Sunday 17 August 2014

ንሰብ፡ ብኣተሓሳስብኡ ዶስ ብኽዳኑ ንፍረዶ፧

“Gabsékha gab gudek; bteskha derekén fdekw” ይብሉ ህዝቢ ብሌን እንተረኸቡ። ቃል ብቓሉ፤ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ፡ ንሓመድ ድጒሪ የውጽኦንምባል እዩ። እዚ ናይ ባርኣልባ ቢስትሮምስ ተዘከረ - ካልኦት ብዙሓት፥ ብሰንኪ ሽዳ ሳእነይን ወጅሃላይ ኣከዳድናይን ዝጐነፉኒ ኣጋጣሚታት ዘኪረ።ዝጸፍዐ እኳ ዝደግም!” እዩ እሞ፥ በዛ ናይኢንተርኮንቲነንታል/ኣስመራ ፓላስሆቴል - ዝኽረይ ደጊመ እንተ ጸፋዕኩኹም- እንታይ ከይብለኩም?! ከምቲ ልማደይ፡ ክህውትት ምዃነይ ግን፡ ከም ርዱእ ክትወስድዎ ሓደራ።


ኣብ ድሮ ናይቲ ብዘልማድ፡መዓልቲ ናጽነትእናበልና ነብዕሎ - ግንቦት 24 እዩ። ምርምርን ስነ-ስነዳን ኤርትራ /Research and Documentation/ ‘World Center for Studies and Research of ‘The Green Book’’ዓለማዊ ማእከል ምርምርሓምላይ መጽሓፍሊብያ ኣብ ኣስመራ፥ "Democracy in Africa: Current Situation and Prospects" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ካብ 19 ግንቦት 2009 ዝጀመረ ዋዕላ ከፈቱ። ኣቤት! እዝንኹም ኰኽዩኩምእዚ ዘረባ ሓቀይ? ልብያን ኤርትራን- ያኢ፡ ሰማይ-ዝሃገረን ብዛዕባ ዲሞክራሲ ክዛተያ ተጋቢኤን፥ኢከጅል ክጀሎግሉ!” እዩ ነገራቱ። 



መቸስ፡ ‘الأخضر الكتاب’ ‘‘ሓምላይ መጽሓፍ /The Green Book/ ብቛንቋ እንግሊዘኛ፡ ግድን ሰሚዕኩምላ ኣለኹም። ሓው ሙዓመር ቓዛፊ፡ ንሓፋሽ ህዝቢ ዓለም ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ንሳልሳይ-ዓለምወንጌል-ድሕነትክትከውን ኢሉ ዘዳለዋ መጽሓፍ እያ። ንቛንቋታት ትግረን ትግርኛን ወሲኽካ ከኣ ናብ ብዙሓት ቋንቋታት ዓለም ተተርጒማ እያ። ብኣቶ ሰለሞን ጸሃየ፡ ብኣዝዩ ልዙብ ቋንቋ ዝተተርጐመትሓምላይ መጽሓፍተሓቲማ ንህዝቢ ቀሪባ እያ። ብድለላ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ተረኺባ፥ ብወዲ ነታባይን ኣቶ /ኣድም ዓልን ዝተተርጐመትክታብ ኣክደርግን፡ ተሓቲማ ጸሓይእድንያከይረኣየት - ሓው ቐዛፊ ንዓርሶም ተቐዚፎም።

ብዛዕባ ድለላ፡ ናይቲ መጽሓፍ ብመንገዲ ዓሊ ዓብዱን ምጅንጃን ወዲ ዓበን ወዲ ነታባይን ኣብ ሊብያን ካልእ ምስኡታት ዝተኣሳሰር ዝርዝራት እንተ ደሊኹም፡ ንጋዜጠኛ ኣማኑኤል ማህደረ ተወከስዎ። 
መቸስ፡ ንህውተታ ብዝምልከት ኣቐዲምና ተረዳድእና ኢናመስለኒ። ህውተታ ዝጸልኤ ድማ ምንባብ ኣቋሪጹ ካልእ ጒዳዩ ከሳልጥ ነጻ እዩ። እንተዀነ፡ እፈልጠኩም እንድየ፡ ወረኛታት ኣይኰንኩምን ግዲ፤ ወሸለ ወረን ሕሜታን ዝህበኩም ረኺብኩም- ምንባብ ድማ ከተቋርጹ!! ሃየ ድኣ ንኺድ ናብ ዋዕላ 'ኢንተር' ገጽና ንሳግም።

