Saturday 29 November 2014

ኤርትራውያን፣ መሃይማን ታሪኽ ዶስ ከሓድቲ ሓቅታት፧!


2ይ ክፋል

ፋሕ-ብትን፣ ሰራዊት፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል
በዚ፣ ኸምዚ፣ ራእስ፣ አሉላ፣ ንራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ከም፣ ቃሎም፣ ብደሐን፣ ኣብ፣ ንጉስ፣ አብጽሕዎም፤ ከምኡ፣ ድማ፣ ብሰላምኒ፣ ብሐጐስኒ፣ ኻብ፣ ቤተ-ንጉስ፣ አውጻዎም። “ዐድኹምውን፣ ከብጽሐኩም፤ ከማኡውን፦ ዘይእዘዝ፣ እንቲህሉ፣ ላብቱ፣ ወሰነ-ወሰን፦ ከነግዝእ፦” ይሎም፣ ምስኦም፣ ተተሓሒጆም፣ መጺኦም፦ አብ፣ ጕራዕ፣ ሰፈሩ።

አብኡ፣ ኸለዉ፣፦ ራእስ፣ አሉላ፣ ነቲ፣ ናይ፣ ውሽጢ፣ ምኽሮም፣ ምስ፣ ሐጸይ፣ ክፍጽምዎ፣ ደልዮም፦ ከምዚ፣ ይሎም፣ ጀመሩ፤ “በሉ፤ ሔዝስ፦ እንሆ፤ ሀገርኩም፣ በጺሕኩም፣ ኢኹም፦ ደጊም፦ ዘሎ፣ ሰራዊትኩምን፣ ብረትኩምን፣ አክቡ፣ ኢኹም፦ አኽትትዎ፤ ከማኡውን፣ ተተሓሒዝና፣ ላብዙ፣ መታሕት፣ ክንከድ፦” የልዎም። ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ድማ፦ ወዲ፣ ሐንት-ልባ፦ በዚ፣ ዘረባዚ፣ ተአቢዶም፦ ዘሎ፣ ሰራዊቶም፣ ብሐንቲ፣ እዋን፦ “እቶ፦” ይሎም፣ አኽተትዎ። እቶም፣ ሽዑ፣ ዝኸተቱ፣ ስድራ፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ነቶም፣ ኣብኡ፣ ዝነበሩ፣ ብዙሓት፣ ስድራ፣ አሉላ፣ ኸም፣ ዝበዝሕዎም፦ መሰለ። ካብኡ፣ ራእስ፣ አሉላ፣ ተሐጕሾም፣ ነቶም፣ ስድራ፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ነኣድዎም፤ ከምኡ፣ ድማ፣ ብብዙሕ፣ ተስፋ፣ አሐጐስዎም። ድሕሪዚ፣ ንምድሪ፣ መታሕት፣ ክዘምቱ፣ ሰደድዎም፤ አብ፣ ምድሪ፣ በጐስ፣ መንሳዕ፦ ሰምሃር፦ ፋሕ፣ አበልዎም። ገለ፣ ሒደን፣ ጥራይ፣ ምስ፣ ራእስ፣ ወልደንኬል፣ ኣብቲ፣ ሰፈር፣ ተረፉ። ነቶም፣ ገላው፣ ርእሶም፣ ግና፣ ራእስ፣ አሉላ፣ ናብ፣ ጥቕኦም፣ አጽንሕዎም።
ብዛዕባዚ፣ እዩ፣ ዋጣ፣ ንራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ከምዚ፣ ይሉ፣ ዝደረሰሎም፤
      እንታይ፣ አእተወካ፣ ናብ፣ ሞትን፣ ሰንሰለትን!
      ወትሀደርዶ፣ ይሉ፤ “አይዋጋእን፣ አይመውትን”!
      ንሰናዲርካ፣ ዘበልካዮ፣ ፋሕ-ብትን!
      ክትረክብ፦ ክትስእን፦ ዘይትፍትን።
ደሐር፣ ብኡ-ብኡ፣ ራእስ፣ አሉላ፣ ንኸንቲባ፣ ሃይሉ፣ ወዲ፣ ኣይተ፣ ገብራይ፦ ወዲ፣ ሐወቦኦም፣ ንራእስ፣ ወልደንኪኤል፦ “አጆኻ፦ ቃሕ፣ አይበልካ፦ ክሰሶ፤ ብዝኾነ፣ ሽመት፣ አባኻ፣ ኽተርፍ፣ እዩ፦” የልዎም።
ከንቲባ፣ ሃይሉ፣ ኸአ፣ ንጸዐዘጋን፣ ነቶም፣ ጸላእቲ፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ዝኾኑን፦ “ንራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ክኸሶ፣ እየ፣ እሞ፦ ገሌኹም፣ መስከር፦ ገሌኹም፣ ሐበልቲ፣ መስከር፣ ኴንኩም፣ ደግፉኒ፦” ይሎም፣ ዞርዎም። ነሳቶም፣ ከአ፦ “ብሰማይኬ፣ ትረድ፦ እንታይ፣ ደኣ፣ ኸነልዕል፦ ዘንድግፈኩም?” የልዎም። ሽዑ፣ ኸንቲባ፣ ሃይሉ፣ መሰክሮም፣ አዳላዲሎም፣ ሓዙ። 
