Sunday 17 August 2014

ቅድሚ ንኻልኦት ከነመሓይሽ ምፍታና፤ 'ቐዲምና ካብኣቶም ዝሓሽና ንኹን!!

ቅድሚ ትማሊ ሰንበት ንግሆ እዩ። ኣብ ምጭውቲ ወደባዊ ከተማ ሞስ ‘Moss’ ኣብ ምዝዛም ናይቲ ንሰሙን መመላእታ /ካብ ሰንበት ንሰንበት/ ዝቐጸለ ምትእኽኻብ ነበርና። ድሕሪ ከምዚ ዝበለ ውዕ-ዉዕ ሕውነታዊ ቅነ፥ ምፍልልላይ ክኸብድ ግድን ነበረ። ዕላማ ምትእኽኻብ፡ ናይዞም ካብ ዝተፈላለዩ ቀቢላታት ኤርትራ ዝመጻእና ሰባት፤ ብኸመይ ብሕታዊ-‘ሜድያንምስርት ንምዝታይ እዩ ነይሩ። 

ቅድም-ቀዳድም፡ ዘቕረብናዮ ሕቶ ከኣ፡ስለምንታይከ ናይ ብሕትናሜድያየድልየና፧ ምስዘን ዘለዋ ተሓጋጊዝና ዘይንሰርሕዝብል ነበረ። ኣብታ ቀዳመይቲ ሰንበት ዘዝመስለና ምኽንያታት ሂብናሉ ነበርና። ኣብዛ ናይ መጨረሽታ ሰንበት ግን፡ ሓንቲ ግብራዊት-ኣጋጣሚት ተረኺባ። ዳርጋ ብሃውሪ ዝመጸት እያ። እቲ ጒዳይ ከምዚ ዝስዕብ እዩ ነይሩ፤

ንግሆ ሰንበት ስለ ዝነበረ፡ ዝበዝሑ ኣባላት እቲ ምትእኽኻብ ጋዓት ኣብ ምድላው ነበሩ። /ንነገሩ ካብ ሰንበት ክሳብ ሰንበት ጋዓት ኢና ቈሪስና። ኩሎም ቀቢላታት ኤርትራ ዘዘውትርዎ መግቢ እንተሃሊዩ ጋዓት ጥራይ እዩ። ብዙሕ ምስ ጋዓት ዝተእሳሰር ያታዊ ዛንታታት እውን ኣሎ።/


ብዝዀነ፡ ንሳቶም ኣብ ምግዓት እንከለዉ፡ ኣነ ድማ ነቶም ብሰንኪ ራሕቂ ቦታ፡ ኣብዚ ምትእኽኻብ ብኣካል ዘይተረኺቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ጸብጻብ ናይ ቀዳም እህብ ነብርኩ። ኣብታ ዝጥቀመላ ዝነበርኩ ኮምፒተር፥ ‘Eritrean Smerrr for Change Room1’ ዝብል ሓደሩም ፓልቶክተኸፊቱ ሰባት ይዛረቡ ነበሩ። ኣብቲ መጀመርታ፡ ብዛዕባ ምንታይ ይዛረቡ ነይሮም ኣድህቦ ኣይገበርኩሎምን።

ሃንደበት ግን፤ንመዛተዪ ዝዀነና ኣርእስትታት ነምርጽ!” ክብሉ ጀመሩ። ሰለስተ ኣርእስትታት ቀሪበን፤ ሓደ ‘Lenchia1’ ዝብል ‘nickname’ ዝእቱ ኣቦ ከኣ፡ድሕሪ ኢሳይያስ- ንሰማማዕ ዶስ ንገማማዕ፧!” ዝብል ኣርእስቲ ንዘተ ኣቕረበ። ብኣዝዩ መሳጢ መንገዲ ስለ ዘቕረቦ ድማ፡ 27 ዓብላሊ ድምጺ ዛዕብኡ ተዓወተትሉ። እቲ ዝተጠቕምሉ ቅዲ ደስ ዘብል ነበረ።

