Sunday 7 September 2014

“ብምንባበይ ዝተጠዓስኩላ መጽሓፍ!” ብሰላምይንገስ ደባስ

ደራሲ መጽሓፍ ንኽጽሕፍ ብዙሕ ይኸስር ኣንባባይ ድማ ኣንቢቡ ብዙሕ ይኸስብ። ካብዛ መጽሓፍ እዚኣ ግን ጸሓፋይን ኣነን ብማዕረ ከሲርና። 

ብመምህር ገብረኪዳን ደስታ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ "ንእምቢታ ኣንጻር ወረርቲ" ትብል መጽሓፍ ኣንቢበያ። ደራሲ ንተጋሩ ከተዓባቢየ ተዓዚበዮ። ንታሪኽ ተጋሩ ድማ ኣቆናጂዩ ሰሪሕዎ። ኣብቲ መጽሓፍ ብዘይካ ትግራዋይ ካልእ ዓሌት ጅግና የለን ታሪኽ ኣምሓራ ንግደፎ’ሞ ታሪኽ ብዛዕባ’ታ ትግራይ ትግሪኚ ኢሉ ዝሰርሓ ሃገር ንዛረብ። ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ግፍጥፋጥ ሓቅን ሓሶትን ከየገርመኒ ኣይተረፈን።

ኣብ 24 ግእዝ ብህዝቢ ሓበሻ ዝበዓል በዓል ኣቡነተክለሃይማኖት ፖሎቲከኛ እምበር ናይ ሃይማኖት ሰብ ኣይነበረን ይብለና ኣሎ ገብረኪዳን ደስታ። ኣቡነተክለሃይማኖት ቁዱስ ዘይኮነ ኣረሜን’ዩ ይብለና መምህር ገብረኪዳን ደስታ ምስኪን ህዝቢ ኤርትራ ተታሊሉ ኣረሜን ኣሚኑ ክሳብ ሕጂ ውን ይታለል ኣሎ ምእንተ ተክለሃይማኖት መሓረና ክርስቶስ ይብል።
ታሪኽ ማለት ብቋንቋይ ሓሶት ኣይኮነን። ታሪኽ ንዝነበረ ውዕሎ ከየጉደለ ከይመልአ ከምዘለዎ ዘቕርብ ዛዕባ’ዩ ነዓይ ንካልእ ኣይፈልጥን። ሙሉእ ኣእምሮይን ነዚ ሕጂ ኣነ ዘለኽዎ ቅርጺ ሒዘ ንክዓቢ ዓቢ ኣስተዋጸኦ ዝገበረ ሕብረተሰብ ህዝቢ ኤርትራዩ። ኣይትጥለም ኣይትሓሱ ኣይትስረቕ ኢሉ ኮስኲሱ ዘዕበየኒ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ። 


ካብቶም ደራሲ ዝፈጠሮም ታሪኽ ቁሩብ ክቆናጭል። ደራሲ ንታሪኽ ተጋሩ ሰማይ ክሰቅል ዝተወልደ ሰብዩ። እንታይ ይብል ካብ ቃላቱ ተጋሩ ግዳይ ጸላእቲ ዝኾኑ ቅንዕናን ሓቅን ስለዝዓብለሎም ጥራሕ’ዩ ይብል። ሓቅነትን ቅንዕናን መንነት ተጋሩ ኢዩ ኢሉውን ይውስክ መም ገብረኪዳን። ንኤርትራውያን ፍጹማት ተጋሩ ጌሩዩ ሰሪሑዎም። ከምሰብ ብዙሕ ኣይዝክሮምን። ንትግራይ ትግሪኚ ከዕቢ ግን ቡዙሕ ሞኽ ኢሉ። ኤርትራውያን ተጋሩ እንተኮይኖም ደኣ ንምንታይ ኣብ ታሪኽ ደቂ ዓጋመ ዘየማቕሎም እንድዒ። 

ጸሓፊ ንተጋሩ ዘይኮኑ ኢትዮጵያውያን ከም ሕሱም ሓመድ ይገብሮም። ንሃጼይ ተድሮስ ኣፍሪቃዊ ሄትለር ይብሎ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ንህዝቡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዝቀንጸለ’ዩ ዝነግረና። ኣነ ብዛዕባ ሃጸይ ቴድሮስ ብዙሕ ኣይዛረብን ዕሙቅ ዝበለ ኣፍልጦ ስለዘይብለይ። ክሳዶም ብሴፍ ከምዝቀንጸሎም ኣብ እቶን ከምዘእተዎም’ውን ደጊሙና። ሃጼ ተድሮስ ዘማቲ ኢዩ ‘ቲ ዝዓበየ ንብረት ንግደፎሞ ክሳብ 4 ዓታሩ ዝመልአ መራፍእ ከምዝዘመተ መም ገብረኪዳን የዘንትወልና። 

