Wednesday 17 February 2016

ናብ ቤት ፍርዲ ዝኸስስ ደፋር ሽፍታ! ብሙሴ ሓድጉ

“ግናይ-ሲ ኣብ ክንድ ዝስተራስ፡ ይግተራ!” ድዩ ዝበሃል፧

ናይ ሎሚ ዘመን ከምኡ እዩ ኰይኑ ዘሎ ነገራቱ። ናይ ሎሚ ዛዕባ መጽሓፍኤይ ጒዳይ፡ እዚ ኣብዚ ቅንያት ኣዛራቢ ኰይኑ ቀንዩ ዘሎ ጒዳይ እዩ። ጒዳይ ፕሮፌሰር ሚርያም ቫን ራይሰንን ኣቶ መሰረት ባህልብን።

ፕሮፌሰር ሚርያም፡ ሆላንዳዊት ዜጋ እያ። መሰረት ባህልቢ ድማ ኣዲኡ፡ ‘ኤርትራ’ ከፊፋቶ ሆላንድ ኣትኲዓ ዘዕበየቶ እዩ። ከምኡ’ውን ሆላንዳዊ ዜግነት ዓዲላቶን ካብ በረኸት ናይ ሆላንድ ንኽቋደስ ልግሳ ኣርእያቶን እያ። እንተኾነ ግን፡  መሰረት ባህልቢ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝተለገሰሉ ሓልዮት ብሰላም ዘስተማቕር፤ ከምኡ እውን ግዝይኡን ፍልጠቱን ብግቡእ ዝጥቀመሉ፡ ኣብ ሰናይ መዓላ ዘዉዕሎን፡ መራሒ ናይ’ቲ  ብመንእሰያት ህግደፍ ዝፍለጥ ኩርኩር ህግደፍ ኣብ ሆላንድ ኮይኑ ብምዕሳብ ነቲ ሽፍታ ስርዓት ህግደፍ ከገልግል እዩ መሪጹ።
ከምቲ ኣቦታት ክምስሉ፡ “ኣብ ክንዲ ዘኾለስኩስ፡ ኢደይ ተነኸስኩ” ኮይኑ ነገራቱ ድማ፡ ንፕሮፈሰር ሚርያም፡ ብዛዕባ ሽፍትነት ሻዕብያን ኣበርክቶይ ኣብ ሽፍትነትን ስለዘውሬኽለይን-ሲ፤ ይቕርታ ሕተትንን 25,000 ዩሮ ከሓስንን ኢሉ ከሲስዋ። ህግደፍ እቲ ብምስምስ ዝሃደሙ ደቅኹም እናበለ ካብ ስድራቤታት ኤርትራውያን ዝመንዝዖ ካሕሳ ስለዝመቀሮ፤ ናብ ፈረንጂ ካስፋሕፍሖ ጀሚሩ ማለት እዩ። እንታይ እሞ፡ ዕድል ኣይገበረን፤ ፕሮፌሰር ሚርያም ኣብ ኤርትራ ዘይኮነስ ኣብ ዓዲ ሕጊ ስለዘላ።

ህግድፍ ካብ ኤርትራ ወጻኢ፡ ኣብቲ ንባህርያቱ ኣዐርዩ ዘይፈልጦ ዓለም፤ ነቲ እከይ ተግበራቱን ንንጥፈታቱን ከም ባህላውን ማሕበራውን ውዳቤታት ኣምሲሉ ኰሓሒሉ ብምቕራብ፡ ከደናግር ክኢሉ እዩ። እዞም መሳርሒ ክኾንዎ ዝተመርጹ ከኣ እቶም ዘይፈልጥዎ ኣብ ‘ዲያስፖራ’ ዝነብሩ መበቈል ኤርትራ ዘለዎም መንእሰያት እዮም። ሓደ ካብኦም ከኣ መሰረት ባህልቢ እዩ። መንእሰያት ህግደፍ፡ YPFDJ ንስርዓት ህግደፍ ዘገልግል ትካል ኮይኑ፤ ኣባላቱ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ንስርዓት ህግደፍ ዘድልዮ ስለያዊ ሓበሬታ ካብ ምቅብባል ሓሊፎም፡ ነቶም ካብ ዓፈናን ጭቈናን ስርዓት ህግደፍ፡ ድሕሪ ክንደይ ሽግርን መከራን ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝበጽሑ ኤርትራውያን’ዉን ኣብተን ዝተዓቕቡለን ሃገራት ብምኽታር ኣብ ምፍርራሕን ዝንቡዕ ሓበሬታ ንኽህቡ ተጽዕኖ ብምፍጣርን፡ ከምኡ’ውን ክሳብ መጥቃዕቲ ዝኸይድ ገበናት ኣብ ልዕልኦም ይፍጽሙ።