እዚ ኣርእስቲ እዚ፡ ምስቲ ኣቐዲመ ኣብዚ ፌስ-ቡክሼርገይረዮ ዝነበርኩ ስለ ዝመሳሰል ኣቓልቦይ ሰሓበ። ሓሳበይ ንምሃብ እውን ብሃግኩ። ኣብታ ኮምፒተር ሓደ ካብቶም ኣዕሩኽተይ፡ ‘geroon’ ብዝብልስምኣትዩ ነበረ። ሓደ ካብ ተወለድቲ ዓሳውርታ እዩ። ናይ ሓሳብ ፍልልይ ስለ ዘይብልና፡ በቲ ናቱስምተጠቒመ ክዛረብ ጸገም ኣይነበረንን። ኢደይ ኣልዒለ፣ ሪጋይ ተጸብየ፣ ድማማይክሒዘ ሓሳበይ ክህብ ጀመርኩ።

ገለ ካብዚ ንዛረበሉ ዘለና ኣብዚ ክረኤ ይኽእል እዩ

ኣይጸንሐን፥ እቲ ብስም ‘Obama-56-1’ ኣትዩ ዝነበረኣድሚንሰማይ ኣስጊዱ ካብሩምኣንጢሩ ኣውጽኣኒ። ሪጋይ ሓሊየ እየ መጺኤ ነይረ። ብግሊ እውን ንዝዀነ ካብኣቶም ኣይተጻረፍኩን ኣይዘለፍኩን እውን።ሩም ስመርምስ ኩሉ ዘለዎ ጸገማት፥ ኣብ ምንቃሕ ናይቲ ኣብዲያስፖራዘሎ ዜጋ፡ ዝዀነ ይኹን መዳርግቲ ዘይርከቦ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ሕጂ እውንይጻወትኣሎ። /‘ይጻወት ኣሎምባለይ፡ ጸወታ ናይ ዳእላ ከይትቘጽርዎ ሓደራ/ ተርኡ የበርክት ኣሎ ንምባል እየ።


ከም ሓቂ ኣነ እውን ብዓቕመይ ዕዱም ዝዀንኩሉ ግዜ ነይሩኒ እዩ። ገለ ኣባላቱ እውን ብግሊ ሰብ-ጽቡቐይ እዮም። ብዓይኒ ነቐፌታ እንተ ተጣማሚትና ግን፥ስጋይ ስጋኻ ዝበሃሎ ነገር የለን። ኣነ ድማ፡ ከም ቡዳ ብፈተውተይ ናይ ምጅማር ባህሪ ኣለኒ። ስለዚ፡ እዚ ዝቕጽል ጽሑፍ ዘቕርብ ዘለኹ፡ ስለ ዝፈትዎም እየ፤ እምበር ጸሊኤዮም እንተ ዝነብር ግዝየይ ዘቕትል ነገር እውን ኣምበይ-ምሃለወንን።

ገለ ሰብ ኣብ መንጐ ነቐፌታን ጸለመን ዘሎ ጋግ ኣይረእዮን እዩ። ኣነ ድማ ካብ ቃላቶምን ተግባራቶምን ተበጊሰ እየ ዝጽሕፍ ዘለኹ፡ እምበር ኣብ ጥራሕ ጐልጐል እሃልል የለኹን።

ዳርጋ ዝበዝሑ፡ ኣብዚሩምዝነበሩ ተዛተይቲ፡ ካብቲ፡ሆየ ሆየ፤ ሆየ ዘይበለ ካባናፈለ!” ዝፍልስፍንኡ ሕብረተሰብ ከበሳ ዝተፈጥሩ እዮም ዝጥዕሙ። እቲ ኣነ ከቕርቦ ሒዘዮ ዝነበርኩ ሓሳብ ድማ ምስኣቶምሆየዘብለኒ ዘይምንባሩ እርድኣኒ ነይሩ እዩ። ንዓኣቶም ባህ ዘይትብሎም ዘረባ እንተ ኣቕሪበ፤ እንታይ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ እውን ግምት- ነይሩኒ እዩ። እዚ ናይ በይኖም ዘይኰነስ፡ ናይ ኩለን ኤርትራውያንሩማትመለለይን ናይ ሓባር ረቛሕን እዩ። ምስምማዕ ሕድ-ሕድ ዝበሃል ነገር ቦታ የብሉን። ሓደ ሰብ ደስ ዝብለካ ቅኒት ይሃርመልካ፥ ንስኻ ድማ ቈለኻ ከም ዝወረደልካ ተጒርዕ። በቃ! ንሳ እያ።