ግሊ፣ ጸላእቲ፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል።
ሓደ፣ መዓልቲ፣ ኸአ፣ ፊተውራሪ፣ ገብረ-ኣብኒ፣ ገብረ፣ ወዲ፣ አይተ፣ ተኽላይኒ፣ መርእድ፣ ዕቝባ-ኣብኒ፣ ሐያሎ፣ ኻልኦትኒ፣ ኽጋለሉ፣ ኸለዉ፦ መስመር፣ እተባህለ፣ በዓል፣ ዐዲ፣ ገብራይ፦ መማኽርቶም፣ ነበረ፣ እሞ፦ ከመ-ሐደርኩም፣ የሎም። ነሳቶም፣ ከአ፣፦ “ከመ-ሐደርካ፦ መስመር፤ ንዓ፦ ኸፍ፣ በል፦” የልዎ። ነሱ፣ ኸአ፦ እቲ፣ ዘረብኦም፣ ፈሊጥዎ፣ አሎ፣ እሞ፦ “ብናተይ፣ ዝመጸስ፦ እንታይ፣ ግዱ፣ ስኢንኩም? ኣብ፣ ዝአቶኹምዎ፣ ጕድጓድ፣ እአቱ፣ እየ፤ ግበሩ፣ ደኣ፤ ሕጅስ፣ በቕሊ፣ ጠፊኣትኒ፣ አላ፣ እሞ፦ አብቲ፣ ዘስመርኩምዎ። ምሳኹም፣ እየ፦” ይልዎም፦ በቕሉ፣ ኽደሊ፦ ሐለፈ።
ከይፈለጠ፣ ኸአ፦አብታ፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ብነዊሕ፣ ከለዉ፦ ኣብ፣ መንጽር፣ ኰይኖም፣ ከፍ፣ ይሎምዋ፣ ዘለዉ፣ መኻን፣ መጸ። ምስ፣ ረኣዮም፣ ከአ፦ “ጥዕና፣ ይሃበለይ፦ጐይታይ፦” የሎም። ራእሲ፣ ድማ፦ “ከመ-ሐደርካ፦ መስመር፦” የልዎ። ነሱ፣ ኸኣ፦ “ በቕሊ፣ ጠፊኣትኒ፣ እያ፣ እሞ፦ ተሃዊኸ፣ ኾይነ፤ ጥዕና፣ ይሃበለይ፤ ከድኩ፦” የሎም። ነሶም፣ ከኣ፦ “እቶም፣ ኣብትኣ፣ ኸፍ፣ ይሎም፣ ዘለዉ፤ እሞ፦ ከመ-ሓደርኩም፣ ይልካዮም፣ ዝሐለፍካ፤ እኒ፣ መን፣ እዮም፦ መስመር?” የልዎ። ነሱ፣ ኸኣ፦ መታን፣ ከጠፋፍኦም፦ “ አበይ፦ ጐይታይ? ተሀዊኸ፦ አይረኤኽዎምኒ፦” የሎም። ነሶም፣ ከአ፦ “ኪድ፣ ደኣ፤
            ኣነ፣ ወልዱ!
            ኣነ፣ ኣባ፣ ቅጣው!
            ኣነ፣ ሐው፣ ተመርጻ!
እንኳይ፣ ስብእነትኩም፦ እቲ፣ እትመኽርዎ፣ ዘሎኹም፣ እኳ፣ እፈልጦ፣ አሎኹ፤ ንወልደንኪኤል፣ እዚ፣ ንበሎ፦ እዚ፣ ንግበሮ፦ እዩ፦” የልዎ። መስመር፣ ከአ፦ “ ኣነስ፣ አይፈልጥኒ፦ ጐይታይ፦” ይልዎም፣ ሐለፈ።   
      ማእሰርት፣ ራእስ፣ ወልደንኬኢል።
ደሐር፣ መስቀል፣ መዓልቲ፣ ራእስ፣ አሉላ፣ ንራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ አጸውዕዎም። እቶም፣ ስድራ፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ከኣ፦ “ጐይታይ፦ በሊዖም፣ ይኺዱ፤ መአዲ፣ እዩ፦” የልዎም። ነሶም፣ ከአ፦ “ንቕድመይ፣ እንዳ፣ ራእሲ፣ እምሳሕ፦” ይሎም፦ “ንኺድ፣ ደኣ፤ ተጸዊዔ፣ እየ፦” የሉ።
አብ፣ አደባባይ፣ ራእስ፣ አሉላ፣ ምስ፣ መጹ፣ ኸአ፦ ከንቲባ፣ ሃይሉ፣ ተቐሪቦም፣ ጸኒሖም፦ “ተማሕጺነ፣ አሎኹ፦” የልዎም። ራእሲ፣ ኸአ፣ “እንታይ፣ ክትብለኒ፦” የልዎም። “እንታይኬ፣ ዘይብለኩም? በዝን፣ ምስ፣ ንጉስ፣ ትዕረቑ፦ በትን፣ ድማ፣ አናፍጥትኹም፣ ኣብ፣ ኣድባራትኒ፣ ናብ፣ ባጽዕኒ፦ መሸፈቲል፣ ኽኾነኩም፦ ትሐብኡ፣ አሎኹም፤ ሐሶት፦ እንተልኩም፦ ክረትዕ፤ እማን፦ እንተልኩም፦ ገበን፣ ንጉስ፣ አሎኩም፦” የልዎም። ነሶም፣ ከአ፦ ሐሶት፦” የሉ። “ዋሕስ፣ ግበሩ፤ እሞ፦ ክረትዕ፦” የልዎም። ነሶም፣ ከአ፦ “ተዋሓሰኒ፣ እከለ፦” የሉ። እቶም፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ዝረቝሕዎም፣ ሰባት፣ ከአ፣ ገጽ፣ ራእስ፣ አሉላ፣ ርእዮም፦ “አይከኣለናን፦” የሉ። ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ድማ፣ እታ፣ ነገራ፣ አለልዮምዋ፦ “መን፣ ደኣ፣ እሞ፣ ኽወሓሰኒ? አብ፣ ጨርቀይ፦ የሉ። ራእስ፣ አሉላ፣ ኸአ፦ “ሐዞ፦” የሉ፤ እሞ፤ መቝሕ፣ አልበስዎም።
