Sunday 17 August 2014

ታሪኽ ክንጽሕፍ እንተዄና፡ ቀዳማይ ከነወግዶ ዘለና ግላዊ-ስምዒትና እዩ!

ንመምህር ገብረኪዳን ደስታ ኣብ ኣስመራ እናሃለኹ እየ ዝፈልጦም። ብኣካል ዘይኰነስ በቲ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዘካይድዎ ዝነበሩ መሃሪ ቃለ-መጠይቓት። “መቐረት ምስላታት ትግርኛ” እትብል ሓንቲ ካብ መጽሕፍቶም እውን ናብ ኣስመራ ተላኢኻትለይ ነይራ። ኣብቲ ንምስላታት ኤርትራ ኣመልኪተ ዝገብሮ ዝነበርኩ ዓሙቕ መጽናዕቲ ድማ ቀሊል ዘይኰነ እጃም ኣበርኪታ እያ። ብመዓልቱ ንዛንታ ንክኸውን መታን ከኣ፡ እዛ መጽሓፍ መም. ገብረኪዳን ደስታን ካልኦት መጻሕፍትን ካብ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብኸመይ ይበጽሑኒ ምንባሮም ቁሩብ ክጸዊ።
ሓደ ኣቐዲሙ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ መምህረይ ዝነበረ፥ ጸኒሑ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ከም መምህር ዝተቘጽረ ህንዳዊ ፕሮፌሶር ቪ. ጀይ ካውል ዝበሃል ነይሩ። ብኢመይል ጽቡቕ ርክብ እዩ ነይሩና። ምስ ሓደ ኢትዮጵያዊ መሳርሕቱ ኰይኑ ከኣ፡ ነቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝሕተም ዝነበረ ኣገደስቲ መጻሕፍቲ ናብ ኻርቱም - ሱዳን ዝነበሩ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽተይ ይሰዶ ነበረ። ገለ እውን ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሃገረ ጀርመን ናብ ዝነበረ ጀርመናዊ ዓርከይ ዝስደደለይ መጻሕፍቲ ነይሩ። እዚ ናይ ጀርመን መስመር፡ እቶም ኣቐዲሞም ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኢትዮጵያ ናይ ብርዒ-ኣዕሩኽተይ ነይሮም፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ደብዳቤታት ምጽሕሓፍ ምስ ሰኣና እውን ንጥቀመሉ ነይርና ኢና። 

በዚ ዝተጠቕሰ ክልተ ቦታታት ኣቢሉ ድማ ናብ ኤርትራ ይለኣኸለይ ነበረ። ኣብ ኤርትራ፥ እቲ ስርዓት ዘይደልዮም መጻሕፍቲ ካብ ምእታው፡ ሓሺሽ ምእታው ይቐልል። ሳላ እታ ዝነበረትኒ ናይ ስነዳ መለለይት ካርድን፡ ዝበዝሕ ግዜ እውን ብናይቲ ትካል ኣድራሻ ይጥቀም ስለ ዝነበርኩን፡ ናይ ቀረባ ሓላፊኤይ እውን ይፈልጥ ስለዝነበረ፡ ዝጥቀስ ጸገም ጐኒፉኒ ኣይፈልጥን። 

ብምልኦም በዚ ክልተ መስመራት ሱዳንን ጀርመንን ዝተሓባበሩኒ ዝነበሩ ኣዕሩኽ ብነጻ እዩ ነይሩ። ብዘይካ እቲ ህንዳዊ መምህረይ። ንዕኡ ጥራይ እየ ኣምሳያ ውዕለቱ ዝኸፍሎ ዝነበርኩ። ቀጥታ ዘይኰነስ ብተዛዋዋሪ። ኣብ ከረንን ኣስመራን ዝገደፈን ክልተ፡ ኣንስቱ ዶ ክንብለን-ሲ ወሸማምኡ ነይረንኦ። ዝዀነ ነገር ኣድሊዩና ምስ ዝበልኦ ድማ፥ ከምዛ ናይ ባንኪ ሕሳብ ዝገደፈለይ፡ ናባይ ክድውላ ይሕብረን ነበረ። “ንዕኡ ደውላሉ!” እናበለ፡ ልዕሊ እተን ንመጻሕፍትን መስደድን ኣውጺእወን ክነብር ዝኽእል መልጢጡኒ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ምስጋናይ-ሲ ኣይነፍገሉን ድኣ።
ብዝዀነ፡ እቲ ጒዳይ ከም ወዮ፡ “ላም-ሲ ብእግራ ዝቐርባስ ብምንታያ ትሓክኽ” ዝተባህሎ እዩ። እቲ ብፋጽን ሳ’ፍራጮን ኣቢሉ ንሰርሓን ዓዲ ዃላን ክሰግረና ዝነበሮ መጻሕፍቲ፥ ንኤርትራ ንኽኣቱ ኣቐዲሙ ምድሪ ሱዳንን ጀርመንን ክሓልፍ ነበሮ። ንደቅና ንዛንታ ክዀኖም ዘበለኒ ድማ ንሱ እዩ። 

