Saturday 1 November 2014

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንስርዓት ኢሳይያስ ብምጥቃዕ ካብ ስልጣን እትኣልየሉ ምቹእ ህሞት ሕጂ እዩ! -II


ብሙሴ ሓድጉ

ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል

መጥቃዕቲ ኢትዮጵያ ብጋህዲ፥

1.  ዘይተመጣጠነ ወተሃደራዊ ሚዛን

ሰራዊት ኤርትራ ካብ’ቲ 1998-2000 ኢትዮጵያ ዝወረዶ ስዕረት ኣይሓወየን። ኣይሓወየን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ከም’ቲ ኣቐዲሙ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተጠቕሰ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 14 ዓመታት ሰለሎ ኣትዪዎ እዩ። እቲ ብቐደሙ’ውን ልኽሱስ ሓይሊ-ኣየር-ኤርትራ፣ ሕጂ ጠሪሹ ዓንዩን ጠፊሹን እዩ። ኣብ ግዜ ኲናት ክወሳወስ ይኽእል’ዩ ኢልካ ምሕሳብ እውን ዘይክውንነታዊ እዩ።

ብመንጽር ኵነታት ሰራዊት ኤርትራ ክርአ ከሎ፣ ድሕሪ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብኣጽዋር ኮነ ብዓቕሚ-ሰብ ኣብ ቀጻሊ ምምዕባልን ምሕያል ዓቕምን ብቕዓትን እዩ ጸኒሑ። ብፍላይ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እዩ ዝስራዕ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሞራሉን ስሙር መሳርዑን ይርከብ።

እዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቛሕታት ኣብ ግምት ኣእትኻ ሰራዊት ኤርትራ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ንቑሩብ መዓልታት’ውን ይኹን ክምክቶ ይኽእል እዩ ኢልካ ምሕሳብ ዘይከኣል እዩ። እንተኾነ ግን ናይ ዉሳነ ጕዳይ እንተዘይኰይኑ ዋላ እውን ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት እንተኾነ፣ ሰራዊት ኤርትራ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ክገጥም ዝኽእል ዓቕሚ ኣይነበሮን።

2.  ህዝባዊ ተነጽሎ፥
ሎሚ ከም’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ንስርዓት ኢሳይያስ ከይፈለጦ እንከሎ ዝነበረ ኵነታት ኵናት 1998-2000 ዘይኮነስ ብኣንጻሩ እዩ ዘሎ። ኣብ’ቲ እዋን እቲ በቲ ስርዓት ይንዛሕ ብዝነበረ ሓሶት፣ “ወያኔ ንቕልጡፍ ናህሪ ምዕባለና ንድሕሪት ንምጕታት እያ ኵናት ወልዓላትልና፥ ወያኔ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ምስፍሕፋሕ ሕልሚ ደጊስዋ እያ ኵናት ኣዊጃ ዘላ፥ ወያኔ ንዓሰብ ብምውሳድ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ንምርካብ እያ ኵናት ዝጀመረት” ብዝብል ብሓሶት ተታሊሉ ኣብ ጎድኒ ስርዓት ኢሳይያስ እዩ ተሰሊፉ ነይሩ።

ሎሚ ግን እቲ ኵነታት ተቐይሩ  እዩ። እቲ ህዝቢ ንስርዓት ኢሳይያስ ሕሪሕራይ ጌሩ ስለዝፈለጦ፣ ፈንፊንዎ እዩ። ልክዕ እዩ ዉሑዳት ኣብ ደገ ዝቕመጡ ተበለጽቲ ንስርዓት ኢሳይያስ ይድግፉን ኣብ ንሱ ዝወደቦ ጓይላን ዳንኬራን ዘዳኽሩን ዝዕጠቑን ኣለዉ። ብቐደሙ‘ዉን ልብናን ወንናን ምስ ገድሊ እዩ እንዳበሉ ዝብዝሐ ህዝቢ ኤርትራ እንተስ-ብዉዲ-እንተስ-ብግዲ ድራር ዓረር ክኸዉንን ክሳቐን እንከሎ፥ ንሳቶም ግን ብርሑቕ ኮይኖም ኣለናልካ ኣጆኻ ድኣ፥ እቶ ኣብ ሓዊ ዝብሉ ዝነበሩ እዮም። እዞም ዜጋታት እዚኣቶም ኣብ ርሑቕ ኴንካ ምጭፋርን ምድኻርን ጥራይ እዩ ሞይኦም። ንሳቶም ሕሰምን መከራን ኣይረኣዩን።

