ብፍሉይ ነዓይ ክልተ ባኒ ትሓብኣለይ ነይራ እያ። ክትመጽእ፡ ክትከይድ ኣብታ ቤት ጽሕፈተይ ስለ ትርእየኒ፤ ኣብኡ ምስቲ ኮምፒተር ዝቕመጥ እምበር ኣብ ካልእ መንበሪ ገዛ ዘለኒ ይመስላ እውን ኣይነበረን ይኸውን። ብልቢ ድማ ትድንግጸለይ ነይራ። ከም ሓቂ ኣነ እውን ብሕማቕ ዝጥምቶ ኣባል ኣይነበረንን - ሕጂ እውን የብለይን። ከም ሰብ ክሳብ ሕጂ እውን እንተዀነ ምስ ዝበዝሑ ኣባላት እቲ ቤ/ጽ ንደዋወልን ንጸሓሓፍን ኢና - መርገጺታትናን ርድኢታትናን ብዘየገድስ።

ብዝዀነ፡ ባኒ ክወስድ ኢለ ናብ እንዳ ወርቁ እትው ምስ በልኩ፡ ወያ 'ጾመ-ሰማእታት' ክትእውጅ ሳልስቲ ዓንገረር ዝበለት ሽሉ ጒጅለ-ሲ ‘ፉል-መሰላሕ’ ተላህሞ። ጌና እኳ ኣይረፈደን ዘሎ!

ሃንደበት ህሩግ ምስ በልክዎም ዘይሰንበዱ ኣይመስለንን።

ተቓዳዲሙ ወዲ ድራር፡ “ንቐደም በል መንእሰይ!” ኣድሚጹ ኢዱ ናባይ ገጹ ሰው እናበለ። ሓቂ ይሓይሽ - ሰሌ ሽኰር ኣይትደሃልን እያ። ብዋዛን ጭርቃንን እውን ዝገጥመሉ የለን።

“ተቐዲሱ ድዩ ድኣ ሰሌ፤ መንእሰያት ድኣ ኣብ ጾም እንዲና ዘለና!” መለስኩሉ። ናይ ብዙሓት ዋዛታቱ ሕነይ ዝፈድየላ ወርቃዊት ዕድል እየ ረኺበ - ሽዕኡ። ናይቲ ኣጸልሚቱ ዝሰርሖ ስራሕ ብዘየገድስ - ከም ሰብ ግን ሰለሞን ድራር ሓደ ካብቶም ኣብ ህይወተይ ዝረኸብክዎም ዝበለጹ ሰባት እዩ። ብውሕዱ ነዓይ - እየ ዝብል ዘለኹ። ዳሕራይ ድማ እታ “መኸተ” እትብል መጽሓፉ ኣብ ግዜ ቁልዕነተይ ስለ ዝተነበትለይ ግዲ ዀይኑ ምስ ሰለሞን ኣብ ሓደ ቐጽሪ ምስራሕ እውን ከም ክብሪ እየ ዝርእዮ ነይረ።

ሰለሞን - ንዓይ ጥዑይ ስለ ዝዀነ ጥራይ ዝፈልጦ ‘ሓጥያቱ’ ክሓብኣሉ ማለት ግን ኣይኰነን። ፍትሐኛ ከምዚ ከማይ ከምኡ ኣይብልን እዩ። እዞም ‘ደለይቲ ፍትሒ’ ትጽውዑ፡ ንፍትሒ ጌና ዘይረኸብክምዎ ከምኡ እንተ-በልኩም ወይ እንተ ገበርኩም ጸገም የብሉን - ኣይትሰከፉ።

ብዝዀነ፡ መብሬ እንዳ ፋይናንስ ዘረባ ጀሚሩ። “ደሓን ደሓን ኪድ ጥራይ ዘምጽኣካ ገይርካ!!” ኢሉኒ - ኢዱ ጸግ እንዳበለ።
መብራህቱ ናይታ ህሞት እቲኣ ዘረባይ ጥራይ ኣይኰነን ዝዛረብ ነይሩ። ቅድሚኡ ዝሓዘለይ ዝዓበየ ‘ሪከርድ’ ነይርዎ እዩ።

ሓደ ግዜ ንሓደ መሳርሕትና ሓብቱ ተጐዲኣቶ ነበረት። ክንበጽሕ ተባሂልና ድማ ንኣኽርያ ኼድና። ክንምለስ ከለና ኣነን መብሬን ሓንቲ ካብተን ሰክሪታርታትን ኣብ ሓንቲ መኪና ነይርና።

እታ ሰክሪታሪ፡ “ደሳለ በረኸት ናይ ሶማንያታት ተጋዳላይ እንዲኻ ግዲ፧” ሃንደበት ሓቲታትኒ።
“እሂ’ሞ፧” መሊሰ ሓተትክዋ - ገጸይ ከይመለስኩ።
“እሞ ገዛ ምርሑለይ ዘይትብሎም ንበዓል ዘምህረት!” ካብ ሓልዮት ዝተዛረበቶ እዩ ነይሩ።

