“Gabsékha gab gudek;
bteskha derekén fdekw” ይብሉ ህዝቢ ብሌን እንተረኸቡ። ቃል ብቓሉ፤ “ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ፡ ንሓመድ ድጒሪ የውጽኦ” ንምባል እዩ። እዚ ናይ ባር ‘ኣልባ ቢስትሮ’ ምስ ተዘከረ - ካልኦት ብዙሓት፥ ብሰንኪ ሽዳ ሳእነይን ወጅሃላይ ኣከዳድናይን ዝጐነፉኒ ኣጋጣሚታት ዘኪረ። “ዝጸፍዐ እኳ ዝደግም!” እዩ እሞ፥ በዛ ናይ ‘ኢንተርኮንቲነንታል/ኣስመራ ፓላስ’ ሆቴል - ዝኽረይ ደጊመ እንተ ጸፋዕኩኹም-ሲ እንታይ ከይብለኩም?! ከምቲ ልማደይ፡ ክህውትት ምዃነይ ግን፡ ከም ርዱእ ክትወስድዎ ሓደራ።
ኣብ ድሮ ናይቲ ብዘልማድ፡ ‘መዓልቲ ናጽነት’ እናበልና ነብዕሎ - ግንቦት 24 እዩ። ምርምርን ስነ-ስነዳን ኤርትራ /Research
and Documentation/ን ‘World
Center for Studies and Research of ‘The Green Book’’፡ ‘ዓለማዊ ማእከል ምርምር ‘ሓምላይ መጽሓፍ’ ሊብያ’ን ኣብ ኣስመራ፥
"Democracy in Africa: Current Situation and Prospects" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ካብ 19 ግንቦት 2009 ዝጀመረ ዋዕላ ከፈቱ። ኣቤት! እዝንኹም ዶ ‘ኰኽዩኩም’ እዚ ዘረባ ሓቀይ? ልብያን ኤርትራን-ሲ ያኢ፡ ሰማይ-ዝሃገረን ብዛዕባ ዲሞክራሲ ክዛተያ ተጋቢኤን፥ “ኢከጅል ክጀሎ ‘ግሉ!” እዩ ነገራቱ።