Sunday 21 September 2014

ሃነጽቲ ምላሻት ን‘መጽናዕታዊ-ጽሑፍ’ ሓው መሓሪ ዮሃንስ፤

ሰላም መሓሪ ዮሃንስ!

ኣቐዲመ ኣብ ህይወትካ ጥዕና፡ ኣብ ትምህርትኻን ተቕርቦ ዘለኻ መጽናዕታዊ-ጽሑፋት ድማ ኣሳልጦ እምነየልካ።
ቅድሚ ገለ ሰሙናት፡ ካብ ፖሎቲካዊ ቈይቂ ኣዝዩ ዝተፈልየ እኮ እንተዘይኮነ፡ ታሪኻዊ መልእኽቲ ሓዘል መሰል ምልልስ፤ ኣብ መንጎ ተዛረብቲ ትግርኛ ኢትዮጵያን ተዛረብቲ ትግርኛ ኤርትራን በዚ ‘ብሎግ’ ክከታተል ቀንየ ነይረ። እዚ ድማ ገለ ንኽብል ቀስቂሱኒ። እሞ ኤመስግነካ።
ኣብዚ ሕጂ ዝነብረሉ ዘለኹ ሃገር፡ ሓደ ጽሑፍ ከተበግስ ንዘኽኣለካ ሰብ ክትነቓቓሕ (ከምዘለዓዓለካ) ከምዝገበረ እዮም ዝገልጽዎ። ‘inspirasjon’ ይብልዎ ብቛንቛ ኖርወይ። ስለዚ ድማ እዩ ክምስገን ኣለዎ ዝብልዎ።
ብዝዀነ፡ ብመም. ገብረኪዳን ደስታ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ፡ ድሮ ብዙሕ ምልልስ ፈጢራ ከምዘላ ተዓዚበ። እዚ ናትካ ጽሑፍ እውን ዋላ ርእሱ ዝኸኣለ መበገሲ እንተሃልዎ፡ ምስ መጽሓፍ መም. ገብረኪዳን ደስታ ኣዋሲብካ ክትዛረበሉ ጸገም ዝህልዎ ኣይመስለንን።
ጸሓፊ ታሪኽ መም. ገብረኺዳን ደስታ /ስእሊ ካብ ፌስ-ቡክ/
የግዳስ ቀንዲ ኣተኩሮይ ኣብ ጹሑፍካ ክገብር ክፍትን። ከም መጽናዕታዊ ጽሑፍ መሰረት፡ ምናልባት ኣብ ዕዮኻ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም ዝበልክዎም ኣረምቲ ሓሳባት ክህብውን ክፍተን እየ። ንኻልኦት ኣብ ተማሳሳሊ ስራሕ ተዋፊሮም ዘለዉ እውን ጠቓሚ ክኸውን እትስፎ። እዚ ዓቕሚ እንተሂቡኒ ማለት እዩ። ክትቅበሎም ከይክትቕበሎም ግን ንዓኻ ንዋና ክምልከት እዩ። “ኣብ ልዕሊ ልቦናኻስ እንተ ዝውስኽኻ” እዩ እሞ . . .


ብመእተዊ
ክጅምር፤
መእተዊ ጽሑፍ ብፍላይ እኳ ድኣ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ኣፈናዊ መረዳእታ ብዛዕባ ቀንዲ ትሕዝቶ ጽሑፍ ዝህብ ክፋል እዩ። ኣብዚ ክፋል እዚ ከም መእተዊ ክጠቕሙኻ ዝኽእሉ መበግሲ ሓረጋትን፡ እዝዮም ደምደምቲ ዘይኮኑ መግለጺታትን ብምሃብ ንሓፈሻዊ ትሕዝቶ ጽሑፍካ እተላልየሉ ክፋል እዩ። ካብቲ ቀንዲ ክትጥንቀቐሉ ወይ ክትቁጠበሉ ዘለካ ድማ፡ ኣብዚ ክፋል እዚ ደምዳሚ ሓሳብ ወይ ድማ ሓቅን ሓሶትን ሙዃኑ ዘዘራረብ ከምኡ ድማ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ምኻኑ ዘሻሙ ሓሳባትን መግለጺታትን ካብ ምሃብ ምቑጣብ ተመረጽቲ እዮም።
ኣብ ኣምር ፍልስፍና፡ መባእታዊ ዝኾኑ ናይ ክትዕ መሰረታት ኣለዉ። እቲ ሓደ፡ ንነገራት ከምዘለዎም ከተቐምጦም ክትፍትን ከለኻ ወይ ከኣ ክትገልጾም ከለኻ፡ ኣብ ሓቅነታቶም ጥራይ ዘሻምዉ ክኾኑ ከለዉ፡ ‘descriptive arguments’ ከኣ ይበሃሉ። እቲ ካልኣይ ኣምር ድማ ኖርማቲቭ (normative arguments) ተባሂሉ ይግልጽ። እዚ ድማ ክኸዉን ኣለዎ ወይ ይግብኦ እትብሎ ሓሳበት እተቕርበሉ ኣገባብ ክትዕ እዩ። ኣብ መእተዊ ጽሑፍካ በቲ ቀዳማይ ዓይነት ናይ ክትዕ ኣምር ማለት descriptive ክትብገስ ተመራጺ ዘይምዃኑ ብዙሓት ይሰማምዑ። ሓዉና መሓሪ ግን መእተዊ ጽሑፍካ ከምዚ ክትብል ጀሚርካዮ ኣለኻ።
ኤርተራ ከም ነፃ ሃገር ቅድሚ 22 ዓመታት ኣቢላ ተፈጢራ።ኣብ ዝሓለፉ 22 ዓመታት ከዓብጀካ ምስ ሰዑድ ዓረብ ምስኩለን ብዶብ ዝዋሰንኣ ሃገራት ተጋኒፃን ኩናት ገጢማን፡፡ ንቀፃልውን መን ይፍልጥ ፕሬዝደንት ኢሳያስ ስኒእነተረኺቦም ጎረባብቶም ካብ ምንካስ ንድሕሪት ኣይብሉን፡፡

