Thursday 11 September 2014

ኤርትራ፡ ኣብ ፅልኣት ጎረባብታ ዝተመስረተ ኣለሻ ሃገራዊ መንነት!

ብመሓሪ ዮሃንስ ገብሩ - ካብ ዩንቨርስቲ ኣክሱም

እንድሕር ደኣ ኣከዳድናኻ ልክዕ ምኻኑ ክትፈልጥ ደሊኻ መስትዋት ርኣይ፡፡ ብዛዕባ ልክዕነት ባህሬትካ ክትፈልጥ እንተደሊኻ `ውን ካልኦት ሰባት ብዛዕባኻ እንታይ ከም ዝብሉ ኣድምፅ፡፡ ከምኡ `ውን ብዛዕባ ብሄራውነትካን ሃገርካን ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ ደቂ ወፃኢ ብዛዕብኡ እንታይ ከም ዝብሉ ምድማፅ ኣገዳሲ እዩ፡፡

                                                                                      ዢንያን ዝተብሃለ ቻይናዊ ሓደ እዋን ካብ ዝበሎ
መእተዊ

ናይ ሎሚ ፅሕፎይ በዚ ናይ ቻይናዊ ፀሓፊ ጥቅሲ ክጅምር ከለኹ ብዘይ ምክንያት ኣይኮነን፡፡ የግዳስ ንምስሊ ፍልስፍና ፖለቲካዊ ማንነት ህግደፍ ዝመርሓ ሃገረ ኤርተራ ስለ ዝገልፅ እዩ፡፡ ኤርተራ ከም ነፃ ሃገር ቅድሚ 22 ዓመታት ኣቢላ ተፈጢራ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ 22 ዓመታት ከዓ ብጀካ ምስ ሰዑድ ዓረብ ምስኩለን ብዶብ ዝዋሰንኣ ሃገራት ተጋኒፃን ኩናት ገጢማን፡፡ ንቀፃልውን መን ይፍልጥ ፕሬዝደንት ኢሳያስ ስኒ እነተረኺቦም ጎረባብቶም ካብ ምንካስ ንድሕሪት ኣይብሉን፡፡

ኣብዚ እዩ `ምበኣር ሃገረ ኤርትራ ንምነታይ ከም ሃገር ዳርጋ ምስ ኩለን ጎረባብታ ናብ ወጥርን ኩናትን ትኣቱ? ዝብል ቀሊል ዝመስል ግን ድማ ዝተሓላለኸ ሕቶ ምፍታሽ ኣገዳሲ ዝኸዉን፡፡ ነዚ ሕቶ ንምምላስ ከዓ ኤርተራ ምስ ጎረባብታ ዘጋነፋ ጎንፂን ጠንቅታቱን ብዕምቆት ምድህሳስ ይሓትት፡፡ ብምኻኑ ድማ ኤርተራ ፈለማ ምስ ሱዳን፣ ስዒቡ ምስ የመን፣ ቀፂሉ ምስ ጅቡቲ፣ ኣብ መወዳእታ ምስታ ብናይ ናይ ነዊሕ ታሪክ፣ሕውነታውን ዘርኣውን ዝምድና ዝትተኣሳሰራ ኢትዮጵያ ዘካየደቶም ጎንፅታትን ጠንቅታቶምን  መሰረት ዝገበረ ድሕረ-ባይታዊን ህልው ከነታትን መሰርት ዝገበረ ትንተና የድሊ፡፡

እንተኾነ ግን ኩሎም ኤርትራ ምስ ጎረባብታ ዘጋነፍዋ ጎንፅታትን መንቀሊኦምን ኣብዛ ሓፃር ፅሕፈቲ ምጥማር ኣብዚ ዓውዲ ፅንዓት ዝርዝር ሓበሬታ ናብ ኣንበብቲ ንምብፃሕ ሰለ ዘፀግም፤ ናይ ሎሚ ፅሕፎይ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኤረተራን ኢትዮጵያን ዝተፈጠረ ሕጂ `ወን መዕለቢ ዘይረኸበ ጎንፅን መንቀሊኡን ዝድህስስ እዩ ክኸውን፡፡ ስለዚ ህግደፍ ዝመርሓ ኤርተራ ከመይን ንምንታይን ምስ ኢህወደግ ዝመርሓ ኢትዮጵያ ናብ ጎንፂ ኣትያ? ንምንታ እቲ ጎንፂ መዕለቢ ፍታሕ ዘይረኸበ? ዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ በቢ ከርናዑ ዝተፍላለዩ ምሁራን፣ ፖለቲከኛታን ተንተንቲ ሰላምን ድሕንነትን ዝተፍላለዩ ደሕረ-ባይታውን ናይ ቀረባ እዋን መንቀሊታትን መሰረት ዝገበሩ ትንተናት የቐምጡ፡፡