እንተዀነ ግን፡ ነቶም ምሳይ ተጋቢኦም ዝቐነዩ መሳርሕተይ፡ስለምንታይ እዩ ናይ ገዛእ-ርእስናሜድያዘድልየና፧ብዛዕባ ዝብል ሕቶ፡ ሓደ ግብራዊ-መልሲ ከርእዮም እደሊ ነይረ እየ። ብኸምኡ ድማ እየ ነቲ ሓሳብ ብኸክንዲ ደንጐልኡ ከም መንደረጋሕ ናብቲሩምዝፈነኽዎ።

እቲ ዘገረመኒ፡ እቲ ‘Obama-56-1’ ኣትዩ ዝነበረኣድሚንንዓይ ብቐይሕ መዓንከራ መልሓሰይ ምስ ቁለፈኒ፡ ብውሕዱ ንሱ እውን ትም ክብል ወይ ብዛዕባ ካልኡ ክዛረብ እየ ዝጽበዮ ነይረ። ንሱ ግን ብዛዕባ እቲ ዝበልክዎ ክምድርን ክትንትንን ጀሚሩ።

ሰምዒኩምዎ ኣሕዋት፤ቈላን ከበሳንኢሉ ነዚ ለባምን ሓድነቱ ከም ዓረ ዝተረረ ህዝቢ ክበታትን . . .” እቲ ዝቐጸለ ዘረባ ብዙሕ እውን ኣይዝክሮን። እቲ ህዝቢ ለባምን ሓድነቱ ከም ዓረ ዝደልደለን እንተዀይኑ ድኣ ስለምንታይ ኣፍና ንሉጔም፧ ስለምንታይከ ንስኻ ክትከላኸለሉ ድቃስ ትስእን፥ ነቲ ለባም ኢልካ ትኣምኖ ህዝብኻ ምስተር ኦባማ፧ ንሕና ንዓሻን ዕድሚኡ ንዘይኣኸለ ህጻንን ጥራይ ኢኻ መንገዲ ክትሕብሮ ከም ዘለካ ንፈልጥ። ወዮ ለባም ድኣ ለባም እንድዩ - ልቦና መካፈለ እምበር ከም ትሕቲ-ዕድመ ዲኻ ትከናኸኖ!!

ንምዃኑ እቲ ኣንጻሩ ትቃለሱ ዘለኹም ስርዓት፡ እዛ ትገብርዋ ዘለኹም ከም ዝገበረ ትፈልጡ ዶ፧ ነተን ዝርካበን ናይ ብሕቲ-ጋዜጣታት ሸውዓተ መዓሙቕ ኣእትዩ ምስ ዓጸወንን፤ ሜድያድማ ምስ በሓቶን፤ ከም ቃሕትኡ እዩ ከጸልመን ጀሚሩ። ጠይብ - ተግባራት ናይዚ ስርዓትን እዚ ምስተርኦባማኣብሩም ስመርዝገበርዎን ብምንታይ ይፍለ፧

ብመሰረቱ እውን፡ ኣብ ኤርትራ ሕጊ ፕረስ ክፍቀድ እንከሎ፤ እቲ ስርዓት ሰለስተ ህዝቢ ዘየስተብሃለለን ተኣፈፍቲፈንጂታትተኺሉ ነይሩ እዩ።ልኡላውነት ሃገር፥ ሓድነት ህዝቢ፥ ሃገራዊ ጸጥታዝብላ። በዚኤን ገይሩ ድማ እዩ ህዝቢ ዘጥፈኤን ዘጥፍእ ዘሎን። ኣሕዋትና ድማ በታ ጸላኢኹም ዝሓረደላ ካራ ትማጃለጡ ንርእየኩም ኣለና። እዘን ናብ ቃሕ ዝበለካ ኣንፈት ዝምጠጣ፡ ሰለስተ ኣምራት ከይዓነዋ ድማ፥ ኤርትራ፡ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ንዋያ እያ!