ካብኡ ዝኸፍአ ከኣ፡ ንቋንቋታት ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ስለዝመልኩ፡ ኣባላት መንእሰያት ህግደፍ YPFDJ እዮም ነቶም ካብ ስርዓት ህግደፍ ሃዲሞም ዝመጹ ዝትርጒሙሎም። ኣብ መስርሕ ምትርጓም ከኣ፡ ካብ ክውንነት ኤርትራ ዝረሓቐ ሓበሬታ ንኽህቡ፡ ንሓተቲ ዕቚባ ግዳይ ይገብርዎም።

እምበኣር ፕሮፌሰር ሚርያም ነዚ እከይ ተግበራት መንእሰያት ህግደፍ ኣብ መስርሕ ምትርጓም ኣመልኪታ ብዕለት 21 ግንቦት 2015 ምስ NBR ዝተባህለት ኣብ ሆላንድ ዝመደበራ ራድዮ ሓጺር ቃለ-መጠየቕ ብምክያድ ሓበሬታ ስለዝሃበት እዩ መሰረት ባህልቢ ከሲስዋ። ንሱ ነቲ ኣነ ዝመርሖ ማሕበር መንእሰያት ህግደፍ YPFDJ ኣብ ሆላንድ ብኸምቲ ዝሃበቶ ሓበሬታ ብምግላጻ፡ “ንዓይ ስመይ ኣጸሊማትኒ፤ ጠቅናትኒ” ኢሉ እዩ ከሲስዋ። ነቲ ምስ ህግደፍ ብምስላፍ ባዕሉ ጸለሎ ድህኖ ዝደዎኖ ምስሉን ሽሙን ያእይ ፕሮፌሰር ምርያም ጸሎሎ ለኽያስ ኣጸሊማቶ። ከምቲ ደሳለ በረኸት ዝበሎ፤ መሰረት ባህልቢ ብሓቂ “ሓርኢ እኽሊ” እዩ።

ሽፍታ፡ “ሽፍታ”ኢልኩምኒ ኢሉ እንተዝኸሰኩምሲ እንታይ ምበልኩም፧ ኣብ ዓዲ ሕጊ ኲንካ መቸም፡ “ኣይውረድ፡ ክዱን ብኣፈ -ስለሴ” ኢልካ ኣይሕለፍን እዩ። እንታይ ደኣ ከምዚ ፕሮፌሰር ሚርያም ዝገበረቶ፡ ዲኖ ሕፍረትን ዉርደትን ከዲንካ፡ ርእሱ ኣድኒኑ ከምዝኸይድ ኢኻ ትገብሮ። ኲኖኡ ብምኻድ’ውን ንገበናቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከምዝሕተት ትገብሮ።

ሽፍትነት ህግደፍ

ህግደፍ ሽፍታ ስርዓት እዩ። ኣብ ኤርትራ ከኣ ስርዓት ሽፍትነት ተኺሉ። ሸፋቱ፡ ጒሒላታት ስርዓት ህግደፍ፡  ኣብ ስልጣን  ተኾይጦም፡ ንብረትን ሃብትን ህዝቢ ዝዝርፉሉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕምጽሉ፡ ህዝቢ ዘጽንትሉ፡ ኮታ ልዕሊ ሽፍትነት ዝኸደ ገበናት ዝፍጽምሉ ስርዓት እዮም ተኺሎም። ሓቂ ንምዝራብ ሽፍትነት ነዚ ዘሎ ስርዓት ኣይገልጾን እዩ። ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ክንድዚ ናይ ስርዓት ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት ዝፈጸመ ሽፍታ የልቦን። ሽፋቱ ንዝበዝሐ ክብርታት ሕብረተ-ሰብ ዓቂቦምን ኣኽቢሮምን እዮም ዝኸዱ ነይሮም። ቊሩብ ንመረዳእታ ምታን ክኾነና፡ ንገለ ገበናት ሽፍትነት ስርዓት ህግደፍ ንመልከት፤