እቶም ኣብ ዙርያ  ጎንፂ ክልቲኤን ሃገራት መንቀሊ  ተባሂሎም ዝተወሰዱ ሮቛሒታት ከዓ ታሪካዊ ዝምድና ውድባት ሕግሓኤን ህወሓትን፣ ዶብ (ባድመ) ዘይምርድዳእ ከልቲኤን ሃገራት ኣብ ስርዓት ኢኮኖሚ፣ ስእነት ዴሞከራሲ፣ ድሕሪ ነፃነት ኤርትራ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝነበረ ዓለም ለኻዊ መለኪዒታት መሰረት ዘይገበረ ርከብ፣ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ድማ ክልቲኦም ትግርኛ ተዛረብቲ ዝነበረ ታሪካውን ፖለቲካዊን መንነት ዝመሰረቱ ዘይምርድዳእን ቅርሕንትን ወዘተ... ዝብሉ ይርከብዎም፡፡

እንተኮነ ግን ካብዞም ዝተጠቐሱ መንቀሊታት  እቲ ናይ መዳአታ ማለት `ውን ታሪካውን ፖለቲካውን መንነት ዝመሰረቱ ኣብ ሞንጎ ትግርኛ ተዛረብቲ ኢትዮጵያውያን ኤርትራውያንን ዝነበረ ዘይምርድዳእን ቅርሕንትን  ዝብል ሮቛሒ ቅድሚ ሕጂ ክንዲ ዝግባእ ዘይተደህሰሰ ግን ድማ ከዓ ኣብ  ኣብ ነዊሕ ፖለቲካዊ ታሪክ ክልቲኤን ሃገራት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ቀረባ ምትእስሳር `ውን ዓብይ ተራ ስለ ዘለዎ ጠመተ ፅሕፎይ ነዚ ዘማእከለ እዩ ክከውን፡፡ ብምኻኑ ድማ ህልው ክነታት ንምርዳእ ታሪክ ፖለቲካዊ መንነት  ክልቲኦም ህዝብታት ምድህሳስ ኣገዳሲ ስለዝኮነ፤ ነዊሕ ጉዕዞ ትንተናይ ከብቶም ንምፍጣር ኤርተራዊ መንነት ኤርተራውያን ምክንያት ዝኾኑ ፍፃመታት መወዳእታ 19 /ዘበን ክጅምር፡፡

መፈጥረ ኤርትራ ከም ሃገርን ሃገራዊ መንነትን

እዛ ሎሚ ኤርተራ ንብላ ሃገር ቅድሚ ምፍጣራ ትግርኛ ተዛረብቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ዘበነ ስልጣነ ኣክሱምን ቅድሚኡን  ብዘይገለ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን እኮኖማውን ኣፈላላለይ ክሳዕ መወዳእታ 19 /ዘበን ሕምብርቲ ሀገረ ኢትዮጰያ ኮኖም ብሓባር ፀኒሖም `ዮም፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ናይ ቀረባ እዋን  ካልኣይ መፋርቅ 19 /ዘበን ንግስና ንጉሰ ነገስት ዮሃንስ 4 ስጡም ፖለቲካዊ ሓድንቶም ዘመስከርሉ ዝኾነ ምድራዊ ሓይሊ ዘየህስሶ ታሪክ መኸተ ኣንፃር ባዕዳውያን ወረርቲ ብሓባር ኣብ ጉነድት፣ጉራዕ፣ ኩፊት፣ ዶጋዓሊ ወርቃዊ ደሞም ኣፍሲሶም ሓሊፎም፡፡ እሞከ `ድኣ  መወዳእታ 19 /ዘበን ከመይን ንምታይን መዕርፎ ነጥቢ ኣፈላላይ ፖለቲካዊ መንነት አዞም ሐደ ቋንቋን ሓደ ባህሊን ዘለዎም ህዝብታት ትግርኛ ተዛረብቲ ኮይኑ?

