Saturday 28 March 2015

ሽፍታ ‘ስርዓት’ ኲኖ ምፍራስ ኣባይቲ ዘቋምቶ ረብሓ ኣለዎ ዶ? ብሙሴ ሓድጉ

እዚ ሎሚ ብስርዓት ሻዕብያ ዝካየድ ምፍራስ ኣባይቲ ዜጋታት፡ መቐጸልታ ናይቲ ን54 ዓመታት (ካብ 1961 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ) ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ሽፍትነትን ግብረ-ሽበራን እዩ። እዚ ሎሚ ብስርዓት ሻዕብያ ዝግበር ዘሎ ምፍራስ ኣባይቲ ከኣ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን። እቲ ሕቶ ንምንታይ ሎሚ ናብ ኣውራጃ ኣከለጒዛይ ኣቕኒዑ? ብዘይ ገለ ምኽንያት ተገይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢልካ ምሕሳብ ዘይመስል እዩ። ገለ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ክህልዎ ኣለዎ። ዝኾነ ኮይኑ ነዚ መስርሕ ምፍራስ ኣባይቲ፡ ኣብቲ ዓቢ መስርሕ ሽፍትነትን ግብረ-ሽበራን ሰውራ ኤርትራን ስርዓት ሻዕብያን ኣእትና ምስ ንርእይዮ ጥራይ እዩ ክርዳኣና ዝኽእል።

እቲ በቲ ዕሉል ሽፍታ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ዝጀመረ ሰውራ ኤርትራ ካብ ዝዉለድ ኣትሒዙ ህዝቢ እንዳ ኣጽነተን ኣርዓደን ኣሸበረን እዩ መጺኡ። እቲ ብዘይካ ሞያ ሽፍትነትን ህዝቢ ምቕታልን ምግፋዕን ንብረቱን ሃብቱን ምዝራፍን ካልእ ሞያ ዘይነብሮ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡ እቶም ኣብ ካይሮ፡ ግብጺ ኢስላማዊ ውድብ ጅብሃ ዝመስረቱ ኣስላም፣ ነቲ ናይ ሽፍትነት ተመኲርኡ ንኽጥቀምሉ ንዓዋተ ምስኦም ክስለፍ ምስ ዕደምዎ፡ ዓዋተ ብታሕጓስ እዩ ተቐቢልዎ። ምኽንያቱ፡ ንዓዋተ ብዘይካ እቲ የዕርዩ ዝተወለፎን ዝለመዶን ሞያ ሽፍትነት፡ ኢስልማዉን ዓረባውን ተልእኾ’ውን ስለዝኾነ፡ ካልእ ዝናን ስምን ዘጥርየሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተፈጥረሉ። ከምቲ ንሳቶም ዝጸውይዎ ከኣ ብ 1 መስከረም 1961 ዓ.ም ነቲ ኣስካሕካሒ ሽፍትነታውን ግብረሽበራውን ጒዕዞ ገድሊ ጀመሮ። ነዊሕ ከይጸንሐ ከኣ፡ ድሕሪ 9 ኣዋርሕ፡ ኣብ ግንቦት 1962 ዓ.ም ሞተ።


እብቲ ንሳቶም ሰውራ ኤርትራ ኢሎም ዝጽውዕዎ ውድብ እኳ ወላ ሓንቲ ትርአ ኣበርክቶ እንተዘይነብሮ፡ ነቲ ናይ ቅድሚ ሽፍትነት ጅብሃ ዝነበረ ነዊሕ ኣረሜናዊ ናይ ሽፍትነት ታሪኹ ከም ዓቢ ኣገልግሎትን ዉዕለትን ሓሲቦም ከኣ ናይ ሃገራዊ ጅግና ክብሪ ሃብዎ። እምበር ዓዋተ ደኣ ኣብ ጅብሃ ኮይኑ እኮ ዝወዓሎ ኲናትን ዝቐተሎ ናይ መንግስቲ ወተሃደርን ኣይነበሮን። ኣብተን ዝነበራ ናይ 9 ኣዋርሕ ናይ ጅብሃ ታሪኹ፡ ዓዋተ ኣብ ፈቐዶ ስንጭሮታትን ጫካታትን ክሕባእ ከፊእዎ ነበረ።

ጀብሃ ኢስላማዊ ተልእኮኣ ንምፍጻም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክርስትያን ህልቂትን ዘረፋን ዕንወት ንብረትን ዓድታትን ፈጸመት። እዚ ታሪኽ እዚ ከምኡ ኢሉ ተዓቢጡ ክተርፍ እኳ ብሰውራ ኤርትራን ስርዓት ሻዕብያን እንተተሰርሓሉ፡ እቶም ግዳያት ግብረሽበራዊ ገበናት ጀብሃ ዝኾኑ ወገናት ዝርስዕዎ ኣይኮኑን። ህዝብታት ደምበላስ፡ ቆሓይን፡ ኣከለጒዛይን፡ ላዕላይ ጋሽን ብኣልማማ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ህልቂት በሰልኡ ኣብ ዝባኖም ኣሎ። ስድራቤታት እቶም ኣብ ሓምለ 1967፡ ኣብ ሽምባረ፡ ኣብ ሓንቲ ረፍዲ፡ ጀብሃ ዝሓረደቶም ክርስትያን ሓረስቶት ዝርስዕዎ ኣይኮኑን። ሰብኣይ ሓትኖይ፡ ዘርእማርያም ዑቕባስላሴ ሓደ ካብቶም ናይ ሽዑ ግዳያት እዩ ዝነበረ። ሓትኖይ ከኣ ነቶም ንበይና ብክንደይ ሕሰምን መከራን ዘዕብየቶም 4 ደቃ (2 ኣዋልድ 2 ኣወዳት)፡ እቲ ካልእ ሽፍታ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ካብ ሕቕፊኣ ጨወዩ ምስ ወሰዶ ብኡ ገይሩ ሃጠመ።

እዚ ናይ ጀብሃ ግብረሽበራዊ ተግባራት ንጹር ተልእኾ ዝነበሮ እዩ። ኣሰር ኢብራሂም ሱልጣንን ኣልራብጣ ኣልእስላምያን ብምኽታል፡ ነቲ ኢብራሂም ሱልጣን ዘበገሶ ስነ-ሓሳብ ምትግባር እዩ። እስከ መራሒ ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ዝበልዎ ንርአ፥

 መራሒ ኣልራብጣ ኣልኢስላምያ ዝኾኑ ደጃዝማት ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዓሊ ብ1949 ዓ.ም ኣብ ቅድሚ ንኡስ ሽማገለ ሕቡራት ሃገራት ቀሪቦም ከምዚ ክብሉ መደሩ፥

ኤርትራን ኢትዮጵያን ወላ ንሓንቲ ግዜ ትኹን ብሓደ ሓቢረን ኣይፈልጣን እየን፣ ነገስታት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራን ረጊጾም ኣይፈልጡን እዮም፤ ክልትኦም ህዝብታት ናይ ቋንቋ ኮነ ባህሊ፤ ናይ ታሪኽ ኮነ ሃይማኖት፤ ዝኾነ ዓይነት ርክብ ዘይብሎም እዮም። ብዘመን ጥንታዊውያን ኣባሲዳውያን (LES ABASIDES) ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብኸሊፋ ባቕዳድ ዝመሓደራ ዝነበራ ሃገራት ዓረብ እያ ነይራ። ዘመን ኣባሲዳውያን ኣብቂዑ ስልጣን ኸሊፋ ምስ ተበታተነ ከኣ በብሃገሩ ናይ ኣሚራት [እስላማዊ መሳፍንቲ] ስልጣን ተመስረተ። ካብ ግዝኣት ኤርትራ ቀዳማይ ክፋል ብሓደ ኣሚር ተታሒዙ ክጸንሕ ከሎ፤ ካልእ ክፍሊ ከኣ ብሓደ ናይ ኤርትራ ተወላዲ ዝኾነ እስላማዊ መራሒ ይመሓደር ነበረ።

ንፖርቱጋላውያን ስዒቦም፤ ቱርካውያን ኣብ ኤርትራ መጺኦም ስልጣኖም ድሕሪ ምዝርግሖም፤ ሃገርና ክሳብ ብባዕዳዊት ገዛኢት ጥልያን ዝተታሕዘትሉ እዋን (ማለት ክሳብ 1885 .) ብካድቫት ግብጺ ክትመሓደር ጸኒሓ። መንግስቲ ጥልያን ንኤርትራ ከም ግዝኣቱ ዝወሰዳ ካብ ኢድ ግብጻውያን እምበር ካብ ኢትዮጵያ ዘይምዃኑ ብታሪኽ ዝተራጋገጸ እዩ። ባሕሪ ነጋሲ ዝተባህለ ናይ ኤርትራ ኣመሓዳሪ ተኣዛዝነቱ፣ ኣቕድም ኣቢሉ ንቱርካውያን፣ ቀጺሉ ከኣ ንግብጻውያን እምበር ንመንግስታት ኢትዮጵያ ኣይምልከትን። ስለዚ ባዕዳዊት ገዛኢት ጥልያን ንእነመሓድሮ ሃገር ወሲዳትልና ኢሎም ክማጐቱን ክካራኸሩን ዝግብኦም ግብጻውያን እምበር፤ ኢትዮጵያውያን ዘይምዃኖም ክፍለጥ ኣለዎ።

ናይ ከበሳ ክፋል ግዝኣት ኤርትራ፤ ክርስትያን ዝነብርዎን ብባህልን ቋንቋን፣ ምስ ኢትዮጵያ ይመሳሰሉ እዮም ዝበሃል ፍጹም ሓሶት እዩ። ተቐማጦ ሰራየን ሓማሴንን፤ ከም ተቐማጦ ምጽዋዕ ኩሎም ኣስላም እዮም። ኣብ መንጎኦም እኳ ውሕዳት ክርስትያን ዝነብሩ እንተኾኑ፤ ካብቲ ጠቕላላ ተቐማጢ ህዝቢ 10% ዝኾኑ እዮም።  ( ዘውዴ ረታ (2006) የኤርትራ ጕዳይ (228-229))

ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡ ጀማሪ ሽፍትነት
መበገሲ ሰውራ ኤርትራ እዚ ብኢራሂም ሱልጣን ቀሪቡ ዘሎ ስነ-ሓሳብ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ሰውራ ኤርትራ ከይሓፈረ፡ “ቃልስና ኣንጻር ሃጸይነትን ጽዮይነትን እዩ” ኢሉ ዝፍክር ዝነበረ። “ተጠዊቕካ ጽልኢ”  ዝብልኹም ከምዚ እዩ። ኤርትራ ዓረባዊትን ኢስላማዊትን ሃገር ክትከዉን እንተኮይና ከኣ፡ እቲ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ ዘቕዉም ክሪስትያን ክጸንት ኣለዎ። ነዚ ንምግባር ከኣ ክቐትልዎን ብግብረ-ሽበራዊ ተግበራቶም ዓዱ ገዲፉ ክሳብ ዝስደድ ከርዕድዎን ነይርዎም። ጀብሃ ነቶም የውሃት ክርስትያን፡ መሲልዎም ብዕሽነትቶም ንዕኣ መሳርሒ ክዄንዋ ኣብ መሳርዓ ዝተሰለፉ እውን ኣይገደፎቶምን። ብኣንጻር ትብጽቢቶም ሓረደቶምን ቀንጸለቶምን ደኣ። በብዘለውዎ ከኣ ነብሶም ንምድሓን ናብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኢዶም ሃቡ። ካልእ ይትረፍ እቲ መሳርሒ ክኾኖም ዝዓሰብዎ መም. ወልዳይ ካሕሳይ፡ ሓላፊ ክርስታያናዊ 5ይቲ ክፍሊ፡ እኳ ህውይቱ ንምድሓን ምስ 58 ብጸቱ ናብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኢዱ ሃበ። ኣብ ስርዓት ሻዕብያ፡ ወጻኢ ጒዳይ ሚኒስተር ነበር፡ ኣቶ ሃይለ ወልደትንሳኤን(ድሩዕ) ካልኦትን ከኣ ሃዲሞም ኣብ ከሰላ፡ ሱዳን ኣብ ዝነበረ ቈንስል ኢትዮጵያ ተዓቕቡ። ምስክነይቲ ኢትዮጵያ፡ ከምታ ኣደ ዉላዳ ዝገበረ እንተገበረ ዘይትጭክን፡ ነዞም ዘድመዩዋን ዝበደልዋን እውን ኢዳ ዘርጊሓ ብምቕባል፡ ሓብሐበቶምን ዓቀበቶምን። ድሩዕ፡ ሳላ እታ ዘዕቈቦቶ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ጠንጥንዎ ናብ ሽፍትነት ዝወፈረ ናይ ምህንድስና ትምህርቱ፡ ተመልሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መልኦ። እንተዀነ ነታ ህውይቱ ካብ ኢድ ሸፋቱን ጅሃድን ዘድሓነቶን ዘምሃረቶን ኢትዮጵያ ንምድማይን ንምጽናት ህዝቢ ኤርትራን፡ ሽፍትነት ዝመቀርሮ ኣቶ ሃይለወደንስኤ፡ ናብቲ ግብረ-ሽበራዊ ውድብ ሻዕብያ ተሰሊፉ ሽፍትነቱ ቀጸሎ።

