Saturday 11 October 2014

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንስርዓት ኢሳይያስ ብምጥቃዕ ካብ ስልጣን እትኣልየሉ ምቹእ ህሞት ሕጂ እዩ!

                                                                                             ብሙሴ ሓድጉ

1 ክፋል
ብዕለት 8 ነሓሰ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ኣብ ኣመሪካ እትርከብ ረድዮ ጽንዓት ቃለ-መጠይቕ ኣካይዱ ነይሩ። ንሱ ኣብ ቃለ-መጠየቑ ንግብረ-ሽበራዊ ተግባራት ስርዓት ኢሳይያስ ኣመልክቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ ከምዚ ክብል መሊሱ ነይሩ፤
“መንግስቲ ሻዕብያ ከም በዓል ግንቦት 7 ዝኣመሰሉ ኣሸበርቲ ጕጅለታት እናዕጠቐን እናሰልጠነን ናብ ኢትዮጵያ ኣስሊኹ ብምእታው ጸጣታን ሰላምን ኢትዮጵያ ይዘርግ ስለዘሎ፣ ካብ ምስ ሻዕብያ ዝለኣኾም ኣሸበርቲ ክትቃለስ ምንባር፣ ነቲ ምንጪ ግብረ-ሽበራ ዝኾነ መንግስቲ ሻዕብያ ካብ ሱሩ ንምእላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓዲሽ ስትራተጂ ሓንጺጹ ይሰርሕ ኣሎ” ዘስምዕ ቃል ሂቡ ነይሩ።

ቀጺሉ፡ እቲ ዝነበረ ናይ ኣይሰላም ኣይኵናት ፖሊሲ ኢትዮጵያ ተረፉ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጂ በዚ ሓዲሽ ኣገባብ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብሪሁ። ከም ኣገላልጻ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብሕጂ ዝኾነ መጥቃዕቲ በዞም ኣሸበርቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እንተበጽሑ፡ ኢትዮጵያ ዓጸፋ ግብረ-መልሲ ብምሃብ ንመንግስቲ ሻዕብያ ካብ ስልጣን ክትኣልዮ ምዃና ዝእምት እዩ።

እዚ ጽሑፍ እዚ እምበኣር ንዕቱብነት ሓዲሽ ስትራተጂ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ምዕባለታት ብምግንዛብ ክግምግምን ክትንትንን እዩ። ቅድሚ ናብ ትንታነን ግምገማን ምእታው ግን ሕጽር ዝበለ ድሕረ-ባይታ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሓልፎ ዝጽንሐ ሓርጐጽ-ጐጽን ሓጺር መብርሂ ምሃብ ከድሊ እዩ።

ከም ዝዝከር ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ግፍዕን ህልቂትን ጸዊኻ ዝዉዳእ ኣይኰነን። ሎሚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብስርዓት ኢሳይያስ ናብ ፍጹም ጊላ ተለውጡ ይርከብ።

ካብ ባርነት ስርዓት ኢሳይያስ ብጠያይት እናተሸንበበ ዘምለጠ ከኣ ብሃገራት ኣዕራብከም በዓል ግብጽን ሱዳንን፡ ንኻልእ ባርነት ተቓልዑ ይርከብ። ሕሉፍ ሓሊፍዎም ንኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ንብረት ይሸጥዎምን ብህይወት ከለዉ ሰብነቶም ብምጕዛይ ናውቲ ኣካላቶም ናብ ዕዳጋ ይሕሪጅዎም ኣለዉ። ከምኡ እውን ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮዝከላኸለለን ዘይብለን ብኣዕራብ ይዕመጻን ይድፈራን ኣለዋ። ዝተረፈ ከኣ ኣብ ፈቐዶ መዓስከራት ስደተኛታት ሕሱም መነባብሮ የሕልፍን ኣብ ጉዕዞ ምድረ-በዳን ባሕርን ብዘይ ንቡር ቀብሪ ይሃልቕ ኣሎ።