ዋላካ እዞም ህዝብታት ኣብ መላእ 18 ዓመታት ንግስና ኑጉሰ ነገስት ዮሃነስ 4 ንዝኾነ ባዕዳዊ ወራሪ ከይተሰኮኑ ነፃነትን ሓድነትን ጥንታዊት ኢትዮጵያ ሓልዮም እንተቐፀሉ፤ መጋቢት ሓደ 1881 . ኣብ መተማ ዘጋጠመ ሞት ዮሃነስ 4 ግን ኣብ ታሪክ ክልቲኤን ሃገራት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ጅኦግራፍያዊን ፖለቲካውን ቅርፂ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ፀሊም በሰላ ገዲፉ ሓሊፉ፡፡ እቲ ምንታሲ ነፃነታ ሓሊያ ዝፀንሐት ኢትዮጵያ ተደፊራ ናብ ክልተ ተገሚዓ፡፡ ታሪክ ፖለቲካዊ ሓድነት  ትግርኛ ተዛረብቲ ብሽርሒ መንግሰቲ ጣልያንን ንጉስ ሽዋ ምንሊክን ተቖፅዩ ናብ ክልተ ኣንፈት ኣምሪሑ፡፡ 

ኣብዚ ነጥቢ መቐይሮ ፖለቲካዊ ታሪክ ድማ ልዕሊ ዝኾነ ሓይሊ ግደ ንጉስ ምንሊክ ሽዋ ዓብይ ነይሩ፡፡ እቲ ንንግስና ሃፄነት ሃረር እሉ ጥፍኣት ንጉሰ ነገስት ዮሃንስ 4ይን ትግርኛ ተዛረብቲ  ህዝብታትን ዝፅበ ዝነበረ ንጉስ ምንሊክ፤ ጌና ቅድሚ ሕልፈት ዮሃንስ 4 ጀሚሩ `ወን ፃምእ ስልጣኑ ንምርዋይ ምሰቲ መሽርክቲ ሽርሑ ዝነበረ ኮንት ኣንቶኖሊ ዝተብለ ጣልያናዊ ብምዃን ንምትእትታው ጣልያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ` ዝፍለጥ፡፡ ነዚ መግለፂኡ ከዓ ወፍሪ ሠሓጢን መተማን ንምትዕንቓፍ ዝግብሮም ዝነበሩ ትሩክሩካት ከም ዘለዉ ኮይኖም፤ እቶም ድሕሪ ሞት ዮሃንስ 4 ከይ ወዓለ ከይ ሓደረ ዝወሰዶም መወዳድርቲ ዘይብሎም ክልተ ሃገራዊ ክሕዳታት ግን መንፀፍ ሓተላ ታሪክ እዮም፡፡ እቲ ናይ መጀመርታ እኩይ ክሕደት ንጉስ ምንሊክ እብ ፅባሕ ሞት ዮሃንስ 4 ናብ ንጉስ ጣልያን ዝነበረ ንጉስ ኣምቤርቶ ዝለኣኾ፤ ጠላይን ካብ ከባቢ ወደብ ባፅዕ ወፂኦም ንፈለማ እዋን ከተማ ኣስመራ ሓዊሱ መብዛሕቲኡ ክፋል ከበሳ ንክቆፃፀሩ ዝዕድም ደብዳቤ እዩ፡፡

