Sunday, 19 July 2015

‘ፖለቲካ-ኣውራጃታት’፤ . . . ሓማሴን፡ ኣከለ-ጉዛይን ሰራየን፤ እተን ዝተርፋ ኣውራጃታት-ከ፧! ብ Mimi Mimo

ኣሮን ኣብራሃም ዝበሃል ደራፋይ ነይሩ። ሕጂ`ውን ይህሉዩ። ግናስ ክደርፍ ገጢሙኒ ኣይፈልጥን - ኣብዚ ዳሕረዋይ ግዜ። ኣሮን ሓደ እዋን ሃቢቡ ነይሩ እዩ - ኣብ ኤርትራ። ኣብቲ ፈለማ 90ታት ሓዳስ ካሴት ሰሪሑን ብዙሕ እቶት ረኺቡላ`ውን ይበሃል። በቲ ናይ` ሽዕኡ መለኪዒታት ማለት እዩ። ህብቡነቱ ተጠቒሙ ከኣ ዑደት`ውን የካይድ ነይሩ እዩ - ኣብ ከተማታት ኤርትራ። ስለ` ድማ፡ ሓደ ግዜ ኣብ ከረን ምርኢት ከቕርብ ኣብ ጆኮ ከረን’ (ሜዳ ኲዕሶ እግሪ) ተረኺቡ።
ኣሮን ምስ ደርፍታቱ ጽቡቕ ከዘናግዖም ኣምስዩ ንመንእሰያት ከረን። ኣብ መንጐ እውን እንተስ ብገርሁ እንተስ ብጉርሑ ከዘንግዖም ሓሲቡ ነይሩ እዩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መንእሰያት ከረን፡ በቲ ሰንኮፍ ትእዛዝ መራሒ-ሃገር ኣብ ዝተኣወጀ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንሳዋ ምውራድ  ጀሚሮም እኳ እንተነበሩ፡ ብዝሖም ግን ከምቲ ዳሕራይ፡ ኣብቲ ኮነ ኢሉ ምስ ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ኲናት ዝዀኖ፡ ብዙሕ ኣይተጓደለን ዝነበረ። በዚ ከኣ፡ በቶም ኣብ ጆኮ ኸተማ ከረን ወኖም ተላዒልዎም ዝስዕስዑ ዘነበሩ መንእሰያት፡ እታ ከተማ እውን ብደሮና ተኸዲና ነበረት።


ኣሮን ደርፍታቱ ተር ኣቢሉ ይዝዪም። መንእሰያት ድማ ምስ ነፍሲ-ወከፍ ደርፊ ይቈጻጸዩ። ኣብ ከምዚ ህሞት፡ ኣሮን ሓንቲ ካብተን ኣረሳሰንቲ እሞ ድማ ንኹለን ኣውራጃታት ኤርትራ እናወደሰ ዝደርፋ ዜማኡ ጀመረ።
ወዲ ሰምሃር ሓሓ
ዘይድሃል! ሓሓ
ወዲ ኣከለ፡ ሓሓ
በዓል ስረ!
ወዲ ሰንሒት ሓሓ
ኣሎ ኣብ ድሕሪት። ሓሓኢሉ ይቕጽል ናብተን ካልኦት ኣዉራጃታት ኤርትራ።
ነዚ ዝስመዐ ሓደ ጎበዝ ብሌናይ ወላ ኣይተዋሕጠሉን። እሞ ንእለታ ናብ እቲ መድረኽ ገጹ ኣቕንዐ። ንኣሮን ድማወዲ ሰንሒት፡ ሓሓ ኣሎ ኣብ ድሕሪት!” ክሳብ ዝብል ተጸበዮ። ድሕሪ እዚ ኣሮን ከም ወዮ ግጥሚ ዜማኡ ዝእዝዞ መሰረት . . .