ሽዑ፣ ኸንቲባ፣ ሃይሉ፦ “እግዚኣብሄር፣ የርእዮም፦ ክርስቶስ፣ የመልክቶም፤ ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ እዚ፣ ሕጂ፣ አኪቦምዎ፣ ዝነበሩ፣ ብረት፣ ርቡዑ፣ እኳ፣ አይኸውንኒ፤ ምስ፣ ንጉስ፣ ዕርቂ፣ አሎኒ፦ ክብሉ፦ አናፍጥቶም፣ ድማ፣ ናብ፣ በበዐቱን፣ አብ፣ ደደብሩን፣ አብ፣ ባጽዕኒ፣ ኽሰዱ፦ ተረኽቡ፦” ይሎም፣ ጠርዑ። ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ከአ፦ “ሐሶት፤ አይወዓልክዎን፦” የሉ። ነሶም፣ ከአ፦ “ ተረትዑ፦” ይሎም፣ አመስከሩሎም። ራእስ፣ አሉላ፣ ድማ፦ “እዚ፣ እናገበርኩም፣ ዲኹም፣ እትዕረቑና? ቀጥ፣ አቢልካ፣ እሰሮም፦” የሉ። ሽዑ፣ ኸንቲባ፣ ሃይሉ፦እኒሆ፦ ጐይታይ፤ ንበረኸት፤
      ሰማይኒ፣ ዝበጽሕ፣ መንጕድኡ፣
      ምድርን፣ ዝጓስስ፣ ዳልግኡ፣”
የልዎም።
በዚ፣ ኸምዚ፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ተአስሩ። ድሕሪ፣ ማእሰርቶም፣ ድማ፣ ቕሩብ፣ ጸኒሖም፣ ራእስ፣ አሉላ፣ ንደግያት፣ መስፍን፣ አሰርዎምኒ፣ ገበትዎምን። ድሕሪኡ፣ ኸአ፣ በብንእሽቶይ፣ ነቶም፣ መዃንንቶም፣ አምሰምሲሎም፣ አብ፣ መቐውሕ፣ ለበድዎም። ንልጅ፣ ሃይለ-መልኮት፣ እኳ፦ “ንእሽቶይ፣ እዩ፦” ይሎም፣ አይሐደጉን                                                     ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ አብ፣ እምባ ሶላማ፣
ድሕርዚ፣ ራእስ፣ አሉላ፣ ንራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ምስ፣ ደቆም፣ አሳሲሮም፣ አብ፣ ንጉስ፣ ሰድድዎም። ንጉስ፣ ከአ፣ ክሳዕ፣ ራእስ፣ አሉላ፣ ዝመጹ፦ ብዐይን-ቘረኛ፣ ሐለውዎም። ደሐር፣ ንራእስ፣ አሉላን፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤልኒ፣ ናብ፣ ቅድሚኦም፣ ደው፣ አቢሎም፣ አማጐትዎም።
ሽዑ፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል፦ “ብዘይ፣ በደል፣ እየ፣ እተአሰርኩ፦” የሉ። ራእስ፣ አሉላ፣ ኸአ፦ “ብበደል፣ እባ፤ ዘሎኳ፣ ነፍጥን፣ ወርቅን፣ አጽዋርኒ፣ ናብ፣ ፍቕዳ፣ በዐቲ፣ ደርዲርካዮ፣ እንተ፣ ዘይኮነ፦ እውሐስ፣ ሰለስተ፣ ኽሳድ፦” ይሎም፣ አውረዱሎም። በዚ፣ ኸአ፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ደፊሮም፦ “አግብእ፦” ከይብሉ፦ ከብዲ፣ ንጉስ፣ ፈሊጦም፣ ዝን፣ የሉ።
ንጉስ፣ ከአ፦ ነቲ፣ ዅሉ፣ ምስ፣ ሰምዑ፦ “ህይወተይ፣ ይፍታሕካ፦” ይሎም፦ ፈሪዶም፣ ኣብ፣ እምባ፣ ሰላማ፣ ሰቐልዎም።
 ... ንጉስ፣ አብ፣ ሸረጃቓ፣ ሰፈሩ።