/ ሰለሞን ዑንቋይ ጥልመት ኣብ ዝብል መፅሓፉ (ገፅ 24) ከም ዘስፈሮ ድማ ትሕዝቶ እዚ ደብዳቤ ከምዝስዕ ይንበብ፤

           ካብ ምንሊክ 2 ንጉስ ሽዋ፣ ሃረር፣ ከፋ ... ናብ ሓያል ፈታዊና ናይ ጣልያን ንጉስ ኣምቤርቶ፥

መጋቢት ሐደ 1881. ሓደ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ተከሲቱ ኣሎ፡፡ ንጉሰ ነገስት ዮሃንስ ምስ መላእ ሰራዊቶም ንደርቡሽ ሱዳን ክወግኡ ኢሎም ናብ መተማ  ምሰከዱ ኣብኡ መይቶም፡፡ ክብርነቶም ክሳዕ መልእክተኛይ ምስ ኣንቶነሊ ዝልእከልኩም ግን ሓደ ኣብ ልበይ ዘሎ ነገር ከካክፍለኩም እደሊ፡፡ ክብሩነቶም ነቶም ኣብ ምፅዋዕ ዘለው ወተሃደራዊ ኣዘዝትኩም ካብቶም ኣብ ትግራይ ዘለው ሸፋቱ ዝኾነ ነገር ከይሰምዑ ከም `ውን  ዝኮነ ዓይነት ኣፃዋር ናብ ትግራይ ከይኣቱ ንክገብሩ ብምእዛዝ ክትሕጉዝኒ ይደሊ እየ፡፡ ስዒቡ ከዓ ናይ ክብሩነቶም ወተሃደራት ናብ ኣስመራ ብምእታው ትሕዝትኦም ብምፅናዕ ንእንፈት ደቡብ ዘለው ክሎም መንገዲታትን ፅንዕ ወተሃደራዊ ሓለዋ ክገብሩ ኣለዎም፡፡ እዚ ክሉ ነገር ካብ መዓሙቕ ልበይ ንክቡርነትኩም ከካፍለኩም ዝወሰንክሉ ምክንያት ድማ  እግዛኣብሄር ዝሃበኒ ንጉሰ ነገስት ናይ ምካን ዕድል ከረጋግፅ ኢለ ከምኡ `ወን ንኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋዕ ክህባ ደልየ እየ፡፡

ከብዚ ደብዳቤ ከምንርድኦ ከዓ ንጉስ ምንሊክ ህረፍ ስልጣኑ ንምርዋይ ዋላካ ኣብ ታሪክ ምስፍሕፋሕ ባዕዳዊ መግዛአቲ ኣብ ኣፍሪካ ንርካሽ ውልቃዊ ረብሕኡ ክብል ምስ ባዕዳውያን ገዛእረቲ ዝተሻረከ ናይ መጀመርታን መወዳእታን መራሒ እንተዘይኮነ ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ግን ብደረጃ ሃፄነት ካብ ዝነገሱ መራሕቲ ክፋል ሃገሩ ዝሽጠ እንኮ ንጉስ ነገስት እዩ፡፡ ነዚ ዝገበረሉ ምክንያት ከዓ ከምቲ ኣብ ንንጉስ ኣምቤርቶ ዝፀሓፎ ደብዳቤ ዝገለፆ ናይ ነዊሕ እዋን ምንየት ስልጣኑ ጋህድ ንምግባር ዕንቅፋት ክኮኖ ዝኽእል ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ትግርኛ ተዛረብቲ ህዝብታት ማእከሉ ዝገበረ ዝተወደበ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ሐይሊ ስለዝኾነ፤ ብስልሒት ሓይሊ ሚዛን ምኒሊክ ከዓ እዚ ሓይሊ ንምድካም ካብ ሩባ መረብ ንሰሜን ኣንፈት ዘሎ ክፋሉ ንጣልያን  ቆሪስካ ምሃብ ብሓደ ገፅ ከም መተዓረኺን መዐደጊ ፍቅርን -ኣይሰመረሉን ጠላይን ተእመንቲ ፈተውቱ ኣይነበሩን `ምበር - ብካልእ ገፅ ከዓ ሓይሊ ትግርኛ ተዛረብቲ ንምብትታንን ንምድካምን ተመቂምሉ፡፡

እቲ ካልአይን መሕፈርን ከዳዕ ውሳነ ምንሊክ ድማ ናይዚ ቀዳማይ ክሕደት መቐፀልታ ዝኾነ ጉንበት 1881 . ማለት ውን ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ሞት ሃፄ ዮሃንስ ምስ ኣንቶነሊ ተራኺቡ ወዕሊ ውጫለ ተፈራሪሙ ጠላይን መብዛሕቲኡ ክፍል ናይ ሎሚ ኤርትራ ክቆፃፀሩ ፈቒዱ፡፡ ነዚ ስዒቡ ድማ ጣልያን 1890 .. ብልግሲ ምንሊክ ንዝተውሃቦ  መረብ ምላሽ ናይ ጣልያን ናይ መጀመርታ ግዝኣት ዝብል ቅፅል ብውሳክ ጥንታዊ ሮማዊ ኣፀዋውዓ ቀይሕ ባሕሪ (Mare Erythraeum) መሰረት ገይሩ ኤርትራ ዝብል ስም ኣጠሚቕዎ ፡፡

ኣብ መግዛእቲ ጥልያን ዝተደረኸ ሕቶ ኤርትራዊ  መንነት - ጉጉይ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ህግሓኤ/ህግደፍን ጠንቅታቱን