ቲ ብሕግን ስርዓትን ዝመሓደር ዝነበረ ህዝብና፡ ብዘይ ሕግን ስርዓትን የማሓድሮ ኣሎ። ስርዓት ህግድፍ፡ ስራሕ ሽፍትነት ምታን  ክጥዕሞ፡ ሃገር ብዘይ ቅዋም፡ ብዘይ ሕጊ፡ ብዊንትኡ የማሓድር ኣሎ። ህዝቢ በብኸባቢኡ ዝመሓደረሉ ሕጊ ነይርዎ እዩ። ልዕልና ሕጊ ኣብ ኤርትራ ካብ’ቶም ረዘንቲ ክብርታት ህዝቢ እዩ ዝነበረ። ነዚ ዘራጋግጸልና ብዙሓት ኣብነታት ኣለዉና።


“ንሓደ ኣብ ስራሕ ተጸሚዱ ዘሎ ሰብ ‘ዝባን ሕጊ ስራሕ ደው ከተብ!’” ኢልካ፡ እንተገዚትካዮ፡ ስራሕ ብቕጽበት እዩ ደው ዘብል። ከምኡውን ብዘይ ናይ ፖሊስ መጸዋዕታ፡ ብሰብ “ዝባን ሕጊ ኣሰረይ ከይትሓድግ፡ ወይ ከኣ ዝባን ሕጊ ኣሰረይ ክትስዕብ” ብዝብል ቃል ጥራይ፡ ናብ ቤት ሕጊ ወይ ፖሊስ ክትወስዶ ትኽእል። ህዝቢ ንልዕልና-ሕጊ ተገዛኢ ከምዝነበረ’ውን ካብ ምስላታቱ ብቐሊሉ ክንርድኦ ንኽእል ሓቂ እዩ።

መሰረት ባህልቢ ኣብ ናቕፋ ትምህርቲ ካድር እናሰልጠነ እንከሎ፤ መሰረት፡ እቲ ኣፍሮ ጐተና ህድሞ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ባንዴራ ተጐምጒሙ ዘሎ መንእሰይ ዘሎ ሰብ’ዩ።.
“ብላዕ ንኸርስኻ፡ ፍረድ ንነብስኻ”
“ምጽላእ ንጻላእ፡ ፍትሒ ግን ኣይንኽላእ”።
“ካብ ብፍትሒ ዝጠፍኤት ላመይሲ፡ ብዓመጽ ዝጠፍኤት ምራነይ ተጒህየኒ”፡
“ፍርድስ/እኽልስ ኣይ ካብ ባይታን፡ ካብ ባይቶ”።

እዚ ኩሉ ዘርእየና እንተሃልዩ ህዝብና ንልዕልና-ሕጊ ተገዘኣይ ምንባሩ እዩ። ብሕልናን ስነ-ምግባርን ስነ-ስርዓትን ዝነብር ህዝቢ ምንባሩ እውን እዩ። ማሕበራዉን ባህላውን ስርዓት ምስ ልዕልና ሕጊ ተወሃሂዱ ከኣ ንህዝቢ ብፍትሕን ስኒትን ክነባበር ገይሩዎ ነበረ።

ንኸበሳ ኤርትራ ከም ኣብነት እንተወሲድና፤ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ዝተጻሕፈን ዘይተጻሕፈን ዝመሓደሩሉ ሕጊ ነበሮ። ስርዓተ ሕጊ ከኣ ክሳብ እታ ዝተሓት ኣሃዱ፡ ማለት ዓዲ ተዘርጊሑ ነበረ። ኣብ ቅርዓት ዓዲ ከኣ ጒባኤን ፍርድን ይፍጸም። እቲ ጭቃ ዓዲ ከኣ ብኣማኸርቱ ተሓጊዙ ፍርዱ ይህብ። ኣብዚ ልክዕ ከም ዘመናዊ መስርሕ ዳንነት፡ ከሳስን ተኸሳስን፡ መጋባእያን ዝቖመሉ ስርዓት  ንጹርን ፍሉጥን እዩ። ከምኡ ድማ ምስማዕ ጥርዓን፡ ምጽራይ ሓበሬታን ክስን፡ ምእካብ መርትዖታትን ንጹርን ፍሉጥን እዩ።

ከሳሲ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ቀሪቡ፤ “ኣዝጊሄር የርእዮም፡ ክስርስቶስ የመልክቶም፡ ፍትሒ ጐደለ፡ ድኻ ተበደለ፡ እዞም እገለ…” እሎም ክሶም ምስ ኣቕረቡ።