ወዲ ሰንሒት ሓሓ . . .
ኣሎ ኣብ ድሕሪት!!” ደገመ።
ወዮ ጎበዝ ከኣ ወድ-መክረሀት!! እንታይ መጺዎ እዩ ወዲ-ሰንሒት ኣብ ድሕሪት ዝኾነ። ያላ ቀልጥፍ ኣብ ቅድሚት ግበሮ!!”ኢሉ ኣፋጠጠሉ። ክሳብ ከምኣ ዝገብራ ድማ ኣብታ ስተጅ ኮይኑ እናወጣወጠ ተጸበዩ። ድምጻዊ ኣሮን፡ ንእለታ ጌጋ ከምዝገበረ ተሰወጦ። ከምታ ዝተባህላ ከኣ ገበረ ሰላም-ወሰናይ ዘለዎ ምርኢት ኮነሉ። እቲ ጎበዝ`ውን ድላዩ ስለዝሰመረሉ ተታዕኒኑ ካብ መድረኽ ወረደ ይበሃል። መቸም እዚ ካብ ዕላላት ደቂ ከረን እንድዩ።


ድሕሪ፡ እዚ ኣሮን ኣብ ካልእ ከባቢታት ኤርትራ ክደርፍ እንከሎ ከምታ ኣብ ከረን ዝተባህለቶ ገይሩ ኣዚምዎስ ወላ ንደቂ ሰንሒት ከም ኣመሉ ብድሕሪት እዩ ሰሪዕዎም እዝግሀር ዋንኡ። ኣነ`ውን ብዙሕ ሰማዒኡስ ኣይነበርኩን ብቐደመይ።
ንኣሮን ካብ ኣልዓልናዮ ትንክፍ እስከ ከነብሎ። ስድራ-ቤት ኣሮን ኣብራሃም ከም ኣመንቲ ከኒሻ እየ ዝፈልጦም። ህዝበ ከኒሻ ከኣ ብዘይካ ንኣምላኾም ምዝማር፡ ንዓለም እውን ዝደርፉ ምዃኖም`ውን እፈልጥ ኣይነበርኩን። ግደ ሓቂ`ውን ኣይደርፉን እዮም። ኣብ ከረን ምስ ደቂ-መንሳዕ እንድየ ዓብየ። ባህሎምን እምነቶም-ወግዖምን ንዓይ ጓና ኣይኰነን። ዓለማዊ ደርፊ ዝደርፍ ኣይገጠመንን። እቲ ብኣዕናዊ ባህሊ ህዝባዊ ግንባር ተዀስኲሱ ዝዓበየ ኣሮን ኣብራሃ ግን

ሓደ ካብ ኣሕዋቱ`ውን፡ ጴንጠ ተባሂሉ ዝተኣስረ ከምዝነበሮ እፈልጥ እየ። ንሓደ ጸሊኻ ኢሉ ዝኣስር ስርዓት  ተገላቢጦሽ ኮይኑ ናይ ዓለም እናዜመ ምስ እዚ ንሓዉ ብእምነቱ ዝኣሰረ ስርዓት ወጊኑ እንተወደሰ ዘገርም ኣይኮነን። ነገረ-ዓለም እንዳኣሉ። ደሓር ከኣ  ሓዎም `ዝጡቁሙ` ሰባት ዝሓቖፈ ህዝቢ እንድዩ ዘለና ግዲ፧!!

ዕላል መቂሩኒ ሃጺጸ እምበር፡ ብዛዕባ ኣሮን ኣይኮንኩን ክዛረብ ስሒቡኒ ዘሎ። እንታይ ድኣ እቲ ብኣዉራጃታት ዝፍለጥ ምምሕዳራዊ ቅርጽታትን እቲ ኣብ ውሻጢኡ ዘሎ ዝንቡል ርድኢትን እምበር።

ህዝባዊ ግንባር መቸም ኣቃዉማኣ ከምቲ ንፈልጦ፡ ድሕሪ እተን 3 ሓይልታት ካብ ተሓኤ ምፍንጫለን በተን ክልተ ወገናት እንድያ ቈይማ። እቲ ቀዳማይ ወገን ብደቂ-ሰምሃር ዝቖመ ክኸዉን እንከሎ፡ እቲ ሓደ ድማ ግሩፖ ኢሰያስ ዝፍለጥ ምስ ናይ ኣብራሃም ተወልደ ወገን ኣብ ዓላ ዝተጠርነፈ ሓይሊ ኮይኑ፡ ደቂ-ኣከለጉዛይን ሓማሴንን ዝበዝሕዎ ወገን እዩ ነይሩ። ስለዚ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ኣመሰራርታኣ ደቂ-ሰምሃር፡ ኣከለ-ጉዛይን ሓማሴንን ዘቖሙዋ ዉድብ ኢልና ክንገልጻ ንኽእል ኢና።
በንጻሩ ኣብ ተሓኤ ዝተረፈ ሓይሊ ድማ፡ ካብተን ዝተረፋ ክፋል (ወላ` ካብ ኩለን እንተዘይበልናኤርትራ ዝተዋጸኤ ህዝቢ ክንወስዶ ንኽእል ኢና።