“ኣነ እሞ ናጽነት ኤርትራ ከምጽእ እምበር ቪላታት እንዳ-ማተይ ክዘምት ዘይተቓለስኩ። ገዛውቲ እንተ ደልየ ድማ፡ ሃገርገር ዝብል ገዛ ኣቦይን ኣባሓጐታተይን ኣለኒ እንዶ ኣብ ከረን” መለስኩላ።

ምስታ ሰክርታሪ ብዙሕ ስለ ንጫራረቕ ጸገም ኣይነበሮን። መብራህቱ ምሳና ምንባሩ ግን ሓውሲ ኣየስተብሃልኩሉን እውን።
“ለኽባጥ! መን ደሎ እዩ ገዛውቲ እንዳ-ማቱ ክዘምት ዝተቓለሰ፧! እዚ ዘረባኻ የስተብህለሉ እየ - ዋዛ ኣምስልካ ትዛረቦ . . .” ኣስተንፊሱ መብሬ።

“እዋእ ከምኡ ዶ ኢለ እየ፧” እታ ዝተባረቐት ዘረባ ድሮ ከይዳ እያ - ደጊም 'ኣሉ-ቐጣን' ጥራይ እያ ተዋጽእ ነይራ።

እታ ሰክሪታሪ ሰኸኽ ስለ ዝበለት ግን፡ መብራህቱ ሓውሲ ፍሽኽታ ኣሰኒዩ፤ “ደሓር ድማ፡ ‘ገዛ ኣቦይ ዶ ገዛ ኣባሓጐይ ዶ’ ትብል-ሲ፡ ትማሊ-ትማሊ ዶ ‘ዋሕስ ኣምጽእ’ ምስ ተባሃልካ ‘-ህ.ግ- እዩ ዋሕሱ ስድርኡ ድኣ እንታይ ይፈልጦም’ ኢሎም ባዕሎም ክፍርሙልካ ኣይረኤናዮም፧!” መብሬ ናብ ሓውሲ ዋዛ ገጹ መሪሕዋ ጒዳይ።

ይኹን እምበር፡ ከምቲ ሓደ ግዜ እውን ዝበልናዮ፡ ሻዕብያን ገመልን ቂም ኣይርስዑን እዮም። ብዓንተቡኡ እውን ምስ መብሬ ዀኾብና የቃዱ ኣይነበረን። ናብ ህግደፍ ብዘይ ዝዀነ ሰነድ፡ ‘ብኣድላይነት’፡ ተባህለ፡ ንሓደ መም. ሙሳ ኣሮን ዝመርሕዎ ዝነበሩ ‘ፕሮጀክ’ ክቕበል እየ ብሕጓ ኣትየ። ስመይ ኣብ መዝገበ-ደሞዝ ‘ፐይ-ሮል’ ድዮም ዝብልዋ ብእንግሊዘኛ፡ ንኸይኣቱ ዝተቓለሰ ድማ መብሬ ነበረ። የግዳስ፡ መጸበቒኤይ ገይርዎ፡ ካብ እንዳ ስነዳን ምርምርን ህግደፍ ማእከላይ ቤ/ጽ (ጸሊም ገዛ)ን ክልተ ናይ ባንኪ ‘ቼክ’ ይጸሓፈለይ ነበረ። ናቕፋ ድኣ ኰይኑ እምበር ዳርጋ ማዕረ መብሬ እውን ደሞዝ እግሕጦ ነይረ እየ።
ሕጂ እውን፡ ህልም ዶ ኢልና ሃውቲትና ሓቀይ፧!


መእሰሪ ክንገብረሉ በሉ። እቲ ቀንዲ ሕመረት ጽሑፈይ እንታይ ነይሩ መስለኩም። እቲ መብጽዓ ዶ፡ ሕድሪ ዶ፡ ስውእ ዶ፡ ሰማእታት ዶ፡ ዝባን ስውኣት ዶ ዝባን ህልዋት፡ ዝብል ህግደፋዊ - እቲ ቀዳማይ ጠላሚ ሕድርን መብጽዓን ስውእ ንሱ እዩ። ንዓና ጽሙ ይብለና - ንባዕሉ “ፉል መሰላሕ” የድርጾ። መን ኮይኑ እዩ እሞ - ህግደፍ ጠላም ንዓይ፡ ነቲ ባዕለይ ዝቐበርክዎ ስውእ፥ “ጽመሉ ዶስ ስገደሉ!” ኢሉ ዝእዝዘኒ። ነታ ዝሓለማ ኤርትራ ክውንቲ ክንገብረሉ እምበር ከነምልዀን ክንሰግደሉን ኢሉ ዝተሰወኤ ስዉእ-ከ ኣለና ድዩ፧! ንዓይ በዛ ነብሰይ ኣይመስለንን!

                                                                                     ደሳለ በረኸት

No comments:

Post a Comment