ሕጂ ናብቲ ነዚ ጒዳይ ዘዘከረኒ ቀንዲ ዛዕባ ክምለስ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ነዛ ኣብ ስእሊ ትርእዪዋ ዘለኹም መጽሓፍ መም. ገብረኪዳን ደስታ ከንብብ ስለ ዝቐነኹ እየ። 534 ገጻት ዘካተተት ብኣዝዩ ምዕሩግ ቋንቋ ትግርኛ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ እያ። ኣርእስታ እኳ፡ “እምቢታ ኣንጻር ወረርቲ” ዝብል እንተዀነ፥ ኣብቲ ውሽጢ ግን፡ ካብ ንወረርቲ ‘እምቢ’ ዝበሉ፡ ንወረርቲ ‘እሺ’ ኢሎም መጋበርያ ኰይኖም እዮም ዝተባህለሎም ይበዝሑ። የግዳስ፡ ንመምህር እቶም እምቢታ ዘስምዑ እዮም ዘገድስዎም ነይሮም - ቊጽሮም ብዘየገድስ። 

መም. ገብረኪዳን፡ “ንገዛእቲ ኣይተጻዕዱን፡ ‘እምቢ’ ኢሎም እዮም!” ዝበልዎም ቀንዲ ዋና-ታሪኽ ወይ ተጠቃሲ-ዛንታ ዝዀኑ ሃጸይ ዮሃንስ 4ይን ምስኦም ተሰሊፎም ዝነበሩ ተጋሩን እዮም። ካብ ሃጸይ ምኒልክ ኣትሒዝካ ንብምልኦም ሽዋ ከም ከዳዓትን ንህዝቦምን መሬቶምን ንባዕዲ ኣሕሊፎም ዝሃቡ ከሓድትን መንደልሃቕቲ ባንዳታትን፡ ንወገናቶም እውን ዘግድዑ ተገይሮም ተገሊጾም ኣለዉ። ነዚ፥ “ኢራን ሰለባን . . .” ኢልና ንሕለፎ ደሓን።

እንተዀነ ግን፥ ብወገን እዚ ሕጂ ኤርትራ ንብሎ ዘለና ሃገር ዝነበሩ፡ ‘ጀጋኑ’ /ብኣጋላልጻ ኤርትራውያን/ እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ከም ጠላማትን ተንኰይቲ ጽልኢ ሕድ-ሕድን እዮም ተገሊጾም ዘለዉ። ንኣብነት፥ እቲ ብወገን ኤርትራ ብዙሕ ዝዋጠየሉን ዝስንቀየሉን ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን፡ ኣብ 7ይ ምዕራፍ፡ ናይዚ መጽሓፍ ተዋሂብዎ ዘሎ መግለጺ፡ ኣዝዩ ብግልባጥ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝተመሃርናዮ እዩ። ብውልቃዊ ርእይቶይ እዚ ሓቂ እቲ ድማ ግጉይ ናብ ዝብል ፍርዲ ወይ መደምደምታ እኣቱ የለኹን። 
“ሃጸይ ዮሃንስ 4ይ ንራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ልኢኾም፤ ኣባ ነጋ ድማ ኣብ ታቦት ምሒሎም ጥሒሎም ብምትላል እዮም ናብ ትግራይ ብምውሳድ ንራእሲ ወልደሚካኤል ዘጥፍእዎም!” ዝብል ዛንታ ኣብ ኤርትራ ከም ብዕሪር ዝሕየኽን፡ ነብሲ-ወከፍ፡ ዋላ ፊደል ብዝግባእ ዘይቈጸረ ቈልዓ ክደግሞ ዝኽእልን ዘረባ እዩ።