ኣስታት 50 ዓመታት ዝፀንሐ መግዛእቲ ጥልያን ከምቲ ኣለምሰገድ ኣባይ - THE ASSUMPTION OF "A-COLONY-EQUALS-TO-A-NATION" AND THE POLITICAL ACCIDENT OF Eritrea - ኣብ ዝብል ፅሕፉ ዝገለፆ ምስ ካልኦት ተመክሮታት ዝመዓረ ኣብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝፈጠሮም ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖማዊን ማሕበራውን መዋቕራት ዝተመስረተ ጣልያናዊ ኤርትራዊነት ከማዕብል ኣይከኣለን፡፡ ከም ኣገላልፃ ኣለምሰገድ ተከስተ ነጋሽን ካልኦት ምህራንን ዋላካ ፖሊሲ ጣልያን ብፍላይ ድሕሪ እቲ ኣብ 1920ታት ናብ ስልጣን ዝደየበ ፋሽሽታዊ ውድብ ቤኒቶ ሞሰለኒ ፈላሊኻ ንምግዛእን ከምኡ `ውን ነቲ ውጥን ወረራ ኢትዮጵያ ዝውዕሉ ተኣመንቲ ዓስከርቲ ኤርትራውያን ወተሃደራት ንምስራዕ ኤርተራውያን ምስ ጎረባብቶም ብፍላይ ከዓ ምስ ትግርኛ ተዛረብቲ ኢትዮጵያዉያን ዝፈላልን ዘፃልእን ፕሮፓጋንዳ ህንፀት መንነት አንተገበረ፤ ነቲ ነዊሕ ታሪክ ዘለዎ ሓበራዊ መንነት ክሰብሮ ኣይከኣለን፡፡

እዚ ማለት ግን  ፋሽሽታዊ ፕሮፓጋንዳ ጣልያን ኣብ ውሕዳት ኤርትራውያን ትግርኛ ተዛረብቲ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣየምፀአን ማለት ኣይኮነን፡፡ ውሕዳት ብፋሽሽታዊ ፕሮፓጋንዳ ጣልያን ዝተፀለዉ ኤርትራውያን ንሳቶም ስልጡናት ከምዝኮኑ ካብቶም ካብ መረብ ንደቡብ ዝርከቡ ትግርኛ ተዛረብቲ ዝተፈለዩ ከም ዝኾኑ ኣሚኖም ኣብልዕሊ እቶም ብመዳለዊ ፖሊሲ ዘውዳዊ ስርዓት ኢትዮጵያን ተፈጥራዊ ፀበባን ሕሰምን ተገዲዶም ኣሕዋትና ኢሎም ናብ ኤርትራ ይስደዱ ዝነበሩ ተጋሩ ዓፆቦታት የብፅሑ ነይሮም፡፡ ከምዚ ዝዓይነቱ ጉጉይ ኣረኣእያ ከዓ ብመሪሕነት ህግደፍ መቐልታ ረኪቡ ሕጂ `ወን እንተኾንነ አብ ውሕዳት ኤርትራውን ዝርአ እዩ፡፡

ዕብየት ፖለቲካዊ መንነት ኤርትራውነት እንትንዕዘብ ግን ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጣልያን ንላዕሊ ኣብ  1940ታት ግዜ ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ዝተኸሰተ ምዕባለ ፖለቲካዊ ውድባትን  ምትእትታው መራክቢ ሓፋሽን  ዝምኸንያቱ ፖለቲካዊ መንቃሕቲ ከምኡ `ውን ድሕሪ ፌደሬሽናዊ ውህደት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ (1952 ..) ብዘውዳዊ ስርዓት /ስላሴ ኣብልዕሊ ኤርትራዉያን ዝተወሰዱ ገርፈጣት ምሕደራውን ፖለቲካውን ስጉምትታት፤  ስዒቡ ዝመፀ እዩ፡፡ ደሓር ደሓር ድማ እቲ ስማዊ ፌደሬሽን ብዕሊ ብድፍኢት መንግስቲ /ስላሴ ምስ ፈረሰ ሕቶ ነፃነት ኤርትራን  ሃገራዊ መንነትን ፈለማ ብመሪሕነት ጀብሃ (ግምባር ሓርነት ኤርትራ) ቀፂሉ ህግሓኤ (ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ) ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተለዊጡ፡፡