እዞም ውሑዳት ኣብ ስደት ዝነብሩ ተበለጽቲ፣ ኣዳኸርትን፣ ኣጫፈርትን ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ነብሶም ዝዕቅብሉን ዝዕንግልሉን ተሓይቦም “መንእሰይ ኤርትራ ሃገር ተኻላኸል”፣ “ልእላዊነት ሃገርካ ኣኽብር፥ ክብረት ኤርትራ ሓሉ” ኢሎም እንተጨፈሩ፣ እቲ ጽቡቕ ገይሮም ዝመለኽዎን ዝለመድዎን ናይ ምጭፋርን ምድኻርን ሞያኦም እዮም ዝገብሩ ዘለዉ።
 
እቲ ኣብ ዉሽጢ ዝርከብ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ግን ካብ’ዚ ስርዓት’ዚ ዘገላግሎ ይደሊ ኣሎ። ባዕሉ ንስርዓት ኢሳይያስ ከይኣልዮ ዓቕሚ ስእኑ፥ እቲ ስርዓት ሓይልዎ። ስለ’ዚ ካብ ስርዓት ኢሳይያስ ዘገላግሎ ሓደ ሓያል ዘራዪ የድልዮ ኣሎ። ኣብ ባህልና “ንሓያልሲ፣ ሓያል ይፍጠረሉ” ዝብል ብሂል ኣሎ። ስለ’ዚ ስርዓት ኢሳይያስ ካብኡ ዝሕይል ሓያል የድልዮ ኣሎ - ንህዝቢ ኤርትራ ዘራይ ዝኾኖ። ስርዓት ኢሳይያስ ብህዝቡ ተፈንፊኑ ስለዘሎ ከኣ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳይያስ እትገብሮ መጥቃዕቲ ሓጋዚ እዩ።

ኢሳይያስ ናይ ዘመንና ንጉሰ

ንመረዳእታ ክኾንና፣ ዛንታ ንጉሰ እልፉ ንውሰድ። ኣብ ዓዲ ማዕዶ-ሩባ፣ ኣከለጕዛይ፣ ቅድሚ 150 ዓመታት ኣቢሉ ይኸዉን፣ ሓደ ብሓይሉን ጕብዝንኡን ዝምካሕ ብትዕቢት ዝተሰንጠቐ፣ ጨካን፣ ኣረሜን ዝኾነ ሰብ ይነብር ነበረ። ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ ዓደብኡ ከኣ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ኣውረደ። ብሓይሊ፣ ዓደብኡ ቆጽሊ ከየንበርሉ፣ ኣነ እየ ሹመኛኹምን ገዛእኹምን ብምባል ንዓደብኡ ብሓይሉ ከመሓድራ ጀመረ። ኣብ ልዕሊ ገዛእ ህዝቡ ከኣ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዓታት ኣውረደ። እቲ ግፍዓታት ካብ ምዝራፍ ንብረትን ሃብትን ክሳብ ምቕታል ሰባትን ምዕማጽ ደቂ ኣንስትዮን ዝኸይድ ነበረ።

