Sunday 28 December 2014

ኤርትራውያን፣ መሃይማን ታሪኽ ዶ ከሓድቲ ሓቅታት?! ብሙሴ ሓድጉ

3ይ ክፋል
ኣቶ ሰላም ይንገስ ኣብ ጽሕፉ ከምዚ ይብል፥
ሃጸይ ዮውሃንስ ኣብ ኲናት ጉንደትን ዓድዋን ጉራዕን ተዋጊኡ ኔሩ።”
ግብጺ ስለዝመጸቶም ስለዚ ድማ ተጋሩ ህዝቦም ከይዘናበል ኢሎም ነቲ ኲናት ኣብ መሬት ኤርትራ ዝገበርዎ። ቱርኪ ንኤርትራ 300 ዓመት ገዚኦማ ግብጽ ንኤርትራ 27 ዓመት ገዚኡዋ ጥልያን 51 ዓመት ገዚኡዋ እንግሊዝ ድማ 10 ዓመት ገዚኡዋ። ንሃገርና ኤርትራ ዝገዝእዋ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣስካሕካቲዮም ኔሮም። ብኣስካሕካሒ ግዝኣታት ስለዝተገዝኤት ዓቅማውን ስለዝተዳኸመ ምስ ኢትዮጵያ ብመልክዕ ፈደረሽን ክትቁረን ተባሂሉ ተቆሪና ድማ። ፈደረሽን ፈሪሱ ሃገርና ኤርትራ ግዝኣቶም ጌሮማ 30 ዓመት ዝወሰደ መሪር ተጋድሎ ድማ ኣብ 91 ናጽነትና ወሲድና። ኤርትራ ጠቕላላ 434 ዓመታት ተገዚኣ። ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ዘይተገዝኣ ላይበርያን ኢትዮጵያን እየን፥ ስለዚ ከም ከመይ ደኣሉ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ዝኾነት ጉዳም። ኢትዮጵያውያንኣይተገዛእናን እዮም!” ዝብሉ ታሪኽ ውን ከምዘይተግዝኡ እዩ ዝነግረና። ዘይተገዝኡ እንተዄይኖም ድማ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ኣይነበረትን ማለት’ዩ።

መግዛእቲ ክበሃል ከሎ ሓደ ፍሉጥ ዝኾነ መግለጺ ኣለዎ። ብኣገላልጻ ኣህጕራዊ ሕጊ፣ ሓደ ህዝቢ ወይ ሓንቲ ሃገር ምስ ካልኦት ሓያላት ዘለዎ ዝምድናታት 3 ዓይነት ስርዓታት ዝተሰርዐ እዩ፥

1.  ግዝኣት (Colony)፥ እዚ ማለት ሓንቲ ሓያል ሃገር ብሓይሊ ንካልእ ህዝቢ ወይ ሃገር ወሪራ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ብምእታው፣ ግዝኣተይ ኢላ ትእውጅ። ኣብ መንጎ እታ ገዛኢት ሃገርን ተገዛኢ ህዝብን ናይ ላዕልን ታሕትን ዝምድና ይህሉ። እዚ ማለት ብሕጊ ኮነ፣ ብፖሊሲ፣ ከምኡ’ውን ብተግባር፣ ዜጋታት እታ ገዛኢት ሃገርን ግዝእቲ ሃገርን ናይ መሳላትን ግዴታትን ማዕርነት የብሎምን። እታ ገዛኢት ሃገር ባህርያዊ ሃብቲ ናይታ ግዝእቲ ሃገር ትምዝምዝ፥ እቶም ግዙኣት ህዝቢ ኣብ ናይ ባዕሎም ቆጠባውን፣ ማሕበራውን፣ ፖለቲካዊ ህይወት ውሳነታትን፥ ምሕንጻጽ ፖሊሲታትን ስትራተጅን ከምኡ’ውን ኣብ ናይታ ገዛኢት ሃገር ዝኾነ ይኹን ተራ የብሎምን።

