Tuesday 2 September 2014

‘ሓደ መስከረም’ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ዘይኰነት-ሲ ‘ኤርትራዊት-መዓልቲ-ሓሶት’ እያ!!

ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ህዝቢ ዓደ’ብሰዓድን፡ ኣፍልጥኡ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ጐድኒ ዓዱ ዘላ ልቢ-ወለዳዊት ጐቦ ‘ኣዳል’ን ጽሒፈ ነይረ። ቅድሚኡ እውን ብዛዕባ እቲ ካብ ሰውራ ኣልጀርያን ካልኦት ሰውራታት ዓለምን ተተርጒሙን ተራዒሙን ዝቐረበ ልብ-ወለዳዊ ዛንታታትን ኣጀማምራ ‘ሰውራ-ኤርትራ’ን ገሊጸ ነይረ። ዛጊት እቲ ሓሳብ ጌጋ ምዃኑ ዝእርም ጽሑፍ ኣይረኤኹን።

እቲ ሕጂ ዝያዳ ዝገርመኒ ዘሎ ግን፡ ዋላ እቶም ‘ነቲ ስርዓት ንቃወም ኣለና’ ዝብሉ ኤርትራውያን፡ በቲ እቲ ስርዓት ዝፈብረዀ ናይ ሓሶት መንገድታት ሸናዕ ክብሉን፡ ከም ፓፓጋሎ ንሓሶታቱ ከቃልሑ ምርኣየይ እዩ።

ትማሊ መዓልቲ ሓደ መስከረም እዩ ነይሩ። መንግስቲ ይኹኑ ተቓወምቱ ከኣ፡ ነታ ብሓሶት ምሂዞም ዝኣመንዋ ዛንታ-ዕንኪላሎ፡ በብወገኖም ሌፍ ክብሉላ ውዒሎምን - ይቕጽሉ ኣለዉን።
ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ገለ ብዙሕ እግደሰሎም ዘይነበርኩ ዝኽርታተይ ተቐስቂሶም። እንሆ ድማ፡ ሎሚ ንግሆ ብፍኑው ከስፍሮም ጀሚረ። 

መብዛሕትኹም ከም እትዝክርዎ፡ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ብምኽንያት ጽንብል መዓልቲ ‘ናጽነት’ ብ‘ተዓወት’ ዝፍለጥ ዓመታዊ-መደብ ሕቶታት እወጽእ ነይሩ እዩ። ኣብ ናይ 2004፡ ምናልባት እውን 2005፡ እዛ ትስዕብ ሕቶ ወጺኣ ነይራ። 

“መንግስቲ እንግሊዝ ንጅግና ጀማሪ ሰውራ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ንዘትሓዘ ሰብ ክንደይ ገንዘብ ክትህብ ተመባጺዓ ነበረት?” ትብል ሕቶ ነይራ።

ገለ ሰባት ድማ ኣብ ስነዳን ምርምርን ክፍትሸሎም ተወከሱኒ። ከይደ ረኺበሎም፤ እንግሊዝ ነቲ ዓዲ ዘሰንኰረ፡ ብቛንቁኦም (notorious bandit) ዝበልዎ፡ ብመዝገበ-ቃላት ትግርኛ ክፍታሕ እንከሎ ‘ጸይቀ-ዕሉል ሽፍታ ብህይወቱ ወይ ብሬስኡ dead or aliveንዘትሓዘ £300 ፓውንድ እንግሊዝ እያ ተመባጽዓ ዝነበረት። ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝብል ኣርእስቲ፤

No. 003 – Public Notice – Asmara, January 1950: Issued by Chief Secretary (Sgd) C.F.B pearce