ኣብዚ ከይጠቐስክዎ ክሃልፍ ዘይደሊ፤ bella76 beilul ብዝብል ‘nickname’ ዝኣትዉ ዝርከብዎም፡ ገለ ሰባት፡ ሓሳበይ ክውድእ ዕድል ክወሃበኒ ዝሓተቱ ነይሮም እዮም። ‘Feyfey’ ኢሉ ዝኣቱ ምቕሉልኣድሚንዝርከብዎምኣድሚናትግን፤ተቓላሳይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። እዚ ኣልዕሊዎ ዝጸንሐ ኣርእስቲ ግን ምስ ኣሕዋትና ደቂ መታሕት ዝፈላሊ ሓደገኛ ዛዕባ እዩብምባል ኣቕቢጾም። ኣነ እውን ኣምበይ-ምተዛረብኩን። እቲ ዕላማ ናብቲሩምዝዓለመ ዘይኰነስ ናብቶም ምሳይ ዝነበሩ መጋብእተይ እዩ ነይሩ - ንሱ ድማ ድሮ ብግብሪ ርእዮሞ ነበሩ።

እቲ ዝገረመኒ፡ ነቲ ተጠቒመሉ ዝነበርኩ ‘geroon’ ‘ገሩንዝብል መጸውዒ ከይተረፈ፡ጅሮምእናበሉ እዮም ዝጽውዕዎ ነይሮም - እቶም ሰብሩም ነዚ ብህዝቢ መታሕት ወግሐ-ጸብሐ፡ገሩን መንባ ገራይን!” እናተባህለ ዝዝየመሉ እኳ ብኸመይ ይጽዋዕ ዘይፈለጡስ፡ ተዓሚትካ፡መታሕት ኣሕዋትናመውጽኢ ኣፍካ ምግባር ጨለነት ድዩ ክቚጸረለይ - ልዕሊ ጳጳስ ካቶልክ ምዃን፧!

ብዝዀነ፤ እቶም ዝለበሙን ዝተማህሩን ኢልና ከም ትእምርቲ-ሃገር እንርእዮም ኣቦና ወልድኣብ ወልደማርያም /ወልወል/ ነቲ ዘረባ ወዲኦሞ እዮም - ቀደም።ኤርትራውያን ንኸይንሰማማዕ ተሳማሚዕና ኢና!!” ኢሎም ከቲመሞ። ድሕሪኦም ምዝራብ ድማ፡ ንሃተምተም ክንሱ እዩ።

ምምሕዳር እንግሊዝ እውን ብሃውሪ ኣይኰነን ንእማመ ‘Bevin – Sforza’ ኣምጺእዎ። ለባም ህዝቢ ረኺቡ እንተ ዝነብር ድማ እቲ ወርቃዊ ዕድል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም-እንደ-ማንም ኣይምሓለፎን ነይሩ። ሕጂ እውን እንተዀነ፡ ድሕሪ እቲ ኹሉ ሸንኰለን-ኰለልን እቲ ፍታሕ ኣብኡ ጥራይ እዩ ክርከብ።

ኣብ ኤርትራ፡ ከበሳን መታሕትን፡ ሓደ ሃገር ምዃን እሞ ንግደፎ፤ ጐረባብቲ ሃገራት ኰይኖም ብሰላምን ስኒትን ክነብሩ እንተኺኢሎም ጥራይ እውን ዓቢ ጸጋ እዩ። ነዚ ሓቂ እዚ፡ ዝያዳ እንፈልጦ፡ እቶም ኣብወይነ-ደጋ ከም ቃንጢሻ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ተቐርቂርና ዝተፈጠርና ጥራይ ኢና። ንኹሎም ስለ ዘይንብጻሖም፡ ሕማም ኩሎም ክረኣየና ጸገም የለን። እምበር ከበሳ ድኣ ቅድሚ ብዛዕባ መታሕት ምሕላሞም፥ ኣብ መንጐ ሰለስተ ኣውራጃታቶም ስኒትን ፍቕርን መውስቦን ይፍጠሩ ቅድም። ምስ መታሕት ዘሎኣውሃም’- ይጽንሓሎም ደሓን።

ዝዀነ-ኾይኑ፤ ሕጂ ሰኑይ ምሽት፡ ሰዓት 11 ለይቲ እዩ ዘሎ። ነዛ ናይሩም ስመርጽሕፍቲ ክጽሕፍ እንከለኹ፥ሩም ስመርድማ ኣትየ እሰምዕ ኣለኹ። ሓደ ‘ASLX1’ ኢሉ ዝኣተወ ወዲ ብቛንቋ እንግሊዝ ይዛረብ ነበረ። እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮዓምና’ ‘Lenchia1’ ብዝብልስምዝኣቱ ኣቦ ከኣ፡ ኣብ መንጐ ነጢሩ ብምእታው፤