ኣብ ግዜ ቃልሲ እውን፥ ብጉጅለ ባህሊ ሂላል እትፍለጥ ናይ ክ/ሰ. 16 ነዚ ብዝምልከት ሓደ ድራማ ኣዳልያ ነይራ እያ። 

“ል-ሓማሸናይ ምሒልካ ጥሒልካ፡ ል-ደርሆ ለ እኽሊ ህብካ እዩ እምቤይ ኣይኸውንዪ ብስሩ!” ኢሎም ኣሉላ ኣባ ነጋ ዓሳኽሮም ሓቢኦም ጸኒሖም ብውዲት ንራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን ክኣስርዎምን ክጠልምዎም ከለዉ ዘርኢ ድራማ እዩ ነይሩ። ራእሲ ወልደሚካኤል ድማ፡ “እንቋዕ ድኣ ድሎ ብድሎ ሰራዊትካ ኣሰሊፍካ ኣይሰዓርካኒ እምበር እዝስ . . .” ኢሎም ከስቈርቁሩ ይረእዩ ኣብቲ ድራማ። 
እዚ ድራማ እዚ፡ ቅድሚ ናጽነት፡ ኣብ ከባቢታት ባድመ ምስ ቀረበ፡ ብወገን ህዝቢ እቲ ከባቢ ምናልባት እውን ኣባላት ወያኔ፥ ተቓውሞ ቀሪብዎ ጥራይ ዘይኰነስ ከም ዝቋረጽ እውን ተገይሩ እዩ። ብዛዕባ እዚኣ ፍልይቲ ፍጻመ፡ ‘ኣናውስተር’ ናይታ ጉጅለ ዝነበረ፡ ተጋ. ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ -ሊንጎ፡ ክሕተት ይከኣል እዩ። ኲናት ደጊሙ ምስ ተላዕለ ግን፡ እዛ ድራማ፡ እንደገና ኣብ ኣስመራ መድረኻት ኤክስፖ ከም ትቐርብ ኰይና ነይራ።

እዚ ዘቕርቦ ዘለኹ ጽሑፍ ንስራሓት መምህር ገብረኪዳን ደስታ ናይ ምንቃፍ ኰነ ምህያስ ዕላማ ዘለዎ ኣይኰነን። መም. ነቲ ንሰሜን ናብ ኤርትራ፡ ንደቡብ ድማ ናብ ሽዋ ገጹ ዛዝዩ ኣሎ ዝበልዎ ታሪኽ፡ ናብቲ ንሶም ማእከል ዝበልዎ ትግራይ ገጾም ንምጉታቱ ኩሉ ከቕርብዎ ዝኽእሉ ምጉት ኣቕሪቦም ኣለዉ። ቁሩብ ክውስዀ ዝደሊ ነገር እንተ ሃለወኒ ግን፥ ታሪኽ ቅጽላት እናደራደርካን ፍርዲ እናሃብካን ክጽሓፍ ርትዓዊ ዘይምዃኑ እዩ። 

ኣብዚ መጽሓፍ፡ መምህር፥ ንኹሉ ምስ ሓሳባቶም ዝሰማማዕ ሰብ፡ ከም ጅግናን ሓቀኛን ምሁርን ተማራማርን ይሰምዪዎ። ብኣንጻሩ፥ ነታ ንሶም ክብልዋ ዝደለዩ ዘይሰማምዓላ ሰብ እንተ ተረኽበ ድማ ከም ከሓዲ፡ ኢሰፓዊ ፍላስፋ፡ ፋሽሽታዊ፡ ምንም ናይ ታሪኽ እንዶ ዘይብሉ፡ ካብ ጽውጽዋያት ዝተበገሰ . . . ብዝብሉ ቅጽላት የነኣእስዎ። ሓደ ሓደ ግዜስ ወረግ ሕሉፍ-ሓሊፎም፡ ነቶም ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ “ብሕሉፍ ተግባራቶም ክእሰሩ ዝነበሮም ሰባት እዮም” እናበሉ ናብ ጭው ዝበለ ቤት ፍርዲ ዝቕየርሉ ህሞት ኣለዎም - መምህር። 

መን ይፈልጥ መም. ገብረኪዳን ነዚ ጽሑፍ ከንብብዎ ዕድል እንተተረኺቡ፡ ሓንቲ ነገር ክብሎም ምፈተኹ - ኣብ ልዕሊ እቲ ምሉእ ልቦንኦም። እቲ ኣቕሪቦምዎ ዘለዉ ታሪኽ፥ ያታዊ ኰነ ሰነዳዊ መርትዖታት ስለ ዘለዎን፡ ንሱ ባዕሉ ክምጉት ስለ ዝኽእልን፤ ንሶምን ስምዒቶምን ካብቲ ጽሑፍ እንተ ዝወጹ ኣድማዕነትን ተኣማማንነትን ናይቲ መጽሓፍ ከም መወከሲ-ታሪኽ ዝያዳ ምዓዘዘ። እንተዘየለ ንስለ ምምጓት ጥራይ ዝተላዕሉ ከምስሎም ይኽእል እዩ።