ናብ ሃጼይ ምንሊክ ክሰግር። ሃጼ ምንሊክ ምስ ግብጻውያን እንግሊዛውያንን መኺሩ። ካብ ውሽጢ ሃገሩ መንጭዩ ንዝፈስስ ማይ ብዲጋ መልክዕ ከይትዓግት ንሕና ማይ ክንስእን ኢና ህዝቢ ግብጺ መታን ከይጠሚ ፈርም ጥብ ዝበለት ማይ ትኺድ ንግብጻ ኢልካ ፈርም ኢሎሞ ፈሪሙ። ማዕረ ክንደይ ዓሻ ከምዝነበረ ምግማቱ ኣየጸግመናን። Struggle over the Nile ዝብል ኣብ መደበር ተለቢጅን ኣልጀዚራ ዝተገብረ ትንታኔ ዜና ብዙሕ ግዜ ደጋጊመ ሰሚዔዮ ክሳብ ሕጂ ውን ይገርመኒ ኣብ ሃገርካ ዲጋ ንከይትሰርሕ ፈርም ኢሎሞ ፈሪሙ ሕማቕ ታሪኽ። 


https://www.youtube.com/watch?v=UGPJXQ9aJ7M here it is the fact in after 11 minutes

ዝያዳ ሕማም መም ገብረኪዳን ደስታ ግን ስለምንታይ ሃጼይ ምንሊክ ንኤርትራ ካብ ኢትዮጵያዩ ፈልዩዋ ዝያዳ ዘሕምሞ ዘሎ ። መም ገብረኪዳን ንሃጼ ምንሊክ ኣዝዩ’ዩ ዝጸልኦ ኣነ ንሰብ ማዕረ ክንድኡ ክጸልእ ሕልናይ ብፍጹም ኣይቅበሎን ። ሃጸይ ምንሊክን መንደላይ ተመንን ሓደዮም ይብል። ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ሓወልቲ ተሰሪሑሉ ኣብ ፈረስ ተወጢሑ ከም ጅግና ይርአ ስለምንታይ ኣብ ሓድነት ኢትዮጵያ ንዝኣምን ንዝነበረ መንግስቱ ሃለማርያም ሓወልቲ ኣይተሰርሓሉን ገሪሙኒ።

ኣብ ኤርትራ ልቢ ትግራይ ዝበሃል መንገዲ ኣሎ። እዚ መንገዲ’ዚ ጥውይዋይ ዝበዝሖ መንገዲ’ዩ። ስለምንታይ ልቢ ትግራይ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኢለ ንዓበይቲ ኣቦታተይ ምስ ተወከስኩዎም ልቢ ናይ ተጋሩ ብቀሊሉ ኣይትርከብን’ያ ጥውይዋይ ዝበዝሓ ኢያ ኢሎም መሊሶሙለይ። ከመይ ኢለ ዳግማይ ተወከስኩ ልቦም ብተንኮልን ጥልመትን ዝተኸበበትያ ኢሎሙኒ። 

ሃጼይ ዮውሃንስ ንራእሲ ኣሉላ እንታይ ኢሉዎ ይመስለካ ኢሎሙኒ ጎይታይ ኣይቀትልኹምን’ዮም ከምዘይቀትሎ ድማ ምሒልካ ጥሒልካ ኣምጸኣዮ ኢሎሙኒ’ዮም ስለዚ ይምሕለልኩም እኒኤኹ ኢሉ ምሒሉሎም። ኤርትራዊ ጉሩህ እዩ ስለዚ ድማ ወልደሚካኤል ሰሎሞን ከይደሞም ኣሚነሞም ኣብ ኢድ ሃጼይ ዮውሃንስ ምስ ኣተዉ ግን ቀቲሎሞም ኢሎም ኣዘንትዮሙለይ። ነዚ መም ገብረኪዳን ብፍጹም ክዝክሮ ኣይደለየን ጎስዩዎ ሓሊፉ። ንኤርትራዊ ደኣ እላመሓልካ እላጠሓልካ’ዩ ኢካ ተታልሎ እምበር ብስሩ ኣይከኣልይ ይብሉ ደቂ ትግራይ። ሃጸይ ዮውሃንስ ኣብ ኲናት ጉንደትን ዓድዋን ጉራዕን ተዋጊኡ ኔሩ።

