Friday 19 June 2015

ስውእ ብህይወት እንተዝነብር-ከ፧! ብ Mimi Mimo


ትዕዝብቲ ቁ. 1
ካብ ኣስመራ እየ ወጋሕታ ተበጊሰ። ነቶም ኣብ ከረን ዝነበሩ ስድራይ ንኽርኢ። ኣማስያይ ከኣ ከረን በጺሐ። ኣውተቡስ ንምርካብ ኣብ ሃለኽ-ለኽ ስለ ዝወዓልኩ እምብዛ ደኺመ ነበርኩ። እንታይ እዋነይ ናብ ዓራተይ ከም ዝወደቕኩ እውን ኣይተረድኣንን።
   
ነቶም ብሃንቀውታ ክጽበዩኒ ዝጸንሑ ስድራይ እውን ሰላምታ ኣጽጊበዮም እንተ ነይረ እውን ኣይዝክርን። እታ ተወሊደ ዝዓበኹላ ከተማ ከረን ተደቅሰኒ እያ። ጥዑም ድቃስ እኳ ድኣ! ከቢድ ሩፍታ ዘለዎ ድቃስ፡ ኣብ ከረን ጥራይ እዩ ዝወስደኒ ዝነበረ። ኮይኑ ኸኣ ሽዓኣ ለይቲ እውን ሃመይን ቀልበይን ኣጥፊኤ እየ ዝደቀስኩ።


ንግሆ፡ “ተሰእ እስከ’ታ!!” ዝብል ድምጺ ህውኽ ድምጺ ኣብ ርእሰይ ኮይኑ ክድሀ ሰማዕኩ። ብዘይካ ንሕልሚ ንኻልእ ኣይሃብክዎን። ተኣማሚነ ኸኣ ድቃሰይ ቀጸልኩ።

“ተስእ እንድየ ዝብለካ ዘለኹ፧!!” ዝብል ድምጺ እንደገና ደገመኒ። ሕጂ `ውን ንኻልእ ኣይሃብክዎን። ኣብ ገዛና እቲ እንኮ ቀልጢፍና ብዘይምትሳእና ዝስምዖ፡ ኣቦይ ጥራይ እዩ። ካልእ፡ “ተስእ!!” ኢሉ ዘተስእ ሰብ ኣብ ገዛና ብፍጹም የለን። ስለዚ ሕጂ`ውን ብምትእምማን ድኣ ነታ ጌና መቐረታ ዘይጸገብክዎ ናይ ወጋሕታ ድቃስ ቀጸልክዋ።

በዓቢኡ ከኣ፡ ካብ ናይ ትምህርቲ ግዜ ንዕረፍቲ  ንከረን ስለዝኸይድ፡ ንምንታይ ዕላማ እየ እሞ ጋሕ-ጋሕ ምድሪ ዓራተይ ክለቅቕ፧ እቲ ድምጺ`ውን ናይ ኣቦይ ስለዘይነበረ ከበር ኣይገበርክሉን። ሃተፍተፍ እዩ`ለ፡ ሕጂ `ውን ድቃሰይ ቀጸልኩ።

በትሪ ኣብ ዝባነይ ክዓልብ ግዜ ስለዘይወሰደ ግን ንእለታ ተዘዝ ክብለኒ ተረደኣኒ። ንእለቱ ድንግርግር በለኒ። ኣበይ ድየ ዘለኹ ክብል ተቐሰብኩ። እቲ ፈለማ ግዜ ካብ ድቃሰይ ብበትሪ ዝተሳእክሉ ቦታ ሳዋ ጥራይ እዩ ዝነበረ። ኣብ ሳዋ ደቂሰ ከምዘይነበርኩ ፡ ድሮ ካብ ሳዋ 3 ዓመት ተፈልየ ስለዘነበርኩ ርግጸኛ እየ ኔረ።