እዚ ከም መእተዊ ጽሑፍ ተወሲዱ ዘሎ ሓሳባት ምስ እነንብብ፤ እቲ ቀዳማይ ዝመጸና ሕቶ፡ እዚ ሓሳብ እዚ ሓቂ ድዩ ዝብል ሕቶ እዩ። ስለዚ ኸኣ ከም ገላጺ መካትዒ ሓሳብ ክዉሰድ ይክኣል። በዚ ሓሳብ እዚ ዝተጀመረ ጽሑፍ ድማ እንታይ ዓይነት መደምደምታ ክህልዎ ምዃኑ እሙት ይኸውን። ስለዚ ነቲ ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ጽሑፍ ንኸተንብብ ኣይትደፋፋእን። እሞ ድኣ? ኣነስ እንተኣለኻዮ፡ እንተዘይኮነ ድማ ብኻልእ ኣገባብ እንተትጅምሮ፡ ነቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትሕዝቶ (ቀንዲ ትሕዝቶ እቲ ጽሑፍ) ዝያዳ ተነባቢ ምገበሮ እብል።


ክቕጽል
ኣብ ትሕዝቶ ናይ ታሪኽ እዚ ክብል ኣይክእልን። ምኽንያቱ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ምስ ዝተፈላለዩ ዛንታታት ይቀላቐሉ ስለዘልዉ። እሞ ድማ፡ ኣነ ካብቲ ዝተባህሎ እምበር ካልእ ክምርምር ዘይትዓደሎ ወለዶ ኤርትራ ስለዝኾንኩ፡ ከዋህልሎ ዘለኒ ብዙሕ ኣሎ ኢለ ስለዝኣምንን እዚ’ባ እቲ’ባ ኢለ ኣይምጉትን፤ ከም ሕቶ ግን ከልዕሎ ዝደሊ ኣርእስቲ ተንኪፍካ ኣለኻ። 

ንኣብነት፤
እዛ ሎሚ ኤርተራ ንብላ ሃገር ቅድሚ ምፍጣራ ትግርኛ ተዛረብቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ዘበነ ስልጣነ ኣክሱምን ቅድሚኡን  ብዘይገለፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን እኮኖማውን ኣፈላላለይ ክሳዕ መወዳእታ 19 /ዘበን ሕምብርቲ ሀገረ ኢትዮጰያ ኮኖም ብሓባር ፀኒሖም `ዮም፡፡ኢልካ ኣለኻ።
እዚ ምናልባት ብዘይመወከሲ ዘቐመጥካዮ ጽሑፍ ስለዝኾነ ናትካ ሓሳብ ይመስል። ናይ በሓቂ ግን ከምዚ ትብሎ ዘለኻ እቲ ኣብ መንጎ እዞም ህዝብታት ዝነበረ ርክብ ከምዚ ዝገለጽካዮ ብዘይ ገለ ፖለቲካውን ኢኮኖምያዉን ማሕበራውን ኣፈላለይ ዝተሰረተ ስጡም ድዩ ኔሩ? ኣነ ብምልክት ሕቶ እየ ዝሓልፎ።

ምኽንያቱ
ብወገን ኤርትራ ዝዝንቶ፡ ቅድሚ ሚኒልክ ንኤርትራ ኣሕሊፉ ምሃቡ (ከምቲ ኣቐሚጥካዮ ዘለኻ ማለተይ እየ፡) ወይ ከኣ ቅድሚ ዉዕል ውጫለውን፡  ካብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ይኹን ወይውን ካብ ኢትዮጵያ ብዓቢኡ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ቀጻሊ ምቱኹታኽን ዓመጽን ከምዝነበረ እዩ። ነዚ ከፍርስ ዝኽእል ትሕዝቶ ዘቕረብካ ኣይመስለንን።
ሓው መሓሪ ዮሃንስ 

ስለዚ ኸኣ እዚ ህዝብታት እዚ ብተዛማዲ ደሓን ዝኾነ ናይ ተኸባቢርካ ምንባር ልምዲ ነይርዎ ክትብል ሚዛናዊ እኳ እንተኾነ፡ ዋላ ዝጥቀስ ጸገም ኣይነበሮን ክትብል እንተኾይንካ ግን ከእምን ዝኽእል መወከሲታትውን ከተቕርብ እንተዝክኣል ሓበሬታኻ ርጡብ ምኾነ እብል። ኣነ ብወገነይ፡ ዋላ እዚ ህዝብታት እዚ ብሓደ ሰሚሩ ኣንጻር ባዕዳውያን ዝተቓለሰ ምዃኑ ዝኣምነሉ እንተኾንኩ፡ ነቲ ብኣብ ኤርትራ ዘሎ ወገን ዝዝንቶ ታሪኽ ግን ፈጺመ ክሓኮ ዘኽእለኒ ሓቅታት ኣይጎነፉንን ዛጊት። ንስኻውን ኣየቐመጥካን ዘለኻ።

ኣብ ሞንጎ !!

ካብቲ ኣዝዩ ዝሰሓበኒ ክፋል ጽሑፍካ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፤
"…...ህዝብታት ኤርትራ ንነፃነቶምን ሃገራዊ መንነቶምን ክስለፉን ብሕራነ ክቃለሱን ምልዕዓል ምእንተ ነብሱ ጌጋ አይነበረን አይኮነን፡፡ አርትራውያንኣብ ኤርትራዊ ፅባቐን፣ ሓቀኛ ታርክ፣ ርቱዕ ትሕዝቶን ዝተመሰረተ ኤርትራዊ መንነት ክህልዎም ይግባእ፡፡ ናይ መብዛሕቲአን ጥዕና ዘለዎምመንግስታት ዝመርሕወን ሃገራት ሃገራዊ መንነት ከዓ እዚ ሓቂ መሰረት ዝገበረ እዩ፡፡ ህግደፍ ዝሓለሞ ኤርትራዊ መንነት ግን ኣብ ኤርትራዊፅባቐን፣ ሓቀኛ ታርክ፣ ርትዕ ትሕዝቶን ዘይተመስረተ ኣብ ንፅፅር  መንነት ህዝብታት ገረባብቲ ሃገራት ዝተመስረተ እዩ፡፡"

ናተይ ክዉስኸልካህግደፍ ዝሓለሞ ኤርትራዊ መንንነት፡ ኣብ ጽባቐ መሰረታዊ መሰላት ወዲ ሰብን ክብርታት ወዲ ሰብን ዘይኣምን!!! ንጽባቐ ብዙሕነት ዘየስተኣናግድ!! ንያታዊ ክብርን ልምድታትን ናብ ጫካዊ ስነ-ምግባርን ምጭኽኻንን ዘርዓመ፤ ብኹሉ መዳይ ዝተሰናንዐ ሃገራዊ ክብርታት ዝብሎም ትምክሕትታት ዝሰረቶም፡ ኣጉል ኣንነታትን መን ከማይ ዘማዕበለ ምስ ከባቢ ሃገራት ዘየሳኒ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጣናውን ከይተረፈ ናይ ዘይምትእምምማ መንፈስ ዘማዕበለ፤ ጽባቐ ኣልቦ ግናይ-መንነት እዩ። ንሱ ኸኣ ዘጉህየና ዘሎ።

ጽበቐ ጽሑፍካ ኣብታ the other significant እትብል ምንጽጻር እዩ ዘሎ። ፈትየዮ ጥራይ ዘይኮነ ኣዚኻ መስፋሕካዮ ነይርካ። ኢትዮጵያ ጥራይ ወይውን ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ጥራይ ምባልካ ቁሩብ ስክፍታ ኣሎኒ። ካልኦትውን ከም መነጻጸሪ ጥራይ ዘይኮኑስ ከም ሓለኽትና ዝተነግሩና ኣህዛብን ሃገራትን ኣለዉ። ጹሑፍካ ምናልባት ኣብ ከባቢና ዝተሓጽረ ክኾነልካ ጥራይ እንተዳኣ መሪጽካዮ ግና ነዚ ሒዝካዮ ዘለኻ፡ ብፍላይ ኣብእለሻ እቲ ካልእ ኣገዳሲኢልካዮ ዘለኻ እንተተስፍሖ ዝያዳ ምጸበቐልካ እመስለኒ። እምበር ንስኻውን ካልኦት ከምዘለዉስ ኣቐሚጥካዮ ኣለኻ ኢኻ።፡ የግዳስ ዝያዳ ኣስፍሕተተብላ ዝያዳ ምበርሃልና ንዓና ነንበብትኻ።
ኣብቲ ካልእ ክፋል ትሕዝቶ ጽሑፍካ፡ ብዛዕባ እቲ ክኸዉን ዝነበሮ ኢልካ ዝሓሰብካዮ ወይ ዝመስለካ ከላግስ።