ስርዓት ኢሳይያስ፡ መስመራት ምዝዉዋር ደቂ-ሰብ ብምስራዕን ምትላምን ቀንዲ ወንጀለኛን ተሓታትን ናይ ኩሉ ጭውያን ግፍዕታትን ኮይኑ ይርከብ። ብሓደ ወገን ንህዝቢ ከይንቀሳቐሰን ካብ ሃገር ከይወጽእን ብምእጋድ በቲ ካልእ ተጠውዩ ከኣ ኣሽሓት ዶላራት ንምኽዕባት ባዕሉ ኣብ ዘይሕጋዊ ምዝውዋርን ምስግጋርን ጭውያን ኤርትራውያን ተጸሚዱ ይርከብ። በዚ መንገዲ እዚ ከኣ፡ ዓመታዊ ሚልዮናት ዶላራት ይግሕጥ ኣሎ።

ካብዚ ሓሊፉ፣ ስርዓት ኢሳይያስ ኣሸበርቲ እንዳዕጠቐ፣ ኣሰልጠነ፣ ኣስነቐ፣ ኣዕቈበን ናይ ከባብና ሰላም ይዘርግን ይህዉኽን ኣሎ። ሓንቲ ካብዘን ግዳያት ግብረ ሽበራ ስርዓት ኢሳይያስ ዝኾና ሃገራት ከኣ ኢትዮጵያ እያ። ኤትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ እቲ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ዘህለቐ ኵናት1998-2000 ኣብ ናይ ኣይሰላም ኣይ ኵናት ኵነት እየን ጸኒሐን። ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ባዕሉ ዝወልዖ ኵናት ድሕሪ ኣብ 2000 . ዝወረዶ ዘሕፍር ስዕረት፣ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ሰላምን ከምዝፈረመ ዝዝከር እዩ።

በቲ ስምምዕ መሰረት 25 ኪሎ-ሜተር ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ናይ ጽጥታ ዞባ ተመስሪቱ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ኣትዩ። ከምኡ ድማ ኣብ ዉሽጢ ክልተ ዓመት ኣብ 2002 .ም፣ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዶብ ክልትአን ሃገራት ኣመልክቱ ብይን ሂቡ። በቲ ብይን መሰረት ንእሽቶ ክፋል ናይ ስርዓት ኢሳይያስ ወሪሩ ዝጎበጦ መሬት ወረዳ ባድመን ሸራሮን እኳ ንኤርትራ እንተተበየነ ኣብ ከባቢ ጾሮና ኣብ ግዝኣት ኤርትራ ዝርከብ ዝነበረ ቦታታት ከኣ ንኢትዮጵያ ተወሲኑ።
         
ስርዓት ኢሳይያስ ግን ካብቲ ይግባኣኒ ኢዩ ኢሉ ዝጎቦጦ መሬት ንእሽቶ ጥራይ በጺሕዎ ክንሱ፤ ብምልኡ ንኤርትራ ከም ዝተወሰነ ኣምሲሉ ሓሶት ኣብ ምንዛሕ እዩ ጸኒሑ። ብዛዕባ ኣብ ከባቢ ጾሮና ዝርከብ ቦታታት እሞ ከኣ ጠሪሹ ኣይዛረብን እዩ። ብድብድቡ ንህዝቢ እዘን ዓድታት እዝአን ምኽንያቱ ከይነገረ ኣብተን ዓድታት ሓዲሽ ገዛውትን ዝኾነ ልምዓታዊ ትሕተ-ቅርጺ ከይስርሑን ብምእጋድ ናብ ጋሽ ባርካን ጎላጉል ሃዘሞን ንኽግዕዙን ኣዚዝዎም።

ብወገን ኢትዮጵያ እዚ ዉሳነ እዚ ንሕብረተሰብን ስድራ-ቤታትን ዝበታትን እዩ ብምባል ክትቃዎሞ እንከላ፣ ስርዓት ኢሳይያስ ግን ከም ፖለቲካዊ መኽሰብ ስለዝቖጸሮ ከምዘለዎ እንተዘይተትግቢሩ ብምባል ሓንጊዱ ይርከብ። ካብ ፖለቲካ ወጺእና ክንርእዮ ከለና፣ ብሓቂ እዚ ዉሳነ ንህዝቢ ዝጐድእ እምበር ንህዝቢ ዝጠቅም ኣይኰነን። ኢትዮጵያ ከኣ ነቲ ግጭት መፍትሒ ይኸዉን እዩ ዝበለቶ በዓል 5 ነጥቢ እማመ ኣብ 2004 ኣቕሪባ። ኣነ ብወገነይ ምስ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ እማመ እሰማማዕ እየ።

እቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ  እማመ ነዞም ዝስዕቡ 5 ነጥብታት ዝሓቘፈ እዩ።
1. ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ግርጭት ብሰላማዊ መንገዲ ጥራይ ምፍትሑ፤
2. ዝምድና ክልትኤን ሃገራት ናብ ንቡር ንምምላስ መሰረታውያን ዝኾኑ ጠንቅታት ናይ ግርጭት ብዘተ ምፍትሖም፤
3. ኢትዮጵያ ብመትከል ንዉሳነ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትቕበሎ፤
4. ኢትዮጵያ ዝግብኣ ክፍሊት ንኮሚሽን ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንኽትከፍልን ከምኡ ከኣ ናይ ሜዳ ኣራኽቲ ሞኮንናት (field Liason officer) ንኽትመዝዝ ትሳማማዕ፤
5. ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ንነባሪ ሰላምን ሕውነታዊ ዝምድናን ንምድንፋዕ ብዘሳኒ መንገዲ ንምትግባር ዉሳነ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብቐጥታ ዘተ ምጅማር።

ኢትዮጵያ ነቲ ብመትከል ተቐቢለዮ ኣሎኹ ዝበለቶ ዉሳነ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንህዝቢ እተን በዚ ዉሳነ እዚ ዝጕድኣ ዓድታት ኣብ ግምት ብዘእቱ መንገዲ፣ ክልትአን ሃገራት ብእንካን-ሃባን ዶብ ክሕንጸጽኦ ከም እትደሊ ኣብሪሃ። ስርዓት ኢሳይያስ ግን እዚ ዉሳነ እዚ መወዳእታን ቀያድን ስለዝኾነ ዋላዉን ናይ ሓንቲ ስድራ-ቤት ገዛ ኣብ ክልተ ከፊሉ ይሕለፍ ብዘየገድስ ከምዘለዎ ክትግበር ኣሎዎ ዝብል ተሪር መርገጺ ሒዙ ይርከብ።

ልዕልና ሕጊ ይከበር!ይብል እቲ ንባዕሉ ሕጊ ዘይኽብር ስርዓት። በዚ ኾነ በቲ ኢትዮጵያ ነዚ በዓል 5 ነጥቢ እማመ ኣዋጅ ንስርዓት ኢሳይያስ፡ደሊኻ ተቐበሎ ጸሊእካ ከኣ ተሓሰሞ” ዝብል ምርጫ ሂባ ንሳ ናብ ልምዓታዊ መደባታ ወፈረት። በዚ ኣብ ክልተ ጫፍ ዝርከብ ዘይሳነ መርግጽታት ክልትአን ሃገራት ተስፋ ዝቖረጸ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብካርታዊ ምምልካት (virtual demarcation) ዶብ ሓንጺጹ ስርሑ ዓጽዩ ጠቕሊሉ ወጺኡ።

