ብሙሴ ሓድጉ
ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል
መጥቃዕቲ ኢትዮጵያ ብጋህዲ፥
1. ዘይተመጣጠነ ወተሃደራዊ ሚዛን፡
ሰራዊት ኤርትራ ካብ’ቲ 1998-2000 ኢትዮጵያ ዝወረዶ ስዕረት ኣይሓወየን። ኣይሓወየን
ጥራይ ዘይኮነስ፣ ከም’ቲ ኣቐዲሙ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተጠቕሰ፡ ኣብ’ዘን
ዝሓለፋ 14 ዓመታት ሰለሎ ኣትዪዎ እዩ። እቲ ብቐደሙ’ውን ልኽሱስ ሓይሊ-ኣየር-ኤርትራ፣ ሕጂ ጠሪሹ ዓንዩን ጠፊሹን እዩ። ኣብ
ግዜ ኲናት ክወሳወስ ይኽእል’ዩ ኢልካ ምሕሳብ እውን ዘይክውንነታዊ እዩ።
ብመንጽር ኵነታት ሰራዊት ኤርትራ ክርአ ከሎ፣ ድሕሪ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ
ብኣጽዋር ኮነ ብዓቕሚ-ሰብ ኣብ ቀጻሊ ምምዕባልን ምሕያል ዓቕምን ብቕዓትን እዩ ጸኒሑ። ብፍላይ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እዩ ዝስራዕ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሞራሉን ስሙር መሳርዑን ይርከብ።