ብሓደ ካብ ኤርትራዊ ቋንቋታት ክትዛረብ ዘይትኽእል እንተዀንካ ዘረባኻ ኣቋርጾ። እንግሊዝ ቀደም ዝፈላለየትና ይኣኽላ። ሰርቲፊኬት ናይ ብቕዓት ቋንቋ እንግልዘኛኻ ንዓና ኣየድልየናን እዩ!” ኢሉ ከይኣኽሎ፤ ካብ ቁርኣን ከይተረፈ ሓደኣያጠቒሱ ነቲ ተዛራባይ ጠጠው ኣበሎ።ሩምዳርጋ ናብ ዕዳጋ ልኻይ ተቐዪራ። ኣብ መንጐ ይዛረብ ዝብሉን ዝቃወሙን።

ገለ፡ብዓረብኛ ይዛረብ እሞ ክትርጐመልናዝበሉ እውን ነይሮም። ገለ ድማ፡ዓረበኛ እውን ቋንቋ ኣዴና ኣይኰነን!” ወሲዀም። እቲ ዝገርም፡ ነታ ሃገር ብቛንቋ ኣዲኦም ዝዛረቡ ሰባት ጥራይ እንተዀይኖም ዝደልዩላ ዘለዉ፥ ነዞም ኣብ ስደት ዝተወልዱብሃማት ቋንቋ-ደቈም ድኣ ኣበየናይእስካሪኰከእትውዎም እዮም ጽባሕ፧!!

ብዝዀነ፡ እቲ ዘረባ ዝተሓረሞ ‘ASLX1’ኣሓስ ተዘሚተን እየን፡ እንተ እቲ ጸርፊ እሞ ዝገደፍና የብልናን!” እዩ ገርዋ ንነገር።

ካብ መንጐ እቲ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ዝጽሕፎ ዝነበረ ብዙሕ፡ “I AM CREATING MY OWN PARTY AND MY OWN ROOM” ዝብል ነበሮ። /እዚ ናይ እንግሊዘኛ ጽሑፍ፡ ኣብዚ ስኢለ 'ፖስት' ገይረዮ ዘለኹ ስእሊ፡ ብታሕቲ ከተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም/ ንሕናስ ካብዚ ሓሊፍና እንታይ ኢልና ኢና ድኣ፧! በዓል ኣማኑኤል ኣሰና፡ ኤርሳ ጭሩም-ሲ፡ ሜሮን ስቲፋኖስ፡ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ . . . ዘይምስ ኤርትራዊ ሓቢርካ ክስራሕ ከም ዘይከኣል ምስ ፈለጡ እዮም ነናይ ሓደ ሰብ ማሕበራት ዝመስረቱ!

ኣብ መጨረሽታ፡ እቲ ሰንበት ንግሆ፤ድሕሪ ኢሳይያስ- ንሰማማዕ ዶስ ንገማማዕ፧!” ዝብል ዛዕባ ዘልዓለዓምና’ ‘Lenchia1’ “ኣብዛሩምወይ ኣነ፡ ወይ እዚ ‘ASLX1’ ዝበሃል ዘሎ ጥራይ እዩ ክቕጽል ዝኽእል!!” ብምባሉ፡ እቲ ምግምማዕ ድሕሪ ኢሳይያስ ጥራይ ዘይኰነስ ቅድሚ ኢሳይያስ እውን ድሮ ንነብሮ ከም ዘለና - እዩ በሪሁለይ ነዓይ።

ብዝዀነ፡ ብዛዕባፓልቶክዘልዓልናዮ ዛዕባ ንኸነጠቓልል ሓንቲ ተረኽቦፓልቶክክንጸዊ።
ሓደ ‘Eritrean unity worldwide EPLF1’ ዝባሃልሩምደገፍቲ ኣሎ። ከም ኣጸዋውዕኦም እኳሩምሃገራውያን እዩ ዝበሃል። ንኢሳይያስ ዘይትንእድ ቃል፡ ወይ ዝዀነ ይኹን ስቓይ ኤርትራ ክሰምዕ ፍቓደኛ ዘይኰነሩምእዩ። ሓደ ግዜ፡ ኣብዚሩምኣትየ እናሰማዕኩ ድቃስ ወሲዱኒ። ዳርጋ ድቃስ ኣሽኪዓትኒ እዩ ዝበሃል። ድሓን ኣይትእቶ፡ ሃንደበት ድማ ተለፎን ደዊላ። ተለፎን ከልዕል ክብል ኮምፑተር ስለ ዝተንከፍኩማይክነጢራትኒ። እታ ትድውል ዝነበረት ሰብ ሓንቲ ንኤርትራ ክትበጽሕ ዝደለየት ጓል እያ ነይራ።