ድሕሪ ህዝባዊ ግንባር ምስ ወያነ ኮይኑ ንተሓኤ ካብ ሜዳ ኤርትራ ምድምሳሱ ግን፡ ህዝባዊ ግንባር ካብ ኩሉ ክፋል ኤርትራ በፍንጫ ህጻናት እናገፈፈ እዩ ናብ ቃልሲ ዝጽንብር ነይሩ። ሜዳ ንበይኑ ስለዝተቐጻጸሮ ድማ ዝማእመኦ እዩ ዝገብር ዝነበረ። እንተደለየ ኳደረ ይእዝዝ!! እንተደለየ ንብረት ገባር ብሓይሊ ንሃገራዊ ጒዳይ ኢሉ ይራሲ!! እንተደለየ ኣብ ሓለዋ-ሰውራ ሰብ የሰክሕ!! እንተደለየ ይቐትልልክዕ ከም ሽፍታ ዝገብሮ፤ ዕላሙኡ`ውን ንሱ ስለዝነበረ።


ድሕሪ እቲ ንሱ `ኩሉ ህዝቢ ዝዓሰሰሎ ሃገራዊ ቃልሲ` ዝበሎ ሽፍትነት ተዓዊቱ ሃገር ኣብ ዝተቖጻጸረሉ ግዜ ድማ፡ ከምቲ ናይ ቀደም ግብሩ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ዘይኮነ ዝረከበ፡ እንታይ ድኣ ከምቲ ዝለመዶ ስልጣን ናይ ህዝቢ ክኸዉን እናተገበኦ፡ ዘሪፉ ንበይኑ ብሒቱ ሒዝዎ። ከም ቃሕ ዘሎ ድማ ተማቒልዎ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣይኮነን ስልጣን ሃገር ክማቐል፡ ኣብ ባይቶ ዝውክልዎ  ወከልቲ ባይቶ`ዉን ዘይብሉ እዩ ተሪፉ።


 ረሲዐልኩም ናብታ ዕላል ቁሩብ ክምለስ
ኣብ ከረን እቲ ብሌናይ ንኣሮን ኣብራሃም፡ ኣብ ስተጅ ደይቡ ዘጓጠጠሉ ንትምክሕቱ ንምርዋይ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ሓቂ ኣብ ባይታ ከምቲ ኣሮን ዝዝይሞ እዩ ዝነበረ።


ወዲ-ሰንሒት ኣሎ ኣብ ድሕሪትክብል እንከሎ ኣሮን፡ ነቲ ሓቂ እዩ ዝገልጽ ዝነበረ። ወዲ-ብሌን  ኣብ ቅድሚት ግበሮ ኢሉ እንተነቐጸ፡ ኣብ ባይታ ኣብ ሓቂ ዝርእዮ ዝነበረ፡ ከምኡ ይግበር ምንባሩ ምናልባት ሕጂ ውንኡ ፈሊጡ እንተኾይኑ ይርድኦ ይኸውን።