ኣብ መጨረሽታ ድማ፡ ወያ- “ስጋ እንተ ወደቐት-ሲ . . .” እዩ እሞ፡ ናብ ንኤርትራውያን ወገናት ዝብሎ ኣለኒ። ኤርትራዊ ጸሓፊ ከምኡ እውን ተመራማሪ ታሪኽ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፥ “ኤርትራውያን ምስ ኢትዮጵያ ክቚረኑ ዝኸኣሉ ብሰንኪ ድኹም ናይ ምምጓት ክእለቶም/ዓቕሞም እዩ” ኢሉ ነይሩ። ብዛዕባ ጒዳይ ኤርትራ ክምጉቱ ናብ ኒው-ዮርክ ዝኣክል ይኸዱ እሞ፡ ኣብኡ፡ ብዛዕባ እቲ ዘምጽኦም ጒዳይ ገዲፎም፡ ብዛዕባ ናይ ገዛእ-ርእሶም ፍልልያት ክማጐቱ ጸሓይ እናዓረበቶም። ከምዚ ሕጂ፡ ልዕሊ ንመሰል ኤርትራ ንመሰል ውድባቶም ክማጐቱ ዝውዕልዎ ማለት እዩ።

ታሪኽ ኩሉ ግዜ ከም ጸሓፊኡ ጥራይ ዘይኰነ እንኰላይ ከም መጓቲኡ እውን እዩ። መም. ገብረኪዳን ድማ ነቕ ዘይብል ምጉት እዮም ኣቕሪቦም ዘለዉ። ናይ ሽዋ ድሓን ንሽዋ ንግደፈሎም፥ መምህር እውን እቲ ብወገን ሽዋ ዝግበር ዘሎ ምጥምዛዝ ታሪኽ ኣሓሪንዎምን ድቃስ ስለዝኸልኦምን፤ ንኻልእ ስራሓውቶም ኣወንዚፎም ነዚ መጽሓፍ እዚ ከም ዝተተሓሓዝዎ እዮም ብግልጺ ዝገልጹ። ሕጂ ጻውዒተይ ንኤርትራውያን እዩ። ነዚ መጽሓፍ ነቢቦም ዝበቅዕን ዘእምንን ምላሽ ክህብሉ ገዚፍ ብድሆ ቀሪብሎም እንሆ። እንተዘየለ ታሪኽ እውን ርእሱ ንምድጋም ኣክሰንፍን እዩ።
ካልእ ኣብዚኣ ብፍሉይ ክጠቕሳ ዝደሊ፥ ነቲ ኣብ ኤርትራ፡ ቈላን ከበሳን ኢልና እንፈርሆ ፍልልይ፤ ብኸምዚ ሽዋን ትግራይን ብስልጡን መንገዲ ጭብጢ-ብጭብጢ ዝዋራረድሉ ዘለዉ፤ ንሕና እውን ብኸምኡ ኣገባብን መንገድን ክንሕዞ እትስፎ። ዝኣክል ተጻዋርነት ኣብ ዝህልወሉ ግዜ፡ ፍልልይ ጸጋ እምበር ሓጥያት ኰይኑ ዝፈልጥ ኣይኰነን!!

3 comments:

  1. ሓወይ ስለ እቲ ንዘተ ዝዕድምን…ስርዓት ዝሓዘ ኣቀራርባኻን ናእዳይ ተቐበል፡፡
    ኣብ እምቢታ ኣንፃር ወረርቲ ተደሪኽና እንትንዘራረብ…እቶም ፀሓፊ ከም ፍልፍል ዝተጠቐሙሎም (መፃሕፍቲ፡ መፅሄታት፡ ጋዜጣታት፡ ዘይትሓትሙ ፅሑፋት፡ ቃለ መጠይቕ ዝተገብረሎም ሰባት) እውን ከይዘንጋዕና….ክንምጉቶም ይግብኣና፡፡ ሽዑ ስምዒቶም ብኣንፃር እቲ ዘቕረብዎ መረዳእታ ተገራጫዊ እዩ ክንብልን ከይንብልን ንኽእል፡፡ (እዚ ስምዒት ታሪኽ ፀሓፍቲ ክሃድምዎ ዘይኽእሉ ግና ከም ሓደ ቅዲ ኣፀሓሕፋ ዝውክሎም እዩ፡፡ ወፃእተኛት ፀሓፍቲ እውን ታሪኽ ናይ ካልኦት እንትፅሕፉ ስምዒቶም በቲ ዝነበርሉ ኩነታት- ጥራሕ እንተይኮን ኣብ ስብእንም ብዘሕድሮ ፅዕንቶ ስምዒቶም ካብ ኣፀሓሕፍኦም ርኢና ኢና )

    ReplyDelete
  2. ሰላም ዝኸበርኩም እዛ መጽሓፍ ናይ ኣቦና መም ገበረኪዳን ደስታ
    መጽሓፍ ኣንጻር ወረርቲ ብኸመይ ክረኽባ ወይ ክገዝኣ ይኽእል፡ ስለቲ ምትሕብባርኩም ኣቐዲመ የመስግን፡

    ReplyDelete
  3. እምቢታ ኣንጻር ወረርቲ ትብል መጽሓፍ ናይ ኣቦና መም ገብረኪዳን ደስታ ብኸመይ ክረኽባ ይኽእል፡

    ReplyDelete