ሕጂ እሞ እንታይ ንኤርትራ ዘኽይድ ነገር ኣሎ እዩ፧ክብላ እንከለኹ እዩ ድምጸይ ኣብቲሩምተሰሚዑ። ብድመጸይ ቀልጢፎም ቈብ ኣቢሎሙኒ። /ንምዃኑ ኣብፓልቶክድምጺ ጥራይ ኣይኰኑን ዘላሊዩ። ትገርመኒ ነገር እንተ ሃሊያ፥ ዋላ ቅድሚ 10 ዓመት ተዛሪብካዮ፡ እሞ ንስኻ ባዕልኻ ዝረሳዕካዮ ነገር እዮም ዝዝኩሩልካ/ ኣብ ከምኡስ ኳኽ እዮም -ዘሕልፍዎ ነገር የብሎምን።

ኣይጸንሑን፡እዚ ድኣ እቲ ኣብሩም ተሻሞእገለ ብዝብል ‘nickname’ ዝዛረብ ንህዝባዊ ግንባርን ህዝቢ ኤርትራን ዝጻረፍ እንድዩ ግዲ!” ብምባል፤

ዒራ-ዒሮ ኣስፍሮ!” ኢሎም ክጭድሩ ሰማዕክዎም። ነቲፓን ሊስትናይፓልቶክዒራዒሮ ኢሎም እዮም ዝጽውዕዎ። ኤርትራዊ ርእሱ ጥርሑ ስለ ዝዀነ እዩ መስለኒ - ንሓሳብ ብሓሳብ ናይ ምብዳህ ብቕዓት የብሉን።ነቲ መልእኽቲ ንምጥፋእ፡ ነቲ መልእኽተኛ ኣጥፍእ!” ብዝብል ሓደገኛ ፍልስፍና እዩ ዝምራሕ። ብእኣ፡ በታ ዝጻወተላ እያድ ድማ እዩ ዝጠፍእ ንባዕሉ እውን።

ዒራ-ዒሮፓልቶክግን ከምታ ናይ ኤርትራ ዒራ-ዒሮ ኣይኰነትን። መሲልሞም እምበር፡ 3 ግዜ ኣብዚ ዒራ-ዒሮ ዝብልዎ ዘለዉስጂንኣእትዮሙኒ እዮም። እቲ ዝገርም፡ ብመንገዲ እቶም ዝልእክዎም ጐይቶቶም ኣቢለ ድማ እየ ዝወጽእ - ብዘይ ገለ ግንዖን ግቦን።

ብዝዀነ፡ እዞም ኣብ ከተማ ሞስ ትኣኪብና ዝቐነና፤ ርሑቕ ኣብ ዘይኰነ ግዜ ብናይ ገዛእ-ርእስናሩም-ፓልቶክክንቅልቀል ኢና። ንቛንቋ ትግርኛ ወስኽካ 5 ቋንቋታት ዘዛቲሩምእዩ። ብግዝይኡ ብዝሕበረኩም መስመር ዕዱማት ኢኹም። እቶም፡ሰበይትኻ ክትሓርስን ግራትካ ክትጒሰን ጌሽካ ውዓል!” ዝፍልስፍናኹም ግን ጌሽኩም እንተወዓልኩም ክሕሸኹም እዩ መስለኒ።ንሕብረተሰብይን ነቲ ከም ጸሎተ-ሃይማኖት ዝደግሞ ታሪኸይን፡ ብዓይኒ ነቐፌታ ክርእዮ ኣይደልን እየ!” ዝብል በዓልረቂቕ ትብዓትእንተሃሊዩ፡ ካብ ሕጂኡ ዓዲ እንተኣርሓቐ ይሕሾ። ከምቲ በዓል ራድዮ ፈረንሳይ፡ንወገነይ ጠጠው ክብለሉ እኽእል እየ!” ዝብል እንተሃሊዩ ድማ ሃየ ኣብኡን ሽዑን የራኽበና!!

ስድራ-ቤትፓልቶክንከባቢኣን ሰሰናዩ!


No comments:

Post a Comment