“እማን እንተኢሎም ብሕጊ ይቀጽዑለይ፡ ሓሶት እንተ ኢሎም ከኣ ብመሰኻኽር ክረትዕ” ኢሎም ንዳኛ ይምሕጸኑ። ተኸሳሲ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ቀሪቡ ነብሱ ይከላኸል። ይወሓስ የግብእ እንዳበሉ ድማ ኣብ ቅድሚ ዳኛን መጋብኣያን ብስልጡን ኣጋባብ ይማጐቱ። ጒዳይ ከኣ ወይ ብነብሰ-ምእማን ወይ ድማ ብመሰኻኽርን ካልእ እኹል መርትዖታትን ምስተረኽበሉ ይዉሰን።

ብፍላይ እዛ፡ “እዝግሄር የርእዮም፡ ክርስቶስ የመልክቶም…” ትብል ምሕጽንታ ዓቢ ትርጒም ኣሎዋ። ዳኛ ብፍቓድ እዝጋእብሄር ተመሪሑ፡ ፍትሓውን ርትዓውን ፍርዲ ክህብ፤ ንወጽዓን ብደለን ድኻ ደው ክብል ትምሕጸን እያ። ሽፍትነት ሻዕብያ ግን ነቲ ዝነበረ ክብሪታትን ስርዓትን ሕብረተ-ሰብና ብምዕናውን ምብራዝን፡ ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ናብ ዲቕ ዘበለ ጸልማት ሸሚምዎ ይርከብ። እዚ ዘሎ ወለዶ ከኣ ኣብ ሕሰምን ጭቈናን ተወሊዱ፡ ኣብ ሕሰምን ጭቈናን ዓብዩ። ኣብ ዕድምኡ ምሉእ ኣድሚጹ ኣይፈለጥን፤ ነጻ ቤት ፍርዲ ‘ዉን ከመይ ከምዝመስል ኣይፈልጦን እዩ። መላኺ ስርዓት ህግድፍ ንኹሉ መደያዊ ህይወት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ብምቊጽጻር፡ ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ባርነቱ ንኽነብር ፈሪድዎ።

ዓቕሉ ዝጸበቦ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብጥይት ሻዕብያ እናተመንከለ ንሃገር ራሕርሒዋ ይሃድም ኣሎ። ሽፍትነት ሻዕብያ ግን ደደሕሬና፡ ነናብ ዝኸድናዮ እናሳዓበ ደኣ ንተወሳኺ ሕሰምን መከራን፡ ራዕድን ሽበራን ኣቃሊዑና ይርከብ። ስርዓት ህግድፍ ኣብ ንግድን፡ ዘይሕጋዊ ዝውውር ኤርትራውያን ብምዉፋር፡ ገንዘብ ምግሓጥ ጥራይ ከይኣኽሎ፡ ነቶም ናይ ገበን መሻርኽቱ ዝኾኑ ናይ ገበን ጒጅለታት፡ ኤርትራውያን ኣብ ምጭዋይን፡ ምዝዉዋርን፡ ጅሆ ምሓዝን ምስቓይን ምቹእ ባይታ ፈጠረሎም። ኣብ ከም በዓል ሱዳንን ካልኦት ብቐሊሉ ዘራኻኽበለን ሃገራትን ከኣ፡ ንኤርትራውያን  ይቕንጽልን ይጨዉን ኣሎ። ኣብተን ምዕቡላት ዝብሃላ ሃገራት፡ ከም በዓል ኤውሮጳን ኣመሪካን ከኣ ብሰለይቱ ገይሩ ብዛዕባ ዜጋታት ኤርትራ ሓበሬታ ብምእካብ፡ እንተኽኢሉ ከኣ፡ ብቐጥታ የጥቅዖምን የፈራርሖምን ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ-ተሪፉ ግን፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝተረፉ ስድራ-ቤታቶምን መቕርቦምን የጋፍዕን ሰልዲ የዕድን። ሓደ ካብዚ ነዚ ስራሕ እዚ ዘካይዱ፡ ኣዚ  መንእሰያት ህግደፍ (YPFDJ) እዩ። እዚ ጨንፈር እዚ ኣብ ፈቐድኡ፡ ብሓይሎምን ጒልበቶምን ዝምክሑ፡ ብዕሽነቶምን ስድነቶምን ዝተፈልጡ ዓዋሉን ዓዋናትን ብምዉፋር፡ ንደለይቲ ፍትሒ ብቐጥታ የጥቅዕ። እዛ ኣጥቃዒት ማፍያ ጒጅለ ከኣ “ኤርትራዊ ደም” ወይ ከኣ “ERi Blood” ተባሂላ ትጽዋዕ (ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ልንክ ጠዉቕ።
http://www.eritreadaily.net/News2014/article201407301.htm#sthash.Yl1ZHS4O.dpuf
)
መንእሰይ ህግደፍ ኣብ ‘ዲያስፖራ’ ከም ነዊሕ-ኢድ-ህግደፍ ኮይኑ ብምግልጋል፡ ነቲ ባዕሉ ህግደፍ፡ “ህዝባዊ ግንባር ነዊሕ እዩ ኢዳ፡ ናብ ዝሃደምካ፡ ሃዲምካ  ካብኣ ኣይተምልጥን ኢኻ!” ዝብሎ ትምክሕቲ ኣፈጻሚ ኢዩ።