ህዝቢ ንግፍዕታቱ ተቓውሞታት ብዘስምዐ መጠን ከኣ ግፍዕታት ንጉሰ በኣሰን ዛየደን። ህዝቢ ብኣረሜናዊ ተግባራት ንጉሰ ብራዕድን ሽበራን ተሸቝሪሩ ክነብር ተገደደ። ንተግባራት ንጉሰ ወዲ እልፉ ብሓይሊ ክገጥሙ ዝፈተኑ ከኣ ኣብ ኩሉ ከይበጽሑ ብጭካነ ንጉሰ ይቕተሉ ነበሩ። ህዝቢ ኣብ ገዛእ ዓዱን መሬቱን ብገዛእ ሓውን ዉላዱን ዝኾነ ንጉሰ መውፈርን መእተውን ተሓሪምዎ መስተንፈሲ ሰኣነ።

ሓደ መዓልቲ ግንእቲ ህዝቢ ሓኒኑ ተላዕለ። ኣንጻር ንጉሰ ድማ ኵናት ገጠመ። ኣብ’ቲ ዉግእ ብዙሓት ደቂ ዓዲ እኳ እንተተቐትሉ፣ ኣብ መወዳእትኡስ ንጉሰ ተሰዒሩ ብገዛእ ወለዱን ኣሕዋቱን ተቐትለ። ዓዲ ከኣ ሰላም ረኸበት።

ንጉሰ ከምቲ ንቡር ሬሳኡ ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን ዘይኮነ፣ ኣብ በረኻ እዩ ተቐብሩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፣ ክብሪ ስለዘይግብኦ ህዝቢ ዓደብኡ ወላ ንሬሳኡ እዉን ግቡእ ቀብሪ ነፈግዎ። እንተኾነ ግን እቲ ከክፍኡ ዘፍትወሉ ፈናፍንቲ ስርዓት ኢሳይያስ ንሬሳ ናይ’ዚ ብዓደብኡ ዝተፈንፈነ ገበነኛ ሰብ ኣብ መካነ መቓብሩ ሓወልቲ ሰሪሕሉ። ህዝቢ ማዕዶ-ሩባ ካብ ጎረባብቲ ዓድታት ወይ ካብ ርሑቕ ዝመጸ ሓያል “ኣጆኹም ኣቱም ዓዲ ንንጉሰ ባዕለይ ኣጥቂዐ ክኣልየልኩም እየ” እንተዝብሎምሲ፣ እንታይ ኮን ምበሉ?

“ግደፎ ወዲ-ዓድና ባዕልና እንተዘይኮይኑ ዋላ ሓደ ወዲ-ጓና ክትንክፎ ኣይንደልን ኢና” ዶ ምበሉ? ኣነ ርግጸኛ እየ “እንቋዕ ደሓን መጻእካ፣ እዝጋኣብሄር ሰማዒ እዩ። መርገምና እምበኣር በጺሑዎ፥ ሓያል ኣሕልፉ ፈጢርሉ” ምበሉ ነይሮም። ብዝከኣሎም ከኣ ምስኡ ምስ’ቲ ጓና ህይወቶም ንኸድሕኑ ምተሰለፉ።

ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ገጢምዎ ዘሎ ኵነታት ልክዕ ምስ’ቲ ንተቐመጦ ማዕዶ-ሩባ ቅድሚ 150 ዓመታት ዝገጠሞም ኵነታት ዝመሳሰል እዩ። ኢሳይያስ ናይ ዘመና ንጉሰ እዩ። በዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ምስ ንጉሰ ይመሳሰል፤

ሀ. ኢሳይያስ ብሓይሉ ብዘይ-ድሌት ህዝቢ ኤርትራ እዩ ኣብ ስልጣን ተዀይጡ ዘሎ፣
ለ. ግፍዕታት ኢሳይያስ ካብ ግፍዕታት ንጉሰ ዝረቅቕን ዝሰፍሕን እምበር ዝንእስ ኣይኮነን፣
ሐ. ህዝቢ ኣይኮነን ተቓዊሙሓሳቡ ብሰለማዊ መንገዲ እንተገልጹ እውን ይርሸንን ይምቋሕን።