ከምኡ’ውን ኣብ ዉሽጢ ሃገሮም ካልኣይ ዜጋ እዮም፥ ዓሌታዊ ሕግን ኣድልዎን ልዕልና ዜጋታት ገዛኢት ሃገር ኣብ ልዕልኦም ይጸዓን። ዜጋታት ግዝእቲ ሃገር እንተልዓለ ኣብ ናይ ከባቢ ወይ ብደረጃ ዓዲ ጥራይ ከመሓድሩ ይፍቀደሎም። ንኣብነት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ፕረዚደንት፣ ሚኒስተራት፣ ኣምበሰደራት ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። ከም በዓል ጥልያን ዝኣመሰሉ ሕሱማት ገዛእቲ ከኣ እሞ ኣደንቍሮም እዮም ዝገዝኡ። ጥልያን ንደቀባት ካብ 4ይ ክፍሊ ንላዕሊ ክመሃሩ ኣይፈቐደሎምን። ኣብነት ንምጥቃስ ኤርትራ ግዝኣት ጥልያን እያ ነይራ።
2.  ጽላል (Protectrate)፣ እዚ ሓንቲ ሓያል ሃገር ንሓንቲ ድኽምቲ ሃገር ኣያ ትኾና ማለት እዩ። እታ ትዕቈብ ወይ ጽግዓተኛ ሃገር ናይ ባዕላ መንግስቲ ሃሊይዋ ወይ ከኣ ንጡፍ ተሳትፎ ኣብ ፖሎቲካዊ ንጥፈታት ሃገራ ሃሊይዋ፥ ብወተሃደራዊ መዳይ እታ ኣጽላሊት/ኣዕቋቢት ሃገር ትካላኸለላ። ከምኡ ድማ ኩሉ ናይ ወጻኢ ዝምድናታትን ርክባትን በታ ኣጽላሊት/ኣዕቋቢት ሃገር ይግበር። ንኣብነት ሰሎሞን ኣይላንድስ ኣብ ትሕቲ ጽላል እንግሊዝ እያ ነይራ። እዚ ከኣ መብዛሕታኡ ግዜ ብኽልትኣዊ ዉዕላት ኣብ መንጎ እትዕቈብ ሃገርን ኣዕቋቢት ሃገርን እዩ ዝፍጸም።

3.  መዝነት/መጕዚትነት (Mandates/trustsheep): እዚ ስርዓት እዚ ብማሕበር ሃገራት ዓለም (league of nations) መዝነት፣ ደሓር ከኣ በቲ ንዕኡ ዝተክአ ሕቡራት ሃገራት (United nations) መጕዚትነት ዝበሃል እዩ። እዚ ስርዓት እዚ ከኣ ማሕበር ሃገራት ዓለም ወይ ከኣ ሕቡራት ሃገራት ንሓንቲ ኣባል ሃገር ካልእ ሃገር ከተመሓድር መዝነት ወይ ሓደራ ይህባ ። እዚ ድማ ብተዓዛብነት ማሕበር ሃገራት ዓለም ወይ ሕቡራት ሃገራት ይካየድ። ንኣብነት ደቡብ ኣፍሪቃ ንናምብያ ብመጕዝነት ከተመሓድራ መዝነት ተወሃብዋ ነይሩ።

ስለዚ ጕዳይ ኤርትራ ምስዘን ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዘለዋ ሕጋዊ መግለጽታትን መስፈሪታትን ኣዛምድና ንርኣዮ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ሰውራ ኤርትራን ሻዕብያን ስለዘስተምሃርዎ ጥራይ ንሶም ዝበልዎ ክደግም ምንባር ኣየድልዮን እዩ። ኣቶ ሰላምይንገስ መሰረቱ ኣብቲ ዝንዛሕ ፕሮፖጋንዳን ሓሶትን ብምግባር ጥራይ ምስ ኵዉንነት ዘይቃረብ ስለዝጸሓፈ፣ እዚ ጽሑፍ እዚ ጽሑፍ ሰላም ይንገስ ምንቃፍን ምእራምን ብኡ ኣቢልካ ከኣ ናብ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐንዐ እዩ።