በዚ፣ እዋንዚ፣ አቢሉ፣ ንጉስ፣ ባዕሎም፣ ካብ፣ ትግራይ፣ መጹ። ራእስ፣ አሉላ፣ ናብዚ፣ ጸኒሖም፣ ተቓባበልዎም፤ ንብላታ፣ ገብሩ [ብላታ ገብሩ ካብ ሓምሴን ኮይኖም ተጠባባቒ ራእስ ኣሉላ እዮም ነይሮም]፣ ግና፦ “መታን፣ ካብ፣ ትርኵ፣ ኽሳድ፣ ክሕዝ፣፦” ይሎም፦ አመስምሾም፣ ንኸረን፣ ሰደድዎ። ጥበቦም፣ ብኣውርኡ፦ ንጉስ፣ እንተ፣ ርኣይዎ፦ ገጹ፣ ፍትዊ፣ ነበረ፣ እሞ፦ከይወስዱሎም፣ ይሎም፦ እዮም። ንጉስ፣ ከአ፣፦ ብጽልማ፣ ምስ፣ መጹ፦ ብሕምብርቲ፣ አቢሎም፦ ብጸዐዘጋ፣ ጌሮም፣ ንሸረጃቓ፦ ምድሪ፣ ሽማንጉስ፣ ላዕላይ፦ ሐሊፎም፣ ገለ፣ ቕሩብ፣ አዋርሕ፣ አብኡ፣ ሰፈሩ። አብኡ፣ ኸለዉ፦ ልኡኽ፣ እንግሊዝ፣ አተዎም። ሽዑ፦ ምስ፣ ድርቡሽ፣ ክዋግኡ፦ውዑል፣ ገበሩ።