`መን ዳኣ`ሉ እሞ ኣብ ዓራተይ እናሃለኹ በትሪ ዘዝንበለይ፧`  ሕጂ`ውን ጌና ባዕጊገ እናሃለኹ ክሳብ ዝግልበጥ በዓል በትሪ ኣይተጸመመን። በቲ በትሪ ጌሩ ቶኽቶኾኒ። ኣደይ `ውን ድሮ ክትዛረብ ጀሚራ ነበረት። ልክዕ ዓይነይ ክርኢ ብዝጀመረ፡ ቀዳማይ ዝረኣኽዎ ነገር ብረት እዩ ኔሩ።

`…ብረት ኣብ መደቀሲ ክፍለይ፧!` እንታይ ከምዝወረደና ክርደኣኒ ኣይከኣለን። ገበን ጌረ ስለዘይፈልጥ ዝኾነ ብዛዕባ ነብሰይ ኣይተጠራጠርኩን። ምናልባት ዶ ድኣ ኣሕዋተይ ተባኢሶም ኮይኖም፧ ክብል`ውን ተወላወልኩ። ጌና ኣዒንተይ ናብታ ብረት እናሃለዋ ግን ወዮ ዋና ብረት፦

“ተስእ እንዲና ንብለካ ዘለና፧!!” ክብል  ነታ ብረት እናዋሳወሰ እቲ ብቕጫ ወዲ-ዓከር ዝማሰነ ወተሃደር ናይ ኢሰያስ ኣጓጠጠለይ።

`ቀስ`ሞ ዘይትብል፧` ኣይተረድኣንን፡ ግና ከምኡ ኢለዮ።
“ተስእ መንቀሳቐሲኻ ሃባ!!”

ርግጸኛ እየ፡ ሓደ በጽሒ ሒዘ ኢሉ ተኣማሚኑ ኔሩ ከምዝኸዉን። መንቀሳቐሲ ክህልወኒ ሓሲቡ ዘይምንባሩ ፍሉጥ ነገር እዩ ኔሩ። ኣነ ግን ምስቲ ምብዕጋገይ ግዲ ኮይኑ፡ ዘልሓጥሓጥ ስለዝበልኩ፡ ምጉጣጡ ኣዛይዱ ኣግባዕበዔ። ንኸይሃድሞ ከኣ ተጠንቂቑ ቆመ።

ነታ መንቀሳቐሲተይ ወረቐተይ ካብ ካምቻይ ከምዘይፈለኽዎ፡ ነቲ ኬላታት ክሓልፍ ከለኹ ምሳይ ኣብ ጥቓይ ክትከዉን መታን ኣብ ካምቻይ ኣቐሚጠያ ምንባረይ ተረደኣኒ እሞ ናብ ኣርማድዮ ገጸይ ኣቕናዕኩ። ግና ይሓስብ ኔረ። ንምንታይ እዩ እዚ ኹሉ፧ እንታይ ኢና ጌርናዮም፧ ካብ ገዛናን ዓድናን ሓሊፍና ናበይ ኢና ክንነብር ደልዮምና፧ ይብል ኔረ ብዉሽጠይ ናብ ኣርማድዮ እናቐረብኩ።

ትዕዝብቲ ቁ.2

ካብ ኣስመራ ስድራይ ክርኢ ወትሩ ንኸረን ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ዝጸልኣ ዝነበርኩ እንተነበረት፡ ናይ ኬላ ተፍትሽ እያ። ካብ ኣስመራ ክሳብ ከረን ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ 4-5 ኬላታት በጺሕሉ ዝነበረ ግዜ ኔሩ። ኣብ ዓዲ ኣበይቶ፡ ሰረጃቓ፡ ዓዲ ተከሌዛን፡ ዒላ-በርዕድ ኣብ መወዳእታ ድማ ብሎኮ ከረን። መንቀሳቐሲ ወረቐት ዳርጋ ካብ ኢድካ ከይፈለኻያ ካብ ኣስመራ ከረን ትኣቱ ማለት እዩ።