ብዝዀነ፡ ኣብቲ ዋዕላ ንመጽሔትሕድሪወኪሉ ክሳተፍ ዝነበሮ ሰብ ኣይተረኽበን። ስለዝዀነ፡ ንፈውሲ ትም ኣነ ክሳተፍ ነበረኒ። ኣነ፡ንህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራሲ ዝበሃል ጋሻ ኣምር ኣምጺእካ፡ ኣብዘይ ምትህንዃቱ ምእታዉ ግቡእ ኣይኰነን!” ዝብል ጽኑዕ መርገጺ ስለ ዘለንን፡ ዝነበረንን፡ /ሕቡእ እውን ስለዘይነበረ/ ኣብቲ ዋዕላ ተሳቲፈ ዝረብሕ ጸብጻብ ከምዘየምጽእ ፍሉጥ ነይሩ። ኣማራጺ ስለ ዘይነበረ ግን፡ ናይ ዕድመ ወረቐትን፡ፕረስዝብል ዝተጻሕፎ ካርድን ሒዘ ናብ ኢንተር ኣምራሕኩ።

ኣንበብቲ፤ /‘ዲሞክራሲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣየድልዮን እዩትብል ድኣ፡ ካብ ጥንቲ-ጥቅምቲ ቈጽሊ ዘየውደቕናሉ ዶስ፥ ሓምሓም ዘይተኸልናሉ፥ ኤመርሓና ነይሩ እዩ/ እናበልኩም ከይተጽምሙኒ ሓደራ። ኰይኑ ግን፡ንሕጊ እንዳ ብዝግባእ ኣቕሙቜ መርሚረዮ እየዝብል ሰብ እንተሃሊዩ፡ ክሰምዖ እኽእል እየ። ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተባህለክሊሼዘረባ ወጻኢ ማለት እዩ!! 

ብዝዀነ፡ ካብ ማእከላይ / ህግደፍ - ፊያት ተበጊሰ፡ ብትራቮሎ ሓሊፈ፥ ብቤት ማሕተም ሳቡር ተጠውየ ንኢንተር ብኹሊታ በጻሕክዋ። ኩሉ ሰብ ሰጥ ኢሉ ይኣቱ ነበረ። ኣባላት ጸጥታ ጠጠው ዘበልዎ ሰብ ኣይነበሮምን። ንባዕሎም ጠጠው ኢሎም ንነፍሲ-ወከፍ ሰብ ኣተኲሮም ይጥምቱ ነበሩ። ከምቲ ትኲር ምቁማቶም፡ ገለ ክጻናተውዎ ዝደለዩ ሰብ ዘሎ ኰይኑ ተሰምዓኒ። 

ካብ ርሑቕ፡ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ እናመላለሰ ክጥምተኒ ዝጸንሐ ኣባል ጸጥታ፡ ብኢዱ ጥራይ ንኽመጾ ኣመልከተለይ። ወይ ሰልቺይዎ ነይሩ፡ ወይ ከኣ ኣቓልቦ ካልኦት ክስሕብ ኣይደለየን። 
ወረቐት?!” በለኒ - ብትሑት ድምጺ። 

ነታ ናይ ዕድመ ወረቐት ኣውጺኤ ሃብክዎ። ስመይን // ህግደፍ፡ ዝብል ባዕለይ ብፒሮ ዝጸሓፍክዎ ሓበሬታ ነይርዋ። 

ኣብኡ ድኣ እንታይ ትሰርሕ?” ሓተተኒ - እቲ ዘንጋር ኣባል ጸጥታ።
ብቓል ከይመለስኩ፥ እታፕረስትብል ካርድ ካብ ጅባይ ኣውጺኤ ኣቐበልክዎ። ግደ-ሓቂ፡ እታ ካርድ እቲኣ፥ ነታ ህሞት እቲኣ እምበር፡ ንቐዋሚ ስርሐይ ኣብቲ ትካል ትገልጽ ኣይነበረትን። 

ንኽልትኤን ኣብ ኢዱ ሒዙ ስራሕ ምክትታሉ ቀጸለ። ኣነ እውን ብደወይ፡ ኣብ ኢደይ ዝነበረት መጽሓፍ ምንባብ ጀመርኩ። ደቓይቕ ሓለፈ። ኣይሓተተንን - ኣይሓተትክዎን እውን!
ግዜ ምስ ነውሓኒ ግን፡እሞ . . .?” በልክዎ።
እሂ እሞ እንታይ?!” ተገልቢጡ ሓተተኒ።
ወይ ናብ ካልእ ስርሓይ ክምለስ ወይ ክኣቱ?!” ክልተ ምርጫ ኣቕረብኩሉ - ዕትብ ኢለ።

