Sunday 17 August 2014

ሓድነት ብድሌት እምበር ብብረት ኣይኰነን!!

ቅድሚ ገለ ዓመታት እዩ። ኣብ ኣስመራ ዝረከቡ ሰዓብቲ እስልምና፤ ኣብ ግዜ ዒድ፡ ኣብ ቅድሚ መስጊድ-ዓቢ፡ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ይሰግዱ ነበሩ። /ከምዚ፡ ኣብዚ ስእሊ ትርእዪዎ ዘለኹም፤ ስእሊ ካብፌስ-ቡክዝተረኽበ እዩ/

ዳሕራይ ግን፤ እቲ ቐጽሪ ናይቲ 'ጃምዕ' ኣይኣኸሎምን። ናብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ጽርግያ፥ ክሳብ ዕዳጋመርካቶተዘርጊሖም ክሰግዱ ጀመሩ። የግዳስ፡ ንሱ እውን ኣይኣኸሎምን። ንሃይማኖታዊ-ጒዳያት ሓቲቶም ከኣ፥ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ንኽሰግዱ ተፈቕደሎም። 

እዚ ውሳኔ ሃይማኖታዊ-ጒዳያት፡ ነቶም ነዚ ጒዳይ ብዓይኒ-ስግኣትን ዕቱብነትን ክካታተልዎም ዝጸንሑ መእመናን ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ዳርጋ ራዕዲ ኣእተወሎም።ቊዱስሲኖዶስ ከይወዓለት ከይሓደረት፡ ሓደ ዘይወቕታዊ ምስጢራዊ ጉባኤ ጸውዐት። ህዝበ-ክርስትያን እውን ነቲ ኣብ ቴለቭዥን ዝረኣዮ ጽንብል ዒድን ብዝሒ ምእመናን እስልምና ኣብ ባሕቲ መስከረምን ዳርጋ ክኣምኖ ኣይከኣለን። ከምታ ኣመሉ፥ ብትሕም-ትሕም፡ኣንታ እዚኦም ድኣ ወሪሮማ እንድዮም ዓዲ፧ በው!” ጥራይ በሉ። 
ሲኖዶስ ተኣኪባ እምበር ክትሰርዖ ትኽእል ኣጄንዳ ኣይተረድኣን።
ሓቈም እንድዮም፤ ንሳቶም እንታይ ገይሮም፥ ቀደም ካብ ኣርባዕተ ኣንስቲ ንኽወልዱ ፈቒዱሎም እቲ መጽሓፎም - ስዲ ሰዲድዎም - ባዕሉ!” ንዘማርርዎ ጨነቘም።

ነቶም መእመናኖም ኣኪቦም፤ 
ድሕሪ ደጊም፡ እቲ መጽሓፍና እውን እንተዀነ፡ብዝሁ ተባዝሁ፡ ምልእዋ ለምድሪ!’ እንዳኣሉ ዝብለና። ውለዱ ከም ስሬኹም!” ንኽብልዎም ዳርጋ ተደናዲኖም ነይሮም እዮም። ኣይወዓልዎን ግን

ቊዱስ ሲኖዶስኣብ ኣኼብኣ፡ ብዛዕባ እንታይ ክትዛረብ ምዃና ክትሓስብ ጥራይ ኣዋርሕ ሓለፈ። ብፍላይ፡ እቶም ነባራት ካህናትን ሓለፍትን ሓደ ነገር ተበኲሮም ነይሮም እዮም።

ኣቐዲሙ፡ ቅድሚ ገለ ዓመታት ናይዚ ፍጻመ፥ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ንኹሎም መራሕቲ ሃይማኖት፡ /ናይ ኩለን ሃማኖታዊ-ትካላት ከም ኣገላልጻ ህግደፍ/ ኣብ ሲነማ ካፒቶል ኣኪብዎም ነበረ።

ምስሳን ኢስላም ንኽርስትያን ከበሳ መርዘን እዩ
ድሕሪ ሕጂ ዝዀነ ይኹን ምስ ሃይማኖት ዝተሓሓዝ ጒዳይ ኣብዛ ሃገር ይስማዕ፡ ወይሊ-ርእስኹም፤ ፈረናጭትኩም ቀጥ-ቂጠ ከሱረኩም እየ!!” ኢልዎም ነይሩ። ቃል-ብቓላ፥ ልክዕ ከምዛ ጽሕፈያ ዘለኹ ገይሩ እዩ ተዛሪብዋ!! ዝጐደላ ወይ ዝተመልኣ የብላን። እንታይ እሞ ክሕስወሉ - ኣሽሓት ህዝቢ ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ ኣኼባ እንድዩ ግዲ!! ፍረ-ነብሶም ኣሱሩ ናብ ተስቶት ክቕዪሮም ምዃኑ ብግልጺ ገሊጽሎም - ኣቶ ናይዝጊ። ንመልሓስ ናይዝጊ ድማ እዚ ቀቀሊሉ እንደኣሉ!