ብኡ-ብኡ፣ ኸአ፣ ንበዐቲ፣ ጨዓረሺ፦ ሐዊ፣ እናአጐዱ፦ አፍረስዋ። ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ብዙሕ፣ አቕሓ፣ ምስ፣ ሐለውቱ፣ ናብታ፣ በዐቲ፣ ሐቢኦም፣ ነበሩ። እቶም፣ ሐለውቲ፣ ኸአ፦ “አሕሊፍና፣ አይንህብኒ፦” ይሎም፣ እናተታዀሱ፦ ነቶም፣ ዓቀይቲ፣ ንጉስ፣ ምእታው፣ ከልእዎም። አማስይኦም፣ ግና~ ጨኒቕዎም፦ “ምሓሩና፣ እምበር፤ አቲኹም፣ ውሰዱ፦” የሉ። ሽዑ፣ ንጉስ፣ ነታ፣ በዐቲ፦ “ምሕዳር፣ ጐሓሉ፣ ኸይኸውን፦” ይሎም፣ አፍረስዋ።

እዚ፣ ጌሮም፣ ክምለሱ፣ ኸለዉ፦ ዐድ-ተኽላይ፣ ሰፈር፣ ራእስ፣ አሉላ፣ ርእዮም፦ “እዚ፣ መንኻንዚ፣ ሕማቕ፣ መኻን፣ እዩ፤ ንበሪ፣ ዘይኸውን፣ ንንጉስ፣ ክኸውን፣ አይግባእኒ፤ ስለዚ፣ ዝሐይሽ፣ መኻን፣ ሐሪኻ፣ ስፈር፦” ይሎም፣ አዘዝዎም። ድሕርዚ፣ ንዐዶም፣ ተመልሱ። ካብኡ፣ ራኣስ፣ አሉላ፣ ድማ፦  “ከም፣ ቃል፣ ንጉስ፣ይኹን፦” ይሎም፣ ሐርዮም፦ አብ፣ አስመራ፣ ተቐመጡ።