ብኣጣቓላሊ ክረአ ከሎ፣ እዞም ነጥብታት እዝኦም ጠቐምቲ እምበር ጎዳእቲ ኣይኰኑን። ማሕበረሰብ-ዓለምዉን ነቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲማ ሒዛቶ ዝነበረት መርገጺ ክቃወሞ እንከሎ፣ ነዚ በዓል ሓሙሽተ  ነጥቢ እማመ ግን ደጊፍዎ እዩ። ስርዓት ኢሳይያስ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣመሪካን ንኢትዮጵያ ነቲ ብይን ከምዘለዎ ንትግባረኡ ክትቅበሎ ብዘይምግዳዶም፣ ምስ መላእ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣመሪካን ተባኢሱ ይርከብ። ንዓቃብ ሰላም ከኣ ንስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ሰላምን ብምጥሓስ ብሓይሊ ሰጕጉን ኣባሪሩን ነቲ ግዝያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ ኣብ 2007 ጐቢጡ ሒዝዎ። ብሓቂ ከም ሳዕቤን ጎቦጣ ናይ ጸጥታ ዞባ፡ ኵናት ክዉላዕ ትጽቢት ነይሩ፣ ግን ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ኵናት ኣይተወልዐን። እኳ ድኣ ሰራዊት ክልትአን ሃገራት ኣብ ዶባት ተፋጢጡ እንከሎ፣ ኢትዮጵያ ነቲ ብዉክልና ብወገን ሶማል ዝተኸፍተላ ኵናት፣ ኣብ ሶማል ክትዉድኦ እንከላ፣ ነቶም በብእዋኑ ሰሊኾም ናብ ሃገራ ዝኣትዉ ልኡኻት ስርዓት ኢሳይያስ ዝኾኑ ኣሸበርትን ዕጡቓትን ኣብ ዉሽጢ ሃገራ ክትገጥሞም እያ ተራእያ።

Source: http://en.wikipedia.org/wiki/Eritrean%E2%80%93Ethiopian_War

ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ምምልካት ዶብ ኣብ ባይታ ድኣምበር ኣብ ካርታ ኣይኮነን። ስለ ምምልካት ዶብ ኣብ ካርታ ካብ መዝነት ኮምሽን ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወጻኢ እዩ። ኢትዮጵያ ንምምልካት ዶብ ኣብ ካርታ ክትነጽጎ እንከላ፣ ስርዓት ኢሳይያስ ግን ነቲ ተግባር ብሓጎስ ብምቕባል ከም ዓቢ ዓወት ቆጺሩ፣ ኣብ ፕሮፖጋንዳኡሕጂ ጕዳይ ዶብ ኣብቂዑ እዩ፣ ዶብ ተመልኪቱ እዩ፣ ሕጂ ዝተርፍ ነገር እንተሎ፣ ኢትዮጵያ ካብ ባድመ፣ መሬት ንኤርትራ ኣረኪባ ምውጻእ ጥራይ እዩብምባል ጨዲሩ።

እቲ ሓቂ ግን፣ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ፣ ብኣሳላጥነት ሕቡራት ሃገራትን ዓቃብ ሰላምን፣ ዶብ ኣብ ባይታ ምስ ተመልከተ፣ ወግዓዊ ናይ መሬት ምርኽኻብን ምስግጋርን ይፍጸም እዩ ዝብል። ግን እቲ ኣብ ምትላል ዝነብር ስርዓት ኢሳይያስ፣ በቲ ሓደ ወገንጕዳይ ዶብ ኣብቂዑ እዩ፣ ተዛዚሙ እዩ”  ይብል፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ተጐቢጡ እንከሎ፣ ቁዋም ኣየትግበርን እየ፣ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዘይተወሰነ ጊዜ ክቕጽል እዩይብል። ከም ሓቂ፣ ስርዓት ኢሳይያስ ኢትዮጵያ ካብ ብኮሚሽን ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንኤትራ ዝተበየነ ቦታትት ብዘይምልቃቓ፣ መሬት ኤርትራ ጎቢጣ ሒዛ ኣላ ዝብል እንተዀይኑ፣ ስርዓት ኢሳይያስ ባዕሉ ካብ ንኢትዮጵያ ዝተበየነ ቦታታት ብዘይምልቃቑ ልኡላዊ መሬት ኢትዮጵያ ጎቢጡ ሒዙ ኣሎ ማለት እዩ። ስለ ንባዕሉ ቅድም ካብ ቦታታት እቲ ለቒቑ ክወጽእ ኣለዎ። ኣብ ክንግንዘቦ ዘሎና፣ ብወገን ኢትዮጵያ፡ኤርትራ ካብቲ ንኢትዮጵያ ዝተበየነ ቦታታት ብዘይምልቃቓ፣ ልኡላዊ መሬት ኢትዮጵያ ጐቢጣ ኣላዝብል ወቐሳ ኣይቕረበትን ዘሎ። ከምዚ ዓይነት ክስን ወቐሳን ብወገን ስርዓት ኢሳይያስ ጥራይ እዩ ዝቐርብ ዘሎ።