ሕቶ ነፃነት ኤርታራ ወዮ ድኣ ሰኣን ድሞክራስያወያን መንግስታት ኢትዮጵያ ብደም ክዕጀብ ግድን ኮይኑ `ምበር፤ ቅኑዕን ዴምክራስያውን እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዉፅዓት ህዝብተት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ምስ ህዝቢ ትግራይ ሓቢሩ ነቲ ዝነበረ ዓፋኒ ስርዓት ደርሚሱ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ነፃ ሃገር ናይ ምምስራት መሰሉ ኣረጋጊፁ፡፡ ሕቶ ኤርትራ ሕቶ ባዕዳዊ መግዛእቲ ስለ ዝነበረ ከም ካልኦት ተመክሮታት ኣፍሪካን ካልኦት ክፍለ ዓለማትን ክፍታሕ ነይርዎ፡፡ ኤርትራውያን ከዓ ከም ሓደ ነፃ ህዝቢ፤ ካብ ካልኦት ህዝባታት ዝተፈለዩ ስልጡናት ብምካኖም ዘይኮነስ ነፃ ምርጭኦም ዝኾነ ኤርትራዊ መንነት ክህልዎም ባህርያዊ እዩ፡፡ ኣብዚ ` እምብኣር ጉጉይ ኣረኣእያ ስርዓት መንግስቲ ህግደፍ ፈጢጡ ዝወፅእ፡፡

ህግደፍ ዋላ ካብ ብጊሓቱ ዴሞክራስዊ ወድብ እንተዘይነበረ ካብ ውድብ ጀብሃ ዝሐሽ ፖለቲካዊ ራኢ ስለዝነበሮ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎኑ ከሰልፍ ኣየፀገመሉን፡፡ ከም ሓደ ደባይ ተዋጋኢ ውድብ ከዓ ሰፍሕቲ ናይ ፕሮፓጋንዳን  ናይ ምልዕዓል ስራሕታት ክዓምም ኑቡር እዩ፡፡ ህዝብታት ኤርትራ ንነፃነቶምን ሃገራዊ መንነቶምን ክስለፉን ብሕራነ ክቃለሱን ምልዕዓል ምእንተ ነብሱ ጌጋ አይነበረን አይኮነን፡፡ አርትራውያን ኣብ ኤርትራዊ ፅባቐን፣ ሓቀኛ ታርክ፣ ርቱዕ ትሕዝቶን ዝተመሰረተ ኤርትራዊ መንነት ክህልዎም ይግባእ፡፡ ናይ መብዛሕቲአን ጥዕና ዘለዎም መንግስታት ዝመርሕወን ሃገራት ሃገራዊ መንነት ከዓ እዚ ሓቂ መሰረት ዝገበረ እዩ፡፡ ህግደፍ ዝሓለሞ ኤርትራዊ መንነት ግን ኣብ ኤርትራዊ ፅባቐን፣ ሓቀኛ ታርክ፣ ርትዕ ትሕዝቶን ዘይተመስረተ ኣብ ንፅፅር  መንነት ህዝብታት ገረባብቲ ሃገራት ዝተመስረተ እዩ፡፡ 

ተመራመርቲ ስነ-ሓሳብ ማሕበራዊ መንነት (social identity) ከም ዝብልዎ ድማ ሓደ ህዝቢ መንነቱ ኣብ ንፅፅር ካልኦት ዝተመስረተ እነተኾይኑ ኩሉሻዕ ናይ ባዕሉ ኣወነታዊ መግለፅታት አብ ናይ ካልኦት ናይ ፈጠራ ኣሉታውያን መግለፂታት ዝተደረኹ ይኾኑ፡፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ንፅፅራዊ ኣለሻ መንነት ከዓ ምስ ኩሎም ካልኦት(others or out group) ምንፅፃር ወላ እንተሃለወ ኣገደስቲ ካልኦት (significant others) ዝብሃል ዝያዳ ንፅፅራዊ መንነት እትገብረሉ ህዝቢ ወይ ሃገር የድሊ ይብል  ፒተር ሄይስ ግሪስ (2005)  ‘Social Psychology and the Identity-Conflict Debate: Is a ‘China Threat’ Inevitable?’ ኣብ ዝብል ፅሕፉ ከም ዘቐመጦ፡፡ አብዚ ከይዲ ድማ ኢትዮጵያ ከም ሃገር አትዮጵያውያን ትግርኛ ተዛረብቲ ድማ ከም ሓደ መንነት ናይቲ ህግደፍ ዝሓረዮ ኣብ ንፅፅር ዘተኮረ ኤርትራዊ መንነት ኣገደስቲ ካልኦት (significant others) ከይኖም ንረኽቦም፡፡