ጸሓፍን ገጣምን ወድ-ደባስ ኣብ ንባብ
ግብጺ ስለዝመጸቶም’ያ ስለዚ’ዩ ድማ ተጋሩ ህዝቦም ከይዘናበል ኢሎም ነቲ ኲናት ኣብ መሬት ኤርትራ ዝገበርዎ። ቱርኪ ንኤርትራ 300 ዓመት ገዚኦማ ግብጽ ንኤርትራ 27 ዓመት ገዚኡዋ ጥልያን ን 51 ዓመት ገዚኡዋ እንግሊዝ ድማ ን10 ዓመት ገዚኡዋ። ንሃገርና ኤርትራ ዝገዝእዋ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣስካሕካቲ’ዮም ኔሮም። ብኣስካሕካሒ ግዝኣታት ስለዝተገዝኤት ዓቅማውን ስለዝተዳኸመ ምስ ኢትዮጵያ ብመልክዕ ፈደረሽን ክትቁረን ተባሂሉ ተቆሪና ድማ። ፈደረሽን ፈሪሱ ሃገርና ኤርትራ ግዝኣቶም ጌሮማ ን30 ዓመት ዝወሰደ መሪር ተጋድሎ ድማ ኣብ 91 ናጽነትና ወሲድና። ኤርትራ ጠቕላላ 434 ዓመታት ተገዚኣ። ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ዘይተገዝ ላይበርያን ኢትዮጵያን ኢየን ስለዚ ከም ከመይ ደኣሉ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ዝኾነት ጉዳም። ኢትዮጵያውያን ኣይተገዛእናን ኢዮም ዝብሉ ታሪኽ ውን ከምዘይተግዝኡ ኢዩ ዝነግረና። ዘይተገዝኡ ኢንተኮይኖም ድማ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ኣይነበረትን ማለትዩ።


ጸሓፊ ናይዚ ገፈጥ መፈጥ ዝመልኦ ታሪኽ ብትግራይ ትግሪኚ ኣዝዩ ሕሙም’ዩ። ነቲ መሬት ኤርትራ ከም መሬቱ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ከምዘይ ህዝቡ’ዩ ዝዛረብ ። ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየንን’ዩ ኢዩ ዝብለና ዘሎ። ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ ብፍጹም ኣይተዘከረን። ዘርኣይ ደረስ ኤርትራዊ’ዩ ባንዴራ ኢትዮጵያ ክትርገጽ ምስ ረኣያ ነቶም ረገጽታ ሴፉ መሊሑ ቅንጥብጥብ ኣቢሉዎም ኣብ ማእከል ዓዲ ጥልያን ሮማ ብጅግንነት ተሰዊኡ ። ጅግንነትስ እዚ’ዩ ኔሩ። ኤርትራዊ ብሙዃኑ ጥራሕ ኣብዚ መጽሓፍ ታሪኹ ኣይተገልጸን።


ካልእ ብዛዕባ ጀበርቲ ብፍጹም ኣይዛረብን ሃገሮም ጡፍ ኢላቶም። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብስርዓት ኣዕቊቡዎም። ስለምንታይ ነዚ ታሪኽ እዚ ክዕበጥ ተደልዩ ኣይርደኣንን።

ጸሓፊ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወረደ በደል ብዙሕ ኣይገልጾን ብጭልፋዩ ካብቲ ባሕሪ’ዩ ገሊጽዎ። ስለምንታይ ብዕምቆት ኣይገለጾን ዘይታሪኹ ስለዝኾነ ኤርትራውያን ብሃጼ ዮውሃንስን ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋን ዝወረዶም በደል መዓቀኒ ኣልቦ’ዩ ኣዝዮም ቡዙሓት ኤርትራውያን ኣእዛኖም ክሳብ መቐመጢ ዉዑይ ቆሎ ዓተርን ውዑይ ሻሂን ኔሩ ይበሃል የማናይ ኢዶምን ጸጋማይ እግሮምን ብሴፍ ይቆርጹዎም ኔሮም ሽዑ ንሽዑ ምስ ተቆርጹ ድማ ደሞም ወዲኦም ከይሞቱ ተባሂሉ ነተን ዝተቖርጻ ኢድን እግርን ኣብ ሸክሸክ ዝብል ጠስሚ የእትዉወን እሞ ቁሩይ ይብላ ሽምርር። ነዚ ኣስካሕካሒ ታሪኽ ብዕምቆት ኣይገልጾንዩ። ተበዲሎምዮም ይብል’ዩ ግን ኣእዛኖም መቀመጢ ቆሎ ከምዝነበረ ኣይገልጽን ከምዝተቆርጹ የማናይ ኢዶምን ጸጋማይ እግሮምን ይዛረብ’ዩ ነቲ ኣብ ዉዑይ ጠስሚ ግን ብፍጹም ኣይትንክፎንዩ መስደመም።