ኤርትራ ከምቲ ሰላምይንገስ ኮነ ሻዕብያ ዝብልዎ፣ ብቱርኵ ን300 ዓመታት ኣይተገዝአትን፣ ብግብጺ ን27 ዓመታት ኣይተገዝአትን፣ ብእንግሊዝ’ውን ን10 ዓመታት ኣይተገዝአትን፥ ብኢትዮጵያ እውን ኣይተገዝአትን። ኤርትራ ብጥልያን ጥራይ እያ ተገዚኣ- ን51 ዓመታት ከምቲ ሰላም ይንገስ ኣስፊሪዎ ዘሎ። ብ1890 ዓ.ም ከም ግዝኣታ ዘቖመታ ‘ውን ጥልያን እያ።

“ብኸመይ ዝብል ለባም”፣ ብኸመይ ዶ ትብሉ ኣሎኹም? ነስተውዕል በሉ።

በቲ ዘመን እቲ፣ እቲ ሓማሴን ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ክፋል ኤርትራ ክሳብ ሳሕል ዝዝርጋሕ መሬት፣ ኣካል ኢትዮጵያ እዩ ዝነበረ። እቲ ህዝቢ በተሓሳስብኡ ኮነ፣ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኣነባብርኡ፣ ምሕደራኡ ኢትዮጵያዊ እዩ ዝነበረ። ካልእ ይትረፍ፣ ድሕሪ 51 ዓመታት መግዛእቲ ጥልያን ‘ውን ኢትዮጵያዊ ስምዒቱ ኣይተለወጠን። መሬት ዓፋር ብሱልጣን ዝፍለጡ ኣመሓደርቲ ይመሓደር ነበረ። ምዕራባዊ መታሕት ከኣ ብንግስነት ፉንጂ ናይ ሱዳን ጸኒሑ ከኣ ብቱርኵን ግብጽን ክመሓደር ጀመረ። ከምኡ ድማ ባጻዕን ከባብኣን ካብ 1557[1] ዓ.ም ጅሚሩ ክሳብ ምምጻእ ግብጺ ኣብ ትሕቲ ቱርኵ እዩ ዝመሓደር ዝነበረ። ቱርኵ እንዳተዳኸመት ኣብ ትኸደሉ ዝነበረት እዋን ከኣ፣ ግብጺ ንምዕራባዊ መታሕትን ሰምሃርን ተቛጻጸረት። ካብኡ ሓሊፋ’ውን ንቦጎስን ከረንን ተቛጻጸረት። ጸኒሓ ከኣ ንከበሳ ደየበት። እንተኾነ ኣብ ውግኣት ጕንደትን ጕራዕን ብሰራዊት ሃጸይ ዮሃንስ ምስተሳዕረት፣ ክሳብ ብ1885 ዓ.ም ብጥልያን ትትካእ ኣብ መታሕት ጥራይ ተደሪታ ተረፈት።

ቱርኵ ኮነ ግብጺ ንገለ ክፋል መሬት ኤርትራ ደኣ ተቛጻጺሮም ነበሩ እምበር ንኤርትራ ገዚኦም ክበሃሉ ኣይክእሉን እዮም። ምኽንያቱ፥

ሓደ ኤርትራ ብግዝየኦም እዚ ዘለዋ ጅኦግራፍያዊ ቅርጽን ስምን ኣይነበራን፥ ካልኣይ ከኣ እቲ ብጻዕቂ ህዝቢ ዝነብረሉ ከበሳ ኣካል ኢትዮጵያ እዩ ዝነበረ። ንመረዳእታ ክኾነና፣ ሆንግኮንግ ከም ኣብነት ክንወስድ ንኽእል ኢና። ሆንግኮንግ ኣካል ቻይና ክንሳ ክሳብ ኣብ 1997 ዓ.ም ናብ ቻይና ትመለስ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ጸኒሓ። እንተኾነ ቻይና ገለ ክፋል መሬታ ብእንግሊዝ ስለዝተገዝአ ጥራይ ግዝእቲ እንግሊዝ ተቘጺራ ኣይትፈልጥን[2]። ናይ ኤርትራ ኵነታት ከኣ ምስዚ ናይ ቻይና ዝመሳሰል እዩ።

ቱርኵን ግብጽን ንከበሳ ንምግዛእን ብኡ ኣቢሎም ከኣ ንኢትዮጵያ ንምግዛእ ብዙሕ ፈተነታት ኣካይዶም ነይሮም እዮም። ንኣብነት ብቐደም ተኸተል ነዞም ዝስዕቡ ፍጻሜታት ንርአ፥

1.  ብ640 ዓ.ም ኣስላም (ሰዓብቱ መሓመድ) ንወደባዊት ከተማ ኣዱሊስ ካብ ንግስነት ኣኽሱም ንምምንጣል ኣብ ዝተገብረ ናይ ባሕሪ ውግእ፣ ንግስነት ኣኽሱም ስዒሩ፥ ፈሺሉ ተረፈ።

2.  ብ702 እስላማዊ ሰራዊት ንደሴታት ዳህላክ ካብ ንግስነት ኣኽሱም መንጢሉ ተቛጻጸረ፥ ክሳብ ብጥልያን ትታሓዝ ከኣ ኣብ ትሕት ኣስላም ከምኡ ከኣ ኣብ ትሕቲ ቱርኵ ተገዝአት። ካብ 702 ጅሚሩ ከኣ፣ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣስላም ስለዝኣተወ፣  ንግስነት ኣኽሱም ናይ ንግድ መስመራቱ ተዓጽዎ። ጠንቂ ምድኻም ንግስነት ኣኽሱም ከኣ ኮነ።

3.  ካብ ሶማል ዝዉለድ ኣሕመድ ግራኝ ካብ የመን፣ ሶማልያ፣ ሱዳን፣ ቱርኵ ከምኡ ድማ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣስላም ሰራዊት ብምእካብን ብምዕቡል ኣጽዋር ቱርኵ ተሓጊዙን፣ ካብ 1529-1543[3] ንመላእ ኢትዮጵያ ተቛጻጺሩ፥ ንዘሎ ገዳማትን፣ ኣብያተ ክርስትያናትን፣ ቅዱሳት መጻሕፍትን ኣቃጸለ። እዚ ከኣ ንሓምሴን/መረብ ምላሽ ጨሚርካ ማለት እዩ።

4.  ብ1543 ብሓገዝ ፖርቱጋል ሰራዊት ሃጸይ ግላውደዎስ ንሰራዊት ግራኝን ቱርኵን ሰዓሮ፥ ኣሕመድ ግራኝ ከኣ ተቐትለ።

5.  ብ1557 ቱርኵ ንባጽዕ ተቛጻጺሩ፥ ከምኡ ድማ ኣብቲ ዓመት እቲ ንኸበሳ ደይቦም ነታ መንበር ምምሕዳር ምድሪ ባሕሪ ዝኾነት ከተማ ድባርዋ ተቛጻጸሩ። ቱርኵ ንኸተማ ድባርዋ ክቋጻጸር ዝኸኣለ፣ ባሕሪ ነጋሲ ኢሳቕ ንሃጸይ ግላውደዎስ ኣሰንዩ ናብ ሃረር ዘሚቱ ስለዝነበረ እዩ። ልእልቲ ሞጎሳ ኣዲኡ ንሃጸይ ልብነድንግል፣ ኣሞኡ ንባሕሪ ነጋሲ ኢሳቕ እያ ነይራ። ሃጸይ ግላውደዎስን ሃጸይ ሚናስን ደቂ ሃጸይ ልብነድንግል ስለዝኾኑ ቤተሰብ ባሕሪ ነጋሲ ኢሳቕ ኢዮም።

6.  ብ1559 ባሕሪ ነጋሲ ኢሳቕ ንከተማ ድባርዋ ካብ ቱርኵ ሓራ ኣውጽኣ፤ ቱርኵ ከኣ ኣብ መታሕት ተሓጺሩ ተረፈ።

7.  ብ1562 ባሕሪ ነጋሲ ኢሳቕ ነቲ ሃጸይ ሚናስ ዘተኣታተዎ ምእኩል ምሕደራ ብምቅዋም ምስ ቱርካውያን ተመሓዘወ። ምስቲ ብዑስማን ፓሻ ዝምራሕ ሰራዊት ቱርኵ ሓቢሮም ብምስላፍ ከኣ ንሰራዊት ሃጸይ ሚናስ ኣብ ትግራይ ሰዓርዎ።