በዚ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ኣብ ‘ዲያስፖራ’ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’ውን እንተኾነ ብራዕድን ሽበራን እና-ተሸቚረረን ተመዝመዘን እዩ ዝነበር። ኣብ ኩሉ ህግድፍ ዝገበሮ ዉራያት በስገዳድ ከምዝሳተፍን ከምኡ ድማ ገንዘባውን ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ደገፍ ንህግደፍ ክህብ ይግደድ። ወላ ካብተን ንማሕበራዊ ዉሕስነት ዝወሃብኦ ትኳቦ፡ 2% ንስርዓት ህግደፍ ይተኲብ። እምበኣር እዚ ኩሉ ኣብ ዓዲ ሕጊ ኴንካ ዝግበር ሽፍትነት በቶም ወይጦታቶም ብኸም በዓል መሰረት ባህልብን ካልኦትን ኣቢሎም እዮም ዝፍጽምዎ።

እዞም ኣሽበርቲ ወይጦታት እዚኣቶም፡ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ወላ ንዜጋታት ናይተን ዝነበሩለን ሃገራት እዮም ዘፋራርሑን ዘጥቅዑን። ኣብዚ እነሀለ ግርንቢጥ ስራሕ! “ስለ’ዝግሄር ኣዕቁቡኒ፡ ስርዓት ህግደፍ ገፊዑኒ እዩ” ኢልካ ዕቚባ ሓቲትካ ከተብቅዕ-ሲ፡ ተመሊስካ ኣካል ገበናት ስርዓት ህግደፍ ምዃን። እዞም ሰባት፡ ንስርዓት ህግደፍ ዝኣምንሉ እንተዀይኖም፡ ከምኡ’ውን ከምቲ ንሶም ዝብልዎ ኤርትራ ትግስግስ እንተድኣ ሃልያ፤ ከምኡ’ውን እቶም ኣዕቅቦሞም ዘለዉ ዓሌታውያንን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን እንተድኣ ኮንይኖም፤ ኣብ ኤርትራ ተመሊሶም ንኽነብሩ ዝዓግቶም እንታይ እዩ፧! ኣነ በለጽን ኣራዊታዊ ባህርን ኢለ ጥራይ እየ ክገልጾ ዝኽእል። እዞም ወይጦታት እዚኣቶም፡ ነቲ ኣዕቊብዎም ዝነብር ዓለም‘ውን ቊርዲድ ኮይኖሞ ኣለዉ። ዓለም ሰላም ክትረክብ እንተዀይና ከኣ እዚ ቊርዲድ እዚ ክእለ ኣለዎ።

ዓወት ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ዓመጽ፤
ቤት ፍርዲ ኣምስተርዳም ብ 10 ለካቲት 2016 ንኽሲ መሰረት ባህልቢ ኣብ ልዕሊ ፕሮፌሰር ሚርያም መዕለቢ ገይርሉ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ዓወት ፍትሕን ሓቅን ኣብ ልዕሊ ዓመጽን ሓሶትን ቅጥፈትን ኣዊጁ። ህግደፍውያን መንጸሮር ክሳብ ዝሕዞም ተጸፊዖም። ዉሳኔ እቲ ቤት ፍርዲ ዓንዴል ኮይንዎም ኣሎ። ዲኖ ውርደንትን ሕስረትን ተኸዲኖም ኣለዉ። መቸም ንባህርያት እቲ ስርዓት ንዝፈልጥ፡ እዚ ክሲ እዚ መን ብድሕርኡ ከም ዘሎ ዝጥፈኦ ሰብ የለን። ነዚ ክሲ ብድሕሪት ኮይኑ ዘካይዶ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ድማ እዩ እቲ ጊንጢ ባህርያት ናይ’ዚ ሽፍታ ስርዓት። ሽፍታስ ካብ ቤት-ፍርድን ሕግን ይሕባእ ድኣ እምበር፡ ናብ ቤት ፍርዲ ክኸስስ እዚ ኣብ ታሪኽ ናይ መጀመርያ ክኽዉን ኣለዎ።