ኣብ ተሓኤ ደቂ ሰንሒት ካብቶም ፈለምቲ ምንባሮም ዝርሳዕ ኣይኮነን። ተሓኤ ብህዝባዊ ግንባር ኣብ ቃልሲ ተደምሲሶም ጥራይ ዘይኮነ፡ ሎሚ ድሕሪ እቲ ህዝባዊ ግንባር በይንና ኣምጺእናዮ ዝብልዎ ናጽነት፡ ጥር ዝብል ስም ወዲ-ሰንሒት ኣብ ደረጃ መሪሕነት መንግስት ኤርትራ ኣየቐልቀሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ወኪል ህዝቢ ሰንሒት ዝኸውን ኣካል`ውን ኣብ ምምሕዳራቱ የለን።
"ሻዕብያ ሓደ ካብ 'ኮሚኒዝም' ዝተማህሮ ክፍኣት'ዩ። መንነትካ ከጥፍኣልካ ምስ ዝደሊ፡ ኣቐዲሙ ስምካ ኣጥፊኡ፡ ብኣሃዛት/ቊጽርታት ከም ትጽዋዕ እዩ ዝገብረካ። ኣብ ሓለዋ ሰውራ ንሳ ነይራ፤ ንዞባታት እውን ብመጀመርታ ብኣሃዛት እዩ ሒዝወን ነይሩ፤ ጸኒሑ ብማእዝናት ዝቐየሮ!
ኣብዚ ዳሕረዋይ ግዜ፡ ሓደ ተወላዲ ብሌን ኣመሓዳሪ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ተሸይሙ ነይሩ - ገርጊስ (ሸኽ ዛይድ) - ድማ ይበሃል። እዚ ሰብ እዚ ካብ እታ ብሰላም ዘካይዳ ዝነበረ ግራቱ፡ ብወናንን ኣዛዝን ሃገር ተጸዊዑ ኣማሓዳሪ ክኸዉን ዝተሸመ ሰብዩ። ነዚ ዕድል እዚ ልክዕ ከም ካብ ሰማይ ዝወደቐ ማና እዩ ተቐቢልዎ። ንእለታ ድማ ነታ ዝጫኹራ ዝነበረ ግራቱ ጠንጢኑ ናብ ከረን ኣምሪሑ። ገለ ውሱናት ዓመታት ድማ ከምቲ ደረጁኡ ዝመርሖ ንዞባ ዓንሰባ ተረኪብዋ ከመሓድራ ጀሚሩ (ምናልባት እውን ክሓማምስ ጀሚሩ ክበሃል ይከኣል እዩ ንኸምኡ እውን ስለዝተሸመ) ኣይጸንሐን ድማ ማስጣ እታ ሰለማዊት ግራቱ ግዲ በጺሑዎስ ኣብዚ ግዜ እዚ በቲ ዝሾሞ ናይ ሸፋቱ ኣያኡ ኢሰያስ  ተዳጒኑ ይርከብ።


ብዛዕባ ኣውራጃ ሰንሒት ድኣ ይትንትን ኣለኹ እምበር፡ ከም በዓል ኣዉራጃታት ባርካ፡ ሳሕል፡ ደንካል`ውን ተመሳሳሊ ዕጫ እዩ ወሪድወን። ኣብ ደንካልያ ንከም በዓል ጽገረዳ ወልደገርግሽ ዝኣመሰላ በቲ መዓት ዝወረዶ ብሄረ ብትግርኛ ዘይኮነስ፡ በቲ ዝጸበበን ዘሕንኽን ባህሊ ህዝባዊ ግንባር ክሳብ ዓንቀረን ተመሊኤንን ተኾስኲሰንን (ተበሪዘን`ውን ክንብል ንኽእል) ዝዓበያ ካድራቱ እዩ ንህዝቢ ዓፋር ዝልእከሎም። ንህዝበ ዓፋር ከመሓድረኦ ማለት እኮ እዩ ያኢ፧!! ስቕ ኢልካ እኮ እዩ

ናብዘን ዓበይትን ዓብለልትን ኣውራጃታት ግዳ ንመለስ።
ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ኣውራጃ ኣልዒሉ ዝቃለስ ኣካል የለን። ገለ ብሄራት ኤርትራ ግን `ሕቶ ብሄራዊ መሰል` እዩ ዝቃልሰና ዘሎ እየን ዝብላ ዘለዋ። ቅኑዕን ዘይንፈግ መሰለን ድማ እዩ። ካብዘን ብሄራዊ ሕቶ ኣልዒለን ዝቃለሳ ዘለዋ ብሄራት ድማ ኩናማ፡ ዓፋር፡ ሳሆ፡ ጀበርቲ ክንጠቅስ ንኽእል።