ስል’ዚ ከም’ቲ ተቐማጦ ማዕዶ-ሩባ ሓቢሮምን ተወሃሂዶምን ንንጉሰ ዝገጠምዎን ዝሰዓርዎን፣ ህዝቢ ኤርትራ ንኢሳይያስ ክገጥሞ ዓቕሚ እንተዘይረኸበ እንታይ ይግበር? መን ይፈልጥ ሓደ መዓልቲ ዓቕሚ እንተረኸበ ዶ እናተሳቐየን እናጸነተን ይጸበ? እቲ ዓቕሚኸ መዓስ እዩ ክመጽእ? ብሓቂ ኸ እቲ ዓቕሚ ክመጽእ ድዩ? ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና ከይከዉን ነገሩ!

ወይ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ዘራያት ዓዲሙ ነዚ ናይ ዘመና ንጉሰ፣ ኢሳይያስን ስርዓቱን ካብ ሱሮም በርቊቑ ምድርባዮም እዩ? እቶም ዘራያት ሒዝና መጺእና ንስርዓት ኢሳይያስ ብጓና ከይነውቅዖ ዝጣበቕሉን ዝምጉትሉን ዘለዉ ወገናት ናይ ባዕሎም ዕላማ ኣሎዎም። ንሳቶም ኣካል ናይ’ቲ ስርዓት ክንሶም ምስ ደለይቲ ፍትሒ ተመሲሎም ህዝቢ ትኽክል መስመር ከይሕዝን ወሳንን ቅኑዕን ስጕምቲ ከይወስድን ዘደራብሹን ዝሕንኵሉን ጥራይ እዮም። እቲ ኣደራዕ ስርዓት ኢሳይያስ ዝወርዶ ዘሎ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ግን ካብ ናተይ ትዕዝብቲ ሎሚ ዘይኮነስ ካብ ቅድሚ 10 ኣመታት ጀሚሩ ዘራይ ከምዘድልዮ ተረዲኡን ተመንዩን እዩ።

ሎሚ ኢትዮጵያ ንስርዓት ኢሳይያስ እንትድኣ ኣጥቂዓቶ ናይ ዝብዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ደገፍን ምትሕብባርን ብዘይውልውል ክትረክብ እያ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ እየ ኣርእስቲ ናይ’ዛ ጽሕፍቲ፣መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስርዓት ኢሳይያስ ብምጥቃዕ ካብ ስልጣን እትኣልየሉ ምቹእ ህሞት ሕጂ እዩ!ዝበልክዋ።

ሎሚ ኢትዮጵያ ንስርዓት ኢሳይያስ ንምእላይ ኣብ ትወስዶ ተብግሶ ናይ ህዝቢ ምትሕብባርን ደገፍን ምርካብ እቲ ዝቐለለ ዕዮ እዩ ክኸውን። እቲ ዝበርትዐ ግድል ነቲ ሰፊሕ ፍልልያት ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ኣቢልካ ሓያልን ዲሞክራስያውን ስርዓት ትሃንጸሉ እዩ ክኸውን?

ታሪኻዊ ኣፈጣጥራ ሃገረ ኤርትራን መሕበረ-ቁጠባዊ ኣቃውማኣን ምስ ዘሎ ግፍዕታትን ማሕበረ -ቁጠባዊ ሕሰምን ተደሚሩ፣ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ማሕራዊ ናይ ግዜ ቦምባ ተጻዊዱ ይርከብ። ከም ውጽኢቱ ከኣ ሃይማኖታዊ፣ ኣውራጃዊ፣ ብሄራውን ኣተሓሳስባታት ሰፊኑ ንረኽቦ። ብዙሓት ካብ ደምበ ተቓውሞ እኳ ኢስላማዊ፣ ብሄራዊ፣ ኣውራጃውን ውድባት እየን።

ስለ’ዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኢትዮጵያ ንስትራተጃዊ ረብሓታታ ዘገልግል ብዙሕ ኣመራጺታትን መጻወቲ ካርድታትን ኣለዋ። ብርግጽ ብወገነይ ክሳብ ሕጂ ናይ ኢትዮጵያ ድሌትን ስትራተጅን ብርግጽነት ከንብቦ ኣይከኣልኩን። ግን ኢትዮጵያ ነቶም ቀንዲ ብታሪኽን ዘርእን ዝቐርብዋ ብሄረ ትግንርኛ ዕሽሽ ብምባል እኳ ምስ ብሄረ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ኵናማን ብምምሕዛው ኣብ ኤርትራ ሰፊሕን ዓሚቚን ሳዕቤን ዘለዎ ስጕምታት ክትወስድ ትኽእል እያ።

1.  ጕዳይ ብሄረ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

ህዝቢ ዓፋር ከም ውጽኢት ሓድጊ መግዛእቲ ኣብ 3 ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኻፋፊሉ ይርከብ፥ ማለት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጅቡትን። እቲ ዝብዝሐ ህዝቢ ብሄረ ዓፋር፣ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ዝነብር። ህዝቢ ብሄረ ዓፋር ብቐዳማይ ደረጃ ዝሰርዖ ንኹሎም ህዝቢ ብሄረ ዓፋር ዝጠርነፈት ሃገረ ዓፋር ምቛም እዩ።

ካብኡ ሓሊፉ ግን ብሰንክ ግፍዕታት ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ህዝቢ ብሄረ ዓፋር ምስ’ቲ ወገኑ ዝኾነ ህዝቢ ብሄረ ዓፋር ኢትዮጵያ ሓቢርካ ምምባር ካልኣይ ምርጭኡ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ክሳብ መሰል-ርእሰ-ውሳነ ዝኸይድ ሕቶ የቕርቡ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ ኣዋርሕ ኣብ ስደት ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር መንግስቲ ኣዉጆም ኣለዉ። እዚ ዘቖምዎ መንግስቲ ብምትብባዕን ባሮኸትን  መንግስቲ ኢትዮጵያ ድዩ ኣይኮነን ዝተፈልጠ ነገር የለን። እንተኾነ ግን ቀንዲ መደበሮም ኣብ ኢትዮጵያ ስለዝኾነን ኢትዮጵያ ስለትድግፎምን፣ ናይ ኢትዮጵያ ምትብባዕን ባሮኸትን ከይሃለዎ ኣይተርፍን እዩ ተባሂሉ ይግመት።

ኢትዮጵያ ምስ ናታ ናይ ዓፋር ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ነጻ ሃገር ክትከዉን ኣይክትግፍን እያ። ምኽንያቱ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ እንተ ድኣ ነጻ ሃገር ኴይና ናይ ኢትዮጵያ ዓፋር፣ ብዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ተደግፎም ናይ ምንጻል ሕቶ ከልዕሉ ተኽእሎ ኣሎ። ስለዚ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብን ረብሓኣ ንምሕላውን ነዞም ዝስዕቡ ስጉምታት ክትውስድ ትኽእል እያ፥

ሀ. ንዲምክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ብምድጋፍ፣ ንሰራዊት እቲ ምንቅስቓስ ከም ሽፋን ብምጥቃም፣ ንደንከልያ ምሓዝ። ዋላ እኳ እቲ ስራሕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ይስራሓዮ እቲ መጥቃዕቲ ብስም ሰራዊት ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ቀይሕ ባሕሪ ይካየድ። ኢትዮጵያ ንሰራዊት ምንቅስቓስ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ከም ሽፋን ክትትቀመሉ ዘገድዳ ምኽንያት ቀጥታዊ ምትእትታው ኣብ ጕዳይ ኤርትራ ገይርኪ ብዝብል ጠንቂ ንዘወርዳ ኣህጕራዊ ኵነነ ንምውጋድ ግን የገልግላ እዩ።

ለ.ብቐጥታ ምምሕዳር ደንከልያ ነቲ ኣብ ወጻኢ ዝቖመ መንግስቲ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ይወሃብ።

ሐ. መንግስቲ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ብረፈረንደም ኮነ ብዘይ-ረፈረንደም ነጻ ሃገር ይእውጅ ወይ’ውን ምስ ኢትዮጵያ ይሓብር። ኢትዮጵያ ዋላ እኳ ንደንከልያ ከም ነጻ ሃገር ኣፍልጦ ዘይትህባ እንተኾነት፣ ምስ’ቲ ዘሎ ምምሕዳር ግን ጸጥታውን ወተሃደራውን ቈጠባውን ስምምዓት ብምፍራም፣ ነቲ ምምሕዳር ብወተሃደራዊ ሓይሊ ትካላኸለሉ፣ ንሳ ከኣ ብተዘዋዋሪ ንደንከልያ ከም ኣካል ኢትዮጵያ ገይራ ተመሓድራን ኣፍደገ ባሕሪ ትረክብን።

ኣብ ነሓሰ 2014 ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ከተማ ሰመራ፣ ክልል ዓፋር፣ ኢትዮጵያ፣ ዋዕላ ወዲቡ ነይሩ። ብ13 ነሓሰ ድሕሪ ምዝዛም ናይ’ቲ ዋዕላ እቲ ውድብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ንስርዓት ኢሳይያስ ካብ ስልጣን ንምእላይ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታቱ ክብ ከምዘብል ቃል ኣትዩ። እቲ ውድብ ኣብ መግለጺኡ ወተሃደርዊ ክንፊ እቲ ውድብ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ደልዲሉ ከምዘሎን ንስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ መጠነ-ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ንምክያድ ተዳልዩ ከምዘሎን ሓቢሩ። እቲ ውድብ ንድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኢሳይያስ ዘገልግል መሰል-ርእሰ-ውሳነ ዘፍቅድ ፈደራላዊ ቁዋም ንምንዳፍ ‘ውን ኣብ ምቅርራብ ከምዝርከብ ገሊጹ።

ካብ መግለጺ ምንቅስቓስ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ንግንዘቦ ነገር እንተልዩ፣ እቲ ዝተዋህበ መግለጺ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ዘይኮነስ ሓቂ ምዃኑ እዩ። ምኽንያቱ ብኽንድኡ ዝኣክል ርእሰ-ተኣማማንነት ክሳብ ቁዋም ምንዳፍ ዝኸይድ መደብ ሓንጺጹ ምህላዉ ምግላጹ ኣብ ጭቡጥ ነገር ዝዛረብ ዘሎ የምስሎ። እሞ ነዚ ንምግባር ዘድሊ ዓቕሚ እቲ ውድብ ኣለዎ ድዩ?

ኩላትና ከምንፈልጦ እቲ ውድብ ዓቕሚ የብሉን። ስለ’ዚ እቲ ዓቕሚ ካበይ እዩ ክረኽቦ? እዚ ድማ ምስ ሓበሬታ ቐዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣጣምርካ ክርአ እንከሎ፣ ብናተይ ገምጋም ካብ ኢትዮጵያ ጥራይ እዩ ከመጽእ ዝኽእል። ስለ’ዚ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ከምኡ ዓይነት መደብ ከውጽእን መግለጺ ክህብን ከሎ ኣቐዲሙ ምስ ኢትዮጵያ ነቲ ዝድለ ዓቕሚ ንምርካብ ዝበጽሖ ናይ ሓባር ስምምዕን ዉጥንን ኣለዎ።
  
ካልእ’ውን ናይ ብሄረ ኵናማ ጕዳይ ኣሎ። ህዝቢ ብሄረ ኵናማ ኣብ ኤርትራን ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ማለት ክልል ትግራይ ኣብ ክልተ ሃገራት ተኸፊሉ ዝነብር ህዝቢ እዩ። ብሄረ ኵናማ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኤርትራ ይነብር። መሬት ኵናማ ብመዕቀንታት ኤርትራ እቲ ዝሃብተመን ዝለምዐን መሬት ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ሰፊሕ ከባብታት ናይ’ዚ ከባቢ እዚ ካብ ከበሳ ብዝፈለሱ ደቂ ብሄረ ትግርኛ ተገቢቱ ይርከብ። እዚ ከባቢ እዚ ካብ ቆላታትት ኤርትራ ብጻዕቂ ህዝቢ ዝተፈልጠ ከባቢ እዩ። ህዝቢ ኵናማ ብሰንክ ብሰውራ ኤርትራ ኣብ ልዕልኡ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ምሕዝነቶምን ቅርበቶምን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ ኮይኑ ጸኒሑ።

ድሕሪ ምንጻል ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ’ውን እንተኾነ ብስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኵናማ ዝፍጸም ግፍዕታት ስለዝገደደ፣ ዝበዝሐ ህዝቢ ኵናማ ምስ ኢትዮጵያ ክኸዉን ከም ዝደሊ እግመት። ስለ’ዚ ብተማሳሳሊ መንገዲ ከም ብሄረ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ትሕቲ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኵናማ ዝበሃል ዕጥቃዊ ውድብ ተጠርኒፉ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግደፍ ይቃለስ ኣሎ። ህዝቢ ኵናማ መሬቱ ብኻልኦት ተወረሩን ተመንጢሉን ዝብል ቅሬታን ቍጥዐን ኣለዎ፥ ብፍላይ ድማ ብብሄረ ትግርኛ። ከምኡ እውን ንስርዓት ኢሳይያስ ናይ ትግርኛ ስርዓት እዩ ዝብል ኣመላኻኽታ ስለዘለዎ ነቲ ብስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕልኡ ዝፍጸም ግፍዕታታ ብብሄረ ትግርኛ ከም ዝፍጽም ገይሩ ይቘጽሮ።

ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኵናማ ሓደ ካብ’ቶም ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘለዎምን ኣንጻር ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ባይታ ዝቃለሱ ዘለዉ ውድባትን ኤርትራ እዩ። ኢትዮጵያ ከኣ ነዚ ውድብ’ዚ ከም ሽፋን ተጠቕማ ነቲ ቦታ ክትቆጻጸሮ ትኽእል እያ። ብተማሳሳሊ መንገዲ ምስ ኵነታት ደንከልያ፣ ህዝቢ ኵናማ  ካብ ኤርትራ ክንጸል ይኽእል እዩ። ኢትዮጵያ ከም ነጻ ሃገር ኣፍልጦ ከይሃበት ምስ ህዝቢ ኵናማ ክትሰርሕ ትኽእል።

ኵናማ ናይ ባዕሎም መንግስቲ ኣቝሞም ርእሶም ኣብ ዘመሕድሩሉ ኵነታት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ምስ መንግስቲ ኵናማ ወተሃደራውን ጸጥታውን ቁጠባውን ስምምዓት ብምግባር ነቲ ከባቢ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ከተማሓድሮ ተኽእሎ ዘየለ ኣይኰነን። መሬት ኵናማ ናብ ናይ ዕደና ቦታ፣ ቢሻ ቅርበት ስለዘለዎ፣ ነቲ ስርዓት ኢሳይያስ ወርቅን ካልኦት ማዕድናትን ዝግሕጦ ዘሎ ሃብቲ ንምንጻፍ ዓቢ ተራ ኣለዎ።