ጉዕዞ ከረን-ኣስመራ 2 ሰዓትን፡ 30 ክወስድ ዝግብኦ ብተፍትሽ ዝኣክል ናብ 4 ሰዓታት ይጸጋጋዕ ከምዝነበረ እዝክር። ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ፡ ኣብ እቶም ፈተሽቲ ወረቐት ምሕታት ጥራይ ኣይኮነን ዘድልዮም ኔሩ። እንታይ ድኣ፤ ክሳብ ኣገባብ ኣቀራርባኻ እዮም ዝግደሱን ዘስተብህሉን ኔሮም። እዚ ማለት ከኣ ነቲ ወረቐት እናፈራሕካ እንተዘይሂብካዮም ግዳይ መቕጻዕቶም ካብ ምኻን ኣይተምልጥን። ገለ ኣዕሩኽተይ ነታ ናይ ዩኒቨሪስቲ ካርድ ነቶም ወተሃደራት ከርእዮም ከለዉ፡ ብርእሰ-ምትእምማን ዝመልኦ ኣገባብ የርእይዎም እሞ፡ እቶም ብርእሰ-ምትሓት ዝተጠቕዑ ወተሃደራት ድማ ….. ¨

“ንመን ድኣልካ ንስኻ ተበጥሪምካ መንቀሳቐሲኻ እተርእዮ፧ ያላ ዉረድ!!!” ……. ብምባል ኣብ ጸሓይ ይጸጥሑዎም ስለዝነበሩ፡ ገለ ጌጋ ከይገብር ኩሉ ግዜ ምስተጠንቀቕኩ እየ ዝነበርኩ። ስለ ዝዀነ ድማ ካብ ኢድ እቶም ዓመጽቲ ዕሉማት ሳዋ፡ ብዙሕ ግዜ ነብሰይ ኣገላጊለ እየ። መንቀሳቐሲኤይ ድማ ካብ ናይ ኣፍልበይ ጅባ ፈልየያ ኣይፈልጥን ዝነበረኩ።

፠፠፠፠፠፠፠

ካምቻይ ክፍትሽ ናብ ኣርማድዮ እናበልኩ ነቲ ወተሃደር ክርእዮ ኣጽሊኡኒ ነበረ። ነታ መንቀሳቐሲ ከርእዮ ከለኹ ግን ዉሽጠይ ደፊኡኒ ዋላ`ኳ እንተተጠንቀቕኩ ብጽልኢ ግን ይጥምቶ ኔረ`የ። ንሱ `ውን ብጽልኢ ይጥምተኒ ኔሩ።

…`ተገዲዶም እንደኣሎም` ገለ ዝበሃል ኣይተስምዑኒ። ወይ`ውን፤ “ ኣሕዋትካ እንድዮም”…. እውን ከይትብሉኒ።!! ዓማጺ ሓወይ ክኸዉን ኣይምነን!! እንተወረደ`ውን ሓወይ ስለዝኾነ ጥራይ ኣይቅበሎን!!! ንምንታይን ስለምንታይን እሞ፧ ዓመጽ፡ ዓመጽ እዩ!! ሓዊ ኣይደሊ ጓና!! ካብ መደቀሲ ክፍለይ ዓሚጹ ንበላዒ ክፈርደኒ ንዝምነ መሳርሒ፡ ሓወይ`ውን እንተኾነ ከም ዓማጺ እምበር ከም ሓወይ ዝቖጽረሉ ምኽኒት የብለይን።

እቲ ብጽልኢ ሓዉ ዝኸሓነ ወትሃደር ናይ ኢሳይያስ በቲ ዝረኣዮ ወረቐት ዝተሓጎሰ ኣይመስልን ዝነበረ። ስለዚ ኸኣ፦
“ተመሃራይ ኢኻ ማለት ድዩ፧!!!” ብምባል ሕቱኡ ዝጀመረ።
ኣነ ድማ እወ በልክዎ።
“እንታይ ድኣ ትገበር ኣብዚ፧”
እንታይ ማለት ንምባል ምዃኑ ከይተረደኣኒ ንሕቱኡ፦
ደቂሰ ኣንድየ ጸኒሐካ፧ ብምባል መለስክሉ። ግደ ሓቂ እታ መልሲ ምስ ወጸት፡ ተጣዒሰ እየ። ነቶም እንፈልጦም ገፈፍቲ ብኸምኡ ዓይነት ኣገባብ ምምላስ ማለት ባዕልኻ ቆርበትካ ምጽያቕ ምዃኑ እፈልጥ ስለዝነበርኩ ከኣ ሰገጥ በልኩ።