እዚ ስርዓት እዚ፡ ሽፍታ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነውሪ ዝብሃል ነገር ዘይርድኦ፡ ዘይሓፍርን ምዃኑ እዩ። ስሱዕ፡ ሃርጋፍ ምዃኑ‘ውን እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ፡ በቲ ሓደ ወገን ሽፍታ ኮይኑ እናዘረፈን እናሓረደን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ስርዓተ-ሕጊ መዝሚዙ ናብ ረብሕኡ  ከውዕሎ ዝፍትን ምዃኑ እዩ።

ኤውሮጳ ዓዲ ሕጊ ስለዝዀነ፡ ገበኛ ከኣ ኣብ ዓዲ ሕጊ ቦታ ስለዘይብሉ፡ ዉሳኔ-ቤት-ፍርዲ ኣምስተርዳም ኣመስኪሩልና’ሎ እምበር፡ ነቲ ብሓይሊ ዘየራኻኸበሉ ደላይ-ፈትሒ፡ ሕጊ ተጠቒሙ ከጥቅዕ እዩ ሓሳቡ። እንተዀነ፡ ከምዝተጸበዮ ኣይኰነን፤ ሓቅን ፍትሕን ስዒረን። በቲ ዉሳኔ ዝባህረሩ ህግደፋውያን በተን ኣፈኛታቶም ዝዀና መርበብ ሓበሬታኦም ገይሮም (Tesfa news; madote)፡ ዳኛ ከምኡ ዓይነት ፍርዲ ዝሃበት፡ ‘ባህልቢ’ ጸሊም ስለዝዀነ እዩ፤ እታ ዳኛ ዓሌታዊት ስለዝዀነት ኣድልዎ ገይራ ይብሉ ኣለዉ።

እዚ ኣየገርምን እዩ። ህግደፍ ንስዕረቶም ተኣሚኖምሉ ኣይፈልጡን እዮም። እቲ ጒዳይ ኣብዚ ዘብቅዕ እውን ኣይኰነን። ብጻዕሪ ደለይቲ ፍትሒ ዓለም ካብ መንእሰያት ህግደፍን YPFDJ ሽፍትነት ህግደፍን ነጻ ክትወጽእ እያ። ኤርትራውያን ኣብ ስደቶም ዝርዕድሉን ዝሽቚረርሉን ግዜ ከብቅዕ ኣለዎ። መሰረት ባህልቢ ከኣ፡ ካብ ሕሉፍ ዘይመሃር ሃርጋፍ እዩ። ያኢ ካብ ህግደፍ ስልጣን ክወርስ-ሲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ረሳሕ ስራሕ ዘእቱ ኣይነበሮን። ንህግደፍ ምእማንን ምግልጋልን ማለት መሽንቈቛ ኣብ ክሳድካ ባዕልኻ ምእታው ማለት እዩ። ኣይኰነን መሰረት ባህልብስ፡ በዓል ናይዝጊ ክፍሉ እኳ ንሬስኦም መዕረፊት ትዀኖም መሬትን መድፈኒ ሓመድን ኣብ ኤርትራ ተነፊግዎም፤ ሬስኦም መዕለቢ ስኢኑ ንኽንደይ ኣዋርሕ ቤተሰቡ ተሸጊሮም ነይሮም። ስርዓት ህግደፍ ነቶም ኣብ ስልጣን ዘምጽእዎ ‘ተጋደልት’ን ስንኲላንን ከማን ኣይገደፈን፤ ብጥይት እዩ ዝረሽረሾም። ‘ባህልቢ’ ግዳ ኣብ ሆላንድ ኮይኑ ኬክ እናበልዐ ንህግደፍ እንተኣገልገለ፡ ክንድየናይ ግምት ከይዋሃቦ።

እዚ በዂሪ ዓወት’ዩ፡ ካብኡ ዝዓቢ ዓወት ከኣ ክስዕብ እዩ!

ፍትሒ ይንገስ

Mussie Hadgu
Email: mussiehadgu1@gmail.com 

No comments:

Post a Comment