ኣብ’ዚ እቲ ኵነታት ካብ ናይ ደንከልያ ፍልይ ይብል እዩ። ኣብ ደንከልያ ዳርጋ ውሑዳት ኣብ ከተማ ዓሰብ ዝነብሩ ደቂ ካልኦት ብሄራት ገዲፍካ፣ ኩሎም ነበርቲ እቲ ኣውራጃ ብሄረ ዓፋር እዮም። ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኤርትራ ግን እንተላይ ትግርኛ እዮም ዝነብርዎ። ስለዚ እቲ ሒዞሞ ዘለዉ ቦታታት ቅድሚ ዓስርታት ዓመታት ካብ ከበሳ ብምፍላስ ዝሰፈረዎ እዩ። እዚ ቦታታት እዚ ብዂናማ ምስ ዝመሓደር ህዝቢ ብሄረ ትግርኛ ብዂናማ ክዋሰኑን ረብሕኦም ክጕዳእን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ጸግዕን ምክልኻልን ኢትዮጵያ ናይ ግድን እዩ ዘድልዮም። ስለ’ዚ ፈትዮም ጸሊኦም ምስ ኢትዮጵያ ክትሓባበሩን ክሰማምዑን ኣለዎም። እትዮጵያ ከኣ ንኽልቲኦም ስለትመልኽን ተስምዕን ሰላምን ስኒትን ናይ’ቲ ከባቢ ናይ ምሕላው ዓቢ ሓላፍነትን ዓቕምን ኣለዋ።

ከም’ዚ ዓይነት ኵነታታት ከኣ ንነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢ ዝፈጥሮ ካልእ ረብሓ ኣሎ። ክሳብ ምውላዕ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ 1998፣ ህዝቢ ደቡባዊ ምዕራብ ኤርትራ ምስ ቁጠባ ኢትዮጵያ ተለጢፉ እዩ ዝነብር ነይሩ። ጥሪት ናይ’ዚ ከባቢ ናብ ዋልቃይት እንዳሳገማ እየን ዝጓሰያ  ነይረን። እንተኾነ ግን ካብ ምውላዕ እቲ ኵናት ክሳብ ሕጂ እዋን ህዝቢ እቲ ከባቢ ካብ ናይ መጓሰ ቦታኡ ተሓሪሙ፣ ዓቢ ቁጠባዊ ጕድኣት ወሪድዎ፥ ኣብ ሽግር ወዲቑ ይርከብ። ሕጂ እንተድኣ ኢትዮጵያ ብተዘዋዋሪ ነቲ ከባቢ ኣመሓድራቶ፣ ነጻ ናይ ህዝቢ ካብን ናብን ኢትዮጵያ ክህሉ ስለዝኾነ፣ ነበርቲ እቲ ከባቢ ስኢነሞ ዝነበሩ ናይ መጓሰ ቦታታት ዳግማይ ክርኽብዎ እዮም።

ብሓፈሽኡ ኢትዮጵያ ንብሄረ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ኵናማን ካልኦት ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዳ ውድባትን ሒዛ ንስርዓት ኢሳይያስ ካብ ስልጣን ንምእላይ ምቅርራባታ ዝወድአት ትመስል። ሓቂ እዩ ስርዓት ኢሳይያስ ፈሪሑ ባህርያቱ ምስ ዝቕይር ኢትዮጵያ ስትራተጅኣ ክትቅዪር ትኽእል እያ። እዚ ሕጂ ሒዝዎ ዘሎ ኣዕናዊ መስመር ሒዙ እንተድኣ ቀጺሉ ግን መጥቃዕቲ ኢትዮጵያን ውድቀት ስርዓት ኢሳይያስን ዘይተርፍ እዩ። ስለ’ዚ ናይ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ክረምቲ ሓሊፉ መሬት ምስ ነቐጸ እዩ ክኸውን ዝኽእል። እዚ ከኣ ኣብ ክራማት ሎጂስቲካዊ ዕንቅፋት ስለዘጋጥም እዩ።   
           
            =ተፈጸመ=
ሙሴ ሓድጉ


ምንጪ፣




4.   https://www.google.com/search?q=image+of+isaias+afewerki&biw=1280&bih=671&tbm=isch&tbo=u&source=univ&sa=X&ei=CRgoVKyfCMTnyQP1_oGYDg&ved=0CDcQ7Ak

No comments:

Post a Comment