Friday 7 November 2014

ኤርትራውያን፡ መሃይማን ታሪኽ ዶስ ከሓድቲ ሓቅታት?! ብሙሴ ሓድጉ


1ይ ክፋል

መቸስ ሰውራ ኤርትራን ስርዓት ኢሰያስን ካብ’ቲ ኣካልዊ ግፍዕታታትን ስቓይን ከምኡ’ዉን ቆጠባዊ ዕንወት ንላዕሊ፥ ኣብቶም ረቀቕትን ዘይድህሰሱን ዓንድታት ሕብረተሰብ ዘውረዶ ዕንወትን ሓድግታቱን ይዓቢ። ኣብ ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ያታ፣ ልምድታትን ወግዕታትን ህዝቢ ኤርትራዝተፈጸመ ገበናት ንወለዶታት ዝኽይድ ሳዕቤን ዘለዎ እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ነቲ ብሰውራ ኤርትራን ስርዓት ኢሰያስን ብተጋጋሚ ዝተነግሮ ዉጹእ ሓሶት ከምሓቂ ብምቝጻር ወላ እቶም ነቲ ስርዓት ንቃዎሞ ኢና ዝብሉ ናይ’ቲ ስርዓት ናይ ኣእምሮ ግዙኣት ኮይኖም ንረኽቦም። ካብ ኣካልዊ ባርነት ከኣ ኣእምራዊ ባርነት ይኸፍእ። ኣእምራዊ ሓርነት ከይተረጋገጸ ድማ ኣካልዊ ሓርነት ክረጋገጽ ዘበት እዩ።

ካብ’ቲ ዘሕዝን፣ ምሁራትን ጸሓፍትን እኳ ዝኾነ ምርምርን መጽናዕትን ከይገበሩ ኣብ’ቲ ብሰውራ ኤርትራን ስርዓት ኢሰያስን ዝተማህዘ ጽዉጽዋይ ታሪኽን ፕሮፖጋንዳን ተመርኩሶም ዝምቡዕ ታሪኽን መረዳእታታን ይህቡ። ሓቂ ይሕይሽ ገለ ወገናት እኳ ኮነ ኢሎም ብፍላጥ ነቲ ዝደለይዎ ዕላማ ምእንቲ ክወቕዑ ሓቅታት ናይ ምዕባጥን ታሪኽ ናይ ምዝንባዕን መገዲ እዮም ዝኽተሉ። ንፍጻመታት ኣብ ክንዲ ብምልኣት፣ ቈናጭሎምን መራሪጾምን ብምውሳድ፣ ነቲ ዝዓበየ ሓቅን ቁም-ነገሩን ትሕዝትኡን ብምብላልን ምሕባእን ንህዝቢ ኣብ’ቲ ናይ ጥፍኣት መስመሮም ንኸሰልፉ ይጽዕቱ።

እስከ ከም መበገሲ ክኾነና ነዛ ብኣቶ ሰላምይንገስ ደባስ ዝተጻሕፈት ጽሕፍቲ ንመልከት። ‘ብምንባበይ ዝተጣዓስኩላ መጽሓፍ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ እታ ብመምህር ገብረኪዳን ደስታ ዝተጻሕፈት፣ ‘እምብታ ንወረርቲ’ እትብል መጽሓፍ ርእይትኡ ኣቐሚጡ ኣሎ። ኣነ ነታ መጽሓፍ ስለዘይንበብኩዋ፣ ኣብ ትሕዝቶኣ ዝህቦ ርእይቶ የብለይን። ኣብ’ቲ ብኣቶ ሰላምይንገስ ዝተዋህበ  ርእይቶ ግን ርእይቶይ ክህብ። ንምክትታሉ ንኽትጥዕመና ንጽሑፍ ሰላምይንገስ ቃል-ብቓል፣ ሕጥቦ- ጽሑፍ- ብሕጥቦ-ጽሑፍ ንከታተሎ።

ኣቶ ሰላምይንገስ ከምዚ ክብል ጽሒፉ፦
‘….ሃጼ ምንሊክ ምስ ግብጻውያን እንግሊዛውያንን መኺሩ። ካብ ውሽጢ ሃገሩ መንጭዩ ንዝፈስስ ማይ ብዲጋ መልክዕ ከይትዓግት ንሕና  ማይ ክንስእን ኢና ህዝቢ ግብጺ መታን ከይጠሚ ፈርም ጥብ ዝበለት ማይ ትኺድ ንግብጻ ኢልካ ፈርም ኢሎሞ ፈሪሙ። ማዕረ ክንደይ ዓሻ ከምዝነበረ ምግማቱ ኣየጸግመናን። Struggle over the Nile ዝብል ኣብ መደበር ተለቢጅን ኣልጀዚራ ዝተገብረ ትንታኔ ዜና ብዙሕ ግዜ ደጋጊመ ሰሚዔዮ ክሳብ ሕጂ ውን ይገርመኒ  ኣብ ሃገርካ ዲጋ ንከይትሰርሕ  ፈርም ኢሎሞ ፈሪሙ ሕማቕ ታሪኽ። ‘