ከም ወዮ ዝዘራእካዮ ኢኻ ትዓጽድ ዝበሃል እዩ፤ ሕብረተሰብ ኤርትራ ድማ ንበዓል ናይዝጊ እዩ ኣፍርዩ፤ በታ ክሰምዕዋ ዝኽእሉ ቋንቋን ክኽተልዋ ዝኽእሉ ኣገባብን ድማ ተማም ገይሮም የመሓድርዎም ኣለዉ - እቶም ዘርኦም ዘፍረዪዎም። ነብሲ-ወከፍ ህዝቢ ንገዛእ-ምስሉ ዝመስል ስርዓት ከም ዝተክል ባህርያዊ ሓቂ እዩ። ኣብ ህዝቢ ኤርትራ በጺሑ ዝቕየር ኣይኰነን።

ብዝዀነ፡ ናይዝጊ ከምዚኣ ምስ በሎም፤ እቶም ካህናት፡ሳኣሊለነ ቅድስቲ - ንዓይ ገዲፍካ ነንስቲ!” ኢሎም፥ ብመስቀሎም ከማዕትቡ እንከለዉ፥መሻዪኽ እስላም ድማኣዑዝብላህ ምነ’ ‘ሸይጣን ኣረጂም!” ኢሎምዓውዞም ዱዓኦም ኣብጺሖምን ነናብ ቦትኦም ተመልሱ። ድሕሪ እዚ ግዜ እዚ፡ መንግስቲ እንተ ደለየ፡ ሼኽን ቀሽን ማዕረ-ማዕረ ኰፍ የብሎም፥ እንተደለ ቅድሚትን ድሕሪትን፡ ሓደ-ሓደ ግዜ እውን ንሳቶም ከይፈለጡ፥ ብስሞም ኣዋጅ ከውጽእ ጀመረ። ዋላ ከምዚ ኣብ ቦሎኛ ዝረኤናዮ እውን፥ ንበዓል ከነዲ /ወዲ ግንዳዕ/ ኣምጺኡ፡ መስቀል ዘለዎም መሻይኽ ይፈጥር - ከም ኬፉ!!

ነቶም፡ንሶም እውን ዘይ-ንዝኣመኑ ኣሚኖም እዮም!” ዝበሃለሎም ካቶሊክ ገድፍካ ከኣ፥ ካልእ ኩሎም ዝተረፉ፥ ኣብ ማይ ከም ዝኣተወት ኣንጭዋ ጥርቅም በሉ። ካቶሊክ እሞ እንታይ ግዶም፥ ዋላ መንግስቲ እንተ ኣሶሮም ማለት ከምቲ ናይዝጊ ክፍሉ ዘፋራርሖ 'ፍረ-ነብሶም እንተቐጥቀጦም' ዘይፈለስቲ እዮም ምእንተ-ርእሱ፡ እንታይ ከይወልዱ ኢሎም። ግዲ ዀይኖም ድማ፥ ክሳብ እዚኣ ትማሊ፥ ብትብዓት፡ኣሕዋትኩም ኣበይ ኣለዉ?!” ኢሎም ዘዋጥሩና ፍንሕ-ንሕ ምባል ኣይገደፉን። ሳሕቲ እውን ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን፤ ሓንቲ ግዜ ድማሙፍቲኣብ ካይሮ ከምእሕሕ. . .’ ኢሎም ነይሮም።

ካብ ጥንቲ-ጥቅምቲ ኣትሒዛ፡ ዝነገሰ ዝንጉሳ፡ ዝበረቐት ዝጸሓያ፡ ቤተ ክርስትያን ተውህዶ ግን፡እሕሕ. . .” ምባል እሞ ይትረፋ፥ "እሕሕ . . ." ንዝበሉ እውን፡ ምስ መንግስቲ ብምሽራኽ ንኽንደይ ኣጒስጣ እያ። - ንገለ ጴንጠ፡ ንገለ ጅሆቫ እናበለት። ሎሚ - ግን ዕጭኣ በጽሒዋ

ካብ ቀደም ኣትሒዞም ንሰዓብቶም፡ካብ ስጋ ናይዞም፡ ሕሉቕን ሓሰማን ዝበልዑ ካቶሊኽ-ሲ፡ ኣስላማይ ዝሓረዶ ስጋ ምብዕ እኳ ይሕሸኩም!” ዝብሉ ዝነበሩ ተዋህዶ - ጥንታውያን ጽርኢ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን እዮም። ካቶሊክ እውን ነታ ዘላቶም ናይ ትምህርቲ ጸብለልትነት እናተጠቕሙ ጉጥያ ኣይገድፉን እዮም። 

ብዝዀነ፤ ናብታ ጒዳይ ባሕቲ መስከረም ክንምለስ።ሲኖዶስተዛራርባ፤

እቲ ዝዓበየ ጸገም፥ ሓንሳብ ኣስላም ኣብ ባሕቲ መስከረም ምስ ሰገዱ፤ ኣበይ ኢና ዳሜራ መስቀል ክንኣጉድ? ኣብ ግዜ በዓል-ጥምቀት ምሉእ ታቦታት ኣስመራ ከካብ ቤተ-ክርስትያኑ ወጺኡ ኣብዚ ባሕቲ መስከረም እዩ ዝእከብ። ሕጂ ኣስላም ምስ ሰገድሉ - እሞ 'ምስ ተራኸሰ' ከመይ ኢና ክንገብር፧!” መልሲ-ኣልቦ ሕቶታት ተደርደሩ። መዋእላ ኣብ መንጐ ህዝብን ፖለቲከኛታትን ከተጣቚስ ዘሕለፈቶ ቤተ-ክህነት ትምልሶ ጨነቓ። ሓያል ኣየንግህ እዩ!!

ግድን ናብ ሃይማኖታዊ ጒዳያት ክንከይድ ኣለና። ወይ እውን ኣቶ ድራጐን ሃይለ-መለኰት ወዲ ወዶም ንራእሲ ወልደሚካኤል ሰለሞን ስለ ዝዀኑ፡ ብሰበ-ሰብ ኣቢልካ ክርከቡ ኣለዎምዝብል ገለ ሓሳብ ቀረበ። 

ኣብዚ ኣስላም ዝሰገድሉ ደጊምና ምንም ክንገብር ስለ ዘይንኽእል - ካልእ ቦታ ክድለየልና ኣለዎ። ወይ እውን፡ ናይ ሕጂ ብጌጋ ተባሂሉ፥ ንድሕሪ ሕጂ ግን ነቶም ኣስላም ካልእ ቦታ ክድለየሎም ኣለዎ። ኣብ ሓደ ቦታ ክኸውን ግን ዘይሕሰብ እዩ! . . .” ሓሳባት መቸስ ፈሲሱ፤ እቲ ወሳኒ ጒዳይ ግን መን ደፊሩ ይሕተት ዝብል ነበረ። 

እቲ፡ከሱረኩም እየ!” ዝበለ ናይዝጊ እንተዀነ፡ ዓዲ ብዓዳ ተቘጻጺሩዋ፡ ኣይትጹርኒ እብል ነበረ። እሞ ኸድኣ፥ መን ዕምሪ-ወጠጥ ደፊሩ ማዕጽኡ ይዃሕ-ኲሓዮ፧!

ከም ወዮ፡ ዋዕላ ናይተን ንድሙ ቃጭል ክኣስራሉ ዝተኣከባ ኣናጹ እያ ዀይና ነገር።

ኣንበሳ- ቃጭል መምሓረሉ፤ መን እሞ ይእሰረሉ፧ በሉ መሰልቲ። ንሳ እያ ገጢማታ ንቤተ-ክህነት እውን። ብዝዀነ ዋጋ ግን ክትግበር ኣለዎ - ወሰነት - 'ሲኖዶስ' ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ?!! 

/ወለይ-ወይለ! ኣንታ መገሻ እባ ኣለኒ። ረሲዐዮ ጸኒሔ። ሰዓት ባቡር ኣኺላ/ ካብዚኣ ክንቅጽላ ኢና - ኣይትረስዑ። እዛሲኖዶስእንታይ ከም ዝገበረት ጥራይ ዘይኰነስ፤ ኣብ ኣኽርያ ዘለዉ ሰዓብቲ እስልምና፡ ነዚኣ ፍጻሜ እዚኣን፡ ነታ ናይ መስጊድ ቀሓውታ ፍጻሜን ምስ ሰምዑ ዝወሰድዎ ግብረ መልስን፤ ድሕሪ ቀዳመ-ሰንበት ካብ መገሻ ምስ ተመልሰኩ ክንቅጽሎ ኢና። እቲ ኣሎ ትብልዎ፡ ሃይማኖታዊ ስኒት ዶስ ዓሌታዊ ስኒት፥ ብኸመይ መንገዲ ከም ዝሃለወ ድማ ሽዑኡ ክትርእዪዎ ኢኹም!!

እቶም ካብ መገሻኻ ብሰላም ኣይትመለስ!!” ትብሉ ዘለኹም እውን እስምዓኩም ኣለኹ። ድኸሙ ኢልኩም እምበር - ኣብ መንደፈራ ዝነበረት ሉቺያ ዝተባህለት ጠንቈሊት፡ “105 ዓመት ክትጸንሕ ኢኻ!!” ኢላትኒ እያ - ቐደም። ስለዝስ፤ ገና - ገና . . . ኣይትሕለምዎ ኸማን!! ሰናይ ቀዳመ-ሰንበት!

No comments:

Post a Comment