Public Notice

ነዊሕ ዝርዝር ኣስማት፡ ናይቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ሸፋቱ ዝነበሩ ወጺኡ ነበረ። ካብኣቶም፡ እቲ ቀዳማይን ዝለዓለ ዋጋ ክወሃቦ መብጽዓ ዝተኣትወሉን ‘Hamed Idris Awate’ ኴይኑ፡ ዝርከበሉ ከባቢታት ከኣ ኣንቶረ ዝብል ነበረ። ቀጺሎም ናይ £200 መብጽዓ ዝተኣትወሎም፡ ኣብ ከባቢ በራቒት-ዓባይ ዝሸፈቱ፡ Weldegebriel Mossazghi Berhe Mossazghiን . . . እናበልካ በዓል ሓጐስ ተምነዎ፡ ኣብርሃ ሱባን በርሀ ልጃምን . . . ይቕጽሉ። ኣብቲ ነዊሕ ዝርዝር - እቶም ዝበዝሑ ዳሕረዎት፡ ጒዳዮም ምስ ቅትለት ዝተሓሓዝ ኰይኑ፡ ናይ £20 መብጽዓ ጥራይ ዝተኣትወሎም ጫብሎት-ጃለ እዮም ነይሮም።

ብዝኾነ፡ እዛ ሕቶ ምስ ተላዕለት፡ ከይተሓስበ ኣብ ርእሰይ ዝነበረ ዛዕባ ቀስቂሳትለይ። ኣብቲ ግዜ'ቲ ሓደ፡ መሓመድ-ኣድም ገሲር ዝተባህለ ብሌናይ፥ ካብ ሃገረ ስዑዲ ዓረብ ኣስመራ ኣትዩ ነበረ። ምስ ዓዋተ ብኣካል ነይሩ ተባሂሉ ድማ ብቐጻሊ ኣብ ቃለ-መጠይቕ ይቐርብ ነይሩ - ብፍላይ ኣብ መደባት ቋንቋ ትግረን ዓረብን። 

ንምዃኑ፡ ካብ ተዛረብቲ ቋንቋ ብሌንን ትግረን ንወድ-ገሲር ዘይፈልጥ የለን፤ - ኣብዚ ቀረባ ዓመታት እዩ - ብሞት ወይ እውን መስዋእቲ በልዎ - ኣብ ስዑዲ ዓረብ ሓሊፉ። ኣዝዩ ተዋዛያይን ሕውስን ኣብ ልዕሊ ምንባሩ፡ ኣብታ ንቛንቋ ትግረ ንምምዕባል ቈይማ ዝነበረት ኮሚተ እውን ኣባል ብምንባሩ ምስ ብዙሓት ቀጥታዊ ርክብ ነይርዎ እዩ። ንምርካቡ ዘጸግም ሰብ ድማ ኣይነበረን።

"ወይ ባንዴራይ ስቐሉለይ ወይ ሰላም ኣይክህበኩምን እየ!"

ሓደ ግዜ ምስ ሓደ ኣቐዲሙ ምዱብ ቃለ-መጠይቕ ኣካይድሉ ዝነበረ ኣባል ዜና ኰይና ንገሲር ክንረኽቦ መደብና። እቲ ኣባል ዜና ብገርሁ፤ ኣነ ግን ብሓውሲ ትንኩልና ኢና ከድና። ‘ገሲር’ ከምታ ሳጉኡ እውን ትሕብራ ሓጺር ኰይኑ፡ ልዕሊ ኹሉ ዝልለየሉ ግን ንዓብን ንእሽቶይን ዘይጋየሽ ሰብ ዓላ ሰብ እዩ ነይሩ።

“‘እንግሊዝ ንዓዋተ ንዘትሓዘ ክንደይ ገንዘብ ክኸፍል እየ’ - እያ ኢላ ነይራ ወድ-ገሲር?” ሃንደበት ሕቶና ሰንዲናሉ።

“እንግሊዝ ዶ ከምኡ ኢላ ነይራ እያ - ወደይ?! ተገልቢጡ ሓቲቱና” ናብቲ መማጽእተይ ኣባል ዜና እናጠመተ። ናብቲ ኣባል ዜና ዝጠመተ ብሃውሪ ኣይመስለንን። እሂታ ከምኡ ኸ ትብሉ ዲኹም? ዘስምዕ እዩ ነይሩ ኣጠማምትኡ።

“ንሕና እኳ እዚ ኣብ ዜና - ትብልዎ ኢና ተመሊስና ንነግረኩም!” በለና እናሰሓቐ።

እዛ ዘረባ እዚኣ፡ ኣቐዲመ እውን ዝጥርጥራ ዝነበርኩ እያ። ዝዀነ ኣባል ዜና ድማ እፈልጣ እዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ዝዀነ ሰብ ንቓለ-መጠይቕ ኢልካ ቴፕ ወስ ምስ ኣበልካሉ፤ ኣብ መዓልቲ ናጽነት፥ ኣብ 20 ሰነ፥ ዋላ እውን ኣብ 8 መጋቢት እንታይ ክዛረብ ከም ዝግብኦ ይፈልጥ እዩ። ብኣኣ መሰረት ድማ እዩ - ቃሉ ዝህበካ። ሳሕቲ እውን ቴማ ናይቲ በዓል ርእዮም ዝዛረቡ ኣለዉ። ከምዚ ሕጂ ንወድ-ገሲር ረኺብናዮ ዘለና እንተዀይኑ እቲ ዕላል ድማ፡ ኩሉ እቲ ትሕዝቶ ይቕየር - ብፍላይ እንተ ኣቕሪቦሙኻ።

ወድ-ገሲር፡ ምስ ዓዋተ ነይርካ ተባሂሉ ክሕተት እንከሎ፡ ነቲ ብሓሶት ህዝባዊ ግንባር ዝደጋገመቶ እዩ ተመሊሱ ዘዘንትዎ ነይሩ። ዋላ እውን ካብ ናይ ገዛእ-ርእሱ ኣበሃህላ እንተ ተበገስና፤ “ንሕና እኳ እዚ ኣብ ዜና - ትብልዎ ኢና ተመሊስና ንነግረኩም!” እንታይ ማለት ድዩ እዚ?!

“ከመይ ኢኻ ትብል ዘለኻ?” እቲ መማጽእተይ ሓተቶ።

ወድ-ገሲር ናብ ኢድ እቲ ጋዜጠኛ ዓርከይ ገጹ ቁሊሕ-ምልሕ በለ። ከም ግምተይ ኣብ ኢድ እቲ ጋዜጠኛ መምልኢት ቴብ ከይትህሉ እዩ ዘረጋግጽ ነይሩ መስለኒ።

“ንኣብነት እቲ ኣብቲ ቃለ-መጠይቕና፡ ‘ኣብ ሓደ መስከረም ኣብ ጐቦ ኣዳል ኲናት ውዒልና’ ዝብል፡ ንባዕለይ ካባኹም እየ ዝፈልጦ። ንሕና እታ ቀዳመይቲ ጥይት ሰውራ ኣብ ደብር-ሳላ ከም ዝተኰስናያ ክንዛረብ ኢና ተሰማሚዕና ነይርና። ን'ቕያዳ' መርሒነት እውን ብኸምኡ ኢና ሓቢርናያ። እቲ ግዜ ድማ መስከረም ኣይነበረን። ህዝቢ ብኡ ካብ ወሰዶን ተረድኦን ግን እንታይ ጸገም ኣለዎ” በለና እናሰሓቐ።

ቀጺልና፡ ብዛዕባ ኣማውታ ዓዋተ ብመልከፍቲ ጺን፡ ስለምንታይ ሞቱን መቓብሩን ብምስጢር ከም ዝሓዝዎ፤ እቲ ጻዕዳ ፈረሱ ካበይን ብኸመይን ከም ዝዘመቶ ዘዝፈልጦ ዘበለ ብግልጺ ኣዘንተወልና። ዳርጋ ምስቲ ኩሉ መንግስትን ተቓወምቱን ትብልዎ ሃተፍ-ተፍ ዘራኽብ የብሉን። ሎሚ ልዕሊ ጳጳስ ካቶሊክ ክትኰኑ እትደልዩ ሕሉፋት - ሓደ መዓልቲ ነቲ ሰብኣይ ክትረኽብዎ ነይርኩም።

ካብቲ ገለ ዝዝክሮ መስሓቕ፡ እቲ ካልኣየይ፡ “ሓምድ ‘ዓንጃ’ 7 ቋንቋታት ይዛረብ ነይሩ፤ 7 ሰባት ድማ ምስኡ ነይርኩም፡ ብኸመይ እዩ ኩሉ 7 ኰይኑ?” ኢሉ ሓቲትዎ ነይሩ።

ገሲር፡ “ኣቐዲምኩም እተን ኣሃዛት ሸሸውዓተ ገርኩምወን ጸኒሕኩም እምበር - ሕጂ እኳ ተትሽዓተ ምበልናየን እሞ ምስተን ብሄራት ዝበሃላ ዘለዋ ምኸዳልና!” በለ ሽዕኡ እውን - እናሰሓቐ። ገሲር ኣድሃ ኣምሲሉ ብዙሕ መልእኽቲ እዩ ኣሕሊፉልና። ዳእልኡን ቁም-ነገሩን ክትሓሒዮ እንተኺእልካ፡ ዋላ እቲ ንእንዳ ዜና ዝሃቦም ሓበሬታ እውን ብዙሕ ሳውቄናት እዩ ነይርዎ።

ገሊኡ ፈጺሙ ኣብ ትጽቢትና ዘይነበረ እዩ ነይሩ። ገለ ካብኡ ምስ ግዜ ክዝክሮ ተስፋ እገብር። ከምዚ ዝመስል ኣጋጣሚ ግን ካብ ገሲር ዝሰማዕክዎ ጥራይ እውን ኣይነበረን።

ብዘልማድ ዓዋተ ኢልዎም ዝበሃሉ መእሰሪ-ኣልቦ ኣበሃህላታት ብዙሓት እዮም። ንመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ "ሰላም ክህበኩም እንተደሊኹም ነዛ ባንዴራና ኣብ ቦትኣ ምለስዋ!" ኢልዎም- ብነድሪ። "እዚ ቃልሲ ደቂ ከበሳ ኣሕዋትና ከይተሓወስዎ ኣይዕወትን እዩ"፤ "እዛ ሎሚ ውሑዳት ንስሕና ዘለና ቁልዒ፤ ጽባሕ ንግሆ መጋርያ ኰይና ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ክስሕና እዩ!" እዛ ዳሕረወይቲ እኳ፡ ሓቂ እሓይሽ ዋላ እንተዘይብላ እውን ሓቂ እያ፤ እታ መጋርያ፡ ኩሉ ሰብ ስሒንዋ ጥራይ ዘይኰነስ ተጠቢሱላ እውን እዩ። ደቃ እትለሉ ወቐይ-ኣልቦ ከንቱ መጋርያ! ካብቶም ምስኡ ነይሮም ዝበሃሉ ግን፡ "እወ፡ እዚኣስ ካብ ቃሉ ሰሚዐያ ነይረ እየ" ዝብል ኣይትረክብን ኢኻ።

ደቂ-ኸበሳ ኣብ ምጅማር ሰውራ ኢድ ነይሩና ክብሉ መታን ዝብልዋ መስደመም ዘረባ ድማ ኣላ። "ገብረህይወት ሕብርቲ ዝበሃል ትኽ-ትንፋስ ዓርኩ መጋድልቱ ነይርዎ ንወዲ-ዓዋተ" ክብሉ ዶ ሰሚዕክምዎም ኣለኹ?! ብዝዀነ . . .

ህዝባዊ ግንባር ባዕላ፡ እታ ቀዳመይቲ ንዓዋተ ከም ሽፍታን ቀይዲ-ኣልቦ ፋሉልን ገይራ ትገልጽ ዝነበረት ውድብ እያ። ጸኒሖም ግን፡ ኣብቲ ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤ ዝብልዎ ናይ 1987 እያ - ምስ ምምጻእ ገለ ንዓዋተ ከም ጣኦት ዘምልኻ ውድባት እያ ነቲ ቃና በብቑሩብ ክትቅይሮ ጀሚራ። እቲ ዘገርም ድማ፡ ገለ ሰኣልቲ ናይቲ ውድብ፡ ንዓዋተ፡ ነታ ኮዀብ ዘለዋ ኣርማ ህዝባዊ ግንባር እናኣንበልበለ ብፈረስ ከጋልብ ከሎ ስኢሎም ከርእዩና ጀሚሮም ነይሮም - ብውሕዱ ኣብቲ ዝነበርናዮ ቤት-ትምህርቲ። እቲ ኣብ 1962 ዝሞተ ዓዋተ ነታ ባንዴራ ህ.ግ ኣበይ እዩ ረኺብዋ እንድዒ!

ሓደ እዋን፡ ኣብ ተሰነይ ኣብ ዝቐነኽሉ ግዜ እውን፡ ብሓገዝ ናይ ሓደ ዓርክና፡ ንመሓመድ ዑመር ዓብደላ -ኣቡጥያራ- ክንረኽቦ ዕድል ረኺብና ነበርና።

“ኣቡ-ጥያራ፡ ለጥያረት ሚ ዶል ወዲብ ኣያ ከሬካሃ?” ሓቲትናዮ።
 
“ነታ ነፋሪት-ሲ  ኣበይን መዓስን ኢኻ ኣውድቕካያ?” ኢልና ሓቲትናዮ። ምኽንያቱ፡ “ንኣቡ-ጥያራ፡ ‘ኣቡ-ጥያራ’ ዝብል ሳጓ ዝተዋህቦ ብጓንደ ዶ ብሰፋኖቭ ዶ ገይሩ ነፋሪት ስለ ዘውደቐ እዩ!” ዝብል ማእለያ ዘይብሉ ወረ ይንገረና ስለ ዝነበረ እዩ ነይሩ።

“ኣነ እኳ ነፋሪት ዘውድቕ ብረት እውን ዓጢቐ ኣይፈልጥን እየ። እንተዀነ ግን፡ ዋላ ኣብ እምባህራ በልዎ ነቲ ዛንታ ክምችኣኩም እንተደሊኹም!” በለና - ንሱ እውን እናሳሓቐ። ብዙሕ ካልእ፡ ብልምዲ እንፈልጦምን ሓቂ ዝመስሉና ዝነበሩ ‘ሓሶታት’ን እውን ኣብርሁልና ነይሩ - ኣቡጥያራ - መንግስተ-ሰማያት ይሃቦ።

ህዝባዊ ግንባር ግን፡ ብዛዕባ ቀዳሞት ተጋደልቲ ጥራይ ኣይኮነትን እኳ ትሕስወልና ነይራ እውን።

ቀሊል ኣብነት ናይ ዓንደማርያም ውጩ ንውሰድ።

ተማሃሮ እንከለና፡ እንታይ ድዩ ዝበሃለና ነይሩ?!

“ውጩ ኣብ ሓንቲ ታንኪ ደይቡ፡ ብምልኦም ነቶም ታከኛታት ምስ ማረዀም፤ ኣምሓርኛ እፈልጥ ስለ ዘይነበረ፡ ውጹ! ውጹ! ክብል ዝሓሰቦ እዩ፤ ውጩ! ውጩ! ኢልዎም” ይበሃለና ዶ ኣይነበረን? ክትሕስዉ እንተዘይደሊኹም ነዚ ዘሰምዐ ኣሎ?! ውጩ ሳላ ዕሽነቱ ከምኡ ዘግብር ትብዓት ኣይነበሮን ኣይበሃልን። እቲ ሓሶት ግን ምስ ግዜ ባዕሉ ውጩ ከሽሕዎ።

ኣብቲ ምስ መጽሔት ‘ሕውየት’ ዘካየዶ - ቃለ ምልልስ - እታ ውጩ ትብል ሳጒኡ ቅድሚ ገድሊ ምውጽኡ ዝወጸት ምዃና ገሊጹ። እቶም መዛንኡ፡ ኩሉ ግዜ፡ “እንታይ በሊዕካ መጺእካ?” መምስ በልዎ፤ “ውጩ” ኢሉ ይምልሰሎም ብምንባሩ ከም ዝተዋህበቶ ሓቢሩ ነይሩ - ባዕሉ ውጩ እወ - መን ደኣ። ከም ንፈልጦ - ውጩ በርበረ ኣብ ማይ በጽቢጽካ - በጅቢጅካ ዝብላዕ መግቢ-ስኡናት እዩ። ወዲ እታይ ከኣ፡ ከም ዝበዝሑ ደቂ ኤርትራውያን ሓረስቶት ድኽነት ኣውዲቓ ምስ ሓሰየቶ ንሽቕለት ክብል ንመታሕት ተሰዲዱ ነይሩ።

"ውጩ ዝብል ሳጓ፡ ንውጩ ብኸመይ ከም ዝለገበቶ ካብ ቃላቱ ንበብዎ!" 
ካልእ ካብቲ ውጩ ኣብቲ ቃለ-ምልልስ ዝበሎ፤ ኮማንዲስ ክኽተብ ሰንበል ተመላሊሱ ምስ ኣበይዎን፡ ኣብ ኣባሻውል ስዋ ምስታይን ምፍላጽ ዕንጨይትን ምስ ሰልቸዎ፡ ኣማራጺ ጸቢብዎ ንሜዳ ምውጽኡ እዩ ገሊጹ። ከም ወዮ ብነኣሽቱና ዝበሃለና ዝነበረ ግን፡ “በዓል ውጩ ከክንዳኹም እንከለዉ እዮም ብርሱን ሃገራዊ ስምዒትን ንቕሓትን ናብ ገድሊ ኣምርሖም” ዝብል መታለሊ ሓሶት እዩ ነይሩ። ህ.ግ ቀላል ፈብራኺት ኣይኰነትን። እቲ ዝባኣሰ ድማ እቶም ናታ ሓሶት ትደግሙ እዩ!

ዕድመ እንተሂቡካ ግን ኩሉ ስለ ዝብጻሕ፡ ኮማንዲስ ተዓሲቦም ንኣስላም ንምጽናት ምስላጥ ኣብዪዎም፤ ሓኪሎም ዝተሓወስዎ ሰውራ ምንባሮም ነጊሮሙና ባዕላቶም።

ሕጂ እናጸሓፍኩ እውን ሓንቲ ዘኪረ። ኣብ መስከረም 1994፡ ንኽረምታዊ ዕርፍቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ከሪመ፡ ክምለስ እንከለኹ፤ ሓደ ብወደል’ባድያ ዝብል መጸውዒ-ስም ዝፍለጥ ሰኣላይ፡ ካብ ከሰላ ክሳብ ተሰነይ ብሓደ መጺእና። ርግጸኛ እየ ደቂ ተሰነይ ከም ትዝክርዎ። 'ወድል'ሩጣና' ዝብል ካልኣይ መጸውዒ-ስም እውን ነይርዎ እዩ። ኣብ ዝሓለፍካዮ ሆቴላትን ቤት መግብን ደስ ዘብል ዕንባባታትን፡ ፍሩታን ጽሟቕን ዝስእል ዝነበረ፡ ሰኣላይ-ናይ-ኢድ እዩ። ጸኒሑ ክሳብ ባረንቱ፡ ኣቐርደት፡ ዋላ እውን ኣብ ከረን ኣብ ብዙሓት መናድቕ ንሱ ዝሰኣሎ ኣሳእል ርእየ ኣለኹ። እዚ ሰብ እዚ፡ ናይ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣሳእል ኣብ መናፈሻ ሰላም ተሰነይን፡ ኣብታ ጒላ ትመስል ንዓዋተ ተባሂላ ኣብ ሃይኮታ ዝተሰርሐት ሓወልትን ክስእል ‘ዕድል’ ረኺቡ ነይሩ።

ሽዕኡ ዘጋጠሞ፡ ጸኒሕና ኣብ ከረን ምስ ተራኸብና፡ ብዕላል-ዕላል ነጊሩኒ ነይሩ። መጀመርታ፡ ስእሊ ዓዋተ ተባህሉ ተዋሂብዎ ምስ ሰኣለ፤ ጸኒሖም ግን፥ “መን ኢሉካ ዓዋተ - እዚ እዩ?!” ብምባል ንኻልኣይ ግዜ ካልእ ስእሊ ከም ዝስእል ገይሮሙኒ - ከመይ ድዩ እዚ ጒዳይ ይብል ነይሩ። ኣነ ብወገነይ፡ ንኻልኦት ከምኡ ኢሉ ካብ ምሕታት ክቚጠብን ዝተዋህቦ ስእሊ ጥራይ ክስእል ሕውነታዊ ምኽረይ ለጊሰሉ። እዛ ጸገም እዚኣ፡ ሓደ ሰብ እውን ኣብ ፌይስ-ቡክ ኣልዒልዋ ነይሩ እዩ። ነተን ክልተ ዘይመሳሰላ ስእሊ ዓዋተ ኣምጺኡ፡ "ኣየነኦም እዩ ዓዋተ?" እናበለ ይሓትት ነይሩ።

ምስ መም. ሙሳ ኣሮን ብምዃን ንኣፋዊ ያታ ህዝቢ ትግረ ዝገልጽ መጽሓፍ ‘ሜራስ’ ከነዳሉ እንከለናን፡ ብውልቀይ፡ “Tigre Oral Poetry: Genres and Thematic Concerns” ብዝብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ዘዳለኽዎ ‘ሲነር-ፔፐር’ ዘስተብሃልክዎ ሓደ ሓቂ ነይሩ። ህዝቢ ትግረ፡ ጌና ካብ ልምዳዊ-ኣፋዊ-ያታ ስለ ዘይተላቐቐ ነገራት ናይ ምግናንን ምብዛሕን ልማድ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ኣብ ምዕራባዊ መታሕት፡ ዓጆላይ፡ ሮዳና፡ ራይሞክ፡ ታጁጅ . . .  ተባህሉ ዝድረፈለን ያታውያን-ገጸ-ባህሪ ኣለዋ። እቶም ዘፍቀርወን እንተበዝሐ ሓሓደ ደርፊ እዮም ደሪፎምለን ዝዀኑ። እቲ ህዝቢ ግን ባዕሉ ደደርፉ ንሳቶም ከም ዝደረፍዎ ገይሩ እዩ ዘቕርቦ። ሓንቲ ዛንታ ምስ ሰምዐ 100 ገይሩ ናይ ምርባሕ ልምዲ ኣለዎ። ናይ ዝዀነ ሰበኽ-ሳግማዊ ህይወት ዝመርሕ ህዝቢ ባህሊ ድማ እዩ። ናይ ዓዋተ እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ዝተራብሐን ዝተጋነነን እዩ። ሎሚ ግዳ ብዓቢኡ ብድምጺ ሓፋሽ ትበሃል መራብሒት-ወረን ሓሶትን መሽን ከማን ረኺቦም። ተቓወምቲ ዝበሃሉ ፓፓጋሎ እውን ሰሲኖምሎም።

ኣብዚ በዘፈቀደ ዝጽሕፎ ዘለኹ ጽሑፍ፡ እቲ ቀንዲ መልእኽተይ ነቶም ነቲ ስርዓት ንቃወም ኣለና በሃልቲ እዩ። ክቃወምዎ እንተዀይኖም፡ መጀመርታ ንኹሉ ሓሶታቱን ኣብ ሰውራ ገይረዮ ዝብሎ ሓጂጃንን ክጉሕፍዎ ይግብኦም። እንተዘየለ፡ ‘ዓርኪ ሰባር-ሲያ ነቓዕ!’ ኰንኲም ኢኹም ክትተርፉ። ብዛዕባ ዓዋተን ኣጀማምራ ገድልን ግን፡ “ልዕሊ ዋና ዝፈልጥ-ሲ ቡዳ!” ከይኰነና ኣብዚ ከነብቅዖ።

ንምዃኑ፡ ብዛዕባ ዓዋተ ዝበሃል ሓቅን ቁም-ነገርን እንተ ዝነበር፡ ልዕለይን ልዕሌኹም ዝተማህረ ዶ.ር ከራር ወዱ ዶ ኣየለን ብህይወቱ?! ንሱ ዘይጽሕፎ - ከመይ? እዞም፡ ዝፈለጥኩሞ ዘይብልኩም፡ “ዓዋተ ጅግና! ዶ ባሕቲ መስከረም ዶ፡ ባሕቲ ጥቅምቲ!” ትብሉ ዘለኹም ከኣ፡ ልዕሊ ወዱን ናይ ቀረባ መጋድልቱን ኣፍልጦ የብልኩምን። ገድሊ ኤርትራ ብጽውጽዋይን ሓሶትን ጀሚሩ፡ ብኸምኡ ዝተዛዘመ - ናይ ታሪኽ ‘እስካሪኮ’ ጥራይ ክሰትሮ ዘለዎ እዩ። ሽፍታ ጀሚርዎ - ሸፋቱ ድማ ይቕጽልዎ ኣለዉ። ተቓወምቲ ትበሃሉ ሓደሽቲ ሸፋቱ ድማ ኣብ ደገ ትጫጭሑ ኣለኹም። እዛ ባሕቲ መስከረም ትብልዋ ዘለኹም ድማ፡ ካብ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ማእለያ ዘይብሉ ሓሶት እንሰምዓላ ‘ኤርትራዊት-መዓልቲ-ሓሶት’ ኰይና ኣላ።

6 comments:

  1. ድፋዕ ቐይርካ እምበኣር ክትታኾስ ጀሚርካ። ኣነ ኸኣ ኣንታ ዒራዒሮ ዶ ኣእትዮሞ ኾይኖም ኢለ ሽቕል ቐንየ። ዓዋተ. . .ዓዋተ . . . ፈራህ ኣይሞተ፣ ተባዕ ኣይሞተ ውን እኮ ይበሃል እዩ። እታ ናይ ኣደም ፋይድ ዕትሮ ድያ ራሕባ'ኸ ትህሉ'ዶ፧ ሓንቲ ትገርመኒ ሕቶ ግዳ ነይራ፣ ስለምንታይ ዓዋተ ዝግብኦ ሓወልቲ ዘይተሰርሓሉ (ኸምቲ ዝብልዎ እንተኾይኑ)፧ ስለምንታይ'ከ ሓደ መስከረም ናይ ቐልዓለም በዓል ትኸውን ዓመት ዓመት (በዓል ዝፈቱ ህዝብናን መንግስትናን ኣብ ግምት ኣእቲኻ)፧

    ReplyDelete
  2. alena bezi nkashaH, Angisha arkey!

    ReplyDelete
  3. Antum sebat entay Oaynet tarikh dea eyu ezi! Lol!!! Bshm tarikh iertra xwxway nmehar nierna malet iyu!

    ReplyDelete
  4. Good job Dessu Beal haqi Hilna!

    ReplyDelete
  5. Kulu Tezarabay Tigrigna Eritrawi eyu malet aykonen social media dima agedasi weapon koynu alo abzi ewan silezi weyane dima bisirat yitqemelu alo ab guday Eritrea.....So HAMED IDRIS AWATE is the father of sovereign Eritrea!

    ReplyDelete
  6. I respect your thoughts thou!
    Victory to the masses

    ReplyDelete