ሓቂ እዩ ሃጼይ ሚኒሊክ ንማይ ሰማያዊ ኒል ዝምልከት ኣብ 1902 ምስ መንግስቲ እንግሊዝ ስምምዕ ፈሪሙ ነይሩ። ዓንቀጽ 3 ናይ’ቲ ስምምዕ ከም’ዚ ይብል፦
‘ጃንሆይ ሃጼይ ሚኒሊክ፣ ንጉሰ ነግስቲ ዘኢትዮጵያ፣  ብዘይካ ምስ ጃንሆይ መንግስቲ ብሪታንያን መንግስቲ ሱዳንን ብምስምማዕ፣ ንዋሕዚ ማይ ሰማያዊ ኒል ኮነ፣ ቀላይ ጣና ወይ ‘ውን ፈለግ ሶባት ዘቋርጽ (ደው ዘብል) ዝኾነ ስራሕ ከይሰርሕ ወይ ምስራሕ ከየፍቅድ ምስ ጃንሆይ መንግስቲ ብሪታንያ ይሰማማዕ።’

ስለ’ዚ ዓንቀጽ 3፣ ምስ’ቲ ሰላምይንገስ ንስምምዕ ሰማያዊ ኒል ኣመልክቱ ዘቕረቦ ዝተፍልየ ትሕዝቶን ትርጉምን እዩ ዘለዎ። ባዕልኻትኩም ኣንበብቲ ክትፈላልይዎ ትኽእሉ ኢኹም። ግድብ ኣይትስራሕን ንዋሕዚ ናይ’ቲ ፈለግ ደው ዘብል ግድብ ኣይትስራሕን ወይ’ውን ክስራሕ ኣይተፍቅድን ክልተ በበይኑ ነገራት እዩ። ነቲ ማይ ኣይትጠቐመሉ ኣየስምዕን እዩ።


ከምኡ ድማ ንዋሕዚ ናይ’ቲ ፈለግ ወይ ቀላይ ደው ዘየብል እንተዀይኑ ብዘይፍቓድ መንግስቲ እንግሊዝ ወይ መንግስቲ ሱዳን ግድብ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። ንዋሕዚ ናይ’ቲ ፈልግ ኮነ፣ ቀላይ ጣና ደው ዘብል ወይ ዘቋርጽ ስራሕ ምስ ዝኸዉን ግን መንግስቲ እንግልዝ ወይ መንግስቲ ሱዳን ምስ ዝሰማምዑ ጥራይ እዩ። በቲ ጊዜ እቲ መንግስቲ ሱዳን ዝበሃል ዘሎ ‘ውን እቲ ንሱዳን ዘመሓድር ዝነበረ ምምሕዳር እንግሊዝ ማለት እዩ።

ስለ’ዚ ንናይ ሰላምይንገስ ጥራይ ኣንብቡ ዝኸይድ ኣንባቢ ጌጋ ሓበሬታ ሰኒቑ እዩ ዝኸይድ። ካልእ እውን እቲ ስምምዕ ብባይቶ ኮነ ካልእ ንባይቶ ዝማሳሰል ኣካል ክጸድቕ ነይሩዎ። ክሳብ ሕጂ ግን ኣይጸደቐን። ነዚ’ውን ሰላምይንገስ ኣይጠቐሶን። ኣነ ሃጼይ ሚኒሊክ ከም’ዚ ዓይነት ስምምዕ ‘ውን እንተኾነ ክፍርም ነይርዎ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ሰላምይንገስ ትኽክል ሓበሬታ ክጽሕፍ ነይርዎ እየ ዝብል ዘለኹ።

ሰላምይንገስ ዓበይቲ ኣቦታት ልቢ ትግራይ ጠዋይ እያ ኣይትርከብን እያ፥ ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ኣብ መገዲ ከረን - ኣስመራ ዘሎ ጥዉይዋይ መገዲ ልቢ ትግራይ ተሰይሙ ኢሎምኒ ድሕሪ ምባል፣ ከምዚ ይብል፦

