Showing posts with label Hikya. Show all posts
Showing posts with label Hikya. Show all posts

Sunday, 17 August 2014

ንሰብ፡ ብኣተሓሳስብኡ ዶስ ብኽዳኑ ንፍረዶ፧

“Gabsékha gab gudek; bteskha derekén fdekw” ይብሉ ህዝቢ ብሌን እንተረኸቡ። ቃል ብቓሉ፤ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ፡ ንሓመድ ድጒሪ የውጽኦንምባል እዩ። እዚ ናይ ባርኣልባ ቢስትሮምስ ተዘከረ - ካልኦት ብዙሓት፥ ብሰንኪ ሽዳ ሳእነይን ወጅሃላይ ኣከዳድናይን ዝጐነፉኒ ኣጋጣሚታት ዘኪረ።ዝጸፍዐ እኳ ዝደግም!” እዩ እሞ፥ በዛ ናይኢንተርኮንቲነንታል/ኣስመራ ፓላስሆቴል - ዝኽረይ ደጊመ እንተ ጸፋዕኩኹም- እንታይ ከይብለኩም?! ከምቲ ልማደይ፡ ክህውትት ምዃነይ ግን፡ ከም ርዱእ ክትወስድዎ ሓደራ።


ኣብ ድሮ ናይቲ ብዘልማድ፡መዓልቲ ናጽነትእናበልና ነብዕሎ - ግንቦት 24 እዩ። ምርምርን ስነ-ስነዳን ኤርትራ /Research and Documentation/ ‘World Center for Studies and Research of ‘The Green Book’’ዓለማዊ ማእከል ምርምርሓምላይ መጽሓፍሊብያ ኣብ ኣስመራ፥ "Democracy in Africa: Current Situation and Prospects" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ካብ 19 ግንቦት 2009 ዝጀመረ ዋዕላ ከፈቱ። ኣቤት! እዝንኹም ኰኽዩኩምእዚ ዘረባ ሓቀይ? ልብያን ኤርትራን- ያኢ፡ ሰማይ-ዝሃገረን ብዛዕባ ዲሞክራሲ ክዛተያ ተጋቢኤን፥ኢከጅል ክጀሎግሉ!” እዩ ነገራቱ። 

“‘ሰብ-ሽዳ’ ሽሩፍ ኣይንሕዝን ኢና!”


ገሊኡ ኣብዚፌይስ-ቡክፖስት ዝገብሮ ጽሑፋት፡ ንገለ ኣሳእል ምስ ረኤኹ ኣብ ሓንጐለይ ዝቕጀለኒ እዩ። ንኣብነት፡ እዛ ትርእዪዋ ዘለኹም ስእሊ ባር ኣልባ ምስ ረኤኹ፡ እዛ ትስዕብ ኣጋጣሚት ተዘኪራትኒ። ግዜ እንተ ሃሊዩኩም ንበብዋ፤ ተሃውኽኩም እንተ ሃሊኹም ግን ዋላ ትትረፍኩም - ብዙሕ ኣገዳሲት ኣይኰነትን፤

ብኸመይ ምዃኑ እንድዒ እምበር፡ ዝበዝሑ ኣብ ባር ኣልባ ዝእከቡ እቶም ብበለስ ዝፍለጡ ሰብ ዲያስፖራ እዮም። ገለኣዝመሪኖታትእውን ኣዋልድ ንኽቃጠቡ ተመሳሲሎም ይመጹ እዮም። ሓንቲ መዓልቲ ግን፡ ንኽርኢ ጥራይ ናብታ ባር ኣተኹ። እቲ ጸገም ግን ከይተመሳሰልኩ እየ ኣትየ።

ቀጠልያዩኒፎርምዝተኸድነት ፈርጣዕ ኣሳሳይት ኣብ ልዕለይ መጺኣ ዘዘው በለት። ኣብ ኤርትራ እቶም ኣሳሰይቲ ኣብ ከባቢኻ መጺኦም ከዕነንዩ እንከለዉ፡ ክሰምዑኻ ዘይኰነስ ገለ ንብረት ጠፊእዎም ዘናድዩ ዘለዉ ኰይኑ እዩ ዝስምዓካ።