ሻዕብያ ካብ ጀብሃ ዝተማህሮ ጥበብ ሽፍትነትን ግብረሽበራዊ ተመክሮን ሜላታትን ሕዙ ብምፍንጫል እቲ ዝጨከነ ግብረሽበራዊ ዉድብ ኣቖመ። ክልትኦም ውድባት ኮይኖም ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ደሃኽዎ፣ ማሕበረ ቆጠባዊ ትካላቱን ትሕተ-ቅርጹን ኣዕነዉዎ። ኣብ ልዕሊ ባቡርን መገዲ ባቡርን ካልእ ሃብቲ ሃገር ዝኾኑ ትካላትን ግብረ-ሽበራዊ መጥቅዕትታ ፈነዉ። ግብረሽበራዊ ተግባራት ጀብሃ ካብ ንጹር ሃይማኖታዊ ስነ-ሓሳብ ዝምንጩ እዩ። ናይ ሻዕብያ ግን ካብ ምንታይ ዝተመርኰሰ እዩ ክሳብ ሕጂ መግለጺ ኣይተረኽበሉን።

ሎሚ ናይጀራውዊ ቦኮ ሓራም፡ 200 ኣዋልድ ጨውዩ ተባሂሉ ምሉእ ዓለም ኣዛሪቡን ነተን ዝተጭውያ ኣዋልድ ንምድሓን እዉን ኣህጒራዊ ጻዕሪ እንዳ ተገብረ ይርከብ። ከምኡ ‘ውን ISIS ስድራቤታት ክርስትያንን ካልኦት ሃይማኖታትን ስለዝጨወየን ዝሓረደን እዚ ዘይበሃል መጥቃዕት ይርዶ ኣሎ። ናይ በዓል ኣልቓዕዳን ኣልሸባብን’ውን ተማሳሳሊ። ሕብረትሰብ ዓለም ነዞም ኲሎም ኢስላማውያን ኣሽበርቲ ስሙር ግንባር ኣቚሙ ክገጥሞም ከለሎ፡ ኣብ ግብረ-ሽበራውያን ሰውራ ኤርትራን ስርዓት ሻዕብያን በጽሑ ግን ተዓዚሙ ይርከብ። እዚ ዝኾነሉ ምኽናያት ከኣ እቲ ግብረሽበራዊ ተግባራት ናይ ኢስላማዊ ሽበራ፡ ዶብ ኣልቦ ክኸዉን እንከሎ፡ ናይ ሰውራ ኤርትራን ስርዓት ሻዕብያን ግን ኣብ ዉሱን ኲነታት ገዲፍካ ዶብ ዝሰግር ኣይኮነን። ኩሉ ሽበራዊ ተግበራቶም ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘናጻጸረ እዩ። እምበር ብክብደቱን ስፍሓቱን ብሰውራ ኤርትራን ስርዓት ሻዕብያን ዝተገብረ ግብረሽበራዊ ስርሓት ይገድድ። ንሰውራ ኤርትራ ከም ግብረሽበራዊ ዉድብ ኣብ ጸሊም መዝገብ ዘስፈረት እንኮ ሃገር ከናዳ ጥራይ እያ። ግብረ-ሽበራዊ ተግባራት ሰውራ ኤርትራን ስርዓት ሻዕብያን ንምብራህ ነዞም ዝስዕቡ ኣብነታት ምቕራብ ጥራይ ባዕሉ ገላጺ እዩ፥


1.      ብዙሕ ህዝቢ ክርስትያን ኤርትራ፡ ብሰንክ እምነቶም ጥራይ ብጀብሃ ተሓሪዶም። ሎሚ እውን እንተኾነ ብስርዓት ሻዕብያ ብሰንኪ እምነቶም ዝቕተሉን ዝምቊሑን ዘለዉ ኣሽሓት እዮም- ኣመንቲ እምነት መሰኻኽር ጅሆቫ፣ እቶም ኣብ 1994 ጸልማት-ከደኖ ብለይቲ ካብ ገዝኦም ምስተጨውዩ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ስዓብቲ እምነት ምስልምና፣ ክርስታያን ሰዓብቲ ጴንጠን ካልኦትን ፡ ከምኡ’ውን ሰዓብቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ። ብዓቢኡ ምምሕዳር ተዋህዶ ብሻዕብያ ተጨውዩ፡ ሞባእ ቤተ-ክርስትያን ተዘሪፉ ናብ ማዕከን ሻዕብያ ከምዝኣቱ ኮይኑ። ብዙሓት ምእመናን ከኣ ኣብ ምቚሕ ይርከቡ። ንፓትሪያርክ፡ ኣቦነ ኣንጦንዮስ እኳ ኣይነሓፉ።