ከምቲ ቀዲሙ ዝተገለፀ ህዝብታት ኤርትራ ብሕመቕ ንጉስ ምንሊክ፤ እክንጅምር ንመፍረ ፈታውነት ጣልያን ተሽይጦም ስዒቡ ድማ ድሕሪ ምብቃዕ መግዛእቲ ጣልያን ብስም እቲ ስማዊ ፌደሬሽን ግዳይ ወፀዓን ዓፈናን ድሕሪ ምካኖም፤ ሕቶ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝመሰረቱ ነፃነት ምጥላቦም ዴሞክራሲያዊ ከም ዝኾነ ዘየላጢ ሓቂ እዩ፡፡ እቲ ነዊሕን መሪርን ዕጥቃዊ መልሲ ድማ ሓቀኛ ሀዝብዊ ቃልሲ ስለዝነበረ ናይ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ መሪር ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተሓዊስዎ ዓላምኡ ወቒዑ፡፡

ደቂ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ከዓ ዋላካ ከምቲ ናይ 2 መፋርቅ 19 /ዘበን ኣብ ኩናት ጉንደት፣ጉራዕ፣ኩፊትን ዶጋዓሊን ንሓበራዊ ሃገራዊ ነፃነትን መንነትን ኣይኹን፤ ኣብዚ ሓድሽ መድረክ ብረታዊ ቃልሲ ነናይ ገዛ ርእሶም ዓለማን ራእታትን ንምዕዋት፤ ውሕጅ ደሞም ተፀምቢሩ ፈሲሱ፣ ብቅምቡላታት ዝደቐቐ ኣዕፅምቶም ተሓዋዊሱ ተኒኑ፣ ክፋላት ኣካላቶም ተቖራሪፁ ብሓባር ሓመድ ድበ ኣትዩ፡፡ ግን እንታ ዋጋ ኣለዎ  ግናይ ህግደፋዊ ፖለቲካዊ ፍልስፍና እዞም ሓቅታት ፀረ ነፃንት ኤርትራን ሃገራዊ መንነት ኤርትራን እዮም ዝተብሃለ ይመስል ገና ካብ ብጊሓቱ ካብ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሩ ኣብ ክሕደትን ምፅላም ታሪክን ጢሒሉ ፀዕዳ ከፀልም ላሕ ይብል ኣሎ፡፡ 

ህግደፍ ክሕደት አብ ልዕሊ ክሕደት፣ ጥልመት፣ ናይ ሓሶት ክስታት፣ ፈጠራዊ መፀለምታ መንነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እናደራረበ ሕዉነትን ጉርብትናን ክልቲኦም ህዝብታት ክበትኽ ይፅዕር፡፡ እቲ ምታይሲ ብህግደፋዊ ኣተሓሳስባን ፖለቲካዊ ብስለትን ህንፀት ኤርትራዊ መንነት ካብ ዉሽጣዊ ፅባቐ ኤርትራዊነት ዝብገስ ዞይከነስ ኣብ ፅልኣት ካልኦት ዝተመስረተ ስለዝኾነ፡፡ ንህግደፍ ከምቲ ተመራመርቲ ማሕበራዊ መንነት ዘቐመጥዎ መንነት ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ናይቲ ካብ ባዶ ኣየር ታሪክ ኣዛቢዑ ሓቂ ኪሒዱ ክፈጥሮ ዝደሊ ቄናን ሕልሚ ኤርትራዊ መንነት ብፍላይ ድማ ኤርትራውነት ትግርኛ ተዛረብቲ መሲሉ ስለዝርኣዮ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣገዳሲ ካልእ ተባሂሉ ህግደፍ  ዝነፍሖ ፕሮፓጋንዳ መፀለምታ መንነትን ክስን ኣብ ልዕሊኡ ዘተኮረ ኮይኑ እዩ፡፡