ዋላ እኳ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ምስ ኣዕናዊ ተግባራት ስርዓት ኢሳይያስ ዝዳርግ ስጕምቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት እንተዘይወሰደ፣ ክሳብ ሕጂ ግን ገለ ዘተባብዑ ስጕምታት ተወሲዶም ኣለዉ። እቶም ዝተወስዱ ስጕምታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፤

1.     እገዳ፤
እዚ እገዳ እዚ ኣብ 2009 2011 ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ኮይኑ፣ ንኣጽዋርን መገሻ ላዕለዎት ሰበ-ስልትጣን መንግስትን ሰልፍን ከምኡውን ምድስካል ንብረት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ሰልፍን ዘጣቓለለን እዩ። እንተኾነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተወሳኺ መጽናዕታትን ምክትታልን ብምግባር ከተግብሮ ስለዝወሰነ፣ ክሳብ ሕጂ እቲ እገዳ ብኣድማዕነት ኣይተትግበረን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝፈጠሮ ቀይድን ኣእምራዊ ጸቕጥን ኣቃልልካ ዝርአ ኣይኰነን።

2.     ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ፤
ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ከኣ ብሰንኪ ትዕቢታውን ተጽባእን ኣካይድኡን ምሕብሓብ ግብረሽበራን ዞባውን ኣህጕራውን ተነጽሎ ኣጋጥምዎ ይርከብ። ካልእ ይትረፍ እቲ ንኣባሉ ዝኾነት ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣሕሊፉ ዘይህብን ዝጣበቕን ሕብረት ኣፍሪቃ እኳ ኣብ ኤርትራ በጺሑ ባዕሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ንክንበር ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት  ሃገራት ምጥላቡ፣ ንዕምቆት ተነጽሎ ስርዓት ኢሰያስ ዘርኢ እዩ። ስርዓት ኢሰያስ ካብ ወሪድዎ ዘሎ ትነጽሎ ንምውጻእ ዝገበሮ ፈንጠርጠርዉን እንተኾነ ፍረ ኣይሃበን። ንኣብነት ናብ ባዕሉ ዝተሓስሞ ኢጋድ ንምምላስ ዝገበሮ ጻዕሪ ካብ መስሓቕ ሸራፋት ምዃን ሓሊፉ ካልእ ወላ ሓንቲ ጥቕሚ ኣይረኸበሉን።

3. ምክትታል ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፤
ስርዓት ኢሳይያስ ብዝፍጽሞ ዘሎ ኣሰቃቒ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዘተሓሳሰቦ፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2012 . ፍልይቲ ተኸታታሊት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ መዚዙ። ከምኡ ድማ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት እንዳበኣሰ ስለዝኸደ፣ ኣብ ዓመት እዚ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ እተጻሪ መርማሪት ኮሚሽን ኣቝሙ።

ብሕፈሻ ክርአ ከሎ፣ ሎሚ ስርዓት ኢሳይያስ ብዂሉ መለክዕታት ኣብ ዝኸፍአ ኵነታት ይርከብ። ኩሉ ቁጠባ ሃገር ዓንዩ፤ ህዝቢ ብስእነት ጸዓት፣ መሰረታዊ ሃለኽቲ፣ ብድኽነት፣ ብሕሰምን ይሳቐ ኣሎ። ወተሃደራውን ጸትታውን ኩነታት እቲ ስርዓት ኣብ ዝተሓተን ዝኸፍአን ደረጃ ይርከብ። ኣብ ዉሽጢ ሰራዊት ዘይዕግበት፣ ቍጥዐ፣ ህድማን ሰፊኑ፣ ሰራዊት ብስእነት ክእላዊ ዓቕምን ዋሕዲ ሰብን ለሚሱ ይርከብ። ስለዚ ኢትዮጵያ ንስርዓት ኢሳይያስ ብምጥቃዕ ካብ ስልጣን ምእላዩ ሕጂ እቲ ዝመችአ ጊዜ እዩ።
                                                                                                                                                                    ... ይቕጽል
                                                                       ሙሴ ሓድጉ
                                                                                  Email: mussiehadgu1@gmail.com

No comments:

Post a Comment