.. ሞት፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል።
ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ድማ፦ ብሞት፣ ሐጸይ፣ ዮሀንስ፣ ምስ፣ ተፈትሑ፦ አብ፣ ራእስ፣ መንገሻ፣ አትዮም፣ ምስኦም፣ አብቲ፣ ውግእ፣ ኰዓቲትኒ፣ ሰንዓንፈን፣ ወዓሉ። አብኡ፦ መጽሓፍ፣ ዛንትኦምኒ፣ ዛንታ፣ ዐዶምኒ፣ አጽሒፎም፣ ኔሮም፦ ካብ፣ ሰንዓፈ፣ ኽሀድሙ፣ ኸለዉ፦ እታ፣ መጽሓፍ፣ ጠፍአቶም። ብድሕርዚ፣ ናብ፣ አዅስም፣ ይቕመጡ፣ ነበሩ። አብኡ፣ ኸለው፣ ግና፦ ካብ፣ ደቂ፣ ጸዐዘጋ፣ ብምሕላፍ፣ መገዶም፣ እንተ፣ መጽዎም፦ ብጽቡቕ፦ ብሕሩድ፣ ብመስተ፣ ደአ፦ ይቃባበልዎም፣ ነበሩ፣ እምበር፥ አይተቐየምዎም፣ አይቀተልዎም። አብ፣ መንጎዚ፣ ደግያት፣ አበራ፣ ኸአ፣ ኻብ፣ ጣልያን፣ ወጺኦም፣ አኽስም፣ መጹ። ነሶም፣ ድማ፣ ንልጅ፣ በዛብህ፣ ወዲ፣ ደግያት፣ መስፍን፦ ወዲ፣ ጸላኢኡ፣ ኽነሱ፦ ከም፣ ሐዉ፣ ጌሩ፣ ሕጅዎ፣ ነበረ፥ ደሐር፦ ምስ፣ ጨነቖ፦ ፈንዩ፦ ከይቀተሎ፦ ሐደጎ። ደግያት፣ አበራን፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤልኒ፣ ኸአ፦ አብ፣ አኽስም፣ ምስ፣ ተራኸቡ፦ ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ንደግያት፣ አበራ፣ ብጽቡቕ፣ ተቐበልዎ፥ እሞ፦ ከምዚ፣ የሉ፥ “አታ፦ ካባናስ፣ ደቅና፣ ለቢሞም፦” የሉ። መወዳእትኦም፣ ከአ፦ አረጎም፣ ዕድመ፣ ጸጊቦም፦ ብሕማም፣ አብ፣ አኽስም፣ ሞቱ፦ አብኡ፣ ድማ፣ ተቐበሩ።

ልጅ፣ ሃይለ-መለኮት፣ ወዲ፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ሕጂ፣ ናብ፣ ሐድሽ-አበባ፣ አሎ። ልጅ፣ በዛብህ፣ ወዲ ደግያት፣ መስፍን [ደግያት መስፍን ወዲ ራስ ወልደንኪኤል እዩ]፣ ግና፣ ብድሕሪ፣ ሞት፣ አበሐጉኡ፣ ናብ፣ እንዳ፣ አቡኡ፣ ተመልሹ፦ አብ፣ ሀዘጋ፣ ደቅሹ፣ ደገ፣ ይጸንዕ፣ አሎ።

ከምዚ እዚ ታሪኽ እዚ ዘዘንትዎ ዘሎ፥ ጕዳይ ራስ ወልደንኪኤል ብሕጋዊ መንገዲ ብደቂ ሓማሴን ክሲ ቀሪብሉ፣ ብመሰኻኽር ደቂ ሓማሴን ተረትዑ እዩ። ከምኡ እውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቀሪቡ ሞጕቱ እንተኾነ ግን ተረትዑስ - ንማእሰርቲ ተፈሪዱ። እቲ ዝቐረበሉ ክሲ ሓቂ ምዃኑ ዘርጋግጽ ከኣ ህያው ምስክር በዓቲ ጨዓረሺ እዩ። እዚ ምስ’ቲ ኣቶ ሰላምይንገስን ሻዕብያን ካልኦትን ዘዘንትዎ ጠሪሹ እዩ ዝፈላላል። ራስ ወልደኒኤል ከምቲ ኣቶ ሰላምይንገስ ዘዘንትዎ ብሃጸይ ዮሃንስ ተቐቲሉ ዘይኮነስ ብሕማም ምስ ኣረገ እዩ ሞይቱ።

ምስ እዚ ዛንታ እዚ ዝሳማማዕ ኣነ በወገነይ ካብ ቤተሰብ ራስ ወልደንኪኢል ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ኣሎ። ኣብ 2002 ናብ ሃዘጋ ብስራሕ ኣብ ዝተንቃሳቐስኩሉ እዋን ኣብ ናይ ራስ ወልደንኪኤል ግቢ/ቀጽሪ ተዛዋውረ ተዕዚበዮ ነይረ። ክሳብ እቲ ኣነ ተዛዋዊረ ዝተዓዘብኩሉ እዋን እቲ ግቢ ከይፈረሰ ተዓቂቡ ነይሩ። ቤተሰብ ራስ ወልድንኪኤል ከኣ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ግብን ብዛዕባ ራስ ወልደንኬኤልን ህቦምኒ። ንሳቶም ከም ዝብልዎ፥