8.  ሃጸይ ሰርጸድንግል ዘይምእኩል ምምሕዳር ብምፍቃዱ ከኣ፣ ባሕሪ ነጋሲ ዝምድንኡ ምስ ቱርኵ በቲኹ ምስ ሃጸይ ሰርጸድንግል ተዓርቀ።

9.  ብ1572 ንካልኣይ ጊዜ ቱርኵ ንድብርዋ ተቛጻጸረታ፥

10.  ብ1574 ከኣ ቱርኵ ብሰራዊት ባሕሪ ነጋሲ ኢሳቕ ተሳዒራ ካብ ድባርዋ ወጸት።

11.  ብ1578 ባሕሪ ነጋሲ ኢሳቕ ነቲ ሃጸይ ሰርጸድንግል ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘተኣታተዎ ሕዲሽ ምምሕዳራዊ ስርርዕ ብምቅዋም ምስ ቱርኵ ወገነ። ብታሕሳስ 1578 ባሕሪ ነጋሲ ኢሳቕን ኣዛዚ ሰራዊት ቱርኵ ኣሕመድ ፓሻን ኣንጻር ሰራዊት ሃጸይ ሰርጸድንግል ኣብ ዝገበርዎ ውግእ ተሳዒሮም ክልትኦም ተቐትሉ። ሃጸይ ሰርጸድንግል ከኣ ናብ ድባርዋ ብምእታው ነቲ ብዘበነ ንግስነት ሃጸይ ዘርእያቆብ (1434-1468) ዝተኣታተወ ናይ ምድሪ ባሕሪ ምምሕዳራዊ ስርርዕ ኣፍሪሱ ኣብ ድባርዋ ዕርዲ ሰርሐ። ቱርኵ ከኣ ባጽዕ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ሃጸይ ሰርጸድንግል ከይትወድቕ ብምስጋእ ካብ የመን 7000 ዝኸውን ሰራዊት ብቕልጡፍ ረዳት ናብ ባጽዕ ኣምጽኡ።

12.  ብ1588 ቱርኵ ንድባርዋ ንሓጺር ጊዜ ተቛጻጸረታ። እንተኾነ ካብዚ ግዜ’ዚ ንድሓር ተስፋ ቆሪጾም ተንከስ ኢሎም ኣይፈተኑን።

13. ቱርኵ ኣብ ትዳኸመሉ ዝነበረት እዋን፣ ብ1813 ግብጺ (ብፍቓድን ምትሕብባርን ቱርኵ) ኣብ ባጽዕ ንእሽቶ ዕርዲ/ወተሃደራዊ መዓስከር መስረተት። ንሱዳን ካብ 1820-1821 ተቛጻጸረት።

14. ብ1841 ግብጺ ካብ ባጽዕ ወጸት።

15. ብ1846 ግብጺ ከም ብሓዲሽ ናብ ባጽዕ ተመልሰት። 2 ዓመት ጸኒሓ ከኣ ብ1848 ወጸት።

16.  ብ1865 ግብጺ ንሳልሳይ ግዜ ናብ ባጽዕ ተመልሰት። ኣብ ባጽዕን ከባብኡን ከኣ ኣደልዲላ ረገጸትን ኣመሓደረቶን። ድሕሪ ምስራሕ ከናል ስዌጽ ኣብ 1869 ከኣ ንምሉእ ኣፍሪቃዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ተቛጻጸረት።