“ሃጼይ ዮውሃንስ ንራእሲ ኣሉላ እንታይ ኢሉዎ ይመስለካ ኢሎሙኒ ጎይታይ ኣይቀትልኹምንዮም ከምዘይቀትሎ ድማ ምሒልካ ጥሒልካ ኣምጸኣዮ ኢሎሙኒዮም  ስለዚ ይምሕለልኩም  እኒኤኹ  ኢሉ  ምሒሉሎም። ኤርትራዊ ጉሩህ እዩ ስለዚ ድማ ወልደሚካኤል ሰሎሞን ከይደሞም ኣሚነሞም ኣብ ኢድ ሃጼይ ዮውሃንስ ምስ ኣተዉ ግን ቀቲሎሞም ኢሎም ኣዘንትዮሙለይ። ነዚ መም ገብረኪዳን ብፍጹም ክዝክሮ ኣይደለየን ጎስዩዎ ሓሊፉ። ንኤርትራዊ ደኣ እላመሓልካ እላጠሓልካ ኢካ ተታልሎ እምበር ብስሩ ኣይከኣልይ ይብሉ ደቂ ትግራይ።

እዛ ሰላምይንገስ ራእሲ ኣሉላ
‘ምሒሉ ጥሒሉ ንራስ ወልደምክኤል ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎ’ ትብል ብሂል ካብ ሓቂ ዝረሓቐት ውጽእቲ ሓሶት እያ። እዚ ዛንታ እዚ በዓል ሻዕብያ ከም መሽረፊ ጽልኢ ዝጥቀምሉ ፕሮፖጋንዳ እዩ። ሰላምይንገስ እኳ ንሻዕብያ ብእመት ይሓልፎም እዩ። ረቂቕ ሓሳዊ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሻዕብያ በቲ ግዜ እቲ ኤርትራ ዝበሃል ስም ከምዘይነበረ ይዕርዮም ስለዝፈልጡ፣ “ል’ሓማሼናይ እላማሓልካ እላጣሓልካ…” እዮም ዝብሉ። ሰላምይንገስ ግን “ንኤርትራዊ እላማሓልካ እላጠሓልካ…” ይብል።

ራስ ወልደሚካኤል ፈሪሑን ርዒዱን ባዕሉ ሽማገለታት ልኢኹ፣ ለሚኑ ምሕረት ንኽግበረሉ እዩ ኢዱ ዝሃበ። ምሕረት ተገይሩሉ ከብቕዕ ግን ብምስጢር ምስ ግብጺ ይተሓባበርን ኣጽዋር ሓቢኡ ዝብል ክሲ ኣብ ዓዲ ተኽላይ፣ ብኤርትራውያን ቀሪብሉ፥ ብመሰኻኽር ተረትዑ እዩ ንማእሰርቲ ተፈሪዱ።

እንተኾነ ነዊሕ ከይጸንሐ ከኣ ምሕረት ተገይሩሉ ኣብ ዓድዋ ሓዳር መስሪቱ ብኽብሪ ይነብር ነይሩ። ከም ሓቂ ተዓቝቡ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባብኡ ብዙሕ ግፍዓታትን ህልቂትን ስለዝፈጸመ ብደም እዩ ዝድለ ነይሩ። እንተተመሊሱ ከይቅተል ፈሪሑ ከኣ ኣብ ትግራይ ተዓቝቡ ወሊዱ-ዘሚዱ ይነብር ነበረ። ሰላምይንገስ እሞ ኸኣ ልዕሊ እቲ በዓል ሻዕብያ ዘዘንትውዎ ብምኻድ፣ ሃጼይ ዮውሓንስ ንራስ ወልደሚካኤል ከምዝቐተልዎም የዘንቱ። ነዚ ሓቂ እዚ ክትፈልጥ እንተደሊኻ ንመጻሕፍቲ
“መረብ ምላሽ”“ካብ ኤርትራ ክሳብ ኢትዮጵያ” ከምኡ’ውን “ዛንታ ጸዓዘጋን ሃዘጋን” ተወከስ።