“...ራስ ወልደንኪኤል ሃገር ክሒድካን ከድዕካን ዝብል ክሲ ቀሪብሉ ተኸሲሱ ኣብ ቅድሚ ሃጸይ ዮሃንስ ቀሪቡ። መሰኻኽር ከኣ ብሓሶት መስክሮም፥ ከም ውጽኢቱ ከኣ ንማእሰርቲ ተፈሪዱ። ምስ ሰብ ምብላዕ ዝለመደ ገበል ምስ ተኣስረ ከኣ፣ ራስ ወልደንኪኤል ነቲ ገበል እምኒ ሓዊ ኣርስኑ ኣብ ኣፉ ምስ ኣዀለሶ፣ እቲ ገበል ሞተ። ብድሕርዚ፣ ብጅግንነት ራስ ወልደንኪኤል ተገሪሙ፣ ሃጸይ ዮሃንስ ንራስ ወልደንኪኤል ካብ ማእሰርቲ ለቐቖ። ብሰላም ከኣ ምስ ኣገልገልቱ ኣብ ዓድዋ ይንበር ነብረ። ኣብኡ ከኣ ምስ ሓንቲ ትግራወይቲ ሓዳር ገይሩ ኣርባዕተ ቆልዑ ወለደ። እዝኣቶም ከኣ ምስ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ፣ ማለት ምስ እንዳ ሃጸይ ምነሊክ ተዋሰቦም ዘርኦም ኣብ ኢትዮጵያን ወጻእን ኣለዉ...።”

ልዕሊ ኩሉ ነገር ንዓይ ዝመሰጠኒ በዚ ሎሚ እዋን ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ኣብ ኤርትራ ሰብ ተጨውዩ ኣብዚ ኣተወ ከይተባህለ ከም ጨው ብዘይፍርዲ ይሓቅቕን ይቕተልን ይጭፍጨፍን ኣብ ዘለወሉ እዋን በቲ ጊዜ እቲ ሕጊ ተኸቲሎም ክኸዱ ምርኣይ እዩ። እዚ ዘርድኣና ክሳብ ክንደይ ድሕሪት ተመሊስና ምህላውና እዩ። እቶም መሰኻኽር ብሓሶት ድዮም መስክሮም ብሓቂ ብዘየገድስ፣ በቲ ግዜ እቲ ግን ሰበ-ስልጣን ዘይከምዞም ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ፥ ስልጣን ስለዝጨበጥካ ጥራይ ንሰብ ጨዊኻ ምቕንጻልን ምምቋሕን ምስቓይን ዘይኮነስ ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሎም ይኸዱ ምንባሮም እዩ ዘርእየና።
               
ይቕጽል…

መኤረምታ፥

ኣቐዲመ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ፥ “ግብጺ ንባጽዕን ከባብኡን ዝተቛጻጸረትሉ እዋን ኣብ 1920” ዝብል ኣብ መስርሕ ጽሕፈት ዘጋጥመ ጌጋ ምዃኑ እቕሬታ እሓትት። ብኸምዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ከኣ ተኣሪሙ ክንበብ ብትሕትና እምሕጸን።

[ኣብዚ ትርኵ ዝበሃል ዘሎ ግብጺ እዩ። እንተኾነ ካብዚ እንርድኦ ነገር እንተሎ፣ ህዝቢ ከበሳ ነቲ ትርኵ ተኪኡ ኣብ 1820ታት ንባጽዕን ከባብኡን ዝተቋጻጸረ ግብጺ ከም ትርኵ እዩ ዝቖጽሮ ነይሩ ማለት እዩ። ወይ ከኣ በበይኖም  ምዃኖም ኣይፈለጠን ማለት እዩ]

1 comment: