Shedelli ሸደሊ
Saturday, 29 November 2014
ኤርትራውያን፣ መሃይማን ታሪኽ ዶስ ከሓድቲ ሓቅታት፧!
2
ይ ክፋል
ፋሕ-ብትን፣ ሰራዊት፣ ራእስ፣ ወልደንኪኤል
በዚ፣ ኸምዚ፣ ራእስ፣ አሉላ፣ ንራእስ፣ ወልደንኪኤል፣ ከም፣ ቃሎም፣ ብደሐን፣ ኣብ፣ ንጉስ፣ አብጽሕዎም፤ ከምኡ፣ ድማ፣ ብሰላምኒ፣ ብሐጐስኒ፣ ኻብ፣ ቤተ-ንጉስ፣ አውጻዎም። “ዐድኹምውን፣ ከብጽሐኩም፤ ከማኡውን፦ ዘይእዘዝ፣ እንቲህሉ፣ ላብቱ፣ ወሰነ-ወሰን፦ ከነግዝእ፦” ይሎም፣ ምስኦም፣ ተተሓሒጆም፣ መጺኦም፦ አብ፣ ጕራዕ፣ ሰፈሩ።
Read more »
Friday, 7 November 2014
ኤርትራውያን፡ መሃይማን ታሪኽ ዶስ ከሓድቲ ሓቅታት?! ብሙሴ ሓድጉ
1ይ ክፋል
መቸስ ሰውራ ኤርትራን ስርዓት ኢሰያስን ካብ’ቲ ኣካልዊ ግፍዕታታትን ስቓይን ከምኡ’ዉን ቆጠባዊ ዕንወት ንላዕሊ፥ ኣብቶም ረቀቕትን ዘይድህሰሱን ዓንድታት ሕብረተሰብ ዘውረዶ ዕንወትን ሓድግታቱን ይዓቢ። ኣብ ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ያታ፣ ልምድታትን ወግዕታትን ህዝቢ ኤርትራዝተፈጸመ ገበናት ንወለዶታት ዝኽይድ ሳዕቤን ዘለዎ እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ነቲ ብሰውራ ኤርትራን ስርዓት ኢሰያስን ብተጋጋሚ ዝተነግሮ ዉጹእ ሓሶት ከምሓቂ ብምቝጻር
፡
ወላ እቶም ነቲ ስርዓት ንቃዎሞ ኢና ዝብሉ ናይ’ቲ ስርዓት ናይ ኣእምሮ ግዙኣት ኮይኖም ንረኽቦም። ካብ ኣካልዊ ባርነት ከኣ ኣእምራዊ ባርነት ይኸፍእ። ኣእምራዊ ሓርነት ከይተረጋገጸ ድማ ኣካልዊ ሓርነት ክረጋገጽ ዘበት እዩ።
Read more »
Saturday, 1 November 2014
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንስርዓት ኢሳይያስ ብምጥቃዕ ካብ ስልጣን እትኣልየሉ ምቹእ ህሞት ሕጂ እዩ! -II
ብሙሴ ሓድጉ
ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል
መጥቃዕቲ ኢትዮጵያ ብጋህዲ፥
1.
ዘይተመጣጠነ ወተሃደራዊ ሚዛን
፡
ሰራዊት ኤርትራ ካብ’ቲ 1998-2000 ኢትዮጵያ ዝወረዶ ስዕረት ኣይሓወየን። ኣይሓወየን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ከም’ቲ ኣቐዲሙ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተጠቕሰ
፡
ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 14 ዓመታት ሰለሎ ኣትዪዎ እዩ። እቲ ብቐደሙ’ውን ልኽሱስ ሓይሊ-ኣየር-ኤርትራ፣ ሕጂ ጠሪሹ ዓንዩን ጠፊሹን እዩ። ኣብ ግዜ ኲናት ክወሳወስ ይኽእል’ዩ ኢልካ ምሕሳብ እውን ዘይክውንነታዊ እዩ።
ብመንጽር ኵነታት ሰራዊት ኤርትራ ክርአ ከሎ፣ ድሕሪ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብኣጽዋር ኮነ ብዓቕሚ-ሰብ ኣብ ቀጻሊ ምምዕባልን ምሕያል ዓቕምን ብቕዓትን እዩ ጸኒሑ። ብፍላይ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ
፡
ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ
፡
ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እዩ ዝስራዕ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሞራሉን ስሙር መሳርዑን ይርከብ።
Read more »
Saturday, 11 October 2014
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንስርዓት ኢሳይያስ ብምጥቃዕ ካብ ስልጣን እትኣልየሉ ምቹእ ህሞት ሕጂ እዩ!
