Sunday 17 August 2014

“‘ሰብ-ሽዳ’ ሽሩፍ ኣይንሕዝን ኢና!”


ገሊኡ ኣብዚፌይስ-ቡክፖስት ዝገብሮ ጽሑፋት፡ ንገለ ኣሳእል ምስ ረኤኹ ኣብ ሓንጐለይ ዝቕጀለኒ እዩ። ንኣብነት፡ እዛ ትርእዪዋ ዘለኹም ስእሊ ባር ኣልባ ምስ ረኤኹ፡ እዛ ትስዕብ ኣጋጣሚት ተዘኪራትኒ። ግዜ እንተ ሃሊዩኩም ንበብዋ፤ ተሃውኽኩም እንተ ሃሊኹም ግን ዋላ ትትረፍኩም - ብዙሕ ኣገዳሲት ኣይኰነትን፤

ብኸመይ ምዃኑ እንድዒ እምበር፡ ዝበዝሑ ኣብ ባር ኣልባ ዝእከቡ እቶም ብበለስ ዝፍለጡ ሰብ ዲያስፖራ እዮም። ገለኣዝመሪኖታትእውን ኣዋልድ ንኽቃጠቡ ተመሳሲሎም ይመጹ እዮም። ሓንቲ መዓልቲ ግን፡ ንኽርኢ ጥራይ ናብታ ባር ኣተኹ። እቲ ጸገም ግን ከይተመሳሰልኩ እየ ኣትየ።

ቀጠልያዩኒፎርምዝተኸድነት ፈርጣዕ ኣሳሳይት ኣብ ልዕለይ መጺኣ ዘዘው በለት። ኣብ ኤርትራ እቶም ኣሳሰይቲ ኣብ ከባቢኻ መጺኦም ከዕነንዩ እንከለዉ፡ ክሰምዑኻ ዘይኰነስ ገለ ንብረት ጠፊእዎም ዘናድዩ ዘለዉ ኰይኑ እዩ ዝስምዓካ። 
ብዝዀነ፥ ምዕንናያ ወዲኣ፡እንታይ ክእዘዝ?” ተወከሰትኒ።
ድሓን ሻሂ ተኣዛዚበልኪዋ - ፈገግታ ኣሰኒየ። ካብቶም ኣብ ከባቢኤይ ዝነበሩዋትስ-ኣፕትዕዝብተይ ከየላቐቕኩ። 
ሕራይኢላትኒ ብግስ በለት።

ጸኒሓ ግን፡ ገለ ነገር ከም ዝረስዐት፤ ግልብጥ ኢላ፡ግን . . . መን ሽምካ . . .” ብርግጽ ገለ ነገር ከተተሓሳስበኒ ደልያ ነበረት። ግን ድማ ከይተቐዪመኒ ዝተጠራጠረት ትመስል።
እሂ፡ እንታይ ኣሎ ድዩ?” ንኽትዛረብ ኣተባባዕክዋ።


ማለት- ዋጋ ናይዚ ገዛ ፈሊጥካዮ ኣለኻ ዲኻ?” ሓተተትኒ ናብቲ ኣሕመድሚዱ ዝነበረ ሽዳ ጫማይ እናጠመተት - ብዓይኒ ድንጋጸ።
ሻሂ ኽንደይ ድዩ?” ሓተትክዋ ድምጸይ ኣትሕት ኣቢለ።

ሻሂ ድኣ 3.50 ናቕፋመለሰትለይ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሻሂ ኣብ ዝበዝሕ ቦታታት ኣስመራ ካብ 1 ናቕፋ ክሳብ 1.50 ናቕፋ እዩ ዝበጽሕ ነይሩ።

ድሓን እሞ ኣምጽእለይ ጥራይ!” በልክዋ ርእሰይ ኣቕኒዕ ኣቢለ። 
ድኻ ደርሆ እንተ በሊዑስ፥ ወይ እቲ ድኻ ወይ እታ ደርሆ፡ ሓዲኦም ሓሚሙ ኣሎ ማለት እዩ ድዩ ዝበሃል? ብዝዀነ፡ ብልባ፡ድኻ መናንእናበለት ትኸውን ከደት ናብ ማሽን። 

ኣምጺኣትለይ። ሻሂኤይን ትዕዝብተይን እናኣካፌኹ ግን ሓደ ሓሳብ መጸኒ። እታ ኣሳሳይት ብዓይኒ ሓልዮት ርእያ ንኸይጽገም ኢላ ዋጋ ምሕባራ ደስ በለኒ።ኩሉ ሽዳ ዝወደየ ድኻ ክኸውን ይኽእል እዩኢላ ምሕሳባ ግን ቅኑዕ ኰይኑ ኣይተሰምዓንን። ንዓኣ ድኣ ኣይተረድኣን እምበር፥ ክንደይ ሽድኣ ዘይቀየረት ገልጣም ተጋዳላይ፡ ብዝረኸበቶ ሓለፋ ነጻ-ቐረጽ፥ ክንደይ ወላድ-ሰብ ዝመስላ መካይን ኣእትያ ነይራ እንድያ ግዲ? ስለዝስ፡ ብገለ መንገዲ ንሓሳባ ዘቐዪርለሰንክህባ ደለኹ።

ዘይተሸርፈት 100 ናቕፋ ካብ ማሕፉዳይ ኣውጺኤ ኣብ ላዕለዋይ ጂባ ናይ ካምቻይ ኣቐመጥኩ። ሻህን ትዕዝብትን ወዲኤ ብግስ ክብል ድማ ሕሳባ ክትወስድ መጸትኒ። 

ንኸምስል ኣብ ታሕተዋይ ጂባይ ሃሰስ-መሰስ ኢለ ነታ ኣብ ካምቻይ ዘቐመጥክዋ 100 ናቕፋ ኣውጺኤ ኣቐበልክዋ።

እውይ! ኣንታ መን ሽምካ ገለ ሽሩፍ እባ ረኤ?” በለትኒ ብሓውሲ ምምሽኽኻን።

እዞም ሽዳ ንኽደን እኳ ትሕቲ 100 ሽሩፍ ብዙሕ ኣይንሕዞን ኢና!” በልክዋ ዕትብ ኢለ።
እምም!” ኢላ ቀዘዝ በለት። 

ካልኣይ ኣየድገመትንን፤ ብቐጥታ ናብካሼርከይዳ ኣሸራሪፋ ማልሰይ ብመሳርሕታ ገይራ ሰደደትለይ። ሽዕኡ እውን ትም ኢለ ክርእያ ኣይደለኹን። ገለቲፕበታ መሓዝኣ ገይረ ሰዲደላ እየ። መቸስ፡ ፍሉጥ እዩ ነቲ ብድሕረይ ንዝመጽእ በዓል ሽዳ ሽሻዩ ኣብሲለሉ ኣለኹ። ብርግጽ ባዕላክትቃጠቦእያ። ትሕቲ ምእቲ ሽሩፍ ዘይሕዝ ሰብኣይ ድኣ እሞ?!

No comments:

Post a Comment