እስከ ካብ “ዛንታ ጸዓዘጋን ሃዘጋን” ብዛዕባ ራስ ወልደንሚካኤል ዘዘንትዎ ጽሑፍ ቍንጭል ኣቢለ ከቕርበልካ። ዛንታ “ሃዘጋን ጸዓዘጋን” ኣብ 1912 ብሽወደናዊ ዮሃንስ ኮልሞዲንን ባህታ ተስፋሃንስን እዩ ተጻሒፉ። ቅዲ ኣጸሓሕፍኡ ካብዚ ናይ ሎሚ ኣጸሓሕፋ ፍልይ ስለዝብል፣ መበቆላውነት ንምሕላው ከምዘለዎ ከቕርቦ እየ። ልክዕ ገለ-ገለ ቃላት በቲ መበቆላውነት ምጽሓፍ ምስ ዝኣብየኒ ከመሓይሾ እየ።
ቍንጫል ትሕዝቶ ተቛደሱ!!!
‘..ራእስ፣ ባይርኡ፣ ናብ፣ ሐማሴን፣ ሰፈሩ።
ኣብ፣ መንጉኡ፣ ድማ፣ ሐጸይ፣ ዮሀንስ፦ ንራእስ፣ ባይርኡ፣ ንሐማሴን፣ ሰደድዎም። ሽዑ፣ ንሶም፣ ከአ፣ ሰራዊት፣ ሰዲዶም፣ ብቕነ፣ ቐውዒ፣ ኽሳዕ፣ ዐዲ፣ ንኣምን፣ ኣዝመትዎ። ካብኡ፣ ሐጋይ፣ ምሉእ፣ ኣጸቢቖም፣ ተዳለዉ፤ ደሐር፣ ብዐየት፣ ባዕሎም፣ ከቲቶም፣ ኣብ፣ ሐማሴን፣ መጹ። እቶም፣ ስድራ፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ከኣ፦ ምምጻእ፣ ራእስ፣ ባይርኡ፣ ምስ፣ ሰምዑ፦ ኣብ፣ ጐይትኦም፣ ተመልሾም፣ ወረዱ፤ ራእስ፣ ባይርኡ፣ ኸኣ፣ መጺኦም፣ ቤት፣ ምኻእ፣ ሰፈሩ። አብኡ፣ ኸለዉ፣ ኸአ፦ “ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ መጹኹም፦” እንተልዎም፤
“ኣነ፣ አባ፣ ጋላ?
ኣነ፣ ይመጾ፣ እምበር፣ ይመጸንዶ?” ይሎም፣ ፈከሩ። ኣብ፣ ልዕሊኡ፣ ኸኣ፣ ፊተውራሪ፣ ገብረ-ኣብ፣ ወዲ፣ብላታ፣ ገረ-መድህን፣ ብሽም፣ ጸዓዘጋ፦ “ንዑ፦ ኣይንዋጋእ፤ ካብኡ-ኻብኡ፣ ንሕና፣ ብሰላም፣ ዐድና፣ እንአቱ፣ መሰለና፣ እምበር፤ ምስ ወልደንኪኤል፣ ንዋጋእ፣ ይልና፦ ኣይሓሰብናን፦” ይሉ፣ ኣመተሎም። ነሶም፣ ግና፦ “ትም፣ በል፤ ኣይትፍራህ፤ ብሐቅዶ፣ ወልደንኪኤል፣ ምሳይ፣ ዝዋጋእ፣ ዝኽእል፣ ይመስለካ?” ይሎም፣ ነታ፣ ዘረብኡ፣ ኣቋናጸብዋ።
    
ራኣስ፣ ወልደንኪኤል፣ መጹ።
ራእስ፣ ወልደንኬል፣ ከኣ፤ ወረ፣ ምጕዓዝ፣ ራእስ፣ ባይርኡ፣ ምስ፣ ሰምዑ፦ ዘሎ፣ ሰራዊቶም፣ ኣኪቦም፦ ዝወሰኹ፣ ወሲኾም፣ ተለዓሉ። ሽዑ፦ “ኣብዚ፣ ኣለዉ፦” ከይተባህለ፣ ጥራይ፦ ካርነሽም፣ በጽሑ።
ንሰራዊቶም፣ ኵሉ፦ “ኣይትፈክሩ፦ ኣይትጨድሩ፦ ኣይትዛረቡ፤ ኣብኣ፣ ኸሎ፦ መታን፣ ሐደጋ፣ ኽንወድቆ፦” የልዎም።
ድሕርት፣ ሰኑይ፣ ንግሆ፦ ብገስጋስ፣ ካብ፣ እምባ-ደርሆ፣ ምስ፣ ተበገሱ፦ ሓደ፣ ሰብኣይ፦ በዓል፣ ዐደኰሎም፦ “ላለ፣ ላለ፦ ላለ፣ ላለ፦” የለ። እቶም፣ ሰባት፣ ድማ፦ “ትም፣ በል፦ ትም፣ በል፦” የልዎ። ራእሲ፣
ግና፦ “ሕደግዎ፦ ይግበር፦” የሉ። ሽዑ፣ እቲ፣ ሰብኣይ፣ ከምዚ፣ ይሉ፣ መልኦ፤
“ሰኑየ-ሰኑይ፦ ሰኑይ፣ ወክ-ድባ፣
ድራርዶ፣ ትኸልእ፦ ምሳሕ፣ ሂባ?”
ራእሲ፣ ኸኣ፦ እዝኣ፣ ምስ፣ ሰምዑ፦ “ኣጆኻ፤ በቕሊ፣ ኽህበካ፦” ይሎም፣ ኣተስፈውዎ።

ዉግእ፣ ቤት፣ ምኻእ።

ራእስ፣ ባይርኡ፣ ድማ፦ ምምጻእ፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ርግጽ፣ ምስ፣ ፈለጡ፦ ተሎ፣ ይሎም፣ ብታህዋኽ፣ ሰቦም፣ ኣኽተቱ። ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ከኣ፣ ኣንጊሆም፦ ብዐድ-ንፋስ፣ ኣቢሎም፦ ንቤት፣ ገርግሽ፣ ጸጋም፣ ጌሮም፦ ጸሓይ፣ ሐዚሎም፣ መንጎ፣ ኣስመራን፣ ቤት፣ ምኻእኒ፣ ገጠሙሎም። ኣብኡ፦ ሰኑይ፣ መዓልቲ፣ ብወርሒ፣ ጕምበት፦ በዓል፣ ቅዱስ፣ ምንኪኤል፦ ተዋግኡ።

ሽዑ፦ ራእስ፣ ወልደንኬል፣ ኣብ፣ ዝባን፣ ፈረስ፣ ኰይኖም፣ ክፍክሩ፣ ኸለዉ፦ ፊተውራሪ፣ ገብረ-ኣብ፣ ኣብ፣ ማእከል፣ ሰልፊ፣ ኣትዩ፣ ንኦም፣ ዝደለዮም፦ ንፈረሶም፣ ተኵሹ፣ ኣውደቖ።  እንተኾነ፣ ስድራ፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ክደፍኡ፣ ምስ፣ ረኣዩ፣ እቶም፣ ኣብኡ ዝነበሩ፣ ሰብ፣ ጸዓዘጋ፣
ተመን፣ ዝርኤ፦
ብልሕጺ፣ ተዳሕለ፦

ከም፣ ዝበሀል፦ ንሳቶም፣ ቅድሚ፣ ዅሉ፣ ሀደሙ። ራእስ፣ ባይርኡ፣ ኣብ’ቲ፣ ዉግእ፣ መቱ፤ ምስኦም፣ ድማ፣ ብዙሓት መዃንንቶምኒ፣ ወትሀደሮምኒ፣ ናብኡ፣ ወደቑ። ኣይተ፣ ገረስላሰ፣ ኸኣ፤ በዓል፣ ጽዕዳ-ኽስታን፣ ወዲ፣ ኣይተ፣ ኣስገዶም፤ ምስኦም፣ ኣብ፣ ኵናት፣ ዉዒሎም፣ ኣብኣ፣ ሞቱ። ዘይተማረኸ፣ ኻብ፣ ስድራ፣ ራእስ፣ ባይርኡ፣ ንትግራይ፣ ሀደሙ። --

ራእስ፣ ወልደንኬል፣ ከኣ፤ “ንዅሉ፣ እዚ፣ ሬሳታት፣ ብጀካ፣ ናይ፣ ራእስ፣ ባይርኡ፤ ቅበርዎ፤” ይሎም፣ ኣወጁ። ሬሳ፣ ራእስ፣ ባይርኡ፣ ግና፤ ድራር፣ ኣዛብእ፣ ክኸውን፤ ገደፍዎ። ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ እዚ፣ ዝገበሩ፤ ራእስ፣ ባይርኡ፣ ቐደም፣ ንወዲ፣ ሐብቶም፦ ንባሕር-ነጋስ፣ ወልደስላሰ፣ ቐቲሎም፣ ኣይቀበርዎምኒ፤ እሞ፤ ሕነ፣ ወዲ፣ ሐብቶም፣ ክፈድዩ፣ ይሎም፦ እዮም። እንተኾነ፣ ወዶም፣ ደግያት፣ መስፍን፣ ነቡኡ፣ ኸየስምዔ፦ ሐቢኡ፣ ብለይቲ፣ ነቲ፣ ኻብ፣ ኣዛብእ፣ ዝተረፈ፣ ሬስኦም፣ ቀበሮ።

     ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ኣብ፣ ሀዘጋ።
ራእሲ፣ ኸኣ፣ ድሕሪ፣ እቲ፣ ውግእ፣ ኣብ፣ እምባ-ደርሆ፣ ሰፊሮም፣ ኔሮም፤ ደሐር፣ ግና፣ መራጕዝ፣ ከይዶም፣ ማዕድያ፣ እተባህለት፣ ዐዲ፣ ኸረሙ። ካብኡ፣ ሐያሎ፣ ወትሀደሮም፣ ክሳዕ፣ ዐደርባዕተ፣ ወረሩ፤ ሰብ፣ ዓድዋ፣ ኸኣ፣ ፈሪሆም፣ ሕምጅቝጅቕ፣ ይብሉ፣ ነበሩ። ድሕርዚ፣ መስቀል-ብራቕ፣ ንዐዶም፣ ተመለሱ።
በቲ፣ እዋንቲ፣ ንራእስ፣ ወልደንኬኢል፣ ዘመሩሎም፦ ከምዚ፣ ይሎም፤
          ወዲ፣ ሰለሙን፦ በዓል፣ ነፍስ-ዕዳ፣
          ቀታል፣ ሽሬ፣ ምስ፣ ኰኹበ-ልዳ፣
          ዐሰርተ፣ ነጋሪት፦ ዕስራ፣ ቓንዳ፣
          ኣውዲቕካዮ፣ ኣብዛ፣ ዐባይ፣ ሜዳ።

ከምኡ፣ ኸኣ፣ ትርኵ፦ ነዚ፣ ዅሉ፣ ምስ፣ ሰምዔ፦ ተሕጕሹ፣ ሓደ፣ ጋማ፦ ራእስ-ወርቂ፣ ዝበሀል፦ ንራእሲ፣ ዝበቅዕ፦ ሰደድሎም። በዚ፣ እዋንዚ፣ ኸኣ፣ ንቤተኽስያን፣ ሀዘጋ፣ ኽሕድስዎ፣ ጀመሩ። ከምኡ፣ ድማ፣ ሽዑ፣ ንርእሶም፣ ሓደ፣ ጽቡቕ፣ ቤት፣ ሰርሑ። ነቶም፣ ጐደቦታቶም፣ ከኣ፦ ንሚናብ-ዘርኣይ፣ ብዘሎን፣ ከምኡ፣ ድማ፣ ኻልኦት፣፦ “ንዑ፣ ንዐደይ፣ ኣዐምሩለይ፦” ይሎም፣ ብግዲ፣ ናብ፣ ሀዘጋ፣ አከብዎም። ሽዑ፣ ድማ፣ ንሐያሎ፣ መዃንንቲ፣ ዝኸውን፣ ኣባይቲ፦ “ስርሑ፦” ይሎም፣ ንብሐማሴኑ፣ ኣዘዝዎ።

[ኣብዚ ትርኵ ዝበሃል ዘሎ ግብጺ እዩ። እንተኾነ ካብዚ እንርድኦ ነገር እንተሎ፣ ህዝቢ ከብሳ ነቲ ትርኵ ተኪኡ ኣብ 1920 ንባጽዕን ከባብኡን ዝተቋጻጸረ ግብጺ ከም ትርኵ እዩ ዝቖጽሮ ነይሩ ማለት እዩ። ወይ ከኣ በበይኖም ምዃኖም ኣይፈለጠን ማለት እዩ]።

ዕርቂ፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ምስ፣ ንጉስ።

ሐጸይ፣ ዮሀንስ፣ ከአ፦ ሞት፣ ራእስ፣ ባይርኡ፣ ምስ፣ ሰምዑ፦ ብኡ-ብኡ፣ ናብ፣ መኻኖም፣ ንሻለቃ፣ ኣሉላ፣ ርእስነት፣ ሸይሞም፣ ተክኡሎም። ሽዑ፣ ራእስ፣ ኣሉላ፣ ኻብ፣ ዐደምሓራ፣ ንትግራይ፣ መጺኦም፣ ንዅናት፣ ራእስ፣ ባይርኡ፣ ኵሉ፣ ናብኦም፣ ኣከብዎ። ከምኡ፣ ድማ፣ ብዙሕ፣ ሰራዊት፣ ኣኪቦም፦ ንራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ክዋግእዎም፣ ደለዩ።

ራእስ፣ ወልደንኬኢል፣ ከአ፦ እዚ፣ ወሬዚ፣ ምስ፣ ሰምዑ፦ ብዙሕ፣ ጨነቖም። ኣብ፣ ዐዶም፣ ብዙሕ፣ ስራሕ፣ ነበሮም፤ ካብ፣ ሐማሴን፣ ዝጠቅም፣ ሓገዝ፣ ከይረኽቡ፦ ሽዑ፣ ጥሜት፣ ወሪድዎም፣ ነበረ፤ ከም፣ ቀደሞም፣ ካብ፣ ትርኵ፣ ሐገዝ፣ ከየሳዝዩ፣ ኸአ፦ ትርኵ፣ ሸላ፣ ይሉ፣ ርእይዎም፣ ነበረ። በዚ፣ ምኽንያትዚ፣ ንራእስ፣ ወልደንኪኤል፦ የማን፣ እንተበሉ፣ ጸጋም፦ ላዕሊ፣ እንተ፣ ረኣዩ፣ ታሕቲ፦ መገምጠሊ፣ ሰኣኑ።
ሽዑ፦ “ጥበብ፣ ረኸብኩ፣፦” ይሎም፣ ልኡኻት፣ አብ፣ ራእስ፣ ኣሉላ፣ ንትግራይ፣ ሰዲዶም፦ ንራእስ፣ ኣሉላ፦ “ምስ፣ ንጉስ፣ ኰታ፣  ዕረቑኒ፦” ይሎም፣ ለመንዎም። ራእስ፣ ኣሉላ፣ ኸአ፣ ነቶም፣ ልኡኻት፣ ጽቡቕ፣ ጌሮም፣ ተቐቢሎም፦  “ይኹን፣ እምበይ፤ ምንታማ፣ ከፊኡ፤ ድንቂ፦ ድንቂ፦” ይሎም፣ መለሱሎም። ሽዑ፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ በዚ፣ ምላሽዚ፣ ተሐግጕሾም፦ ብቕነ፣ ታሕሳስ፦ “ክዕረቕ፣ እየ፦” ይሎም፣ ኣብ፣ ራእስ፣ ኣሉላ፣ ንትግራይ፣ ከዱ፤ እሞ፦ ምስኦም፣ ኣብ፣ ኣዅስም፣ ተራኸቡ። ራእስ፣ ኣሉላ፣ ኸአ፣ ብጽቡቕ፣ ተቐበልዎም፤ “በሉ፤ ኣነ፣ ኸሰንየኩም፤ ኣብ፣ ንጉስውን፣ ብደሐን፣ ከእትወኩም፤ እንታባኡውን፣ ብደሐን፣ ንገዛኹም፣ ክመልሰኩም፣ እየ፦” ይሎም፦ ተመሓሒሎም፦ ብሓንሳእ፣ ተተሓሕጆም፣ ኣብ፣ ንጉስ፣ ንዐደምሓራ፣ ኸዱ።

ንጉስ፣ ኸአ፣ ናብ፣ ደብረ-ታቦር፣ ሰፊሮም፣ ነበሩ፤ እሞ፦ ንራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ብብሩህ፣ ገጽ፣ ተቐበልዎም፤ ከም፣ ብሐቆም፦ “ምሒረካ፣ ኣሎኹ፦” ይሎም፣ ድማ፣ ተስፋ፣ ሃብዎም። ሽዑ፣ ኸአ፦ ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ተሐጕሾም፣ ንዐዶም፣ ክምለሱ፣ ኸለዉ፦ ብቕድሚኦም፣ ሐጸይ፣ ከምዚ፣ ይሎም፣ አዘዙ፤ “ነቱ፣ ርእስነትካ፦ ቅድሚ፣ ሎም፣ ናይ፣ ትርኵ፣ ነይሩ፣ እዩ፤ ደጊም፦ ኣነውን፣ አይከልአካን፤ አብኡ፣ ኸሎ፦ ይጥበቐልካ፦” ይሎም፣ መርቑሎም። ከምኡ፣ ኸአ፦ “ግዝኣት፣ መረብ-ምላሽ፣ ብትሕቲ፣ ራእስ፣ አሉላ፣ እህበካ፣ አሎኹ፦” ይሎም፣ አዛናግዕዎም። በዚ፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ እልል፣ ይሎም፣ ወጹ።

ይተካእ፣ ይለቀብ፦ ብድሕሪኦም፣ ንጉስ፣ ምስ፣ ራእስ፣ አሉላ፣ ተማሳጢሮም፣ ካልእ፣ ምኽሪ፣ ገበሩ።’

እምበኣር ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ፣ ራስ ወልደንኬኢል ስለዝፈርሐን ዝረዓደን እዩ ደኣ ባዕሉ ለሚኑ ተዓሪቑ እምበር፣ ብኸምቲ ሰላምይንገስ ዝጸወዮ ኣይኮነን ፍጻመ ዕርቂ ተፈጽሙ። ጻሕፍቲ ናይ’ዛ መጽሓፍ፣ ገና ፍጻመታት ብሩሱናቶም፣ ፈጸምቲ ታሪኽ ከኣ ብሂወት ከለዉ እዮም እቲ ሓበሬታ ካብ ኣንደበት ሰብ ዉዕሎን ናይ ዓይኒ መሳኽክርን ኣኪቦሞ። ሰላምይንገስ ግን ብሃውሪ እዩ ዘዘንቱ ዘሎ። ኣብዚ ከም ንግንዘቦ፣ ራስ ወልደንኪኤል መሳርሒ ናይቶም ኣብ ዉግኣት ጕንደትን ጕራዕን ብሰራዊት ሃጸይ ዮሃንስ ዘሕፍር ስዕረት ዝተሰከሙ ግብጻውያን ኮይኑ ተዓሲቡ ምንባሩ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ንሰራዊት ራስ ባይርኡ ምስ ሰዓረ ናይ ራስ መዓርግ ብግጻውያን ተሸለመ።

ሃጸይ ዮሃንስ ከኣ ንራስ ወልደንኪኤል ምሕረት ገበረሉን ነቲ ግብጻውያን ዝሃብዎ መዓርግ ራስ ኣጽደቐሉን/ጠበቐሉን። ኣብ ትሕቲ ራስ ኣሉላ ኣማሓዳሪ ግዝኣት ሓማሴን/መረብ ምላሽ ሸሞ። ራስ ወልደንኪኤል ምሕረት ብምርካቡን ምክትል ኣመሓዳሪ መረብ ምላሽ ብምሻሙን ዕልል በለ። ስለዚ ኣበይ ኣሎ ድኣ እቲ በዓል ሰላምይንገስ ምእንቲ ኤርትራ እዩ ዝቃለስ ነይሩ ዝብልዎ ምጕት?

ካልእ ካብዚ ዛንታ እዚ ንግንዘቦ ሓቂ ከኣ ጸዓዘጋ ኣብ ትሕቲ እዚ ራስ ባይርኡ ምስ ሰራዊት ሃጸይ ዮሃንስ ተሰሊፎም ምንባሮም እዩ። ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ኣሕጽር ኣቢሉ ሓሊፍዎ እምበር፣ ኣብቲ ካልእ መጻሕፍቲ ከምዘመልክቶ፣ ዓድታት ዓንሰባ፣ ዓዲ ተኽላይ፣ ዓዲ ገብራይ ኪድ ክሳብ ዓረዛ፣ ምስ እንዳ ደግያት ሃይሉ ወይ ከኣ ሰራዊት ሃጸይ ዮሃንስ እዮም ተሰሊፎም ነይሮም።

ነታ ዘይነበረት ኤርትራ ክፈጥር ህርድግ ዝብል ዘሎ ሰላምይንገስን መሰልቱን ንመረዳእታ መታን ክኾኖም፣ ዳብዳቤታት ራስ ወልደንኪኤል ናብ ሃጸይ ዮሃንስን ግብጻውያን ራጢብ ባሻን ዑስማን ባሻን ክልጥፎ እየ። ካብ ማሕተም ራስ ወልደንኪኤል ከም ንግንዘቦ፣ ሃገረ ሓማሴን እምበር ኤርትራ ዝብል ስም የለን። ደሓር ከኣ ንተቓውሞ ራስ ወልደንኪኤል ከም ሃገራዊ ሕቶ ዝመንቀሊኡ ገይርካ ምቕራቡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። ተቓውሞ ራስ ወልደንኪኤል ልክዕ ከምቲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ተርእዮ፣ ስልጣን ዝመበገስኡ ተቓዉሞን ሽፍትነትን እዩ።
                                                  ሙሴ ሓድጉ
ይቕጽል…

ደብዳቤታት - ራስ ወልደንኪኤል ናብ ሃጸይ ዮሃንስን ግብጻውያን ራጢብ ባሻን ዑስማን ባሻን፥



No comments:

Post a Comment