2.     200 ከም ናይ በዓል ቦኮ ሓራም ዘይኮነስ፡ ኣመኢት ኣሽሓት ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ማሙቕ ሕቚፊ ኣዴታተን ተጨውየን ምስተወስዳ፡ ኣሽሓት ብኡ ገይረን ሃጢመን እየን፣ ዝተረፋ ከኣ ከደምትን መርወዪ ጾታዊ ስምዒት ኣዘዝትን ኮይነን ኣለዋ። ሻዕብያ ኣብ ሕጾኖት ዝነበራ መርዑት ‘ውን መጋረጃ ቀንጢጡ ዝጨወየ ሽፍታ እዩ። ንሻዕብያ ዓለም ከምቲ ንቦኮ ሓራም ዝሓተቶ ኣበይ ኣእትኻየን ኢላ ክትሓቶ ይግባእ ዶ ነይሩ።

3.     እቶም ኣማኢት ኣሽሓት ቆልዑን፣ ኣቦታትን፣ መንእሰያትን፡ ብስም ሃገራዊ ጻዊዕትን ኣገልግሎትን ክተትን ሰውራ ኤርትራን ስርዓት ሻዕብያን ጨውዩ ዝወሰዶም፣ ክንደይ ካብኦም እዮም ብዝወጽዋ ከይተመልሱ ዝሓቐቑ?

4.     ኣሽሓት ሲቪልን ተጋደልትን ሻዕብያ ብፖለቲካ ኮነ ካልእ ኣመኽንዩ ምስ ጨውዮም ሃላዋቶም ኣይተፈልጠን።

5.     ብዙሓት ሲቪልን ተጋደልትን፡ ንገሊኦም ኣብ ቅድሚ ህዝብን ሰራዊትን፡ ንገሊኦም ከኣ ኣብ ጽምዋ ይቕንጽልዎም። ኣብ ሻዕብያ ኮነ ጀብሃ ብስም ክርስትያን፡ ፋሉል፡ መንካዕ፡ የሚን ዝሓቐቑ ክንደይ እዮም። ክንደይ ህዝቢ እዩ-ኸ ጃሱስ፡ ዓማ፡ ሻዕብያ፡ ሰባት ንስደት ኣባጻጺሑ ብዝብል ምስምስ ህዝቢ ኣኪቦም ዝቐንጸልዎም። ከም በዓል ግደ፡ ጀብሃ ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ፡ መቓብሩ ባዕሉ ከምዝዂዒት ብምግባር ተሳታፊ ዕዳጋ ህዝቢ ኣኪቦም ኣብ ደቂዘሩ ዓንሰባ ዝረሸነቶ፣ ኣቦይ ቀሺ ኪዳነ ቀሺ ኣውዓሎም ኣብ ደቂዘርኡ ዓንሰባ ኣብ ቅድሚ በዓልቲ ቤቱን ወለዱን፡ህዝቢ ደቂዘርኡን ዝቕንጸልዎ። እዚ ገለ ካብቲ ብዙሕ ፍጻሜታት እዩ። ሜላን ኣገባብ ኣቃታትላን ስርዓት ሻዕብያን ጅሃድን ተማሳሳሊ እዩ። ጀሃድ ኣብ ህዝቢ ስነ-ኣእምራዊ ራዕዲ ንምፍጣር ብዘስካሕክሕ ጭካነ ንግዳያቶም ብሓበን እንዳሓረዱ ንተግባራቶም ብቪድዮ ሰኒዶም ንህዝቢ ዓለም ክዝርግሑ ከለዉ፣ ሰውራ ኤርትራን ስርዓት ሻዕብያ ከኣ ብተማሳሳሊ መገዲ ህዝቢ ኣኪቦም ብሓበን እንዳፈከሩ ንግዳያቶም ብጥይት ወይ ቀጥቂጦም ይቐትልዎም። እቲ ፍልልይ ሰውራ ኤርትራን ስርዓት ሻዕብያን ብጥይትን ዱላን ክቐትሉ እንከለዉ ጀሃድ ከኣ ብካራ ክሳድ ስለዝቖርጹ ጥራይ እዩ።

6.     ምህርቲ ሓረስቶት ምዝራፍን ምምንጣልን።
7.     መሬት ህዝቢ ምርሳይን ምሻጥን።
8.     ተማሃሮ ካብ ኣብያተ ተምህርቲ ምጭዋይ። እቶም ኣብ 2006 ካብ ኣብያተ ትምህርቶም ተጨውዮም ኣብ ፈቐዶ ዊዓን ኪሎማን ዝማሰኑ ገና ኣብ ዝኽሪ ህዝቢ ኣለዉ።
9.     ንስደት ዝኸይድ ህዝቢ ምኽታርን ካብ ስደት ከም በዓል ሱዳን ምጭዋይን።

10.    ምጭዋይ ናይ ህዝቢ ነፈርቲ። ንኣብነት በዓል ዓሊ ሰይድ ገያሾ ሒዛ ኣብ ጒዕዞ ዝነበረት ዋንነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጨውዮም ኣብ ካራቺ ፓኪስታን ዘዕለብዋ።
11.     ምርሻን ስንኩላን ።
12.    ምኽታር ገያሺ ህዝቢ። ኣብ ፈቐድኡ ኬላ ተኺሎም ንህዝቢ ብምኽታር ትሕዝቶ ነጋዶ ምዝራፍን ህዝቢ ምጭዋይን።
13.    ምስ በዓል ራሻይዳ ብምምትሕብባር ሰባት ምድላልን ምሻጥን ምጭዋይን።
14.    ምፍራስ ኣባይቲ ህዝቢ
15.    ምእሳር ስድራቤታት ናይ ሃዲሞምን ኮብሊሎምን ዝበልዎምም ዜጋታትን ምርሳይ ንብረቶምን መሬቶምን።
16.   ምዕናው ትሕተ ቕርጺ። መገዲ ባቡር፡ ቢንቶታት፡ ምዝራፍ ጠሓንቲ -መካይንን ሞተረታት ማይን ካልእን።
እዚ ኩሉ ግብረ-ሽበራዊ ተግባራት፡ ስራሕ ሽፍታ ኣይኮነን ኢሉ ዝምጒተኒ ዶ ይህሉ? ንቡርን ፍትሓውን ተግባራትን እዩ ኢሉ ዝምጒተኒ መን እዩ፧