ጥልያን ንኢትዮጵያ ባሕሪ ከምዘይብላ ጌሩዋ ይብል ገብረኪዳን ደስታ። ጸኒሑ ድማ ንኣከሎጉዛይ ኣብ 1900 ዓም ካብ ትግራይ ተፈልያ ይብል ኤራፋለ ደኣሞ መሬት ኣከለጉዛይ ዶ ኣይኮነን’ ደራሲ ንባሻይ ኣውዓሎም ከይሓፈረ ናብ ትግራዋይ ቀይርዎ። ባሻይ ኣውዓሎም ኤርትራውዩ።ዓስከር ጥልያን ከምዝነበረዩ ድማ ዝዝንቶ ምስ ሃጼይ ዮውሃንስ ርክብ ከምዝነበሮ ይዝንቶ። ኣብቲ ግዜቲ ጣልያን ንኢትዮጵያ ክጎብጣ መደብ ኣውጸአ። ባሻይ ኣውዓሎም ድማ ነቶም ተሃንዲዶም ዝኸዱ ዝነበሩ ሰራዊት ጥልያን መራሒ መንገዶም ነበረ። ምስ ሃጼይ ዮውሃንስ ተማኺሩ ስለዝነበረ ኣብ ክንዲ ብገፊሕ መንገዲ ብጸቢብ መንገዲ ወሰዶም በዚኣ ኢና ንሞሉቕ ኢሉ ድማ ኣረደኦም። ሰራዊት ሃጼይ ዮውሃንስ ድማ ኣብኣ ተደቢቖም ጸኒሖም ነቶም ጣልያናውያን ወረርቲ ሕርድ ኩምትር ኣበሉዎም ነዚ’ዮም ኢትዮጵያውያን ንጸላእቲ ስዒርናዮም ኢሎም ዝዛረብሉ ታሪኽ። 


ጸሓፊ ነዚ ኣይገለጾን ንታሪኽ ተጋሩ ከዕቢ ሰማይ ክሰቕል ሩሑ ሞሊቑ። ነውዓሎም ድማ ብሓንቲ ግዜ ትግራዋይ ቀይሩዎ።ደሓር ግን ኣሕፊሩዎ’ዩ መስለኒ ገለ ሰባት ኤርትራዊ’ዩ ስለዝበልዎ’ዩ መስለኒ ካብ ኤርትራውን ይውለድ’ዩ ዝበለ። ትግራዋይ ኔሩ እንተዝኸውን ግን ልዕሊ ሃጼይ ዮውሃንስ ምሰርሖ ኔሩ።

ብሓፈሻ መምህር ገብረኪዳን ንታሪኽ ትግራይ ትግሪኚዩ ኣቀናጅዩ ኣቕሪቡዎ። ንታሪኽ ከም ሕሱም ጠምዚዝዎ። ኣብ ክልል ኣምሓራን ክልል ኦሮሞን ዋላ ውን ካብ ኤርትራውያን ዋላ ሓደ ጅግና ሰብኣይ ከምዘይነበረዩ ዘዘንቱ። ካብዚ መጽሓፍ’ዚ ዝኸሰብክዎ ዘይኮነ ዝኸሰርክዎ በዚሑ።ብምንባበይ ዝተጠዓስኩውሉ መጽሓፍ እንተሎ’ ዚመጽሓፍ’ዚ ጥራሕ’ዩ። ሓሶት ክመሃር ኣእምሮይ ብፍጹም ኣይቅበሎን። ልዕሊ ኹሉ ዘሕዘነኒ ግን ሓሶት ኣብ ኣእምሮይ ቦታ ንክሕዝ ዕድል ብምፍጣረዩ።

4 comments:

  1. ኣታ ንስኻትኩም ትገዱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ብልቦለድ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ካብ ዝደንቆረ ሰብ ታሪኽ ክትማሃሩ ትደኽሙ።

    ReplyDelete
  2. ተባዕታይ ምስክርነት ወዲ ደባስ ነብሲ።
    elizameli starmercy(ካርሎስ)።

    ReplyDelete
  3. ዘስደምም'ዩ ናይ ገረችዳ ሓሶት!

    ReplyDelete
  4. ብጣዕሚ ጽቡቕ ሓበሬታ እዚ መምህር ገብረኪዳን ዝበሃል ታሪኽ ክፈጥር ዝጽዕር ድቃስ ዝስእን ዘይነበረን ዘይተገብረን ነገራት የዐውተኒ እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ ዘስፍር ጸሓፊ እዩ:

    ReplyDelete