በዚ መሰረት ድማ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ኣብ መገባእያ ህገደፍ ወንጀለኛታት ተባሂሎም ተፈሪዶም፡፡ ናይ ሑሰት ታሪክ ተፃሒፉ እኒ በዓል ሃፄ ዮሃንስን ራእሲ ኣሉላን ናይ 19 /ዘበን ትግርኛ ተዛርብቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ተባሂሎም ንዓስቢ ጀግነቶም ኣብ መሬት ኤርተራ ዝተሃነፁ መዘከርታ ቅርስታቶም ክፈርሱ ተወሲኑ፡፡ ኣዕፅምቲ ተጋደልቲ ሕወሓት ኣብ በረኻታት ሳሕል እናእወየ ንነፃነት ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይወደቑ ክብሪ ስኢኖም፡፡ ኮታስ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘይወዓሎ ተኸሳሲ ኩሎም ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ዝበፅሑ ክፍኣትን በደላትን ኮይኑ፡፡ ብኣንፃሩ ከዓ ከም በዓል ራእሲ ወልደሚካኤል ሰለሞን ዝበሉ ሓረድቲ ህዝቢ ኤርትራ ጀጋኑ 19 /ዘበን ተባሂሎም ኣብ ሕሶት ታሪክ ህግደፍ ሰፊሮም፡፡ ህግደፍ ብሓድጊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝሕበን ብሕታዊ ኣፍሪካዊ ውድብ ምኻኑ ንምፍላጥ ከዓ ክብርታት ህዝብታት ኤርትራ ደምሲሱ ጣልያን ዝሰርሖ ባቡር ሃዲድ ምልክት ሃገራዊ ኩርዓት ገይሩ ኣብ ባጤራ ሃገረ ኤርትራ ኣሐቲምዎ፡፡    
  
እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ወዮ ድኣ ንምሕፃር ፅሑፈይ ኣብ ኢትዮጵያን ኢትዮጰያውያን ትግርኛ ተዛረብቲ ኣተኪረ እምበር ኣብ ትምክሕትን ፅልኣት ዝተደረኸ ፍልስፍና ኤርትራዊ መንነት ህግደፍ፤ ህዝብታት ኤርትራ ምስ ካልኦት ጎረባባቶምን ኣሕዋቶምን ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪካ ተሳኒዮም ኣንፃር ድኽነትን ካልኦት ሓበራዊ ፀገማቶምን ከይስለፉ ዝገብር ሕዱር ሕማም እዩ፡፡ ሎሚ ኮነ ፅባሕ ህዝብታት ኤርትራ  ወነንቲ ነፃ ኤርትራ ክሳዕ ዝኾኑ እዋን ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ክለብሱ ግድን እዩ፡፡ እዚ ሃገራዊ መንነት ግን ካብ ውሽጣዊ ፅባቐ ኤርትራዊነትን ህልው ትሕዝቶ እታ ሃገርን ዝብገስ እንተዘይኮይኑ አፃጋሚ እዩ፡፡

ከምኡ `ወን ህግደፍ ከም መንግስቲ ኤርትራዊ ሕልሚ ክሓል መሰል ኣለዎ፡፡ ህግደፍ ይኹን ካልእ ዝመፅእ መንግሰቲ፤ ህዝቢታት ኤርትራ ክሳዕ ዝተቐበልዎ ክንዲ ድልየቱ ዝደለዮ መግለፂ መንነት ኤርትራዉነት ከማዕብል ይኽል እዩ፡፡ ካብዚ ወፃኢ ግን ሎንግሪግ ዝተብሃለ እንግሊዛዊ ሓደ እዋን ህዝብታት ኤርትራ ካብ ነኒ ርእስኹም ንገረባብትኹም ኢኺም ትመስሉ እሊኩም እዩ ` ምስ ገረባብትኹም እነተዘይተገራጪኹም ኤርትራውያን ኣይኮንኩምን እናበልካ ህዝብታት ኤርትራ ምስ ኣሕዋቶምን መዋልዶምን ናብ ኩናትን ምድማይን ምምራሕ ሕቶ ሰላም፣ ድሕንነት፣ ልምዓት ህዘቢታት ኤርትራ ዘይምልስ ኣተሓሳስባ እዩ፡፡

ብስንኪ እዚ ጉጉይ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ህግደፍ ከዓ ኤርትራ ንህዝባ ዘይተቕስን፤ እንተዘይ በላዕክዎ ኣፍሰስክዎ ዝብል ናይ ደርሆ እስተራቴጂ ትክተል ዓንቃፊት ሰላምን ልምዓትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ኮይና ትርከብ፡፡ ስለዚ ኤርትራ ምስ ጎረባብታ ብፍላይ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ኣትያቶ ካብ ዘላ መዋጥር ወፂኣ ተጠቃሚት ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ክትከውን ትኽእል፤ ጎቦታትን ሩባታትን ተኸቲሉ ኣብ ዝጥረር ዶብ ተሽኺላ ዘይኮነስ፤ እዚ ጉጉይ ፖለካዊ ፍልስፍና ኣለሻ መንነት ምስዝውገድ እዩ፡፡ 
 
                                                                                                                      mareco_aau@yahoo.com
  ሐሕሐሕሐሕሐ

                               --------------- ተፈፂሙ-------------

1 comment: