Sunday 17 August 2014

እቲ ን'ሓዉ' ዘየፍቅር-ሲ፡ ንጓና ከፍቅር ይከኣሎ ዶ፧!

እዛ ትርእዪዋ ዘለኹም ስእሊ፡ ኣብ ‘ፌይስ-ቡክ’ ብብዝሒ ‘ሼር’ ትኸውን ዘላ ስእሊ እያ። ክርእያ እንከለኹ ድማ፡ ሓደ ነገር እያ ተዘኻኽረኒ።

ኣብ ግዜ ጀብሃ እዩ። ኣብ ምድሪ ባርካ፥ ሓደ ሁመድ ወኤላ ዝበሃል በኒዓምረታይ ኣቦ ነበረ። ክድቅስ፡ ክትንስእ፡ “ያ ረቢ፥ እላ ኤረትርያ ሕርየታ ሃባ!” /ዎ ልዑል ኣምላኽ፡ ነዛ ኤርትራ ናጽነታ ኣጓናጽፋ/ ኢሉ ይጽሊ ነበረ።

ሓደ ደብረጼን ዝተባህለ ወዲ ከበሳ ተጋዳላይ ድማ፡ ኩሉ ግዜ፡ እቲ ኣቦ ክጽሊ ይርእዮ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ደብረጼን፥ “ኣቦይ ሑመድ፡ ስለምታይ ኢኹም ኩሉ ግዜ ‘ንኤርትራ ናጽነታ ሃባ’ እናበልኩም ትጽልዩ፧” ክብል ሓተቶ።

/ህዝቢ ባርካ፡ ከምቲ መብዛሕትኹም ደቂ ከበሳ እውን እትብልዎም፡ ልቦም ጻዕዳ እዩ። ነቲ ዝስምዖም ቶግ እዮም ዘብልዎ። ምስቶም ሕሹኽ-ሹሕ ዝህወትኩም ከበሰኛታት ድማ እዚ እውን ዓቢ ፍልልይ እዩ - ንእግረ-መንገድና።/ 

“‘ጣይ-ኣቡካ!’ ወይለቦኻ፡ ናጽነት እንተተረኺቡ ድኣ፡ ንስኹም ናብ ኣሕዋትኩም ንዓድኹም ትምለሱ፤ ንሕና ድማ ብሰላም ኣብዛ ዓድና ንነብር!” በሎ ይበሃል። ብኣተሓሳስባ እቲ በኒዓምራይ፡ ኣሕዋት ደብረጼን ማለት ምሉእ ትግራይ-ትግርኚ እዩ። ብኸመይከ ድኣ እሞ ክፈላሊዮ ተውሳኺትሉ!!

ኣብ 1992-93 ዓመተ ትምህርቲ፥ ንምምህርና ተባሂለ፡ ካብ ሃይኮታ ክሳብ ፎርቶ-ሳዋን ሞለቤርን ኣብ ዝንቃሳቐሰሉ ዝነበርኩ ግዜ - ካብ ህዝቢ በኒዓምር ዝተረዳእክዎ ነገር እንተ ነይሩ፤ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ትግራዎትን ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ዘለዉ ትግርኛን ፍልልዮም እንታይ ምዃኑ ፈጺሙ ዘይርድኦም ምዃኑ እዩ። 

ኣብዚ ስእሊ፡ እቲ፡ “ኩሉኹም ተጋሩ!” ዝብሎም ዘሎ ጻዕዳ እዩ። ንደቂ መታሕት እውን፡ ትግርኛ ዝዛረብ ከበሰኛ ኩሉ ሓደ እዩ። ክኖጆ መረብ ይሃሉ ኲኖ መረብ - ብዘየገድስ። መረብ ዝበሃል ውሕጂ ኣብ ኤርትራ ምህላዉ እኳ ኣይፈልጡ - ጋሽ እዮም ዝብልዎ - ንሳቶም። ገለ ውሑዳት፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ - 1998 ቁሩብ ዝተሰቈሮም ነይሮም እዮም።

እዛ ትስዕብ ሕቶ ደቂ በኒዓምር ኣነ መልሲ ኣይረኸብኩላን - ዛጊት። “እዞም ህዝቢ ከበሳ ኤርትራ፡ ነቶም ቋንቆምን ባህሎምን ዘዘውትሩ ኣሕዋቶም፡ ትግራዎት፡ እናጸልኡን እናተዋግኡን፡ ብኸመይ ኣቢሎም እዮም ንዓና ዝፈትዉና?!” ኢሎም ብዓይኒ ጥርጣረ ይሓቱ እዮም - ህዝቢ መታሕት። ሃየ እስከ ነዚ መልሲ ዝህቦም ሰብ እንተ ሃሊዩ ይቕረብ። ብኸመይ ኢኹም ምስቶም ዳርጋ 100% ዝቐርብኹም ህዝቢ እናተናቘትኩም፥ ምስቶም ጆኦግራፍያዊ ምቅርራብ ጥራይ ዘማጸኣኩም ኣህዛብ ሕብግ-ግብ ትብሉ?! 


ስንቅኹም ጣይታ ወይ ብርኩታ፥ ክዳንኩም እጄ-ጠባብ ወይ ኩታ፥ ሳዕስዒትኩ እስታሊለ ወይ ኩዳ፥ መበቈልኩም ዓዲ ኲታ ወይ ክሎ-መከዳ . . . ቋንቋኹም ትግርኛ እዛ ንፈልጣ፤ ካበይ ድኣ ተምጽእዎ እዚ ኹሉ ጣጣ?! ኢልና ዶ መልስኹም ክንጽበ።

“እዚ እሞ መዓስ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ኰይኑ? ንኣብነት፡ ሩዋንዳን ኡጓንዳን እንዶ ንርኤ፤ ጁቡትን ሶማልን ከማን ኣለዋ እንዶ?” ኢልኩም ከይተሀውትቱና ሓደራ!!

1 comment:

  1. መሃርን ጠቃምን ጽሑፍ ኣብ ግዜ ህጻንነተይ ኣብ ኣብያተ-ሻህን፣ ኣብያት-መግብን ዘንብባ ዝነበርኩ ናይ ቀዳሞት ብሂል ኣዘኪርካኒ ንሳ ካኣ
    ኦም ረኺበ ኢልካ ኣይተጽልል
    ጓና ፈትዩኒ ኢልካ ሓውኻ ኣይተቃልል
    ሰናይ ቅነ

    ReplyDelete