ኢሰያስ ኣፍወርቂ፡ ወራሲ ሽፍትነት
ስለዚ ምፍራስ ኣባይቲ ኣብ ውሽጢ እዚ ናይ ሽፍትነት ተግባራት ኣእትኻ ዝርአ ተግባራት እዩ እምበር ብተናጸል ዝርአ ኣይኮነን። ግን እዚ ተግባራት እዚ ሕቶታት ዘለዓዕል እዩ? ሕራይ ኣባይቲ ምዝማትን ምርሳይን-ሲ ንቑጠባዊ ረብሓ፡ ኣበይቲ ምፍራስ-ከ ንሽፍታ እንታይ የርብሖ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ። ንገሊኦም ሸፋቱ ንህዝቢ ምብስባስን ምርዓድን ምሽባርን ንባዕሉ ዓቢ ባህታ እዩ ዝፈጥረሎም። ስርዓት ሻዕብያ ከኣ ሓደ ካብዞም ዓይነት ሸፋቱ እዩ። ካልእ ከኣ ብድሕሪ’ዚ ዝግበር ዘሎ ምፍራስ ኣባይቲ ቁጠባውን ፖለቲካውን ረብሓ ይረከብ እዩ።

ከምዝፍለጥ ስርዓት ሻዕብያ፡ “መሬት፡ መሬት መንግስቲ እዩ!” ብዝብል ኣዋጅ  ንኹሉ መሬት ህዝቢ ገቢትዎ እዩ። መሬት፡ መሬት መንግስቲ እዩ። ህዝቢ ወላ ሓንቲ መሬት የብሉን። እቲ ተሰሪሑ ዘሎ ኣብይቲ  ኣብ ልዕሊ ዋናታት ዘለዎ መሬት እዩ ተሰሪሑ ዘሎ። ዋንኡ ከኣ ሻዕብያ እዩ። ዋና ገዛ፡ ዚንጎ፡ ገመል(ሞራለ)፡ ማዕጾ፡ መንደቕ፡ ሓጺንን መስማርን ጥራይ እዩ ዝዉንን። ብኣተሓሳስባ ሻዕብያ፡ ዋና መሬት ልቐቐለይ እንተድኣ ኢሉካ፣  ገዛኻ ኣልዒልካ ምልቃቕ ጥራይ እዩ። እንተዘይለቒቕካ ከኣ ነቲ ኣባይቲ ባዕሉ መጺኡ ሜዳ ይገብሮ ማለት እዩ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ገዛ ወኒኑ ዝነብር ዘሎ ዜጋ ብጽቡቕ ድሌት ዋና መሬት ደኣ እምበር፡ መሰል ሃልይዎ ኣይኮነን። ሻዕብያ ኣብዝደለዮ እዋን መጺኡ ከልቅቖ ስልጣን ኣለዎ።

ኲላትና ከም እንፈልጦ ሻዕብያ ኣብ ኤርትራ ገዛ ከይሰራሕ ኣጊዱ ኣሎ። ገዛ ምስራሕ ንሻዕብያ ዝተዋህበ ጒንዖ ጥራይ እዩ። እተን ዝተፋላልያ ናይ ሻዕብያ ናይ ህንጻ ኩባንያታት ጥራይ እየን ከኣ ዝኾነ ህንጻዊ ስርሓት ከካይዳ ፍሉይ ሓለፋ ተዋህብወን ዘሎ። መሬት ከኣ ከይሽየጥ ከይልወጥ እጉድ እዩ። ሻዕብያ ጥራይ እዩ ክሸይጥን ክልዉጥን ዝኽእል። ስለዚ ሻዕብያ ንኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ሰብ ሃብቲ መሬትን ኣባይትን እንዳሸጠ ምልዮናት ዶላራት ይግሕጥ ኣሎ። እቲ ዋና ዕላማ ምግባት መሬትን ምእጋድ ምስራሕ ኣባይትን ከኣ እዚ እዩ። ከምኡ ከኣ ነቶም መሳርሒኡ ዝኾኑ ኮራኹሩ ኣዘዝቲ ሰራዊት እንተስ ኣበይቲ ህዝቢ መንጢሉ፡ እንተስ መሬት ህዝቢ ዓዲሉ ገዛ ከምዝረኽቡ ይገብሮም። ነቶም ባዕሎም ገዛውቲ ዝሰርሑ ኮራኹሩ ከኣ ግልያታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብህያብ የወፍየሎም። ናይዚ ተግባራት ኣብነት፡ ኣብ መንደፈራ፡ ድባርዋ፡ ከረን፡ ደቀምሓረን ካልኦት ከተማታትን ንኮራኹሩ ዝተዓደለ መሬትን ኣባይትን እዩ። ኣብ ኣስመራ ኮነ ባጽዕን ተሰሪሑ ዘሎ ኣብይቲ ከም በዓል እንዳ ኮርያ፡ ስፐይስ 2001፡ ማይተመናይ፡ ማይ-ሕጻን ካልኦትን ካብ ህዝቢ ተመንጢሉ ንኣዘዝቲ ሰራዊትን ‘ዳያስፖራ’ን ዝተመጠወ እዩ። ስለዚ እዚ ምፍራስ ገዛውቲ እዚ ንሻዕብያ ብዘይካ ራዕድን ሽበራን ምፍጣርን ሕሰም ህዝቢ ምርግጋጽን ካልእ ረብሓ ይህቦ እዩ። ገዛውቲ ፈሪሱ መሬት ክፍቲ ምስ ኮነ፡ ሸይጡ ዶላራት ዝግሕጠሉን ንኮራኹሩ ዝዕድሎ መሬት ንኽረክብ ባይታ ዝፈጥረሉን እዩ።

እቶም ብጤሳ መሬት ዝረኸቡ ‘ውን እንተኾኑ ገዛውቲ ክሰርሑ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ክዕድሎም እንከሎ’ውን ንፖለቲካዊ-ሃልኪ ደኣ እምበር ንክሰርሕዎ ኢሉ ኣይኮነን። ንኸሰርሑ ዓቕሚ የብሎምን ካብ ዝብል ተስፋ እዩ። እንተኾነ እቶም ሰብ ጤሳ ተጣቢቦም ገዛዉቲ ስለዝሰርሑ፡ ንሻዕብያ ዓይኑ ደም መሊእዎ። እቲ ቀንዲ ሰብ ጤሳ ዝተጠቕምሉ ጥበብ፡ ብዉሽጣዊ ስምምዕ ፍርቂ እቲ መሬት ሸይጦም፡ ብሽያጥ እቲ እተሸጠ መሬት ዝተረኽበ ሰልዲ፡ ነታ ዝተረፈ ፍርቂ ጭራም መሬት ምስራሕ እዩ። ስለዚ ሻዕብያ ብሰለስተ መንገዲ ክዓግቶም ፈቲኒ።

ቀዳማይ፡ ንተኾናተርቲ ህንጻ ካብ ስራሕ ኣጊዱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዙሓት መሃንድሳት ብሰንኪ ሞያኦም ጥራይ ኣሲሩን ጨፍጭፉን ከምኡ’ውን እዚ ዘይባሃል ዕዳ ኣሰኪሙ ኣብ ዓቢ ሸግር ሸመሞም። እንተኾነ እዚ ‘ዉን ንሰብ ጤሳ ካብ ምስራሕ ኣባይቲ ኣይዓገቶምን።
 ካልኣይ፡ ንህንጻ ዘድልዩ ጥረ ነገራት ናብ ሃገር ከይኣትዉ ኣገደ፤ ንናይ ህግደፍ ትካላት ገዲፍካ ማለት እዩ እዚ። ህዝቢ ከኣ ብኮንትሮባንድ፡ ብኽቡር ጥረ ነገራት እንዳዓደገ ምስራሕ ቀጸለ።
ሳልሳይ፡ ስለዚ ሻዕብያ ምስራሕ ኣባይቲ ጠሪሹ ኣገዶ። ህዝቢ ሕጂ ‘ዉን ከምቲ ዝድለ ኣይኹን እምበር፡ ጠሪሹ ግን ካብ ህንጸት ኣይቦኸረን።

ብሓፈሽኡ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ንሃለኽቲ ብኮንትሮባንድ ዝረኽቦ፡ ኣባይቲ ምስራሕ ‘ውን ብኮንትሮባንድ ኮነ። ብለይቲ-ለይቲ፡ ጸልማት-ከደኖ ካብ ምምሕዳር ከተማ ተሓቢእካ ምስራሕ፣ ክመጹኻ ከለዉ ከኣ ኣሽሓት ጒቦ እንዳሃብካ ምግልጋል። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ጒቦ ሂብካ ዘፈናኻዮም ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማ፡ ተጥውዮም ንኻልኦት ይልእኩልካ። ንሶም ከኣ ግድኦም ይወስዱ። ድሕሪ እዚ ኩሉ ገይርካ ‘ዉን ገዛኻ የፍርሱልካ። ንኣብነት ኣብ 2008-2009 ዘጋጠመ መስደምም ፍጻመ ኣሎ።

ኣብ ዓዲ ሰጒዶ ኣይቀብጹናን እዮም ኢሎም ጒቦ እንዳሃቡ ምስራሕ ዝቐጸሉ ዜጋታት፡ ልክዕ ከም ሕጊ ጸወታ ኲዕሶ እግሪ፡ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማ መጺኦም፡ መጠንቀቕታ ብጫ ካርድ ኣርኣይዎም። እቶም ሰብ ገዛ ከም ቀደሞም ብጒቦ ዝሕለፍ መሲልዎም፡ ህንጸት ኣየቋረጹን። እንተኾነ፡ እቶም ሰራሕተኛት ከተማ ድሕሪ ሰሙን መጺኦም፡ ካልኣይ ብጫ ካርድ ኣርእዮም፡ ቀይሕ ካርድ ኣስዒቦም ብምርኣይ፣ ዶዞራት ኣምጺኦም ነቲ ንገዛውቲ ተሰሃልዎ።