17.  ብ1875 ግብጺ ንከበሳ ደየበት ከምኡ ከኣ ንሃረር ተቛጻጸረት።

18.  ብ1875 ኣስታት 2500 ሰራዊት ግብጺ ብሰራዊት ሃጸይ ዮሃንስ ኣብ ጕንደት ተደምሰሰ።

19.  ብ1876 ንኻልኣይ ግዜ ኣስታት 20,000 ሰራዊት ግብጺ ብሰራዊት ሃጸይ ዮሃንስ ኣብ ጕራዕ ተደምሰሰ። ካብኡ ንደሓር ግብጺ ኣብ መታሕት ተሓጺራ ተረፈት[4]

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ፍጻመኢታት ከም እንርድኦ፣ ቱርኵ ኮነ ግብጺ ንኸበሳ ኤርትራ ንምግዛእን ብኡ ገይሮም ከኣ ንኢትዮጵያ ዝገበርዎ ጻዕርታትን ውግኣትን ኩሉ ብዓወት ኢትዮጵያ ምስ ተዓግተ ኣብ መታሕት ተደሪቶም ተረፉ። ስለ’ዚ ቱርኵ ንገለ ክፋል መታሕት ስለዝገዝአት ከምኡ ከኣ ንሓጺር ግዜ ንከበሳ ስለዝደየበት ንኤርትራ ን300 ዓመታት ገዚኣታ ንብል እንተሊና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። ቱርኵ ንገለ ክፋል ኤርትራ ን300 ዓመታት ገዚኣ ዝብል ምጕት እዩ እቲ ሓቀኛ ሓበሬታ። ወይ ከኣ እቲ ካልእ ምጕት ከበሳ ኤርትራ ኣካል ኤርትራ ዘይቍጸር እንተኮይኑ ነዚ ምጕት እዚ ከም መበገሲ ገይርና ንመጕት።

ብተማሳሳሊ መንገዲ ከም ቱርኵ ግብጺ ኩሉ ንከበሳ ኤርትራ ንምቍጽጻር ዝገበረቶ ፈተነታት ብኢትዮጵያ ተሳዒራ ስለዝተዕግተት ኣብ መታሕት እያ ተሓጺራ ተሪፋ። ካብኡ ሓሊፋ ‘ውን ኢትዮጵያ ነቲ ብ1557 ብቱርኵ ተመንጢላ ዝሳኣነተቶ ወደባ፣ ባጽዕን ከባብኡን ምድሪ መታሕትን ንምምላስ ብርቱዕ ጻዕሪ ትገብር ነበረት። ብፍላይ ግብጺ ካብቲ ቱርኵ ትቋጻጸሮ ዝነበረት መሬት መታሕት ሓሊፋ ንበጎስን ከረንን ሃረርን ምቍጽጻራ ካብ ሃጸይ ዮሃንስ ተሪር ተቓውሞ ገጠማ። ሃጸይ ዮሃንስ መሬተይ ብግብጺ ተወሪሩ ዝብል ስምዕታ ናብ ናይ ኤውሮጳ ሃገራት ኣቕረበ።

እቲ ዝተገብረ ውግእ ጕንደትን ጕራዕን ከኣ ከምቲ ሰላምይንገስ ዝብሎ ንትግራይ ምክልኻል ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ንመሬት መረብ ምላሽ ንምክልኻልን ቦጎስን ባጽዕን ንምምላስን እውን እዩ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ከኣ ዉዕል ሂወት ወይ ዉዕል ዓድዋ ዝፍለጥ ኣብ መንጐ እንግልዝን፣ ግብጽን፣ ሃጸይ ዮሃንስን፣ ብሰነ 1884 ዓ.ም ተፈረመ። ንትሕዝቶ ዉዕል ዓድዋ ብምግንዛብ ጥራይ ከኣ፣ ሃጸይ ዮሃንስ ንመላእ መሬት ኢትዮጵያ፣ መረብ ምላሽ ሓዊስካ ይዋጋእ ከም ዝነበረ ንምርዳእ ኣየጸግምን እዩ። ትዝሕቶ ዉዕል ሂወት/ዓድዋ ከኣ ነዚ ስዒቡ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ የጠቓልል፦

ዓንቀጽ 1፣
ኢትዮጵያ ካብን ናብን ኢትዮጵያ ንዝወጽእን ዝኣቱን ንብረት እንተላይ ኣጽዋርን ተተኵስትን ንወደብ ባጽዕ ብናጻ ክትጥቀመሉ፣

ዓንቀጽ 2፣
ብግብጺ ተጐቢጡ ዝጸንሐ መሬት ኢትዮጵያ፣ ቦጎስ ካብ ዕለት 8 መስከረም 1884 ዓ.ም ጅሚሩ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ፣

ዓንቀጽ 3፣
[ብማህዲ ተኸቢቦም ዘነበሩ] ሰራዊት ግብጺ ካብ ኣመዲብ፣ ከሰላን ሰንሒትን ብምንስሓብ ብመሬት ኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ባጽዕ ክሓልፉ ኢትዮጵያ ከተፍቅድን ክትትሓበበርን።

ዓንቀጽ 4፣ ሓባራዊ ናይ ገበነኛታት ምስጓግ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ክህሉ[5]

ኢትዮጵያ ንዕርድታት ግብጺ፥ ኣመዲብ፣ ኣልገደን፣ ከረን፣ ከሰላን ጋላባትን ሓራ ኣውጽኣ እቶም ተኸቢቦም ዝነበሩ ሰራዊት ግብጺ ብሰላም ብመሬት ኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ባጽዕ ሓለፉ። ብመሰረት ዉዕል ሂወት/ዓድዋ፣ ሃጸይ ዮሃንስ፣ ግብጺ ካብ ባጽዕ ምስ ኣንሰሓበት፣ ባጽዕ ናብ ኢትዮጵያ ክትርከብ እያ ዝብል ትረድኦ ነበሮ። እንተኾነ፣ ምቍጻጻር ጅቡቲ በታ መቓናቕንታን መዋዳድርታን ዝኾነት ፈረንሳ ንእንግሊዝ ኣሸቐላ። ድሕሪ ምንስሓብ ግብጺ ካብ ባጽዕ ከኣ፣ ከም መተካእታ ነታ ድኽምቲ ዝኾነት መሓዝኣ ጥልያን፣ እንግሊዝ ንባጽዕን ከባብኡን ኣውረሰታ።

ሃጸይ ዮሃንስ ተሪር ተቓዉሞ እኳ እንተስምዐ፣ ሰማዒ ኣይረኸበን። ብጥሪ 1887 ዓ.ም ከኣ እቲ ብራስ ኣሉላ ዝእዘዝ ሰራዊት ሃጸይ ዮሃንስን ሰራዊት ጥልያንን ኣብ ደጐል ገጢሞም ኣስታት 500 ምእቲ ዝኾኑ ሰራዊት ጥልያን ተቐትሉ።  

በቲ ግዜ እቲ ኣይኮነንዶ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ መረብ ምላሽን ፍልልይ ክህሉን ከምኡ ዓይነት ኣተሓሳስባ ክህሉንሲ ይትረፍ ኣብ መንጎ ተዛረብቲ ትግርኛን ኣምሓርኛን እውን እንተኾነ ከምኡ ዓይነት ኣተሓሳስባን ፍልልይን ኣይነበረን። ኩሎም ህዝቢ ትግርኛ ኮነ ኣምሓርኛ ካብ ዘርኢ ኤስራኤልን ወረስቲ ንግስነት ኣኽሱምን ምዃኖም እዮም ዝኣምኑ ዝነበሩ።
                                                                                                             
ይቕጽል…
Email: Mussiehadgu1@gmail.com




[1] Hagai Erlick (1994) Ethiopia and the Middle East. Lynne Rienner Publishing Inc, London
Fr. Jerome Lobo (1187) A voyage to Abyssinia. Cassell & Company Limited, London, Paris, New York.
[2] http://en.wikipedia.org/wiki/Hong_Kong

[3] http://en.wikipedia.org/wiki/Ahmad_ibn_Ibrahim_al-Ghazi
[4] Hagai Erlick (1994) Ethiopia and the Middle East. Lynne Rienner Publishing Inc, London
[5] http://en.wikipedia.org/wiki/User:Yom/Edits

No comments:

Post a Comment