ጸብጻብ ስተት ደፓርትመንት (ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ) ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ እንኮ ካብ ብሄረ ዓፋር ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ዝርከብ ሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ /ጀነራል ካሪካሪ ጥራይ እዩ ኢሉ ኣቕሪብዎ ኣሎ። (ነዚ ንምርግጋጽ ነዛ ጥብቆ ጠዉቑ http://tigrigna.voanews.com/audio/2823810.html) ካብኡ-ተረፈ ካልእ ተወላዲ ዓፋር፡ ኣብ የመን ተደርብዩ ክህሉ፧ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ድዩ ትዓቒቡ ክህሉ፧ ፋዕራ ዝገበረሉ ኣካል የለን።


ዓፋር እንተደለዩ ናብ ኢትዮጵያ ክኸዱ ይኽእሉ እዮም፡ ዓሰብ ግን ናብ ተብሎ የብላን! ቀያሕቲ ኣሕዋትና ከፊልናላ ኢና!!” ኢሎም ዝሙጉቱ ፖሎቲከኛታት ህግደፍ ከምዘለዉ ናተይ ዛንታ ኣየድልየኩምን።


ኣብ ብሄረ ኩናማ`ውን፡ እቲ ኣብ ደረጃ መንግስቲ ብሓላፍነት ክህልዉስ ይትረፍ፡ ህዝበ ኩናማ ብዓንደ-ርእሶም ካብ መሬት ኤርትራ ተሓኺኾም እዮም`ውን ክትብል ትደፍር ኢኻ። እቶም ምናልባት ንፈዉሲ-ማሕላ ዘለዉ`ውን ምጽራጎም ይጽበዩ ምህላዎም እዩ ዝንገር። እቲ እንኮ ሓደ ተወላዲ ብሄረ ኩናማ ኮይኑ እሞ ኣብቲ ከባቢ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ጀርማኖ ናቲ ዝተባህለ ሰብ፡ ምስቶም ኣብ 2001 ዴሞክራስያዊ ለዉጢዝሓተቱ’ ኣባላት እታ በላዒት ሰብ ዝኾነት ህዝባዊ ግንባር ከምዝነበረ ይዝከር። ክሳብ ሕጂ ድማ እንተ- ክሰርር እንተ-ሞይቱ ክኸዉን ዝፍለጥ የልቦን።


ኣብ ዝደሓረ ዓመታት ድማ እታ ስድራ ካብ ህዝባዊ ግንባር ጥፍኣት ስለዝተኣዘዘላ፡ እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ከም መምህር ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ሓዉ ማለት . ኣለክሳንደር ናቲ ውን ዕጫ ሓዉ ኣይተጋደፎን። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተመሃሮ እንከለና እዩ ብሃንደበታዊት ቀታሊት ሕማም ህዝባዊ ግንባር፡ ሞይቱ ዝብል መርድእ ዝመጸና። እቶም ንህዝባዊ ግንባር እንፈልጣ ዝነበረና ሰባት እዚ እኳ ኣጽኒሖሞ ኢና ዝበልና ኣብቲ ግዜ እቲ።


እዚ ኩሉና ብሄራት ብሓባር ተረጊጽና ኢናዝብል ኣጉል ፍልስፍና ተቓወምቲ፡ ንከም በዓል ኩናማ `ልክዕ ከማና ተረጊጽኩም ኢኹም፡ ስቕ ኢልኩም በደል ወዲ በደል ኣይትጸብጽቡ።` እና` እዩ ኣብ ሓድነት ምጹ ኢሉ ዘጓጥጠሎም ዘሎ። ሕማምካ መቸም ብዘይካኻ ልዕለኻ ዝቕንዘወልካ ክህሉ ኣይክእልን እንድዩ፡ ሕማምኩም ንሕና ንቕንዘወልኩም ከም ምባል እዩ ዝቑጸር።
ኤርትራን እቲ ብግምት እምበር ብርጉጽ ተጸኒዑ ዘይፈልጥ ብዝሕን ዝርግሐን ህዝባን 
ሓሚመ ንዝበለ ሰብእቲ ሕማምካ ልክዕ ከም ናታይ እንድኣሉ!!” ወይ ከኣቃንዛ ሕማምካ ካብ ሕማመይ ኣይብእስን እዩ!!” ኢልካ ከም ምሙጓት ማለት እዩ።ጉድ እኮ እዩ ተረኺቡ ዘሎ፧!!! ተደለና ሕማምና ንዘርዝር እምበር፡ ሕማምካ ከም ሕማማይ እዩ ኢልና ንኻልኦት ምስግዳድ፡ ናይ ነገር ጥዕና ክኸዉን ከምዘይክእል ርጉጽ እዩ መቸም። ከምኡ እናበልካዩ፡ ተመሊስካ ድማ `ኣብ ጎድንና ኴይንካ ተቓለስ` ኢልካ ከተገድዶ ኣብ እትፍትነሉ ግዜ ናይ ምትእምማን መንፈስ ከምጽእ ይኽእል እዩ ኢልካ ክትጽበ ኣይከኣልን።

ናብ ብሄረ ትግርኛ ምስ-እንምለስ፦ 
ኣብ ብሄረ ትግርኛ ሕቶ ብሄር ኣልዒሉ ዝቃለስ ዉድብ ይኹን ምንቅስቓስ ኣይተቐላቐለን ዘሎ። ኣብ ህዝበ ትግርኛ ብሕጂ`ውን እንተኾነ ሕቶ ብሄር ክለዓል ይኽእል እዩ ኢለ ኣይኣምንን። እንታይ ድኣ ሕቶ ምምቕራሕ ስልጣን እምበር። ስለምንታይ ምስ እንብል እቲ መልሲ እዚ ዝስዕብዩ።


ኣብ እተን 3 ዝበዝሐ ህዝበ ትግርኛ ሰፊሩለን ዘሎ ኣዉራጃታት ማለት ሓማሴን፡ ሰራየ፡ ኣከለ-ጉዛይ እቲ ብህዝባዊ ግንባር ተጠጁኡ እሞ መስተንፈሲ ተሳኢንሉ ዝኸይድ ዘሎ ጉዳይ፡ ሕቶ ምምቕራሕ ስልጣን እዩ። እዚ ዋላ` ብግልጺ ክዝረበሉ እንተዘይሰማዕና፡ ነቲ ኩነታት ብደቂቕ ክትትንትኖ ኣብ እትፍትነሉ ግዜ ዋላ` ምስ ሕቶ ደሞክራሲ ተተሓሒዙ ድኣ ዋሏ ብሽፍን-ሽፍን ይሕለፍ፤ እቲ እንኮ ጸገም፡ ነቲ ሕቶ ምምቕራሕ ስልጣን፡ ህዝባዊ ግንባር ብግቡእ ስለዘይመለሶን ክምልሶ`ውን ድልየት ስለዘይብሉን ጥራይ እዩ።


እቲ ናይ ሕግን መሰልን ሕቶ ኣብ ቦቱኡ እናሃለወ፡ ኣብ ብሄረ ትግርኛ ዘሎ ሕቶ ብዓቢኡ ካብ ናይ ረብሓ ግጭት እዩ ዝብገስ። ስለዚ ብሓባር ኮይኑ ናይ ብሄር ሕቶ ጥራይ ከልዕል እዩ ኢልካ ክትጽበ ኣይኽኣልን። ምኽንያቱ ከምማጆሪቲ’ ናይ ብኻልኦት ንኸይዕብለል ፍርሒ የብሉን። ሕቶ ቋንቋኡ ድማ ተመሊሱሉ እዩ ድሮ። ብቐደሙ ምስ ሃይለሳላሴ ዘሰሓሓቦ እዉን ሕቶ ቋንቋ እዩ ነይሩ። ስለዚ ብሓባር ኮይኑ ነቲ ዘገድሶ ናይ ረብሓ ግጭት፡ ሕቶ ምምቕራሕ ስልጣንን ሕቶ ምምላስ ፍትሕን ሕግን ክምልስ ጥራይ  ኢና ንጽበዮ። እዚ ግን ነቲ ጠንቂ ፍልልዩ ኣዳቒቑ ምስ ዝካታዓሎምን ምስ ዝዘራረበሎምን ድኣ እምበር ብሽፍን-ሽፍን ኩልና ተረጊጽና እንዲና `ወይ `መን ኣየናይ ኣውራጃ ካብ መን ረቢሑ` እናበልካ ብዝመጹ ኣዳናገርቲ ሓረጋት  ጐልቢብካዮ እናኸድካ ኣይኮነን።

Mimi Mimo

No comments:

Post a Comment