ምፍራስ ገዛውቲ ንራዕዲ ዶስ ንረብሓ፧!
እታ ጾሎት ትበሃል ዓዲ ግን ንበይና ተበይና ነበረት። ምስራሕ ኣባይቲ ንበይና ተፈቑዱላ ነበረ።  ምምሕዳር ከተማ ናብታ ዓዲ ከይዶም ንኸይቋጻጸሩ፡ መጀር ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ኬላ ብምታካል ንምምሕዳር ከተማ መሬት ጸሎት ተወር ከምዘይብሉ ገበሮም። ካብ ፊሊጶስ ፍሉይ ሓለፋ ዝረኸበ ዝመሰሎ ህዝቢ ጸሎት ገዛውቲ ኣብ ምስራሕ ተጓየየ። ዝበዝሕ መሬት ጤሳ ጸሎት ከኣ ቦቶም ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ናብ ኢስራኤል ዝተሰዱ ደቂ ሰንዓፈን ከባብኡን ተገዝአ። ጸሎት ከኣ ኣብ ሓጺር ጊዜ ‘ዲምግራፍያዊ’ ለውጢ ኣምጸአት። ናይ ደቀባት ጥራይ ምዃን ተሪፉ፤ ካብ ሰንዓፈን ከባብኡን ዝፈልሰ ህዝቢ ዝቕመጠላ ዓዲ ኮነት። እንሆ ከኣ፡ ፊሊጶስ ነቲ ባዕሉ ተኻላኺሉ ክስራሕ ዝገብሮ ገዛውቲ ባዕሉ የፍርሶ። እዚ ከምዚ ዓይነት ተረኽቦ ንዓይ ድንግርግር እዩ ዘእትወለይ። ስለምንታይ እዩ እቲ ገዛውቲ ምእንቲ ክፈርስ ክስራሕ ዝነበሮ? እንታይ እዩ እቲ ዕላማ? ክፍኣት ጥራይ ድዩ ወላ ብድሕርኡ ሕቡእ ንዓና ዝይርኣየና ጥጁእ ነገር ኣሎ እዩ?
ሻዕብያ ንሃገር ካብ ዝቋጻራ ኣትሒዙ ህዝቢ ወናኒ መሬትን ገዛውትን ከይውንን ካብ ኣገደ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምንታይ እዩ ክነብር? ኣብ ህዋ ድዩ ክንጥልጠል ወይስ ክስደድ? ሻዕብያ ነቲ ስርዓት ሃይለስላሴ ዘይበሎ፡ “ኤርትራ መሬታ እምበር፡ ህዝባ ኣይድልየንን እዩ” ኢሉ ዝጒስጒሰሉ ሓሶት፡ ነቲ ንሱ ክበጽሖ ዝሓልሞ ምዃኑ ዝነግረና ነይሩ ሎሚ በሪሁልና። ነቲ ክገብሮ ዝደሊ እዩ ዝእንፍተልና ነይሩ። ንሻዕብያ፡ኤርትራ መሬታ እምበር፡ ህዝባ ኣየድልዮን እዩ።

ሎሚ ሻዕብያ ብጋህዲ እዩ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ኲናት ኣዊጁን ገጢሙን ዘሎ። እዚ ምፍራስ ገዛውቲ እዚ ከኣ ኣካል ናይ ኲናት ስትራተጅኡ ክኸዉን ይኽእል እዩ። ሎሚ ሻዕብያ ንኹሉ ህዝቢ ጨውዩ ኣብ ኣብያተ ማእሰርታትን መዓስከራትን ጅሆ ሒዝዎ ከብቅዕ ብድሕሪት ተሞኽልዩ መጺኡ ከኣ ነቶም ቈልዓ-ሰበይትን ኣረጋውያንን ትዓቚቦምሉ ዘለዉ ገዛውትን ንብረቶም ከዕኑ እቲ ልሙድ ግብረ-ሽበራዊ ስርሑ እኳ እንተኾነ፡ ጽልእን ብድዐን ንዕቀትን ሻዕብያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤራትራ ዘርኢ’ዉን እዩ። ሎሚ ኣባይቲ ምስራሕ እምበር ኣባይቲ ምፍራስ ቀዳምነት ክወሃቦ ኣይክእልን። እንተተኻኢሉስ ነቲ ብስእነት ገዛዉቲ መጽለልን ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ፡ ክሳብ መሰረታዊ ፍታሕ ዝመጽእ፡ ግዝያዊ መጽለሊ ዝኾኖ ቴንዳታት ደኣ ትዕድሎ እምበር።

ሻዕብያ ገዛውቲ ከይስራሕ ኣጊዱ ነቶም ተሰሪሖም ዘለዉ ከኣ ካብ ኣፍረሰ፡ እንታይ ዓይነት መልእኽቲ እዩ ከመሓልልፍ ደልዩ ዘሎ። ዝኻሓነ ጽልኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንምውጻእ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ምኽንያቱ ሽፍትነት ዉን ዓይንን ደረትን ኣሎዎ። ሸፋቱ በዓል ዓዋተን መሰልቶምን ምስዚ ናይ በዓል ሻዕብያ ዝዳረግ ግፍዓታት ፈጺሞም ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም።

እንተኾነ፡ ነቲ ታንክታትን፡ ነፈርትን ካልእ ምዕቡል ኣጽዋርን ዝዓጠቐ ሰራዊቱ፡ ህዝቢ ካብ ምጽናትን ምርዓድን ምዝራፍን ሓሊፉ፡ ካልእ ኣብ ምንታይ መዓላ ከውዕሎ። ንምዃኑ ሰራዊት ሻዕብያ ካብኡ ሓሊፉ ካልእ እንታይ ክገብር ይኽእል። ድሕሪ’ቲ ኣብ 2000 ዓ.ም ብሰራዊት ኢትዮጵያ ዝወረዶ ከቢድ ስዕረት ስለዝባህረረ፡ ምስ ብረት ዘይዓጠቑ ኣረጋውያንን ቈልዓ-ሰበይትን ጥራይ እዩ ክገጥም ዝኽእል። እዚ ከም ዓቢ ጸላኢ ተቖጺሩ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ ነገር ክዓኑን ክርዕድን ኣለዎ። ን 13 ዓመታት መመላእታ ልኡላዊ መሬተይ ባድመ ተጐቢጡ ኣሎ ኢሉ ዝግዕር ሻዕብያ፡ ሓንቲ ጥይት ‘ዉን ትኹን ናብ ባድመ ገጹ ንኽትኩስ ስለዝጃጀወ እዩ ዓንተር ምዃኑ ንኸርኢ፡ ሓይሉ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ  ህዝቢ ዝጥቀመሉ ዘሎ። እምበር ነቲ 2012 ዓ.ም ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዉሽጢ መሬት ኤርትራ ኣትዩ ዓጋቲ ዘይብሉ ክጋልብ ከሎ፡ እዚ ገዛውቲ ህዝቢ ዘዕኑ ዘሎ ሰራዊት ደኣ ኣበይ ተሓቢኡ ነበረ፧!

ከምዚ ክውረየሉ ዝወረሐ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንወተሃደራዊ መዓስከር ማይ-ዕዳጋን መዕደኒ ቦታ ብሻን ክዕንድረሉ ቀኒዩ እንተዀይኑ፡ ሰራዊት ሻዕብያ እንታይ ይገብር ነይሩ፧! ሻዕብያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጥራይ እዩ ዓንተር። ቊሩብ እቶም ወያነ መሊኦም ከይጽድቁ፡ ነቲ ገዛውቲ ህዝቢ ዘፈርስ ዘሎ ሰራዊትን ዘፍርሳ ዘለዋ ማሽነሪታትን ሕዉስ ኣቢሎም ከይድብድብዎ፡ ሸለል ኢሎሞም። ሕጂ’ውን ማይ ኣይሓለፎን፡ ነዚ ዘእዊ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ንሱኹም ጥራይ ኢኹም ክትረድእዎ ትኽእሉ። ህዝቢ ኩሉ ናብ ቃልዕ ከይወጸ እንከሎ፡ ኣብዛ ትመጽእ ዘላ ዙርያ መጥቃዕትኹም፡ ነዘን ገዛውቲ ህዝቢ ዘዕንዋ ዘለዋ ኣሃዱታትን ማሽነርታትን ተሳሃልወን። ህዝቢ ኤርትራ ብሃንቀውታ ይጽበ እዩ ዘሎ - ነጻ ከተውጽእዎ!!

እዚ ህዝቢ ኤርትራስ ማስጣ በዓል ሃይለስላሰን ደርግን ደኣ በጺሒዎ ከይከውን። ስርዓት ሃይለስላሴ ብልቓሕን ብኻልእ መገድን ህዝቢ ከይሽገር ብምሕላይ፡ ህዝቢ ናይ ባዕሉ ገዛውቲ ከምዝውንን ገይሩ። ካልእ ይትረፍ እቶም ሰርሕተኛታት መንግስቲ ከይተረፉ በተን ደሞዞም፡ ኣብ ጊዜ ስርዓት ሃይለስላሰን ደርግን ገዛውቲ ወኒኖም እዮም። ነቶም ብስርዓት ድርግ ብለቓሕ ገዛውቲ ዝወነኑ፡ ሻዕብያ ንኸተማ ምስ ኣተወ እንታይ ገይርዎም ርእይናዮ ኢና። ልዕሊ ዋጋ እቲ ገዛውቲ ግብሪ ኣኽፊልውም። ብዙሕ ካብዚ ብሻዕብያ ዝፈረሰ ኣባይቲ ብጊዜ ደርጊ ዝተሰርሐ እዩ። ስርዓት ደርጊ ብተወሳኺ፡ መትከላት ስነ-ሓሳብ ማሕበርነት መሰረት ብምግባር ኩሉ ኣብ ከተማ ዝነብር ህዝቢ ብስማዊ ክራይ (2-9 ቅርሺ) ገዛ ከምዝረክብ ገይሩ። እሞ ህዝቢ ኤርትራ ማስጣ እቶም ኣጽልል፡ ተዓቘብ፡ ተመሃር፡ ሕረስ፡ ንገድ፡ ሸቅል፡ ውሉድካ ሕቘፍ፡ ክበር-ንበር ዝበልዎ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዶ ወሪድዎ ይኸዉን፧! ሎሚ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኢትዮጵያ እንተንህሉ እዚ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ምተፈጸመ ዶ፧

ንእግረ መገደይ ንትብዓትን ጽንዓትን ህዝቢ ዓዲ ቀይሕ ከየድነቕኩዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ብተግባራት ራዕድን ሽበራን ሻዕብያ ከይረዓደ ንርስቱን መሰሉን ኣንጻር ሽፍታ ደው ስለዝበለ ህዝቢ!!

ብሙሴ ሓድጉ

Email: mussiehadgu1@gmail.com





1 comment:

  1. ግርም እባ " ቆርበት በጊዕ ዝለበሰ ቱኽላ" ያኢ ከም ሓላይ ህዝቢ ኣከለ ጉዛይን ዓዲቀይሕን ዝጀመርካዮ ጽሑፍካ ነዊሕ ከይከደ እን ታይነትካ ኣቃሊዑ፡፡ ልክዕ ብወገን ጀብሃ ይኹን ሻዕብያ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ኣሎ 'ዩ፡፡ እዚ ግን ነቲ ዓበይቲ ሓርበኛተት ተቓለስቲ ኣቦታትና ዝወጹሉ ዕላማ ምንሻውን ብቐንዱ ከም ሸፋቱ ምግላጾምን ዝዓበየ ገበነን ሕሉፍ ስድነትን እዩ፡፡ ብዓቢኡ ን ስርዓት ሃይለስላሰን ደርግን ምንኣድካን ምሙጓስካን ዝያዳ መንነትካ የብርህ፡፡
    ዋእ!እምበር ከ ኤርትራዊ ኢኻ?
    " ምስክነይቲ ኢትዮጵያ ከምቲ ኣደ ንውላዳ ዝገበረ እንተ ገበረ ዘይ ትጭክን" ኣንታ ሉኽመኛ መደናገሪ፡ በዛ ሙሉእ ሓሳብ ጥራይ እንታይነትካን መንነትካን ተኾሺሑ፡፡
    እዞም ተመላኽዖም ዘለኻ ስርዓት ሃይለስላሰን ደርግን ኣብ ዖና፡ሽዕብ፡ኣቑርደት፡ኦምሓጀርን ኣብ ውሽጢ ከተማታትን ገጠራት ኤርትራ፡ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክርስትያንን ኣስላምን፡ኣበሸ ልዕሊ ሽማግለታትን ህጻናትን፡ኣጥባተን ዝተቖርጻ ኣደታት፡ብኣልማማ ዝተረሸኑ መንእስያት ዝረሳዕናዮም መሲሉካ!፡፡
    ምኻን ሙሴ ኣቦኻ ወዶገባ፡ኣባሓጎኻ ኮማንዲስ ኢኻ ትመስል፡፡ ወይ ከኣ ብዓቢኡ ካብ ስግር መረብ ትኸውን፡፡

    ReplyDelete