"ሎሚ ኮነ ፅባሕ ህዝብታት ኤርትራ  ወነንቲ ነፃ ኤርትራክሳዕ ዝኾኑ እዋን ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ክለብሱ ግድን እዩ፡፡ እዚ ሃገራዊ መንነት ግን ካብ ውሽጣዊ ፅባቐ ኤርትራዊነትን ህልው ትሕዝቶእታ ሃገርን ዝብገስ እንተዘይኮይኑ አፃጋሚ እዩ፡፡

Mahari's Thesis 
እዚ ተጠቒምካሉ ዘለኻ ሓሳብ ከኣ፡ እቲ ከም ካልኣይ ኣገባብ ክትዕ ዝጥቀስ ማለትኖርማቲቭ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፋል ፍልስፍና እዩ። እሞ ምስ ናትካ ኣረዳድኣን ካብ ናትካ ትዕዝብትን ተመክሮን ተበጊስካ ስለ እትህቦ፡ ዘባእስ ኣይኮነን። ከምቲ ዝበልካዮ ግን ኣነውን ከምዚ ናትካ ክኾነልና ስለዝምነስ፡ የቐንየልና ጽቡቕ ትዕዝብቲ እዩ እየ ዝብለካ። ክንመሃረሉ ‘ውን ንኽእል ኢና  ባሃላይ እየ። ኣብ ዉሽጣዊ ጽባቐና እምበር ኣብ ጽልኢ ካልኦት ዝተመርኮሰ መንነት ኣብ ከመይ ደረጃ ኣውዲቑና ምህላዉ ርዱእ እመስለኒ።

ከም መዛዘሚ . . .

ከምቲ ኣብ መእተዊ ተጠቕሂምካሉ ዘለኻ ናይ ቻይናዊ ብሁል። ንኤርትራውያን ጥራይ ከምዘይምልከት እንተ ኣዘኻከርኩኻ ? ማለተይሲ፡ ንሕና(ማለተይ ኤርትራውያን) ንዓኹም እንታይ ንብለኩም ምድማጽውን በቲ ሓደ ሽነኽ ከድልየኩም እዩ። ምኽንያቱ ከምቲ ዝበልካዮ፤

ብዛዕባ ብሄራውነትካን ሃገርካን ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ ደቂ ወፃኢብዛዕብኡ እንታይ ከም ዝብሉ ምድማፅ ኣገዳሲ እዩ፡፡ኢልካ ስለዘለኻ ባዕልኻ።
ስለዚ፡ ብሓደ መዐየሪ ክንዕየር መታን፡ ንስኹም ተዛረብቲ ትግርኛ ኣብ ኢትዮጵያውን ጎረቤትኩም እንታይ ንብለኩም ምድማጽ ከድልየኩም እዩ።
ኣብ መወዳእታ . . .
ካብ በዚኣ ዝበልካያ ዝዓቢ መዛዘሚ ሓሳብ እንታይ ከይህሉ ኢሉ? በዚኣ ክዛዝም ዝሓወይ?

ካብዚ ወፃኢ ግን ሎንግሪግ ዝተብሃለ እንግሊዛዊ ሓደእዋን ህዝብታት ኤርትራ ካብ ነኒ ርእስኹም ንገረባብትኹም ኢኺም ትመስሉ እሊኩም እዩ ` ምስ ገረባብትኹም እነተዘይተገራጪኹምኤርትራውያን ኣይኮንኩምን እናበልካ ህዝብታት ኤርትራ ምስ ኣሕዋቶምን መዋልዶምን ናብ ኩናትን ምድማይን ምምራሕ ሕቶ ሰላም፣ድሕንነት፣ ልምዓት ህዘቢታት ኤርትራ ዘይምልስ ኣተሓሳስባ እዩ፡፡
እዚ ሎንግሪን ዝበሃል ሰብ ከምኡ ኢሉ ኔሩ ድዩ ? እንተይሉስ እዝጊ ኣዛረቦ!!

                                                                               Mimi Mimo

No comments:

Post a Comment