ከጓጥጠለይ እንተዀይኑ፡ ኣቐዲሙ ኣባል /// ህግደፍ ዘይምዃነይ ከረጋግጽ ከም ዘለዎ እፈልጥ እየ። 
እንካ!” ኢሉ ነተን ክልተ ካርድ ሃበኒ። ብኢዱ ንደገ ገጹ እናኣመልከተ ከኣ ክኸይድ ሓበረኒ። ኪድ ተመለስ እዩ ዝብለኒ ነይሩ።

ኣነ ነዚ ዋዕላ ሪፖርት ንኽገብሮ እየ ተላኢኸ ዘለኹ - ሕጊ ጥሒሰ ግን . . .” ኢለ ብግስ ክብል፥ እቲ ካርድ ሂቡ ዘፋነወኒ - እዲተር መጽሔትሕድሪኣቶ ተስፋይ ባዕሉ ህሩግ በለና። 

እንታይ ድኣ ሰዓት እኳ ኣኺሉ እዩ፥ ናበይ ትምለስ ኣለኻ?” ኢሉ ስሒቡኒ ንውሽጢ ኣምረሔ። 
ኣባል ጸጥታ፡ንዓ!!” ብነድሪ ተዳህየ። 

ንዕኡ ዝመሰሎ ተስፋይ፡ደሓን ዲኻ?!” ኢሉ ንድሕሪት ተመልሰ። ክልተ ተጋደልቲ ክሳብ ዝረዳድኡ መዓልቲ ምሉእ ክሓልፍ እውን ተኽእሎሎ።

ኣነ ቀጥ ኢለ ብምኻድ ኣብ ጣውላ ዝጸንሓትኒ ስመይ ዝተጻሕፋባችኣልዒለ ናብታ ብጸጋመይ ዝነበረት፡ ኣዳራሽ ናቕፋ ትኹን ሰላም፡ ሕጂ ረሲዐያ፤ ቁሩብ ኣስካላታት ንታሕቲ ወሪደ፡ ምስቲ ሓመደ-ሓፋሽ ተሓዊሰ ኮፍ በልኩ። 

ተስፋይን እቲ ኣባል ጸጥታን ኣብቲ ኣፍደገ ኰይኖም፡ ኢዶም እናወሰኹ፡ ክዛራረቡ ብማዕዶ እርእዮም ነበርኩ። ኣብቲ ሆጭ ዝበለ ኣዳራሽ ብኣጋ ኣይክረኽቡንን እዮም። እቲ ነገር እንተ ብኢሱ እውን ብወገን የማነይ ክፉት ማዕጾ ነይሩ እዩ። ተስፋይ፡ መንእሰያት ንኸይውጽዑ ኣበርቲዑ ዝሰርሕ ኣዝዩ ጥዑይ ሰብ ምዃኑ እፈልጥ እየ። ናይ ዕድመን መዝነትን ሓላፍ-ዘላፍ ብዘየገድስ ጥቡቕ ዕርክነት እዩ ነይሩና። እቲ ኣባል ጸጥታ፤ እታ ዝበኣሰት ክገብራ ዝኽእል ዝነበረ፡ ካብታ ኣዳራሽ ምውጽኤይ ጥራይ እያ ነይራ - ንሳ እውን ኣብ ቅድሚ ተስፋይ- ኣይክውዕላን እዩ። ወይ ድማ ንተስፋይ ዘሊፍዎ ከስምዕ ይኽእል እዩ። ዝበዝሕ ግዜ ተጋደልቲ ኣብ ከምዚታት ኣሕሊፈን ኣይወሃሃባን እየን።

ሊብያውያን፡ ክሰብኩና እምበር ክሰምዑና ዘይምምጽኦም ብኣጋ ኢና ኣስተብሂልናሎም። ነቲ መድረኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዋላ ነተን ኣብ ኣዳራሽ ዝነበራ ማይክሮፎናት እውን ባዕላቶም ተቘጻጽሮምወን ነበሩ። በዓል ኣነ ቱታ ዝተኸደናስ ድሓን እሞ ግደፉና፤ ክንደይ ባድላን ካራቫታን ዝወደየት ከማን ኢዳ ክሳብ ትምናህ ኣልዒላ ቁሊሕ ዝብላ ስኢና ጉም ኢላ ወዓለት። እዚ ምስ ረኤኹ ነቲ መደባት/ሰዓታት ዝሕብር ወረቐት ወሲደ፡ ኣብታ ግዜ ምሳሕን ድራርን ጥራይ ምምልላስ ተተሓሓዝክዎ።ቡፈይናይ ኢንተር . . . ፈላጢኣ እዩ ዝፈልጣ። 

ብዝዀነ፡ እቲ ኣባል ጸጥታ ወዲ፡ ስለምንታይ ጠጠው ከም ዘበለኒ ንዓይ ዝሓበረኒ ነገር ኣይነበሮን። ንተስፋይ ግን ነግርዎ ነበረ። 

ቀንዲ ጸገም እተን ሽዳ እየን ነይረን። ሓፈሻዊ ኣከዳድናይ እውን ኣይግድን እዩ ነይሩ። ሓቂ-ይሓይሽ፡ ኣነ እንኰላይ ኤብዝሖ ነይረ እየ። ኩሉ ግዜ 'ኢንተር' ክመጽእ እንከለኹ - በቲ ድሕሪት ተዃሊለ - ብቤት ማሕተም ሳቡር ኣቢለ ዝመጸሉ ምኽንያት ንሳክት ኣይነበረን። ከምቲ ትፈልጥዎ፡ ኣብቲ ከባቢ፥ ንሓመድ ሓዝሓዝ ዝመስል ቀይሕ-በለቕ ኣሎ። ብኡኡ ኣቢልካ መጺእካ ናብ 'ኢንተር' ምስ እትኣቱ ድማ፡ ሽዳኻ ብቀይሕ ዕሻሽ መርኣዪ ኣይህልዎን። ኣብቲ ሃሳስ ሰማያዊ ምንጻፍ 'ኢንተር' ዝገድፎ ኣሰር/ስታምፓ ናይቲ ሽዳ ክትርኢ ድማ ባህታ እዩ ዝፈጥረልካ። ብውሕዱ ንዓይ ባህታ እፈጥረለይ። ሎሚ እውን እንተዀነ ኣይገደፍክዎን። ክንደይ ዓበይቲ ዝበሃል ሆቴላት ኤውሮጳ ብሽዳ ዘይዓንደርናሉ። ብሰንኪ በረድ ድኣ ኣብ ደገ ምኽዳኑ እናጸገመና 'ምበር።

ኣብ መጨረሽታ፡ ሓደ መዓልቲ፡ በዛ ናይኢንተርኣጋጣሚት ዝተላዕለት፤ ኣብ ዲቕ ዝበለ ክትዕ ኣቶና። ኣብ መንጐና ኣርኣያ ዝተባህለ ኣባል 'ፕሮተኰል' ዝነበረ ነይሩ። ኣብዚ ምጥቃሳ ዘይተገድስ መስሓቕ-ዋዛ፡ ብዛዕባ ኢሳይያስን ቫይናክን ዝርከቦ፡ ብዙሕ ዳእላታት ኣድጊሙልና ነይሩ። ዝበዝሑ ካባና፡ኣከዳድናና፡ ኣብ ርእሰ-ምትእምማና ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ!” ይብሉ ነበሩ። ኣነ ግን ብመሰረቱ እዞም ባድላ ካራቫታ ትኽደኑ፤ ርእሰ-ምትእምማን ስለ ዝጐድለኩምን፡ ብኽዳውንቲ ገይርኩም ክትሸፋፍንዎ ዝደለኹም ጸገም ስለ ዘለኩምን እዩ በሃላይ እየ። ሓሳብኩም እንተ ዝሰምዕ ድማ ደስ ምበለኒ። ወዲ-ሰብ-ሲ፡ ብርእሱ ማለት ብኣተሓሳስብኡ ድዩስ - ብሽድኡ ወይ ባድልኡ- ክምዘን ዘለዎ?!

P.s. ገለ ውሑድ ግዜ ባድላ ተኸዲነ እፈልጥ እንድ፡ ናይ ኣጋጣሚ ነገር፡ ሽዕኡ ዘጋጠመኒ ድማ ንኻልእ ግዜ ንጸውየሉ።

No comments:

Post a Comment