ብሙሴ
ሓድጉ
1
ይ
ክፋል
ብዕለት
8
ነሓሰ፡
ቀዳማይ
ሚኒስተር
ኢትዮጵያ
ምስ
ኣብ
ኣመሪካ
እትርከብ
ረድዮ
ጽንዓት
ቃለ
-
መጠይቕ
ኣካይዱ
ነይሩ።
ንሱ
ኣብ
ቃለ
-
መጠየቑ
ንግብረ-ሽበራዊ
ተግባራት
ስርዓት
ኢሳይያስ
ኣመልክቱ
ንዝቐረበሉ
ሕቶ
ከምዚ
ክብል
መሊሱ ነይሩ፤
“መንግስቲ
ሻዕብያ
ከም በዓል
ግንቦት
7
ዝኣመሰሉ
ኣሸበርቲ
ጕጅለታት
እናዕጠቐን
እና
ሰልጠነን
ናብ
ኢትዮጵያ
ኣስሊኹ
ብምእታው
ጸጣታን
ሰላምን
ኢትዮጵያ
ይዘርግ
ስለዘሎ፣
ካብ
ምስ
ሻዕብያ
ዝለኣኾም
ኣሸበርቲ
ክትቃለስ
ምንባር፣
ነቲ
ምንጪ
ግብረ-ሽበራ
ዝኾነ
መንግስቲ
ሻዕብያ
ካብ
ሱሩ
ንምእላይ
መንግስቲ
ኢትዮጵያ
ሓዲሽ
ስትራተጂ
ሓንጺጹ
ይሰርሕ ኣሎ” ዘስምዕ ቃል ሂቡ ነይሩ።
Read more »
Sunday, 21 September 2014
ሃነጽቲ ምላሻት ን‘መጽናዕታዊ-ጽሑፍ’ ሓው መሓሪ ዮሃንስ፤
ሰላም መሓሪ
ዮሃንስ!
ኣቐዲመ ኣብ
ህይወትካ ጥዕና፡ ኣብ ትምህርትኻን ተቕርቦ ዘለኻ መጽናዕታዊ-ጽሑፋት
ድማ ኣሳልጦ እምነየልካ።
ቅድሚ ገለ ሰሙናት፡
ካብ
ፖሎቲካዊ
ቈይቂ
ኣዝዩ
ዝተፈልየ
እኮ
እንተዘይኮነ፡
ታሪኻዊ
መልእኽቲ
ሓዘል
መሰል
ምልልስ፤
ኣብ
መንጎ
ተዛረብቲ
ትግርኛ
ኢትዮጵያን
ተዛረብቲ
ትግርኛ
ኤርትራን
በዚ ‘ብሎግ’ ክከታተል
ቀንየ
ነይረ።
እዚ ድማ
ገለ
ንኽብል
ቀስቂሱኒ።
እሞ
ኤመስግነካ።
ኣብዚ
ሕጂ
ዝነብረሉ ዘለኹ ሃገር፡ ሓደ
ጽሑፍ
ከተበግስ
ንዘኽኣለካ
ሰብ
ክትነቓቓሕ
(
ከምዘለዓዓለካ
)
ከምዝገበረ
እዮም
ዝገልጽዎ።
‘inspirasjon’
ይብልዎ
ብቛንቛ
ኖርወይ። ስለዚ
ድማ እዩ
ክምስገን
ኣለዎ
ዝብልዎ።
Read more »
Newer Posts
Older Posts
Home
Subscribe to:
Posts (Atom)