“ኣገባብ ጌርካ መልስ ኣታ ወዲ!!!” ክብለኒ እንከሎ በታ በትሩ`ውን ንወስታ  ይዳሎ ኔሩ`ዩ።
እእእእእእእእ  …..ስድራይ ክርኢ…… ኣልጊበ መለስክሉ። እታ በትሪ ካብ ዝቕበል ወይ`ውን ነቲ ጽሩይ ወረቐት `ክጻረ ኢዩ` ኢሉ ካብ ዝወስደኒ፡ ኣልጊበ መሊሰ ናብ ድቃሰይ ምምላስ ትሕሸኒ ካብ ምባል ዝሃብክዎ ቅጽበታዊ መልሲ እዩ። እምበር ኣናቒጹንስ ኔሩ እዩ።

ድሕሪ እዚ ምሳይ ዝነበሮ ዝርርብ ኣቋሪጹ ኣንፈቱ ቀየረ። ኣነ`ውን ቁርብ ርፍታ ተሰመዓኒ። እቲ ወትሃደር፡ ክወጽእ እንከሎ ኣብ ገጹ ዘይዕግቡነት ይንበብ ኔሩ። ነቶም ብጾቱ፡ ማለት ነቶም ኣብ ካልእ ክፍሊ ናይ ገዛና ክፍትሹ ዝኣተዉ፤

“እዚ መንቀሳቐሲ ኣለዎ” ኢልዎም ድማ ተሓወሶም።

ድሕሪ እዚ፡ ተተሓሒዞም ናብ ኣፍደገ ካንሸሎና ገጾም ኣምርሑ። ኣነ`ውን ሰዓብክዎም። ጽልአይ ሰማይ ዓሪጉ ነበረ። እቶም ወተሃደራት በቲ ህዝቦም ክከላኸልሉ ዝዓጠቕዎ ብረት፡ ተሓቢኖም እዮም ንኣባይቲ ኤርትራውያን ንምድፋር ዝጥቀሙሉ ኔሮም። እቶም ኣብ ርእሲ ኣሕዋቶምን ኣቦታቶምን ኣዴታቶምን ዝሕንሕኑ በትኪ ወተሃደራት ኢሳይያስ፡ ኣብታ ሽዑ ግዜ እታ ዝለዓለት ዝገብርዋ ዝነበሩ፡ ገዛ-ገዛ ኣቲኻ ኤርትራዊ ምክልባት ጥራይ እያ ዝነበረት። ከመይ ኢሉ ሕልናኦም ይገብረሎም ኔሩ ኣይፈልጥን፤  ብሓበን ድማ ይፍጽሙዎ ነይሮምን ይንየቱላ `ውን ነይሮምን እዮም። ባዕሉ እቲ መራሒኦም`ውን ሽዑ ግዜ እዝከረኒ፤
¨ሓደ ሰብ ገዝኡ ትኹሕኩሖ፡ ምኽፋት እንተ ኣበየ ድማ ሴርካ ትኣቱ!!” እናለ ኣብ ተለቪዝዮን ክዛረብ በዛ ኣፉ መስኪረዮ`የ። ካብ ህዝባዊ ግንባር እንታይ ክንጽበ፧

ንሓደ ገዛ ሰብ፡ ክትደፍሮ ፍቓድ ቤት ፍርዲ ከምዘድሊ እቲ ምግፋዕ ደቂ-ሰባት፡ ካብ ድፋዓት ሳሕል ኣትሒዙ ዝለመደ ኢሳይያስ፡ በየናይ ትኣምራት እዩ እሞ ከም ኣምር ምህላዉ ክፈልጦ፧ ዘይሕሰብ!!!

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

ሎሚ፡ ፈተና ወዲኤ ኣርፊደ እየ ተበራቢረ። እታ ንእሽቶይ ናይ ተመሃራይ መደቀሲ ክፍለይ፡ ድሮ ጸሓያ መሊኡ በሪቑ  እዩ። ላብ-ቶፐይ ኣብ ጥቓይ  ሓዲራ። ኣየጥፋእክዋን ድማ። ክጽሕፍ ብዝሓደርኩ ጎቦ ኮይነ ተጋዲመ፤ ብኡ ‘ቢሉ ድቃስ ጠሊሙኒ።  ረፍዲ ምድሪ ዝዃሕኩሓኒ ሰብ ኣይነበረን። ድቃስ ጸጊበ ግን ተሲኤ ተበራቢረ። ሎሚ ኣብ ሃገረ ኖርወይ እየ ዘለኹ። መዓልታዊ ሂወት ኖርወጃዊ ድማ ብስራሕ ምኽንያት እንተዘይኮይኑ ተገዲዱ ካብ ዓራቱ ዝወርደሉ ህይወት የለን። ኣነ`ውን ድሮ ተኻፋሊ ናይዚ ሓርነት ወዲ-ኣዳም ኮይነ እየ። ተመስገን ኣምላኽ!!!

ምስ ዝኽረይ  ግን ተሲኤ። እቲ ሓደ ግዜ ኣብ ከረን ካብ ዓራተይ ብሓይሊ ብረት ዝተሰኣኒ ወተሃደር ኢሳይያስ፡ ቅጅል ኢሉኒ። ኣብ ሕጊ መሰል ወዲ-ኣዳም፡ መሰል ምንቅስቓስ ዝብል መሰረታውን ክንፈግ ዘይግብኦን ዝበሃል መሰል ኣሎ። ኣብ ገለ ሃገራት፡ ምናልባት ሓደ ወዲ ሰብ እዚ መሰል እዚ ይንፈጎ ይኸውን። ከም ኣብ ኤርትራ መሰል ናይ ምድቃስ ዝንፈገለን ዓድታት ይህልዋ ኢለ ግን ኣይጽበን እየ። ኣብ ኤርትራ እኳ ዋላ እውን እታ ቅድስቲ ክትከውን እትብህጋ ናይ ሕጽኖት ድቃስካ እኳ እያ በዚ ስርዓት እትንፈገካ። ገሃነም ምናልባት ከምቲ ኣብ ቁድሳን መጻሕፍቲ ዝግለጽ፡ ብሃልሃልታ ሓዊ  ጥራይ እዩ ካብ ኤርትራ ክብእስ ዝኽእል፧

፠፠፠፠፠፠

ጌና ዝኽሪ ሓሳበይ የሰላስል ኣለኹ። ኣብ ድቃስ እነሃለኹ ዝሓለፈኒ ጻዉዒት ናይ ተሌፎን ከይህሉ ንሞቢለይ እናፈተሽኩ እቲ ምስሊ ናይቲ ጽሙእ ወተሃደር ጌና ኣይተጋደፈንን። ምስሉ፡ ምስሊ እታ ህዝባዊ ግንባር ዝሮኽመሻ ኤርትራ ስለ ዘንጸባርቐለይ እዩ መስለኒ የግሁየኒ!!

ምኽንያቱ፤
ምናልባት እዚ ሰብ እዚ፡ ብጾቱ መጋድልቱ ካብ ጎድኑ ተሰዊኦሞ ይኾኑ`ውን እኮ እዮም። ንሱ`ውን ንመስዋእቲ ድልዉ እዩ ኔሩ ዝኸዉን። ዉጻዕ-መዓት ኮይኑ ነቲ ካብ ሞት ንስክላ ምውጽኡ እናመስገነ ዝተረፈ ዕድመ ሂወቱ ብሰላም ከይነብር ግን፡ እንሆ ንከምኡ ኣሕዋቱ ደቂ ዓዱ ከበሳብስ ተሓርዩ። ምናልባት ተገዲዱ ይኸዉን። ምናልባት ኣማራጺ ኣይነበሮን ይኸዉን፧ ምናልባት`ውን ሕድሪ እቶም ዝተሰውኡ ብጾቱ የተግብር  ኔሩ ይኸዉን፧…… ምናልባት መን ይፈልጥ ትዕድልቱ ወይ ብጽሒቱ ስለዝኾነ`ውን ይኸዉን፧

እቲ ኣብ ኣእምሮይ ኣብዛ ሰዓት ዝመላለሰኒ ዘሎ ሓሳብ ግን ዋላ`ኳ ሕጒስ እናሃለኹ እንተተበራበርኩ ክብድብድ ካብ ምባል ግን ኣይተናገፍኩን! …… ምናልባት እቲ ወተሃደር ንሱ ኔሩ እንተዘይከውን፡ እቲ ስዉእ ብጻዩ ምናልባት ምተኮኦ ዶ ኔሩ ይኸዉን፧ ዝብል ሕቶ ይመላለሰኒ። ምናልባት  ከኣ ይብል፡…… እቲ ስዉእ-ሲ ብጹእ ዶ ምኾነ ፧ ከምቲ ዝውረ፡ ንሱስ ሙጓሃየ`ሞ ዓገብ ዶ  መለ፧ ኢለ `ውን ከደዓዕሳ ይፍትን ነዛ ንብሰይ።

እዛ ዓረር ጠጥዑያቶም ድያ እትሓሪ፧ ድማ ይዉስኽ። ዶስ ናይ ነገር ባህሊ ዘዝሞተ እዩ ዝሙጎስ፧ `ውን ይምልእ…… እቲ በዓል ብረት፡ እቲ ስዉእ ብጻዩ ኔሩ እንተዝኸዉን ፡ ኣብ ቦታ እቲ ካብ ድቃስ ቤተይ ዘበራበረኒ ሰብ ኣትዩ እንታይ ምወሰነ፧  ኢለ ይሓታ ኣለኹ ንነብሰይ….

ንሱ`ውን ከምታ ብበትሪ ዝደሰቐኒ፡ ምደሰቐኒ ዶ ኔሩ ይኸውን፧  ብጠበንጃ-ኸ መፈራርሓኒ ኔሩ ዶ ይኸዉን፧ ምናልባት`ውን ወረቐትካ ከነጻርዮ ኢና ኢሉ ናብ ቤት ማሕቡስ ምወሰደኒ  ዶ ኔሩ ይኸዉን፧

እንድዒ፧
ምዉት ንኸይክሰስ ከምቲ ዝበሃለሉ፡ ካብ ነዚ ኽርኢ ክፍረድ፧ …..ስውእ-ሲ…… ካብ እንተ ኢልና ኣብ ቦታ ህልዋት ኣእቲና እንፈርዶ፡ በቲ ዘይምህላዉ ዝቕናኣሉ፡ እንተቐጸለሉ የምሕረሉ ኢለ … ክሓድጎ ይብል እሞ……

ምናልባት ግን ኢለ ኸኣ የዋጥራ ንነብሰይ። ምብርባር ከኣ ይኸብደኒ። ስለዚ ይቕጽል ክሓታ ንነብሰይ።
ኣብ ቦታ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤተይ ዘሰራጠየኒ፡ ስውእ ኔሩ እንተዝነበር፤

እሞ ንስለ ኽብሩ ሽምዓ ዝኽሪ እንተዝግበር
ምወዓልኩ ዶ ምገበርኩ ዝክር
ከም-ሰበይ መሲለ ልምዲ ህዝቢ ከኽብር።
ዶስ ምተረርኩ፧
ንመሰለይ ዝመንዝዐ፡
ኣብ ቤተይ ዝተብዐ።
ንልዋም ወጋሕታይ፡
ንሰላምይ ንኽብረይ፡
ዝተፈታተነ እዩ`ሞ፡
ኣይዉዕሎን
ኣበደን መልኩ፧
ወይስ  !!
 ከም’ቲ ኩሉ ዝብሎ
ፍርዲ ሰማይ ይእከሎ
መልኩ እሞ፡
 ከም ሰበይ ሽምዓ መብራህኩ፧!

፠፠፠፠፠፠፠፠፠
ድሮ ተበራቢረ እየ። ግን ኣይወሰንኩን፧፧!   ንዝኽሩስ ከብርሃ ዶ እታ ሽምዓ፧

                                                                Mimi Mimo

1 comment: